S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ከምቲ ሰብ ኪገብረልካ እትደልዮ ንስኻውን ከምኡ ግበረሎም

"እምበኣርሲ ኦሪትን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ኵሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም” (ማቴ 7፡12)

እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጥቕሲ፡ ሓደ ካብቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ናይ ከረን ስብከቱ ዝመሃሮም ትምህርታት እዩ። ብባህርይና ሰብ ክገብረልናን ከገልግለናን ክበጽሓናን ኢና እንደሊ። ከምኡ ምዃኑ ዝጽላእ ኣይኮነን። ግናኸ ክንድኡ ድማ ንኣኻ ጾር የሰክመካ እዩ። ሰብ ከፍቅረና፡ ክበጽሓና፡ ክድግፈና፡ ክህበናን ካልእ ዘይጠቐስናዮ'ውን እንደልዮ እንተሎ፡ ንሕና'ውን ከምኡ ክንገብር ይግብኣና። ዮሴፍ ኣሕዋቱ ክሸጥዎ ከለዉ ምሕረት ክገብርሉ ከም ዝደለየ ርግጽ እዩ። ሓደ እዋን ከምቲ ናቱ ኣብቲ ቦትኡ ኣትዮም ምሕረት ክገብረሎም ምስ ለመንዎ፡ ዮሴፍ ምሕረት ክገብረሎም ኣይደንጐየን። ስለዚ ንሕና'ውን ሰባት ስለ ዝኾንና ብዙሕ ካብ ኣሕዋትና ክንደሊ ኢና፡ ንሳቶም'ውን ካባና ከም ዝደልዩ ግና ኣይንዘንግዕ። (ዘፍ 50፡17-21፣ ማቴ 18፡21-35፣ 1ቈረ 10፡24፣ ሮሜ 15፡1-2)።

ኣስተንትን

1. ሰብ ዝኾነ ነገር ክገብረልካ ትደሊ'ዶ፧ ከምኡ ኸኣ ንሱ ካባኻ ከም ዝደሊ ትሓስብዶ፧

2. ንኻልኦት ሰናይ ተግባር ክትገብር ከሎኻ ልብኻ ይሕጐስዶ፧

3. ኣምላኽ ንኣኻ እቲ ሓደ ወዱ ሂቡካ ንስኻኸ ንኻልኦት እንታይ ምሃብካ፧

ከምቲ ካልኦት ክገብሩልና እንደልዮ ልብናውን ከምኡ ንኻልኦት ንምግባር ክጽዕት ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መህ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div