S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ከዓዉ ደሞሙ በእንተ እግዚኣብሔር!

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ብማዕከናት ዜና ዓለም ብሰፊሑ ክንሰምዖን ክንርእዮን ከም ዝቐነና ብዙሕ ዘሰቅቕ ግፍዒ፥ ንኽትኣምኖ ዘጸግም፥ ንኽትሓስቦ ዘስደምም፥ እከይ ግብረ-ሰይጣን ኣብ

ልዕሊ ሰላማውያን ክርስቲያን ኣኅዋትና ኣብ ምድረ-በዳ ሊብያን ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕርን ብብልሒ ኻራ ክሳውዶም ከም ኣባግዕ ክሕረዱ፡ ንጹህ ደሞም ከም ማይ ክዛሪ ብኣዕይትና ተዓዚብና ኢና።  በዚ እኩይ ግብሪ ኣረማውያን ድማ ልቢ ብዙሓት ቅኑዕ ሕሊና ዘለዎም ሰባት ተጎዲኡን ደምዩን እዩ። ይኹን እምበር እምነት ክርስትና ብደም ሰማዕታት ጠጢዑ፥ ብስደት ክርስቲያናት ዝሰሰነ ሃይማኖት ምዃኑ ንእንዝክር ኣመንቲ እግዚኣብሔር ግና ዝያዳ ጽንዓትን መንፈሳዊ ተወፋይነትን ከም ዘጥርየልና ዘጠራጥር ኣይኮነን። ምኽንያቱ ክርስቲያን እንተሎ ንክርስቶስ እንተ ሞተ ከኣ ናብ ክርስቶስ ምዃኑ ስለ እንኣምን። ስለዚ ወትሩ በቲ ኣብዛ ምድሪ-ዓለም ዝጋጥመና ፈተናታት ፈጺምና ተስፋ ኣይንቖርጽን ኢና። ክርስቲያናዊ ተስፋና ድማ ካብ ኢድ ሰብ ዘይኮነስ ካብቲ ሰማያዊ ኣምላኽና እዩ። ስለዝኾነ ብምኽንያት እዚ መሪር ሓዘን ፍትዋት ኣኅዋትና ንስድራ ቤቶም መንፈሳዊ ጽንዓት ንዅልና ክርስቲያን ኣኅዋቶም ድማ ከም ናቶም "ክሳዕ ሞት እሙናት" ክንከውን ጸጋኡ የብዝሓልና።

ብኣቆጻጽራ ቤተ ክርስቲያን ካብ 2ይ ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ክሳብ መፋርቕ 4ይ ክፍለ ዘመን ዘሎ ግዜ፥ ዘመነ ሰማዕታት ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ። ኣብቲ እዋን እቲ ምእንቲ ስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሉ ስፍርን ቁጽርን ዘይብሎም ብዙሓት እሙናት ክርስቲያን ብሰማዕትነት ዝተበጀውሉን ክብርቲ ሕይወቶም ዘወፈይሉን ከቢድ እዋን እዩ ሓሊፉ። ሰማዕት ዝበሃል ድማ ሓቀኛ ምስክር፥ ዘይታለል፥ ዘይጠልም፥ ዘይክሕድ፥ ምእንቲ ክብሪ ሃይማኖት፥ ምእንቲ ሓቅን ጽድቅን ክብል ሽግር፥ መውቃዕቲ፥ ማእሰርቲ፥ ስደት፥ ስቅያትን ሞትን ዝቕበል ጽኑዕ ኣማኒ፥ ወይ ድማ እሙን ጓሳ ህዝቢ ማለት እዩ። ብዛዕባ እዚ ሓዋርያ ጴጥሮስ ኣብ መልእኽቱ "ሓደ እኳ ካባኻትኩም ቀታሊ፥ ወይ ሰራቒ፥ ወይ ገባር ክፉእ፥ ወይ ኣብ ነገር ካልኦት ኢዱ ዘእቱ ብምዃኑ ስቓይ ዚቕበል ኣይሃሉኹም። ክርስቲያን ብምዃኑ እንተ ተሳቐየ ግና፥ ስለ እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ የመስግን እምበር ኣይሕፈር" ክብል ገሊጹልና ኣሎ። 2 ጴጥ 4፡15-16። በዚ መሠረት እቲ እሙን ሰዓቢ ክርስቶስ ኣብ ሓቂ እምበር ኣብ ሓሶት ኣይሰምርን፥ ፥ ክፈትሕ እምበር ክኣስር ኣይመክርን፥ ሠናይ ግብሪ እምበር ክፉእ ግብሪ ኣየዘውትርን፥ ክቕተል እምበር ክቐትል ኣይደፍርን እዩ። ስለምታይሲ "ኣምላኽና ናይ ሰላም እምበር ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኮነን"። 1ቆሮ 14፡33  

እምበኣር ካብ ጎይታኡ ዝዓቢ ኣገልጋሊ ስለ ዘየለ፥ እዞም 30 ዝኾኑ ንጹሃት ክርስቲያን ኣኅዋትና ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2015 ኣ.ፈ ኣብ ሊብያ ብኢድ ቀተልቲ ሸፋቱ ዝተቐንጸሉ፥ ብምድራዊ ዜግነት ሃገር ማለት ኤርትራውያን ወይ ኢትዮጵያውያን ስለ ዝኾኑ ዘይኮነስ፥ ቅኑዓት ኣመንቲ እግዚኣብሔር "ክርስቲያን" ብምዃኖም ጥራይ ከም ገበን ተቖጺሩ ክብርቲ ሕይወቶም ወፈዩ። ኣብቲ ንዅሎም ሰዓብቲ መስቀል ክርስቶስ መፈራርሒ ተባሂሉ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ብትኹረት ደጋጊምና እንተደኣ ተዓዚብናዮ ከኣ ጎሊሑ ዝርአ ክልተ ኣንጻር ዝኾኑ ባሕርያት ክንዕዘብ ንኽእል። ንሱ ከኣ እቶም 30 ዝኾኑ መንእሰያት ኣኅዋትና በትሪ ኣየልዓሉ፥ እምኒ ኣይደርበዩ፥ ብረት ኣይቶኮሱ፥ ገበን ዘይብሎም ንጹሃት መንእሰያት ብሰንኪ ክርስቲያናዊ እምነቶም ጥራይ ኣብ መገዲ ተኸቲሮም ንሞት ተንበርኪኾም ክቕረቡ ከለዉ፥ ከምቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገበሮ ብዘይ ዝኾነ ፈንጠርጠር ወይ ብዘይ ምንጽርጻር ክሳብ መወዳእታ እስትንፋስ ብእምነትን ትዕግሥትን ክጎዓዙ ተዓዚብና። ብእንጻሩ እቶም ሰብ ዝመስሉ ግናኸ ሰብ ዘይኮኑ ጨካናት ኣራዊት ዝኾኑ  ኣረማውያን ከተርቲ ድማ ሰይፊ ሒዞም ክሕንሕኑ፥ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ክጭቅኑን ኣስናኖም ክሕርቅሙን ከለዉ፡ ዝጸልመተ ኣእምሮ፥ ብጽልኢ ዝተደፍነ ልብን፥ ዝሞተ ሕሊናን ከም ዘለዎም ክንዕዘብ ንኽእል። ብዝያዳ ድማ እቲ ዘሰቅቕ ርኹስ ዘይሰብኣዊ ተግባሮም ከም ኣቦኦም ደቂ ሰይጣንን ጸልማትን ምዃኖም ብተግባሮም ይንጽረልካ። ከመይ! እቲ ጸላኤ-ሠናያት ዝኾነ ሰይጣንን ጭፍርኡን በጀካ ክሰርቕ፥ ክሓርድን ከጥፍእን ንሞት እንተ ዘይኮይኑ ንኻልእ ከም ዘይተግሁ ኣረጋጊጽና ንፈልጥ ኢና። ዮሓ 10፡10

እወ! ወላኳ ኩልና ደቂ ሰባት ባሕርያዊ መጸውዒ ስምና "ሰብ" እንተ ኾነ ናይ ግብሪ ስምና ግና እቲ ሠናይ ዝገብር፥ ብሰላም ዝነብርን ንኣምላኽ ዘፍቅርን "መልኣኽ" ተባሂሉ ክጽዋዕ ከሎ፥ እቲ እከይ ዝግበር፥ ሰብ ዝቐትልን ብሰላም ዘይነብርን ግና "ሰይጣን" ወይ ድማ ጸረ-ኣምላኽ ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ። ስለምታይሲ ኣምላኽ ማለት ፍቕሪ ደኣ እምበር ርኹስ ግብሪ ማለት ስለ ዘይኮነ።

ሓዋርያ ጳውሎስ "ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ? ................ መከራዶ፥ ጸበባዶ፥ ስደትዶ፥ ጥምየትዶ፥ ዕርቃንዶ፥ ድንገትዶ ወይስ ሞት ........ ካብታ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ጎይታና ዘላትና ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኪፈልየና ዚኽእል ከም ዘየልቦ ኣረጋጊጸ ኣሎኹ"  (ሮሜ 8፡35-39) ክብል ከም ዝገለጾ፡ ንዝኾነ ክርስቲያን ብኃይሊ ሰይፊ ኣገዲድካ እስላም ክትገብሮ ምፍታን ከኣ ገበን ጥራይ ዘይኮነስ ሳዕቤን ዘለዎ ጽላለ-ዕብዳንውን እዩ። ንቅኑዕ ሰማያዊ ተስፋ-እምነት ድማ ብልሒ-ሰይፊ ይኹን ኃይሊ ብረት፥ ፈጺሙ ክልውጦ ኣይክእልን እዩ። እቲ ሓቀኛ ታሪኽ ከም ዘረጋግጾ እምነት ክርስትና ካብ ገጽ ምድሪ ንምጥፋእ ካብ ዘመን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጀምሩ ክሳብ ሕጂ ብዙሓት ዓመጽትን ዝተፈለለዩ ገዛእቲ ሰብ ኃይልን በብእዋኑ ዝከኣሎም ኩሉ ሕማቕ ፈጺሞም እዮም። ኩሎም ሰዓብቲ ክርስቶስ ድማ ሓዋርያት ይኹኑ ሰማዕታት፥  ቅዱሳን ይኹኑ ምእመናን፥ ካብ ግፍዕን ማእሰርት፥ ስደትን ሞትን የዕሪፎም ኣይፈልጡን እዮም። ይኹን እምበር እምነት ክርስትና ኣይጠፍአን። እቶም ንክርስትና ከጥፍኡ በብእዋኑ ዝተላዕሉ ኩሎም ግና ንባዕሎም ብሕማቕ ጠፊኦም እዮም። ሕጂውን ከምቲ ኣብ ቅዱስ ወንጌል ተጻሒፉ ዘሎ ኩሎም እቶም "ሰይፊ ዘልዕሉ ብሰይፊ ክጠፍኡ እዮም" ስለ ዝብል እዞም ቀተልቲ ኣኅዋትናውን ካብ ፍትሓዊ ፍርዲ ኣምላኽ ከቶ ከም ዘየምልጡ ክፈልጡ ይግባእ።ማቴ 26፡52።

ብተወሳኺ ኣብዚ መበል 21 ክፍለ-ዘመን ኃጢኣትን ክሕደትን ዝገነነሉ፥ ሰብኣይን ሰበይትን ዝጠላለምሉ፥ ውሉድን ወላድን ዝካሰስሉ፥ ኃውን ኃፍትን ዝተባታተኽሉ፥ ዓርክን ማሓዛን ዘይተኣማመኑሉ፥ መራሕቲ ዓድታትን ሃገራትን ዝከሓሓድሉ፥ ብዙሕ ሰብ "ንዓይ ጥራይ ይጥዓመኒ" ብዝብል ዘይሥነ ምግባርዊ ሓሳብ ሰፊኑዎ ዘሎ ግርምቢጥ ዘመን፥ እዞም መንእሰያት ኣኅዋትና ግና፥ ካብ ሰይፊ ፈሪሕና ንኣምላኽና ጠሊምና ማዕተብ እምነትና ንበትኽሲ፥ ክሳድና ብኻራ ይበተኽ!!! ዝብሉ እሙናት መንእሰያት ደቂ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ምህላዎም ብጣዕሚ ዘሕብንን ተስፋ ዘስንቕን ግብሪ እምነት እዩ። ንዓና ነቶም ብሕይወተ-ሥጋ ዘሎና ክርስቲያን ድማ ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ "ኣብ እምነት ምህላውኩምን ዘይምህላውኩምን ምእንቲ ክትርድኡ ንገዛእ ርእስኹም መርምሩ" ዝብል ማዕዳ ጽሒፉልና ዘሎ፥ ፍቕሪ ከነንግሥ፥ ማዕተብ እምነትና ከነሐድስን ግብርና ክንፍትሽን ዝሕግዝ ኣብነታዊ ትምህርቲ እዩ። (2ቆሮ 13፡5) ከምኡውን ነዞም ናይ ሊብያ ሰማዕታት ኣኅዋትና ብንጹር ቁጽሮምን ታሪኽ ሕይወቶምን ብግቡእ ተጸኑዑ፥ ካልኣይ ቀብርን  ነባሪ መዘከርን ክግበረሎም ከም ዘለዎ ክንዝንግዕ ኣይግባእን። 

ኣብ መደምደምታ ኣብቲ ውዳሴ-ማርያም ዝብል ናይ ዕለተ-ሓሙስ ጸሎትና "ኣማን መነኑ ሰማዕት ጣዕማ ለዛ ዓለም፡ ከዓዉ ደሞሙ በእንተ እግዚኣብሔር፥ ወተዓገሡ ሞተ መሪረ በእንተ መንግሥተ ሰማያት" ማለት "ሰማዕታት ናይዛ ዓለም ጣዕሚ ብሓቂ ነዓቕዎ፡ ምእንቲ እግዚኣብሔር ኢሎም ከኣ ደሞም ኣፍሰሱ፡ መንግሥተ ሰማያት ክረኽቡ ኢሎም ድማ መሪር ሞት ተዓገሡ" (መጽሓፍ ድርብ ሃብቲ ገጽ 24) ዝብል ተጻሒፉ ከም ዘሎ፥ ምእንቲ እምነት፥ ምእንቲ ሰማያዊ ሕይወት፥ ክብሉ ክብርቲ ሕይወቶም ዘወፈዩ ኩሎም ሰማዕታት፥ ካብ ደም ኣቤል ጻድቕ ጀሚሩ ክሳብ እቲ ኣብ መንጎ መሠውዕን ቤት መቕደስን ዝቐተልዎ ደም ዘካርያስን ከምኡውን ደም ሰማዕታት ሊብያን፥ ዓይኒ ዘይረኣየቶ እዝኒ ዘይሰምዖ፥ ኣብ ልቢ ወዲ-ሰብ ዘይተሓለነ፡ ኣምላኽ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ከውርሶም እዩ። ቃል እግዚኣብሔርውን "ንስኻ ግና ክሳዕ ሞት እሙን ኩን። ኣነውን ኣኽሊል ሕይወት ክህበካ እየ" እዩ ዝብል። ( ራዮሓ 2፡10) ስለሊ ነቲ ንሕዙን ልቢ ዝናዝዝ፥ ንብዓት ኣዕይንቲ ዝደርዝ፥ ጠበቓ ግፉዓት ዝኾነ መድኃኔ-ዓለም ኣምላኽና ካብ ዘለዓለም፥ ንዘለዓለም ስብሓት ይኹኖ።

ሞቶሙሰ ለጻድቃን ሕይወቶሙ ውእቱ!!! "ሞት ንጻድቃን፥ ሕይወቶም እዩ"።

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም

ቅዱስ ሚካኤል ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሻርሎት ሰሜን ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div