"እምበኣርሲ ኦሪትን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ኵሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም” (ማቴ 7፡12)
እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጥቕሲ፡ ሓደ ካብቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ናይ ከረን ስብከቱ ዝመሃሮም ትምህርታት እዩ። ብባህርይና ሰብ ክገብረልናን ከገልግለናን ክበጽሓናን ኢና እንደሊ። ከምኡ ምዃኑ ዝጽላእ ኣይኮነን። ግናኸ ክንድኡ ድማ ንኣኻ ጾር የሰክመካ እዩ። ሰብ ከፍቅረና፡ ክበጽሓና፡ ክድግፈና፡ ክህበናን ካልእ ዘይጠቐስናዮ'ውን እንደልዮ እንተሎ፡ ንሕና'ውን ከምኡ ክንገብር ይግብኣና። ዮሴፍ ኣሕዋቱ ክሸጥዎ ከለዉ ምሕረት ክገብርሉ ከም ዝደለየ ርግጽ እዩ። ሓደ እዋን ከምቲ ናቱ ኣብቲ ቦትኡ ኣትዮም ምሕረት ክገብረሎም ምስ ለመንዎ፡ ዮሴፍ ምሕረት ክገብረሎም ኣይደንጐየን። ስለዚ ንሕና'ውን ሰባት ስለ ዝኾንና ብዙሕ ካብ ኣሕዋትና ክንደሊ ኢና፡ ንሳቶም'ውን ካባና ከም ዝደልዩ ግና ኣይንዘንግዕ። (ዘፍ 50፡17-21፣ ማቴ 18፡21-35፣ 1ቈረ 10፡24፣ ሮሜ 15፡1-2)።
ኣስተንትን
1. ሰብ ዝኾነ ነገር ክገብረልካ ትደሊ'ዶ፧ ከምኡ ኸኣ ንሱ ካባኻ ከም ዝደሊ ትሓስብዶ፧
2. ንኻልኦት ሰናይ ተግባር ክትገብር ከሎኻ ልብኻ ይሕጐስዶ፧
3. ኣምላኽ ንኣኻ እቲ ሓደ ወዱ ሂቡካ ንስኻኸ ንኻልኦት እንታይ ምሃብካ፧
ከምቲ ካልኦት ክገብሩልና እንደልዮ ልብናውን ከምኡ ንኻልኦት ንምግባር ክጽዕት ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።
ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።
መህ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ