S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣምላክ ኣብ ጸሎትናን መንፈሳዊ ህይወትናን።

ከም ክርስትያን መጠን ኣብ ኩሉ ሓሳብናን ድልየትናን እግዚኣብሔር ኣምላክ ኣብ ህይወትና ማእከላይ ሰፈርን ትርጉምን ዝሓዘ ክኸዉን ኢዩ ዝግባእ። ምኽንያቱ ካብዘይ ምንባር ናብ ምንባር ዘሰጋገረና፡ ዘድልየና ኩሉ በብዕለቱ ዝምግበና ዝኣልየናን ንሱ ሰለ ዝኾነ። ስለዚ ኩለንትናና ናይ እግዚኣብሔር ኢና፡ ስለ ዝኾነ ከኣ ኣብ ንሽገረሉን ሓገዝ ኣብ ዘድልየናን ግዜ ኩሉ ግዜ ናብ እግዚኣብሔር ነእዊ፡ ስለ ስጋዊ ህይወትና ሓገዙ ንሓትት፡ ምሕታት ጥራይ ዘይኮነ ምረት ዝተሓወሶ ጥርዓን ነቕርብ። እዚ ዝኮነሉ ምኽንያትከኣ ካብኡ ወጻኢ ረዳኢ ስለ ዘይብልና ኢዩ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ስጋዊ ህይወትና ሓገዝን ረዲኤትን ንሓትት ኣብ መንፈሳዊ ህይወት እዉን ከምኡ ክንሓትት ኣገዳሲ ኢዩ።ምክንያቱ ካብ ኣምላኽ ተፈሊና እንጉዓዞ ህይወት መወዳእትኡ ናበይ ገጹ ከም ዝወስደና ስለ ዘይነፈልጥ። ብስጋ እካ ናብኡ ኣዚና ዝጠራዕና ብመንፈስ ደኣ ማዕረ ክንደይናብኡ  ክንጠርዕ ዘይግብኣና።

መንፈሳዊ ህይወት ማለት ፍቃድ እግዚኣብሔር ኣብዚ ምድሪ ምፍጻም ማለት ኢዩ። ከምቲ ኩሉ ግዜ ክንጽሊ ከለና እንብሎ "ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማኣብ ምድሪ ይኹን።" (ማቴ 6፡10) ልክዕ ከምኡ ብቅድስናን ንጽህናን ምንባር ማለትና ኢዩ። እቶም ናይ ሰማይ መላእኽቲ እቲ ጸሎቶምን ተግባሮምን ሓደ ኢዩ። ምክንያቱ ኣብ ጸሎቶም " ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኲላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ"( ኢሳ 6፡3) እንዳ በሉ ጸሎት ይገብሩ፡ ለይትን መዓልትን ከኣ ፍቃድ ኣምላክ ከገብሩ ይተግሁ። ፍቃድ ኣምላክ ቅድስና ክሳዕ ዝኮነ ከኣ፡ ልክዕ ከም ናቶም ንሕና እዉን ንቅድስና ኢና ተጸዊዕና ምክንያቱ እቲ ቃል ቅዱስ ኢየ እሞ ቅዱሳን ኩኑ ስለ ዝብል።

መንፈሳዊ ህይወት ብቅድስናን ፍቃድ እግዚኣብሔር ምንባር ካብ ኮነ። ኣብዚ ህይወት ብከመይ ንዓቢ ዝብል ሕቶ ከኣ ኩሉ ግዜ ኣብ የእምሮና ክመጽእ ዘለዎ ሕቶ ኢዩ።ብዙሓት ካባና መንፈሳዊ ህይወት በቲ ዝመሰለናን ቅኑዕ ኮይኑ ዝተራኣየናን መንገዲ እንዓቢ ዝመስለና ብዙሓት ኢና። መንፈሳዊ ዕብየት በቲ ናትካ ቃልስን ገድልን እትበጽሖ ህይወት መሲሉና ብደገ እንተ ዘይኮይኑ ብዉሽጥና ዘይንዓዩ ብዙሓት ኢና። ካብ ኣምላክ መምርሕን ጽንዓትን ክህበና ኣይንሓትትን። ነቲ ኣምላክ ዝበሎ ቃል ብዙሕ ኣይነስተዉዕለሉን፡ ጎይታ ከምዚ ይብል " ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረዚፈሪ።" ( ዮሃ 15፡5)። ኣምላክ ኣብ ኩሉ ዕዮና ምሳና ክኸዉን ኣይንሓቶን፡ ብኣንጻሩ ኣብ ናትና ሓሳባትን ካልኦት ዝህቡና ምኽርን ክንሙርከስ ንርኤ። እዚ ማለት ኣብቲ ቅድስና ክንበጽሕ ደኣ እንበር ብኸመይ ክንበጽሕ ንኽእል ብዙሕ ሓሲብና ንጉዓዝ ኣይመስለንን። ኣብ መንፈሳዊ ህይወት እቲ ናይ መጀመርያ ጉዕዞ ንእግዚኣብሔር ከመይ ኢልካ ክትጉዓዝ ከም ዘለካ ክትሓትት ከለካ ኢዩ እቲ ጉዕዞ ክሰልጠካ ዝኽእል። እቲ ቃል ከምዚ ይብል "ክሳዕ ሕጂ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምዎን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን፡ ለምኑ ኽትረኽቡ ድማ ኢኹም።"(ዮሃ 16፡ 24) ክብል ጎይታ ይዛረብ። ስለዚ ኢድ እግዚኣብሔር ኣብቲ ጉዕዞ ሰለይ ከተብለና ብስሙ ክንጽሊ ኣለና። ሓደ ህጻን እግሪ ቅድሚ ምትካሉ ዝገብሮ እንተ ደኣ ኣልዩ፡ ኣብ ኢድ ወለዱ ሒዙ ታተ ምባል ኢዩ። ክሳብ ሕቑኡ ደልዲሉ ዝከይድ ኣብ ወለዱ ክሙርኮስ እንተዘይኮይኑ ካልእ ኣማራጺ የብሉን። ንሕና ከኣ ኣብ መንፈሳዊ ዕብየት ብዝግባእ ክንዓብን ከምቲ ኣምላክ ዝደልዮም ዉሉዳን ኮይንና ክንርከብ እንተ ደኣ ኮይኑ ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ክንድገፍ ግድን ኢዩ።

እቲ ካልኣይ ጸገም  ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና ንምዕባይ ኣብ ንገብሮ ቃልሲ ብዙሕ መብጽዓታት ሰለ ንኣቱ ኢዩ። መብጽዓ ኣቲና ከይኣክል፡ ኣብቲ መብጽዓናዉን ንእግዚኣብሔር ሓገዝ ክንሓቶ ኣይንርኤን። ደገፍ እግዚኣብሔር ስለ ዘይብልና ከኣ ነቶም መብጽዓታት ክሳብ መወዳእታ ዓቂብናዮም ክንጉዓዝ ኣይንኽእልን። ብስምዒት ጀሚርና እንገድፎም ነገራት ብዙሓት ኢዮም። እቲ ምክንያት ከኣ ከመይ ኢልና ክንጅምሮምን ክንቅጽሎምን ከም እንክእል፡ ንምንታይ ኢልና ንገብሮም ኣለና ዝብል ሕቶ፡ ካብ መጀመርያ ከይሓሰብና ስለ ንጅምሮም ኢዩ። እዚ ነገር ካብ ስምዒታዊ ሙካን ኢዩ ዝብገስ፡ ማር ይስሓቅ ከምዚ ይብል "ሓደ ሓዉካ ብናይ መንፈስ መስኮት ከም መላእክቲ ክንፊ ኣዉጺኡ ናብ ሰማይ ክበርር እንተ ደኣ ርኣኻዮ ብእግሩ ስሒብካ ኣዉርዶ" ይብል። እዚ ማለት ከኣ ብስምዒት ተደሪኹ እቲ መንፈሳዊ ጉዕዞ ይኸዶ እንተደኣ ኣልዩ እለዮ ከም ማለት ኢዩ። ገለ ገለ ተዛረብቲ ሰባት እዉን ከምዚ ይብሉ ኢዮም" ሓዲሽ ክርስትያንሲ ዳርጋ ጳጳስ" ክብሉ ይዋዘዩ። በቲ ኢልካ በቲ ግና ብስምዒትዝጅመር ህይወት መፈጸምታ የብሉን፡ ኣብ ሞንጎ ተሓኒቁ ኢዩ ዝተርፍ። ስለዚ  ሓደ ሰብ ክጽሊ እንተ ደኣ ወሲኑ፡ ከመይ ኢሉ ክጽሊ ከም ዘለዎ ኣምላክ ክመርሖ ናብ ኣምላክ ኣቀዲሙ ክሓትት ኣለዎ። እቶም ሃዋርያት ቅድሚ ምጽላዮም ናይ መጀመርያ ሕቶኦም ንሱ ኢዩ ነይሩ። ንጎይታ ከምዚ በልዎ" ጐይታይ፡ ከምቲ ዮሃንስ ንደቀ-መዛሙርቱ ዝመሃሮም፡ ምጽላይ ምሃረና።" ( ሉቃስ 111) ምክንያቱ ከመይ ኢልካ ከም ትጽሊ እንተ ደኣ ዘይትፈልጥ ኮንካ ምጽላይካ ንኮንቱ ኢዩ ዝኸዉን ዘሎ ማለትኢዩ። ምክንያቱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ደኣ ተመልኪትና ነዚ ነንብብ " እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፥ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ ኤምስግነካ አሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ።"( ሉቃስ 1811-12) እዚ ሰብ ናይ መጀመርያ ጸገሙ ከመይ ኢሉ ክጽሊ ከም ዘለዎን ንምንታይ ይጽልን ስለ ዘይምፍላጡን ኢዩ። ልቡ ካብ እግዚኣብሔር ኣዝዩ ርሑቁ ኣሎ፡ እዚ ዝኮነሉ ከኣ ሓጢኣተኛ ስለ ዝኮነ ጥራይ ዘይኮነ ትዕቢተኛ ስለ ዝኮነ ኢዩ። ኣብ መንፈሳዊ ህይወት እቲ መጀመርያ ክንልምኖ ዘለና ነገር ስቡር ልቢ ኢዩ፡ ምክንያቱ ምስ ኣምላክ ዘራክበና ልብና ጥራይ ኢዩ። ምስ እንልምኖ ኣምላክ ከምዚ ክብለና ኢዩ "ሓድሽ ልቢ ድማ ክህበኩም፣ ሓድሽ መንፈስ ከኣ ከሕድረልኩም፣ ናይ እምኒ ልቢ ኻብ ስጋኹም ከውጽእ፣ ናይ ስጋ ልቢውን ክህበኩም እየ።"( ሕዝ 3626) ይብል፡ ብርግጽ እዚ ኢዩ መበገሲ ናይቲ ኩሉ መንፈሳዊ ጉዕዞ። ኩሉ ግዜ ቅኑዕ ህይወት ክንነብር እንተ ደኣደሊና ኩለንትናና እግዚኣብሔር ክቈጻጸሮ ንሕደጎ፡ ንጹሓት ክንከዉን ኢና ኢልና መብጽዓ ኣይንእቶ፡ ኣምላክ ክንጽሓና ግና ኩሉ ግዜ ንለምኖ። ከምዚ ንበል "ጸሎትና ተቀቢልካ ሓጢኣትና ሕደገልና፡ ጸጋ ዉህበት መንፈስ ቅዱስካ ለኣኸልና፡ ካብ ኩሉ ርኽሰት ስጋን ነፍስን ኣንጽሓና፡ ናብ መንፈሳዊ መንገዲ ምርሓና። ብመንፈስ ደኣክንጽዕር እንበር ብስጋዊ ስምዒት ከይንምላእ፡ ብኹሉ መዋእል ህይወትና ብንጽህናን ቅድስናን ከነገልግል ብቑዓት ግበረና" እንዳ በልና ኩሉ ግዜ ንጸሊ።እቲ ዘማራይ’ዉን ከምዚ ኢዩ ኢሉ "ካብ ኣበሳይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ፣ ካብ ሓጢኣተይውን ኣጽርየኒ።" (መዝ 51)

ነዚ ምስ እንገብር እግዚኣብሔር ከምዚ ኢሉ ክምልሰልና ኢዩ "እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡንስ፡ ልቢ ኽህቦም እየ፡ ብምሉእ ልቦም ናባይ ኪምለሱ እዮም እሞ፡ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።" (ኤር 247) ብዘይ ጸሎት ንስሓ የለን፡ እንተ ኮነ እቲ ጸሎት ከም ናይ ፈሪሳዉያን ጸሎት ዘይኮነስ ከምናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ዝኸዉን ኢዩ። ማር ይስሓቅ ከምዚ ይብል " ካብ ጸሎት ወጻኢ ናብ ንስሓ ዝወስድ ካልእ መንገዲ ኣሎ ዝብል ሰብ እንተ ደኣ ኣልዩ፡ እዚ ሰብ ብዲያብሎስ ዝቆሰለ ሰብ ጥራይ ኢዩ" ይብለና። ስለዚ ኩሉ ግዜ ብጸሎት ኣምላክ ኣብ መንፈሳዊ ጉዕዞና ክመርሓና ክንጽሊ ኣለና። እቲ ሉጋም ናይ ህይወትናንሕና ዘይኮና ኣምላክ ክሕዞ ንግደፈሉ። ኩሉ ኣብ ምሕረቱ ኢዩ ዘሎ " እግዚኣብሄር መሓርን ርሕሩሕን እዩ፣ ዓቃልን ብሳህሊ ዓብይን እዩ። እግዚኣብሄር ንዅሉ ሰናይ እዩ፣ ርሕራሔኡ ኸኣ ኣብ ኵሉ ግብርታቱ እዩ።" (መዝ 1458-9)

ኣብ መወዳእታ ሰለ ጸሎትና ንጸሊ ምክንያቱ ብዘይ ጸሎት መንፈሳዊ ዕብየት የለን። ብዙሕ እንተ ኣገልገልና ብዙሕ እንተ ተጋደልና ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና ብዘይ ጸሎትግና ትርጉም የብሉን። ሓንቲ ዑፍ ዑፍ ክንብላ እንተ ደኣ ኮይና ክትነፍር ኣለዋ፡ ልክዕ ንሕና መንፈሳዉያን ክንከዉን እንተ ደኣ ክይንና ኩሉ ግዜ ኣብ ኢድ ኣምላክተሞርኪስና ንዕበ። ኣምላክ ከኣ በቲ ምሕረት ዝመልኦ ኢዱ ገይሩ ሰለይ ከብለና ኢዩ።

በረኸት ናይ ኣቦን ፍቕሪ ናይ ወልድን ሃብቲ ናይ መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩልና ይኹን። ኣሜን።

ዲያቆን ሓበን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div