S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓጺር ታሪኽ ህይወት ኣቦና ቀሺ ሓይለኣብ ካሕሳይ (1965 -2016)

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስቅዱስ ኣምላክ
"ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፣ እቲ ጕያ ወዲኤ፣ ነታ እምነት ሓልየ" (2ጢሞ 4፣7)። ኣቦና ቀሺ ሓይለኣብ ካብ ኣቦኦም ቀሺ ካሕሳይ ገብረትንሳኤን ካብ ኣዲኦም ወይዘሮ ሳራ ሃይለስላሴን ብዕለት 12 ወርሒ 1 1965 .ኣብ ዓደቀወራሲ፣ ዞባ

ደቡብ ተወልዱ። ኣዲኦም ወይዘሮ ሳራ ክልተ ሕጻውንቲ ገዲፈን ብሞት ምስ ተፈልያ ኣቦኦም ቀሺ ካሕሳይ፣ ከም ኣቦን ከም ኣደን ኮይኖም የዕበይዎም። ኣቦና ቀሺ ሓይለኣብ ዕድሚኦም ንትምህርቲ ምስ በጽሐ፣ ብወላዲኦም ካብ ፊደል ምቚጻር ጀሚሮም ኲሉ ትምህርቲ ግብረ ዲቁና ምስተማህሩ፣ ግንቦት 28/1978  ኣብ 13 ዓመት ዕድሚኦም ብኢድ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ጳጳስ ኣቡነ ገብሪኤል፣ ማዓርገ ዲቁና ተቐበሉ። በቲ ዝተዋህቦም ማዓርግ ከኣ ምስ ኣቦኦም ብፍቕርን ብትሕትናን ብልቢ ንኣምላኾም የምልኹን የገልግሉን ነበሩ። ድሕሪ ቁሩብ እዋን ናብ ሃገረ ሱዳን በይኖም ተሰዱ። ኣብ ሱዳን ዲቁና ቤተክርስቲያን እናገልገሉ ዓለማዊ ትምህርቲ ስጋዕ 10 ክፍሊ ተማህሩ።

ድሕሪ 10 ዓመት ዝኸውን መንፈሳዊ ኣገልግሎቶም፣ ኣቦኦም ቀሺ ካሕሳይ፣ ከመርዕውዎም ንወይዘሮ ቅድስቲ ካብ ኤርትራ ንሱዳን ሒዞምሎም መጹ' እሞ ኣብ ሱዳን 1991 ቃልኪዳን ፈጸሙ። ድሕሪ ክለተ ዓመት ቦኽሪ ወዶም ዲያቆን ሙሴ ተወልደ። ነጻነት ኮይኑ ድማ ንሃገረ ኤርትራ ናብ ኣስመራ ምስ ተመልሱ 12 ክፍሊ ዛዘሙ። ብዙሕ ከይጸንሑ ደብረ መንቆሬዎስ ዝባሃል ገዳም ከይዶም ትምህርቲ ግብረ ክህነት ብፍላይ መዝገብ ቅዳሴ ኣጽንዑ። ሰነ 10/1996 ኣብ መበል 29 ዕድሚኦም በቲ እዋን' ናይ ዞባ ደቡብ  ዝነበሩ ጳጳስ ብኢድ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ማዓርገ ክህነት ተቐበሉ።

ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ንሱዳን ተመሊሶም ኣብ ካርቱም ንኽልተ ዓመት ዝኸውን ድሕሪ ምግልጋል፣ ናብ ዓዲ ጣልያን ከይዶም ኣብ ከተማ ሚላኖ ከምኡውን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤውሮጳ ኣገልግሎቶም ብተወፋይነት ኣበርከቱ። ኣብ 2008 ናብ ሃገረ ካናዳ ምስ ኣተዉ፣ ከም ኩሉ ሰብ ናብቲ ዝቐርቦም ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን እናኸዱ ንግዚኡ ይስዕሙ እንተነበሩ፣ ነቲ ተጋሂሱ ዘሎ ቀኖና ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ብምንጻግ ምስተን መንፈሳዊ መሪሕነት 3 ፓትሪያርክ ቅዱስ ኣቦና እንጦንዮስ ዝኣምና ናይ ዓለም ኣብያተ ክርስቲያን ብፍላ ድማ ቤተክርስቲያናት ግብጽን ብብጹእ ኣቦና መቃርዮስ ዝምራሓ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ሰሜን ኣሜሪካን፣ ኢድ ብኢድ ብምትሕሓዝ፣ ንኽልተ ዓመት ኣብ ኦታዋ ድሕሪኡ ኣብ ከተማ ፎርት ማክመሪ ኣብ ቤተክርስቲያን ቅድስት ድንግልን ዮሃንስ መጥመቅን፣ ማለት ንምእመናን ግብጽን  ኣቢሲንያን (ሓበሻን) ብትግሃት ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልቲ ምስ ሰለስተ ዲያቆናት ደቆምን ምስ ሓደ ግብጻዊ ዲያቆን መስዋእተ ቅዳሴ ብምዕራግ፣ ነቲ ዝተዋህቦም ቀዳማይ ሕድሪ ንምእመናን ኣብ መኣዲ እግዚኣብሄር ብምስታፍ ብብቕዓት ንልዕሊ ክልተ ዓመት ክመርሑ ድሕሪ ምጽናሕ ረቡዕ ዕለት 13 ጥሪ ከም ወትሩ መስዋኣቲ ቅዳሴ ፈጺሞም ንገዛ ምስተመልሱ፣ ቅድሚኡ ተዛሪቦሙ ዘይፈልጡ ብተደጋጋሚ ሎምስ ኣዚዩ ድካም ይስማዓኒ ኣሎ፣ ካብዛ ኣክይቲ ዓለም ውሰድኒ ክብሉ ከምዝቐነዩ'ውን ስድራቤት ይምስክሩ። ኣንጊሆም ሓሙስ 14 ጥሪ ናብ ኤድመንተን ሰዓት 1 ዝነበሮም ቆጸራ ንኸርከቡ ብመኪና እናመጹ ኸኣ ብድንገት ብሞት ተፈልዮም። ፍቓድ ኣምላኽን ኣሰራርሕኡን ወትሩ ፍሉይ ከም ምዃኑ መጠን፣ ምስኦም ትጓዓዝ ዝነበረት ሰበይቲ ወዶም ብዘይ ጉድኣት፣ ኣምላኽ ኣውጺእዋ ኣሎ።

ኣቦና ቀሺ ሓይለኣብ ብመንፈስ ኣቦ ብዙሓት፣ ኣቦ ዅልና ይኹኑ እምበር፣ ብስጋ ኣቦ 5 ኣወዳትን 1 ጓልን ኢዮም። ንሳቶም ከኣ ዲያቆን ሙሴ፣ ዲያቆን ኢሳይያስ፣ ዲያቆን ኣሮን፣ ሚሪና፣ ሙሉብርሃን፣ ዮሃንስ ይባሃሉ።

ንፍሲ ኣቦና ኣብ ሕቚፊ ኣብርሃምን ይሳቕን ያዕቆብን የንብረልና።

ንስድራቤት ድማ ልዑል ኣምላኽ ዘጸናንዕ መንፈስ ቅዱስ ይስደደሎም።

ቅድስት ስላሴ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ኤርትራ።
ኤድመንተን፣ ካናዳ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div