S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ቃል ኣምላኽ፡ ፍልጠትካ ንኸተስፍሕ

ነፍሲ ብዘይ ፍልጠት ምዃና ጽቡቕ ኣይኮነን። ቅልጡፍ እግሪ ኸኣ ይስሕት።” (ምሳ 192)

ፍልጠት ጽቡቕ እዩ። ኣምላኽ ከኣ ክንፈልጥ እዩ ዝደሊ። እንተ ዘይፈሊጥካ ትህወኽ፡ ዝህወኽ እግሪ ድማ ይስሕት፡ ንገለ ብዕላማ ዝጐዓዙ’ውን የሰናኽሎም። ስለዚ ዘይምፍላጥ ዓብዪ ጉድኣት እዩ። ኣካይዳናን ጸሎትናን ካብ ኣተሓሳስባናን ፍቓድ ርእስናን ዝመንጨወን ፍልጠት እግዚኣብሄር ዘይብሉን እንተ ኾይኑ ከንቱ እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ጳውሎስ፡ ብዘይ ፍልጠት ክትኮኑ ኣይፈቱን እየ፡ እናበለ ዝምስክረልና። ኣምላኽ እቲ ኵሉ እንገብሮ ብፍልጠቱ ዝተሰነየ ክኸውን እዩ ዝደሊ። ፍቓድ ኣምላኽ ዘይገብር ልቢ እንተድኣ ሃልዩና መስዋእትና ከንቱ ይኸውን ጥራይ ዘይኮነስ እግዚኣብሄር ንኽቐጽዓና’ውን ዝድርኾ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ባዕልና ዘይንምርምር፡ ሰባት ብዝሰበኹና ጥራሕ እንኸይድ፡ ብፍልጠት ክንህብትም ዘይንጽዕር እንተዄንና ነቲ ፈሊጥናዮ ንብሎ ነገር ከምቲ ዝግባእ ኣይፈለጥናዮን ዘሎና። (ሆሴ 46 ኤፌ 417 መዝ 11-3)

ኣስተንትን

1. ናይ ቃል ኣምላኽ ፍልጠትካ ንኸተስፍሕ እንታይ ኣገባብ ትጥቀም፧

2. ፍልጠት ቃል ኣምላኽ ናበይ ኣቢሉ ይመርሓካ፧

3. ብፍልጠት ዝተመላለሱን ብዘይ ፍልጠት ዝተመላለሱን ብምዝካር ካብኦም እንታይ ትምሃር፧

ጐይታ ካብ ዝነፍሕ ፍልጠትን ብዘይ ፍልጠት ካብ ዝጐዩ እግርን ክባልሃና ናብ እግዚኣብሄር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መህ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div