S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እግዚኣብሄር ንህዝቡ ዝድንግጽ፡ ብጊዚኡ ድማ ምላሽ ዝህብ ኣምላኽ

“ንስኻ ርኢኻዮ፡ ኣብ ኢድካ ምእንቲ ክትሕዞስ፡ ንጻዕርን ሓዘንን ተቕልበሉ ኢኻ እሞ፡ መስኪን ንነገሩ ናባኻ ይውፍዮ፡ ረዳእ ዘኽታም ንስኻ ኢኻ” (መዝ 10፡14)

እቲ ብምስሊ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ወዲ ሰብ ኣብዛ ሓላፊት ዓለም ናይ ግሽነት ናብርኡ፡ ብብዙሕ መከራን ስቅያትን፡ ድኽነትን፡ ስደትን... ወዘተ ክሓልፍ ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ዓለም ንዕኡ ዘይትበቅዕ ስለ ዝኾነት። ህይወትና በዚ ማዕበላት እዚ ክትሓልፍ ከላ ድማ ነቲ ካብ ላዕሊ ካብ ኣርያም ንምድሪ ዝጥምት፡ ረዳእ ዘኽታማት ዝኾነ እግዚኣብሄር፡ ከም ዝርእየናን፡ ብዛዕባና ድማ ከም ዝግደስን ዝርሕርሕን፡ እንተ ዘይሓሲብና፡ ምንባርና ብጭንቀትን መረረን ዝተዋሕጠ ክኸውን እዩ። እግዚኣብሄር ካብዚ ይሰውረና። ህዝቢ ኣምላኽ ኵሉ ጊዜ ነቲ ዝርእዮ ኣምላኽ ክርእዮን ኵሉ እቲ ዝሓልፎ ዘሎ ኵነታቱ ድማ ናብ ኣምላኽ ከቕርቦን ይግባእ። እግዚኣብሄር ንህዝቡ ዝድንግጽ፡ ብጊዚኡ ድማ ምላሽ ዝህብ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ፡ ካብቲ እንሓስቦ ንላዕሊ ገይሩ ንረድኤቱ ኣብ ልዕሌና፡ ከፍስሶ እዩ፡ እዚ ድማ ስለቲ ዘሎና ግብሪ ጽድቂ ዘይኮነስ እግዚኣብሄር ባህሪኡ ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ። (መዝ 146፡5-9፣ ዮሃ 6፡32-33፣ እብ 11፡38)

ኣስተንትን

1. እግዚኣብሄር ትሓልፎ ዘሎኻ ኵነታት ዝርእዮ ዘሎዶ ይመስለካ፧

2. ድንጋጸ ኣምላኽ ኣብዚ ምድራዊ ጉዕዞኻ ብኸመይ ተገሊጹ ኣሎ፧

3. ብዅነታት እዛ ዓለም ንዝጭነቝ ኣሕዋትካ እንታይ ትሕግዞም፧

ባህርይ እግዚኣብሄር ክንፈልጥን ተማቐልቲ ባህርይኡ ኴንና ክንመላለስን ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መህ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div