S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እቶም ክዳውንቶም ብደም እቲ ገንሸል ዘይሓጸቡንዘለኣለመ ኣለም ኪሳቐዩ እዮም” (4  ክፋል ነቲ ዚመጽእ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንጽበ) እዚኣቶም ስራሕ ክርስቶስ

ዘይሰርሑ ብደም እቲ ገንሸል ክዳውንቶም ዘይሓጸቡ ዘበሉ፡ ኣብ ምድሪ ከለዉ ምስኡ ሕብረት ኣይነበሮምን፡ስለዚ ድማ እዩ ኣይፈልጠኩምን እየ ዝብሎም። ንሳቶም ድማ ካብ ቅድሜኡ ወጺኦም ክኸዱ እዮም እምበር፡ ኣብታ ቅድስቲ ሃገሩ ግደ የብሎምን።እቶም ኣብቲ ናይቲ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፉ ደኣ እምበር፥ ገለ ርኽሰት ወይስ እቲ ዜፈንፍንን ሓሶትን ዚገብር ዘበለ ኸኣ ናብኣ ከቶ ኣይኪኣቱን እዩ” (ራእይ 2127)

እዞም ካብታ ቅድሥቲ ሃገር ወጻኢ ዝተርፉ ብሓሙሽተ ኣኽላባት ዝተመሰሉ እዮም። ከመይሲ ኣብ ዓለም ከለዉ ህይወቶም ብምልእታ ኣብ ሓሶትን ጥበራን ዝነብሩ ስለ ዝነበሩ ግዴኦም ኣብ ወጻኢ ከም ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ገይሩ ይምህረና፡ጠንቆልትን ኣመንዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦትን ንሓሶት ዚፈትዉዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ዅሎም ግና፥ ኣብ ወጻኢ እዮም” (ራኣይ 2215)

እቲ ወጻኢ ተባሂሉ ዝንገረሉ ዘሎ፡ ብርግጽ ካብ ህያው ኣምላኽ ዘለዋ ቅድስቲ ከተማ ወጻኢ ማለቱ ከም ዝዀነ ዝተፈልጠ እዩ። ዓለም ካብ ዘይትህሉ እቲ ወጻኢ ተባሂሉ ዝጥቀስ ዘሎ፡ ኣበይ ከም ዝዀነ ጎይታና መድሓኒናን ባዕሉ ከምዚ ገይሩ ከም ዝመሃረ፡ ወንጌላዊ ማርቆስ መዝጊቡዎ ኣሎ። ገለ ዕሽነት ዝወሓጦም ሃይማኖተኛታት ኢና ዝብሉ፡ ንቓሉ ክሒዶም፡ ንቓሎም ዘኽብሩ ባዕላዊ ትርጉማት እናሃቡ፡ ዘይጠፍእ ሓዊ ሓሰኻኡ ዘይመውት ገሃነም ዝበሃል የልቦን፡ ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፡ ንሓጥኣን ብመቕጻዕቲ ሓዊ ገይሩ ካሕሳ ሓጢኣቶም ኣይከፍሎምን እዩ እናበሉ ተታሊሎም ዘታልሉ ወይልኦም። እቲ ተመዝጊቡ ዘሎ ቓሉ ግናነቲ ኻብዞም ብኣይ ዚኣምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕት፥ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ባሕሪ ኺጥሕል ምሔሾ ነይሩ። ኢድካ እንተ ኣስሓተትካ፥ ቊረጻ። ክልተ ኢድ ሃልዩካ፥ ናብቲ ዘይጠፍእ ሓዊ፥ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፥ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ገሃነም ካብ እትድርበስ፥ ቊሩጽ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ።  እግርኻ እንተ ኣስሓተትካውን፥ ቊረጻ። ክልተ እግሪ ሃልዩካ፥ ናብ ዘይጠፍእ ሓዊ፥ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፥ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ካብ እትድርበስ፥ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካውን፥ ኣንቊራ። ክልተ ዓይኒ ሃልዩካ፥ ናብቲ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፥ ሓዉውን ዘይጠፍእ ናብሓዊ ገሃነም ካብ እትድርበስ፥ ነቛር ኴንካ ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ምእታው ይሔሸኻ (ማር፡ 942-48)ደቂ መንግሥቲ ግና ናብ ወጻኢ ጸልማት ኪድርበዩ እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ፥ እብለኩም ኣሎኹ” (ማቴ፡ 812)

እዚኣቶም ንቓል እግዚኣብሔር ስለ ዘይኣመኑን ዘየክበሩን ኣብ ልዕሊ ከምኦም ሰብ፡ ብዘይ ድንጋጸ ዓበይቲ ግፍዕታት ዓመጻታትን ዝፈጸሙ ስለ ዝዀኑ፡ ካብ ዳንነት እግዚኣብሔርን ካብ መለኮታዊ ፍርዱን ኣየምልጡን።እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፋናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፥ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፥ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፥ በለኒ” (ራእይ 218)

እቲካልኣይ ሞትተባሂሉ ተጠቒሱ ዘሎ ገሃንም እሳት እዩ። እዚ ካልኣይ ሞት እዚ ንዘለዓለም ዘይጠፍእ ሓዊ ዘለዎ፡ ጥራይ ዘይኰነ፡ ዘሳቕዩ ሓሶኻኦም ዘይጠፍእ ዘለዉዎ ቦታ ድማ እዩ። እዚ ጎይታ ባዕሉ ዝበሎ ቓል-እግዚኣብሔር እዩ። ኣብዚ ክርሳዕ ዘይግብኦ ክንዮው እቶም ግፍዔኛታት ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ፡ ሓሰውቲ መማህራንውን እዚ ዘለኣለማዊ ሓዊ ወይ ዘለኣለማዊ ሓሰኻ ዝበሃል የልቦን፡ ሓጢኣተኛታት ሓንሳብ ምስ ሞቱ ኣኺልዎም ኣይትንስኡን እዮም ኢሎም ዝምህሩ ኣብ ግዜና ከም ዝለዉ ዝተፈልጠ እዩ። እንተዀነ ሓቂ ንኸይትፍለጥ ምትላል ከም ዘሎ ምፍላጥ ድማ ልቦና እዩ እሞ ኣይንታለል። ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገልጸ ኩላቶም በደለኛታት ኣብ ልዕሊ ጸጋ እግዚኣብሔር ዝዓገቡ ደቂ ኣዳም፡ ኣብ ልዕሊ መሰሎምን መሰል ኣምላኾምን ባህርያዊ ነጻነትን ዓብይ ብደል ስለ ዝበደሉ፡ ቦትኦም ገሃንመ እሳት ክኸውን ግድን እዩ። ምኽንያቱ ናብ ሞት ዘብጽሕ ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ብጻዮም ስለ ዝፈጸሙ። ቀቅድሜኦም ድያብሎስ ምስ ሰራዊቱ ዝድርበዮ ናብ ገሃንመ እሳት እዩ። እቲ ኣራዊትን ሓሳዊ ነብይውን ኣብኡ እዮም ክድርበዩ። ንሳቶምን ሰዓብቶምን ድማ ምሳታቶም ከም ዝዀኑ መን ይስሕቶ፧ እቲ ጽሑፍ ድማእቲ ዘስሓቶም ድያብሎስውን ናብቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ለይትን መዓልትን ኪሳቐዩ እዮም” (ራእይ 2010)  ዘሕዝን ጉዕዞ ኣብ ምድሪ ከይተሓጐስካ ድሕሪ ቀዳማይ ሞት እንደገና ድማ ካልኣይ ሞት ኣሎ፧

ክቡር ሓወይ ክብርቲ ሓብተይ ምርጫና እንታይ ይኹን?

ምርጫና ሃገር-ተስፋ ትኹን

ህይወትን ሞትን ኣብ ቅድሜኻ ኣንበርኹከም ዝበለ ጽሑፍ፡ ሰብ ዘበለ ፈተወ ጸልኤ መወዳእታኡ ካብ ክልቲኤን ሓንቲኤን ከም ዘሎ ድሮ ኣንቢብናዮ ኣሎና። ወይ ናብታ ህይወት ዘለዋ ቅድስቲ ከተማ ይኣቱ ወይ ድማ ናብታ ካልኣይ ሞት ዘለዋ ናይ ጥፍኣት ከተማ ገሃንመ እሳት ይኣቱ። ካብዘን ክልተ ሳልሰይቲ ትብሃል የልቦን። ስለዚ ኹሉ ሰብ ብፍላይ ድማ ንሕና እቶም ብስም ክርስቶስ ክርስቲያናት ተባሂልና ዝተጠመቕና፡ ናብታ ቅድስቲ ከተማ ክንኣቱ ተዳሊና ክንነብር ይግብኣና። ቓል ጐይታውን ከምኡ እዩ ዝምህረና። ኩሉ ግዜ ማለት ብግዜኡን ብዘይግዜኡን ብመገዲ ንስሓ ኣቢልና ዝግብኣና እናፈጸምና፡ ፍረ ጽድቂ እናፈረና ክንነብር ይግብኣና። ከመይሲ ሞት ከምቲ ኹሉ ነገር ብቐጸራ ንፍጽሞ ኣይኰነትን። ሞት ቆጸራ የብላን እሞ ኣይንትሃመል።

ትንሣኤ ምዉታን ተስፋ ጌርና ነቲ ዝመጽእ ህይወት ዘለኣለም ክንወርስ የብቅዓና። ኣሜን።

post on 25 May 2010.  

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div