S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዓመታዊ ክብረ በዓል ቤተ ክርስትያን ቅድስት ስላሴ ከተማ ስያትል ተኸቢሩ

ዓመታዊ ክብረ በዓል ደብረ ብርሃን ቤተ ክርስትያን ቅድስት ስላሴ ከተማ ስያትል፡ ካብ ዓርቢ 17 ክሳብ ቀዳም 18 ሓምለ 2015 (ሓምለ - ፩፩, ፪፻፯ . ግእዝ) ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ኣሜርካ ብዝመጹ ሊቃውንቲ ውሉደ-ክህነትን ምእመናን ተኸቢሩ።

ድሮ እቲ ክብረ በዓል ዓርቢ 17 ሓምለ ካብ ሰዓት 5:00 ክሳብ ሰዓት 8:00 ብዋዜማ እዩ ዝጀመረ። ናብ ቀዳም ዘውግሕ ለይቲ ድማ ካብ ሰዓት 4:00 ክሳብ ሰዓት 8:00 ብስብሓታትን ማህሌትን ቀጺሉ ሓዲሩ። ቅዳሴ/ስብከት: ካብ ሰዓት 8:00 ክሳብ ሰዓት 11:00 ተኻይዱ ቀጺሉ ታቦት ወጺኡ ካብ ሰዓት 11:00 ክሳብ ሰዓት 12: 00 ድማ ዑደት ኣብ ቀጽሪ ቤተክርስቲያን ተኻይዱ። ብልብሰ-ተክህኖ ዝማዕረጉ መዘምራን ቤት ትምህርቲ ሰንበት ብሊቃውንቲ ቤተክርስትያን እንናተመርሑ: ምእመናን እንናዘመሩን እንናሸብሸቡን ብሓጎስን ዕልልታን ተሰንዮም ዑደቶም ድሕሪ ምፍጻም ከባቢ ሰዓት 12:00 ይኸውን ናብቲ ዝተዳለወሎም ኣደራሽ ኣምርሑ።

ናይ ሓደ ሰዓት ዝኸውን ናይ ምሳሕ ግዜ (ካብ ሰዓት 12:00 ክሳብ ሰዓት 1:00) ምስ ተዛዘመ ቀጺሉ ዝቐረበ ትምህርቲ እዩ። ተራ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ቤተክርስቲያን ከመይ ይመስል ንዝብል ሕቶ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ሊቀ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያት ተዋህዶ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝተደገፈ ሰፊሕ ዝኾነ ትምህርቲ ሂቦም። መሳጢ ትምህርቲ ብምንባሩ ድማ 2 ሰዓታት ዝኸውን ግዜ ወሲዱ።

ብተወሳኺ፥ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ: ሰንበት ኣብ እዋን ቅዳሴ ድማ ንኽልተ መንእሰያት: ሓደ ዘማሪ እቲ ካልኣይ ድማ ኣናጉንስጢስ (ኣንባቢ) ብዝብል መዓርግ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ቀቢኦሞም። ብኸምዚ ድማ እቲ ንግደት ብዘሐጉስ ኣገባብ ተፈጺሙ።

ክብረ በዓል ቅድስት ስላሴ፥ ግዚኣብሔር ሓድነቱን ሰለስቱነቱን ዘግሃደሉ ዕለት፣ እቲ ኣቦ ምእመናን እናተባህለ ዝጽዋዕ ኣብርሃምውን ዓስቢ እምነቱ ዝተቐበለሉ ዕለት እዩ።

ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ስላሴ ከተማ ስያትል

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div