S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ላዕሊዶ ህይወት ኣሎ፧

ዘመናዊ ሰብ ኣብ ሃዋህው ገለ ሕይወት ዘለዎ ፍጡር እንተሎ ክረኽብ ኢሉ፥ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ እናኣጥፍኤ፥ ናብ ጠፈራት ደይቡ ሃለው ክብል ይውዕል ኣሎ። እሞኸ ብሓቒዶ ሕይወት ዘለዎ ፍጡር ክርከብ እዩ፧ ወይስ ንገበርና እዩ፧

የዒንትና ኣልዒልና ናብቲ ብመዓልቲ ሰማያዊ፥ ብለይቲ ድማ ህልም ዝበለ ጸልማት ብድሙቓት ከዋኽብቲ  ዝተሸፈነ ሰማይ እንተ ተመልከትና፥ ገሌና ብምግራም፥ ኣብዚ ብማእለያ ዘይብሎም ከዋኽብቲ ዝተሸለመ ሰማይ ወይ ክንዮኡ ንዓና ዝመስል ወይ ካባና ዝተፈልየ መልክዕን ቅርጽን ዘለዎም ሕይወት ዘለዎም ፍጡራት’ዶ ክህልዉ ይኽእሉ ይዀኑ፧ ወይስ ኣብቶም ዝርእዮም ዘሎኹ ከዋኽብቲ ይኹን ወይስ ክንዮኦም፥ ፍጡር ዝበሃል የልቦን፧ እዛ ዓለም እዚኣ በይና ጥራይ እያ ሕይወት ዘለዎ ፍጡር ተሰኪማ ዘላ፧ ኢልና ኣድቒቕና ከም እንሓስብ ዘጠራጥር ኣይኮነንን። ሰብ ከምኡ ስለ ዝሓሰበ ድማ እዩ፥ ብልዮናት እና ኣጥፍኤ ንሰማያት ክጉርጉር ዝውዕል ዘሎ።

ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ጽውጽዋያት ኣብ ሓሳብ ወዲ ሰብ እናመጽኡ፥ ንኣሽሓት ዓመታት ከተሓሳስብዎ ጸኒሖም። እንተዀነ “ብዘየእጋር የልቦን ኣሰጋጋር” ከም ዝተባህለ እቲ ቅድሚ ዘመናዊ ሰብ ዝነበረ ወዲ ሰብ፥ ከምዚ ሕጂ ዘሎ ዘመናዊ ሰብ፥ ሃብቲ ኣኻዕቢቱ፥ መንኰርኰር ሰሪሑ፥ ናብ ሰማያት ተወንጭፉ ንከዋኽብትን ንፕላኔትን ንኣስትሮናትን ንወርሕን ክምርምር ኣይከኣለን። ኣብ ሕልሙ ጥራይ ተደሪቱ ጥራይ ድኣ ተረፈ።

ዘመናዊ ሰብ ድማ ከም’ቶም ቀዳሞት ወለዱ፥ ብዛዕባ ሰማያት ክፈልጡ ሃረር ዝብሉ ዝነበሩ፥ ሃረርታ ስለ ዘሕደረ፥ ኣብዚ በዒንትና ንርእዮ ዘሎና ሰማያት፥ ሕይወት ዘለዎ ፍጡር ክህሉ ይኽእልእ’ዩ ኢሉ ስለ ዝሓሰበ፥ ካብ የእምሮኡ ኣፍሊቑ ቁጽሪ ዘይብሎም ልቢ ወለዳት መጻሕፍትን ኣብ ርእሲ ምጽሓፉን ምድራሱን፥ ብምስሊ እቲ ንሱ ኣሎዉ ዝብሎም ከም እኒ ኢቲ (ET)፥ ዝኣመሰሉ ለባማትን ክእለት ዘለዎም ፍጡራት ብፊልምን ቪድዮታትን እናቐረጸ፥ ሓሳብ የእምሮኡ ክገልጽ ፈቲኑስ፥ ጌና ድማ ይፍትን ኣሎ።

ካብ ጽውጽዋይ ናብ ዕዳጋ፥

ምስ እዚ ኹሉ ሰብ ካብቲ ባዕሉ ካብ ሓሳቡ ዘንቀሎ ጽውጽዋይ ተበጊሱ፥ ናብ ኰነ ኢሉ ኣብ ሃዋህው ሕይወት ዘለዎ ፍጡር ክህሉ ይኽእል ኢሉ ፍጡር ክደሊ ጀመረ። ገለ ሰባት ብሓቂ ሰብ ኣብ ሃዋህው ሰብ ነይሩ እንተ ዝዀውን፥ ክራኸቡና ምኸኣሉ ነይሮም ኢሎም የመክንዩ።

ሓደ ቴክኖሎጂካዊ ቤት ትምህርቲ ጀት ፕሮፐልሽን ላባራቶሪ ናይ ናሳን (N.A.S.A.) ወተሃደራዊ ምርምር ሓቢሮም ገለ ፍጡር እንተሎ ክምርምሩ ወይ ገለ ድምጺ እንተሎ ክንሰምዕ ኢሎም፥ ሓደ ዓቢይ ናይ ሬድዮ ፍሪኮንሲ ፈነዉ። ኣብዞም ሬድዮ ፍሪኮንሲ እዚኣቶም 70.000 ማክሮ ወይቭ ቻናላት ዘርጊሖም፥ ገለ ምልክታት ድማጺ ዝህብ ሕይወት ዘለዎ ፍጡር እንተ ረኸቡ ብዙሕ ደኺሞም፥ ጌና ድማ ይደኽሙ ኣለዉ።

ብተወሳኺ ስታንፈርድ ይኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ንዝመጽእ ግዜ ንማክሮ ወይስ ምልክት ክህብ ዝኽእል፥ ኣብ ክልተ ዝተኸፍለ ዓሰርተ ሚልዮን ዝኣክል መትረባት ዘለዎ ክገብርዎ ኢዮም። እዚ ክለሳ-ሓሳብ እዚ ብሓቂ ኣብ ጠፈር ወይ ክንዮው ጠፈር ሕይወት ዘለዎ ፍጡር እንተድኣ ኣሎ ዀይኑ ምናልባሽ ኣብኡ ኮይኖም በዚ ምልዮናት ዝኸውን መትረባት ገይሮም ናብ ዓለምና ዜና ከመሓላልፉ ይኽእሉ እዮም። ሳይንቲስት ድማ ካብኡ ዜናታት ክረኽቡ ቁሩባት እዮም ዘለዉ። በቲ ኻልእ ወገን ድማ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ዝሰርሔ ሳተላይት ተሌኮምኒከሽን ንእግረ መገደን በቋራጭ ኣብ ሃዋህው ኰነ ክንዮው ሃዋህው ሕይወት እንተሎ ከመሓላልፋ ከሎ ክሰምዓ ዝኽእላ ገበሩ።

እዚ ኹሉስ ተገብረ፥ እሞኸ እንታይ ረኸቡ፧

ኣብ ሰማያት ሕይወት እንተሎ ክረኽቡ ክንዮው ዓለምና ኣብ ምድላይ እኳ እንተ ሃለዉ፥ ዛጊት ዝተረኽበ ነገር የልቦን። ዋላ ሰብ ሒዘን ዝኸዳ መንኰርኰርራት ክሳብ ወርሕ ሃዋህውን በጺሔን ጥራይ ዘይኰነስ፥ ኣብ ወርሒ ባንዴራ ተኺለን፥ ኣብ ጠፈራት ድማ፥ ጠፈር ተማሲሔን መደበር ሰሪሔን፥ ብዙሕ ፈተናታት ኣካይደን ክነሰን፥ ካብ መሬት ናብ ጠፈር ካብ ጠፈር ናብ መሬት ተመላሊሰን ክነሰን፥ ንእግረ መገደን ዝረኸባኦ ሕይወት ዝበሃል የልቦን። ክሳዕ ሕጂ ሕይወት ኣብዛ ዘሎናያ ዓለም እዚኣ ጥራይ ከም ዘሎ ግና ዘጠራጥር ኣይኰነን።

እተን ናብ ጠፈር ዝመላለሳ ፓዮኔር፥ ማሪኔር፥ ቮዮጀር ዝበሃላ ብመንግስቲ ኣሜሪካ እተላእኻ መደብ ክሰርሓ ተላኢኸን ዘገርም ዘደንቕን ጽቡቕን ስእልታት ናይ በዓል ማርስን ካልኦት ፕላኔትን ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ እኳ እንተ ለኣኻ፥ እቲ ኣዝዩ ዘገርምሲ ብዘየጠራጥር፥ ሕይወት ዝብሃል ከም ዘይረኸባን ድምጺ ሕይወት ዘለዎ ፍጡር ፈጺመን ኣይሰምዓን።

ወዲ ሰብ ንኣሎ ዝተባህለ ሓድሽ ነገር ክርእን ክሰምዕን ህንጡይ ስለ ዝዀነ፥ ቁጽሪ ዘይብሎም ነባሮ እዛ ዓለም እዚኣ፥ መንነተን ዘይተፈልጣ በረርቲ ከም ዝረኣዩ ዕለት ዕለት ይዛረቡ። ብፍላይ እቲ ኹሉ ግዜ ዝንገረለን ዩ.ኤፍ.ኦ (UFO) ዝተባህላ በረርቲ ዕለታዊ ዜና ምዕራባውያን ሃገራት እየን።

ገለ ይኒቨርሲቲ ንምቅይያር ክሊማ ዓለምና ከይተረፈ፥ በዘን ዝጠቀስናየን በረርቲ ድኣ ይቀያየር ከይህሉ ኢሎም ስለ ዝተጠራጠሩ፥ በብዓይነተን ባሉናት ናብ ሃዋህው ብምልኣኽ፥ ሓያሎ መርመራታት ኣካይዶምሲ ማይ ዓሚኾም ድኣ ተረፉ እምበር፥ ዝረኸብዎ ሕይወት ወይ ድምጺ ሕይወት ፈጺሙ የልቦን።

ይቕጽል

1ይ ክፋል |2ይ ክፋል |3ይ ክፋል |4ይ ክፋል

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div