S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ምምጻእ ትሽዓተ ቅዱሳንን ካልኦት ኣቦታትን - 471-486

ብድሕሪ ኣባ ሰላማ ቤተ ክርስቲያንና ሓዋርያዊ ተልእኾኣ ካብ መንበረ ማርቆስ ስለ ዝኾነ ምስተን ኣብ ዓለም ዝቖማ ሓዋርያውያን ቤተ ክርስቲያናት ተማዓራረየት። ብድሕሪ ኣባ ሰላማ ግና እቶም መበቆሎም ግብጻዊ ዝዀኑ ኣባ ሚናስ ካልኣይ ጳጳስ ሓበሻ ኰይኖም ካብ ግብጺ መጹ እሞ፡ ካብዚ ንደሓር ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ዝዀነ

ሓበሻ ንመዓርግ ጵጵስና ከይበጽሕ ንሽሕን ሽዱሽተ ሚኢትን ዓመታት ዝኣክል ከልከለት። ኣብ መዋዳእታ ግና ብድሪኺት መንግሥቲ ጣልያን ንኣቡነ ማሪቆስ ቀዳማይ ጳጳስ ዘሃገረ ኤርትራ ዝገብሮም ካብ ግብጺ ብዝመጹ ግብጻውያን ጥራይ ንመሓደር ነበርና።

ወረ ቤተ ክርስቲያንና እናዓበየ ስለ ዝኸደ ድማ፡ ብዙሓት ክርስቲያናት መማህራን ኣብ ዓዓዶም መከራን ስደትን ዘጋጥሞም ዝነበረ መጸግዒ ደልዮም ናብ ሃገርና ይመጹ ከም ዝነበሩ ታሪኽ ይምስክር። ንኣብነት ነቲ ቅድም ኣብ ጉባኤ ኒቅያ ዝጸደቀን፡ ዳሕራይ ደጊሙ ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን ዝጸደቐ ጸሎተ ሃይማኖት (Creed)፡ መለካውያን መልክዑ ለዊጦም ኣብ ጉባኤ ኬልቄዶን ክልተ ባህርይ ክርስቶስ ዝብል ጉጉይ ትምህርቲ፡ ኣይንቕበልን ስለ ዝበሉ፡ ብባይዛንቲናዊያን ነገስታት ብፍላይ ድማ ንጉሥ ታዴዎስ ካልኣይ ምስ ሞተ፡ ብርክልያ ሓብቱ ንመርቅያን ተመርዕያ ኣብ መንግሥቲ ባይዛንቲን ነጊሣ ስለ ዝነበረት፡ ስቓይ ስለ ዘብዛሓትሎም ቅድም ትሽዓተ መነኮሳት ካብ ሶርያን ንእሽቶይ ኤስያን ብ471 ዓ.ም ተላዒሎም ኣብ እስክንድርያ ኣተዉ። ካብኡ ድማ ኣብቲ ብቅዱስ ጳቂሞስ ዝተሰረተ ገዳም ኣትዮም ነበሩ። በቲ ግዜ እቲ ኣብ እኹሱም ንጉሥ ኣልኣሜዳ ነጊሱ ከሎ፡ ኣጉስጦስ ራብዓይ ድማ ኣብ ሮማ ነጊሱ ነበረ። ኣባ ቴዎፍሎስ ድማ ሊቀ ጳጳስ እስክንድርያ ነበሩ እሞ፡ ነዞም ቅዱሳት ኣቦታት እዚኣቶም ናብ ሃገርና ተሰዲዶም መጹ።

ሓደ ሓደ ጸሓፍቲ ግና ቤተ ክርስቲያን ሮማ ልኢኻቶም ከም ዝመጹ ዝዛረቡ ኣለዉ። እሞ ከምኡ እንትኸይኑ ድኣ ከመይ ኢሎም ንትምህርቲ ኣባ ሰላማ ተቐቢሎም ኣተግበሩዎ፧ ከመይ ኢሎም ንትምህርቲ ክልተ ባህርይ ከሓድዎ፧ እዝስ ዘይመስል ናይ ሓሶት ዛንታ እዩ።

ብፍላይ ነዞም ትሻዓተ ቅዱሳን ህዝብና ድማ ካብ ወለዶ ንወሎዶ ዝመጸ ካብ ወለዱ ዝወረሶ ሕያዋውነትን ተቐባል ጋሻነትን ስለ ዝዀነ፡ ነዞም መማህራን እዚኣቶም ብፍቕሪ ምስ ተቐበሎም፡ ንሳቶም’ውን በቲ ዝረኸብዎ ሰናይ ኣቀባብላ ተሓጉሾም፡ ቅድም ኣብ ኤርትራ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣትዮም ወንጌል ኣስፋሕፍሑ ኩላቶም ድማ ብስሞም ዝጽዋዕ ገዳማት ኣቆሙ። ከምኡ’ውን ቋንቋ ግእዝ ተማሂሮም ምስ ኣጽንዑ ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስን ካልኦት ብዝሓት መጻሕፍትን ካብ ቋንቋ ሱርስትን ጽርእን ተርጎሙ። እዞም ኣቦታት እዚኣቶም ወንጌላዊ ተልእኾኦም ፈጺሞም ስለ ዝሓለፉ ቤተ ክርስቲያንና ቅዱሳት ኢላ ትጽውዖም ኣላ። ስማቶም እቶም ብስሞም ዝጽውዑ ገዳማትን ድማ እዞም ኣብ ታሕቲ ንጠቅሶም ዘሎና እዮም።

ስም……………………………….ገዳም…………………………………………… ዝዓረፉሉ ዕለት

  1. ኣባ ኣሌፍ…………………………ብሓዛን………………….………………………… 11  መጋቢት
  2. ኣባ ኣረጋዊ ……………………….ደብረ ዳሞ………..…………………………… 14 ጥቅምቲ
  3. ኣባ ኣፍጼ………………………….የሓ ……….……………………………………… 12 ጉንቤት
  4. ኣባ ሊቓኖስ……………………....ደብረ ቆናጽል………………………………  21 ሕዳር
  5. ኣባ ገሪማ………………………...መደራ……………………………………………… 17 ሰነ
  6. ኣባ ጉባ…………………………..ገረዓልታ…………………………………………… 29 ጉንበት
  7. ኣባ ይምዕታ …………………….ገርዓልታ………………………………………… 23 ጥቅምቲ
  8. ኣባ ጰንጠልዮን ………………….ጥቓ ኣኹሱም………………………………… 6 ጥቅምቲ
  9. ኣባ ጫሕማ ……………………...ጼዴንያ…………………………………………… 16 ጥሪ

ቅዱስ ያሬድ

እቲ ኣብ መሬት ሓበሻ ብ505 ዓ.ም ዝተልደ ጽቡ ስምን ዝናን ዘጥረየ ቅዱስ ያሬድ’ውን ንምልእቲ ቤተ ክርስቲያን ዘበከቶ ዓቢ ህያብ ከይዘከርናዮ ክንሓልፍ ኣይግብኣን። እዚ ህያብ እግዚኣብሔር ዝመልኦ ቅዱስ ሰብ እዚ ብ505 ዓ.ም ኣብ ኣብ ትግራይ ኣውራጃ ኣኹስም ካብ ኣብኡ ይስሓቅን ኣዲኡ ክርስቲናን ተወል። ያሬድ ሸውዓተ ዓመት መሰረተ ትምህርቱ ምስ ወድኤ፡ ኣብ እምነት ክርስትና ኣዝዩ ዝደልደ እምነት ስለ ዘሕደረ፡ እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኩላቶም ክርስቲያን ብመንፈ ቅዱስ ክወሃብዎ እዮም ኢሉ ተስፋ ዝተዋህበና ስለ ዝተዋህቦ፡ እቲ እቶም 24 ካህናተ ሰማይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዝዝምርዎ ሰማያዊ ዜማ ብሰ ኣዕዋፍ ካብ ገነት ዝተላካ ገይሩ ጥዑም ዜማ ሰማይ ገለጸሉ። ነዚ ሰማያዊ ዜማ እዚ ምስ ሰምዔ፡  ቋንቋኡ ትግርኛን ግእዝን ስለ ዝነበረ፡ ብቋንቋ ግእዝ እዋይ ዜማ ዘሰማዕኩ በሰማይ እመላእክት ግናይኢሉ ነቲ ዝረኣዮ ብኣድናትን ብተመስጦን ዝገለጾ።

ቅዱስ ያሬድ ነቲ ዝሰምዖ ሰማያዊ ዜማ ተግባራዊ ክገብሮ፡ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ እናተመርሔ፡ ነዚ ቤተ ክርስቲያና ንሽሕን ሓሙሽተ ሚኢትን ዓመታት ዝኣክል ከየባተኸት እትጥቀመሉ ዘላ ምኡዝ ዜማታት ማለት ብቋንቋ ግእዝ ብኣራራይን ብዕዝልን ምስ ምልክቶም ደሪሱ ንቤተ ክርስቲያን ስለ ዘበረከተላ ክሳብ ሕጂ ብኣድናቆት ትግልገለሉ ኣላ።

ቅዱስ ያሬድ ብዜማ ቅኔን ጥራይ ዘይኰነ፡ ብመጻሕፍቲ ብሉይን ሓድሽ ን መጸሕፍቲ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያንን ኣጸቢቁ ዝተማህረን ዘጽንዔን ምሁር ሓበሻ ነበረ።

ኣበርክቶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ሕብረተ ሰብ ኤርትራ

ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብቲ ንህዝቢ ዘበርከተቶ ዓበይቲ ማሕበራዊ ህይወት ወይ ቅዱስ ባህላዊ ልማድ ኣብ ካብቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘሎ ማህበራዊ ህይወት ጸብለል ዝበለ እዩ እንተ ተባህለ፡ ዝተጋነነ ኣይኰነን። እዚ ማለት ንሕና ኤርትራውያን ካብ ካልኦት ኣህዛብ ዝበለጽና ፍጥረት ኢና ማለትና ግና ኣይኰነን። እቲ ብቤተ ክርስቲያን ኣቢልና ዘጥረናዮ ቅዱስ ባህላዊ ልማድ ግና ብሓደ ተጠርኒፍና ከም ሓደ ህዝቢ ክንነብር ግን ኣኽኢሉና እዩ ክበሃል ይከኣል።

ሰብ ምስ ተወልደ ባዶ ኣእምሮ ሒዙ ከም ዝውለድ ዝተፈልጠ እዩ። ድሕሪ ምላዱ ግና ካብ ወለዱ ዘውረስዎ ብሂል ተላሚዱ ንወለዱ ይመስል፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንጐሮባብቱን ንደቂ ሃገሩን ይመስል እምበር፡ ነቶም ኣብ ሃገሩ ዘየለዉ ሕብረተ ሰብ ኣይመስልን።  እምብኣር እቲ ዝተወልደ ህጻን ካብ ወለዱ ዝወርሶ ብሂል ማልት ዘረባ፡ ናብ ተግባር ክልወጥ ከሎ ናብራ ይኸውን፡ ነቲ ናብራ ድማ ቀስ ብቐስ ይላመዶ’ሞ፡  ንሱ ልማዱ ይኸውን። ስለዚ ካበቲ ብሂል ወግዒ የለድ፡ ወግዒ ድማ ናብራ ሕብረት ሰብ ይኸውን ብኻልእ ኣዘራርባ፡  ባህሊ ማለት ብሂል ማለት እዩ። ብሂል ማለት ድማ ንሓደ ሓሳብ፡ በሃሊኡ ምስ በሎ፡ ዝሃንጽን ዝጠቅምን ኰይኑ እንተድኣ ተረኺቡ፡ ነቲ ዝተባህለ ቓል ተተግብሮ እሞ፡ እቲ ተግባር ድማ ይልመድ፡ እቲ ዝተለምደ ድማ ልማድ ኰይኑ ይነብር፡ ባህሊ ድማ ይበሃል። እምብኣር ቤተ ክርስቲያን ነቲ ብእግዚኣብሔር ዝተባህለ ቅዱስ ትእዛዝ፡ ብፍላይ ድማ ንዓሰርተ ትእዛዛት፡ ሞራላውን ፍራውን ቅዱስ ቢሂል እግዚኣብሔር ምዃኑ ንህዝቢ ኣእሚና ስለ ዝሰርዓቶ፡ ህዝቢ ድማ ዕለታዊ መምርሒ ህይወቱ ገይሩ ክጥቀመሉ ኣብ ህዝቢ ስለ ዘስረጸቶ፡ ፍረ እዚ ስርጸት እዚ፡ ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ብብውልቁ ብሞራላዊ ትሕዝቶ ኣእምሮኡ ካብ ካልኦት ኣህዛብ ፍልይ ኣቢሉ ዘርእዩ ጽቡ ክርስቲያናዊ ልማዱ እዩ፡ ንኣብነት

  1. ካብ ንዓይ፡ ንዓና ዝብል ሓባራዊ ልማድ፡
  2. ንጋሻ ካብ ነብሱ ንላዕሊ ገይሩ ዘክብር ልማድ፡
  3. ንመኣዱ ተኻፊሉን ሓቢሩን ክበልዕ ዘኽእሎ ልማድ፡
  4. ተሓላላዪ ተዳናጋጽን ተኻባባርን ዘንብር ልማድ፡
  5. ሰብ፡ ሰብ ስለ ዝዀነ እምነቱን ኣረዳድኣኡን ብዘየገድስ ብምክእኣልን ብምጽውዋርን ምንባር፡
  6. ኣብ ግዜ ድኽነትን መከራን ተጻዋሪ ኒሕ፡ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ካልኦትን ክቡር ባህሉ ካብ እምነቱ ዝተወርሰ ቅዱስ ብሂላዊ ልማዱ ዘውትር ስለ ዘተግብሮም፡ ብረኣይቱን ሰማዕቱን ጭዋ ህዝቢ፡ ጽያፉ ዝኸተተ ህዝቢ እናተባህለ ይስመ። እምብኣር ኣብ ልዕሊ ካልኦት ህዝብታት ጸብለል ዘብሎ፡ እዚ ቅዱስ ባህሊ እዚ ስለ ዝሃንጾ እዩ እምበር፡ ልዕሊ ካልኦት ኣህዛብ ዝያዳ ተፈጥሮ ስለ ዘለዎ ኣይኰነን። እምብኣርከስ ቤተ ክርስቲያን ንህዝቢ ዘበርከተቶ ምሉእ ቅዱስ ባህሊ ኣብ ህዝቢ ዝተፈልጠን ኣብ ዓለም ድማ ዝተነጸረን ኰይኑ፡ ኩላቶም ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራን ቅዱስ ባህላዊ ልማዱን ኣዝዮም እዮም ዝድነቁ። እዚ ድማ ቅድሚ ነጻነትን ድሕሪ ናጽነትን ንቅዱስ ባህላዊ ልማዱ ዓቂቡ ዝጐዓዝ ዘሎ ብስራሕ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ድኣምበር፡ ካብ ባይታ ተላዒሉ ከም ዘይኰነ ዝተፈልጥ ሓቂ እዩ። እቲ ቤተ ክርስቲያን ንህዝቢ ኤርትራ ብደረጃ ሃገር ዘበርከተቶ ጽቡቕ ባህላዊ ልማድ ድማ፡
  1.  እምነት ምስ ፍልስፍናኡ
  2. ቓል ኪዳንን ሓድነት ስድራን
  3.  ስም ምስ ምልክቱን ትርጉሙን
  4. ምሉእ ፊደላት ምስ ኣናባቢኡ
  5. ምሉእ ቋንቋ ምስ መጽሓፊኡ
  6. ዝተፈላለየ ዓይነት ትምህርቲ  
  7. ሥነ ጥበብ በብዓይነቱ
  8. ምሉእ ታሪኻዊ ቅርስታት
  9. ሓድነትን ጅግንነትን ፍቕሪ ሃገርን
  10. ሓደነትን ፍቕሪ ሕድሕድን
  11. ሞራላዊ ሕይወትን ምክብባርን
  12. ብሕብረት ምስራሕ

ካልኦት ትሕቶታትን ክትገብር ከላ፡ ሕጂ’ውን ድሕሪ ነጻነት፡ ምንም እኳ ባዕዳውያን ዘእተዉዎ ተረፍ መረፍ እንተሎ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምጽራይ ዘይልማዳዊ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ግደ ኣለዋ። ከመይሲ መሰረት ሃገር ኣብ ሞራላዊ ብሂል ዝተሰረተ ልማድ፡ ሓድነት ፍቕርን ህዝቢ ስለ ዝዀነ፡ ቤተ ክርስቲያን ብሂላዊ ልማዳ ከተቛርጽ ኣይግብኣን። እዚ ሓድሽ  ወለዶ ንእምነትን ንታሪኽን ተገዳሲ ክኸውን ክትምህርን ከተተባብዕን ቤተ ክርስቲያን ግቡኣ ክትፍጽም ይግብኣ።

ኣጀሚሩ ዘፈጸመና ስም እግዚኣብሔር ዝተባረኸ ይኹን

ኣዳላዊ ጽሑፍ: ዶ/ር ሽሞንዲ ኃይለ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div