“ብዘይ ቅድስና ሓደ እኳ ንእግዚኣብሄር ኣይክርእዮን እዩ።” (እብ 12፡14)
ቅድስና ካብቲ ቀንዲ መለለዪ ባህርይ እግዚኣብሄር እዩ። ኣምላኽ ድማ ምእንቲ ተማቐልቲ እቲ ቅድስንኡ ክንከውን ኢሉ ንህይወትን ንፍርሃት እግዚኣብሄር ዝኸውን ኵሉ ሂቡና እዩ። ቅድስና ናይቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝጸደቐ ኣማኒ ናይ ህይወቱ መለለይ እዩ። ከምቲ ክርስቶስ ቅድስንኡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ምሉእ ዝኾነ፡ ከምኡ ድማ ልብና ንቕድስና ክግዛእ ይግባእ። ምኽንያቱ ጐይታ ኣብ ዘይተቐደሰ ልቢ ክሓድር ኣይክእልን እዩ። ከም ጳውሎስ ንክርስቶስ ኣብ ህይወቱ ዝገልጽ ሰብ እንተ ዘይተረኺቡ፡ ሰባት ንክርስቶስ ብምሉእ እምነት ክስዕብዎ ክኸብድ ከም ዝኽእል ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ብቅድስና ክንመላለስ፡ ርእስና ንኣምላኽ ከንግዝእ ይግብኣና። (ማቴ 5፡8፣ መዝ 24፡3-4፣ መዝ 73፡1)
ኣስተንትን
1. ቅድስና እንታይ ማለት እዩ፧
2. ኣገዳስነት ቅድስና ኣብ ህይወትካ ዘርዝር፧
3. ዓስቢ ቅድስና እንታይ እዩ፧
ከምቲ እግዚኣብሄር ቅዱስ ዝኾነ ብቕድስና ክንመላለስ ኣምላኽ ክረድኣና ናብ እግዚኣብሄር ብጸሎት ንቕረብ።
ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።
መህ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ