S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ፖፕ ቴዎድሮስ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን እስክንድርያ ምስ ፖፕ ቄርሎስ ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ሩስያ ብ29 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ሞስኮ ተራኺቦም። ኣብቲ ርክብ፥ ክልቲኦም ፓትርያርክ ዕሙቕ ዝበለ ዘተ ከምዘካየዱ እቲ ዜና ይሕብር። ብዝያዳ፥ ብዛዕባ ህልን እዋናውን ኩነታት ክልቴኤን ኣብያተ ክርስቲያናት፥ ሓዋርያዊ ጉስነት፥ መንፈሳዊ ትምህርቲ፥ እዋናዊ ጉዳያትን ዘጋጥም ዘሎ ጸገማትን ብሰፊሑ ተላዚቦም። ብተወሳኺ፥ ናይ ሓባር ኮሚቴ መስሪቶም።

ኣብ ቀጻሊ፡ እዚ ሓባራዊ ኮሚቴ'ዚ፥ መጻኢ ርክባትን ሕብረትን ንምፍጣር ዘኽእል ውጥናት ኣውጺኡ ናብ ክልቲኦም መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ከቕርብ ምዃኑ'ውን ተሰማሚዖም ኣለዉ። ኣባል ናይቲ ሓባራዊ ኮሚቴ ዝኾኑ፥ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን እስክንድርያ ብፁዕ ኣቡነ ኣንጌልዎስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ እዚ ርክብ እዚ፥ ክልቲአን ኣብያተ ክርስቲያናት ንዝህልወን መጻኢ ሕውነትን ሕብረትን ዘማዕብል፥ ጽቡቕ መጻኢ ዕድል ክልቲኤን ቤተ ክርስቲያናት ዝእምት ፈላሚ ርክብ ምዃኑ ገሊጾም።

ብወገን ቤተ ክርስቲያን እስክንድርያ ነቲ ናይ ሓባር ኮሚቴ ዝመርሑ ብፁዕ ኣቡነ ሰራፕዮን ክኾኑ እንከለዉ፥ ብወገን ቤተ ክርስቲያን ሩስያ ድማ ሊቀ ጳጳስ ሂላሪዮን ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታት ቤተ ክርስቲያን ሩስያ እዮም።

ፖፕ ቴዎድሮስ ኣብ ሩስያ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን፥ ገዳማትን ጥንታውያን ቅዱሳት ቦታታትን ክበጽሑ ምዃኖም እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ'ሎ። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ተወከስ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div