ፖፕ ቴዎድሮስ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን እስክንድርያ ምስ ፖፕ ቄርሎስ ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ሩስያ ብ29 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ሞስኮ ተራኺቦም። ኣብቲ ርክብ፥ ክልቲኦም ፓትርያርክ ዕሙቕ ዝበለ ዘተ ከምዘካየዱ እቲ ዜና ይሕብር። ብዝያዳ፥ ብዛዕባ ህልውን እዋናውን ኩነታት ክልቴኤን ኣብያተ ክርስቲያናት፥ ሓዋርያዊ ጉስነት፥ መንፈሳዊ ትምህርቲ፥ እዋናዊ ጉዳያትን ዘጋጥም ዘሎ ጸገማትን ብሰፊሑ ተላዚቦም። ብተወሳኺ፥ ናይ ሓባር ኮሚቴ መስሪቶም።
ኣብ ቀጻሊ፡ እዚ ሓባራዊ ኮሚቴ'ዚ፥ መጻኢ ርክባትን ሕብረትን ንምፍጣር ዘኽእል ውጥናት ኣውጺኡ ናብ ክልቲኦም መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ከቕርብ ምዃኑ'ውን ተሰማሚዖም ኣለዉ። ኣባል ናይቲ ሓባራዊ ኮሚቴ ዝኾኑ፥ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን እስክንድርያ ብፁዕ ኣቡነ ኣንጌልዎስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ እዚ ርክብ እዚ፥ ክልቲአን ኣብያተ ክርስቲያናት ንዝህልወን መጻኢ ሕውነትን ሕብረትን ዘማዕብል፥ ጽቡቕ መጻኢ ዕድል ክልቲኤን ቤተ ክርስቲያናት ዝእምት ፈላሚ ርክብ ምዃኑ ገሊጾም።
ብወገን ቤተ ክርስቲያን እስክንድርያ ነቲ ናይ ሓባር ኮሚቴ ዝመርሑ ብፁዕ ኣቡነ ሰራፕዮን ክኾኑ እንከለዉ፥ ብወገን ቤተ ክርስቲያን ሩስያ ድማ ሊቀ ጳጳስ ሂላሪዮን ሓላፊ ወጻኢ ዝምድናታት ቤተ ክርስቲያን ሩስያ እዮም።
ፖፕ ቴዎድሮስ ኣብ ሩስያ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን፥ ገዳማትን ጥንታውያን ቅዱሳት ቦታታትን ክበጽሑ ምዃኖም እቲ ዜና ወሲኹ ሓቢሩ'ሎ። ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ተወከስ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ