S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብጥበቡ ሰማይን ምድርን ዘወቀበ እግዚኣብሔር

ግዜን ዘመናትን፡ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ይለዋወጡ፡ እግዚኣብሔር ህዝቡ ንምድሓን ዝመደቦ፡ ስርሑ ዝገልጸሉ መስርሕ ግዜ ምዃኑ፡ ዕድመ ሰብ ድማ ከም ዕምባባ ተራእዩ ዝጠፍእ ምዃኑ ዘዘክር ዓቢ ኣምር’ዩ።

ኣብዚ ወቅቲ'ዚ ክርስቶስ መኣዛ ቅዱሳን፡ ገጽ ምድሪ ዘወቅብ ምዃኑ ይዝመር። ኣብቲ ለይቲ ንግሆ ዝፍጸም ኣምልኾ፡ ብመዘምራን ዝቐ መዝሙር ትርግሙ፡ ኣባና ምሕረቱ ዘብዝሐ፡ ኣብ ኣርያም ዝነብር፡ ብደበና ተጋሪዱ ዝነበረ ሰማይ ብብርሃን ከዋኽብቲ ዘብርሀ፡ ንምድሪ ድማ ብኣዝመራን ጽጌረዳን ዘማዕረገ ኣምላኽ ጥበቡን ዕምቆቱን ሰፊሕ እዩ። ሱፍ ዕምባባ መኣዛ በረኻ ከምዝኸውን፡ ንስኻውን ናይ ቅዱሳን መኣዛ ኢኻ” ዝብል’ዩ። ናይ ቅዱስ ያሬድ ትሕዝቶኡ ብሓጺሩ፡ ገጽ ምድሪ ብጽጌረዳ፡ ገጽ ሰማይ ድማ ብከዋኽብቲ ጌጸ እግዚኣብሔር ጥበቡ ዓሚቕ እዩ ዝብል እዩ።

ኣብ ኤፌሶን 6.1-10 ንሰባት ዕድመ ዝህብ፡ ክረምቲ ኣሕሊፉ ናብ ኣዝመራን ቀውዕን ዘብጽሕ ኣምላኽ ስለዝኾነ ውሉድ ንወለዶም ብምእዛዝ ዕድሜኦም ኪነወሕ ምዃኑ ይመክር። ኣብ ራእይ 12.1-13 ዘሎ መልእኽቲ ከኣ እታ ሰበይቲ ኣብ ስደት ዝጸናሓትሉ ዘመን ይሕብር።  ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 7፡23-30 ዘሎ ድማ እግዚኣብሔር ህዝቡ ንምድሓን ዝመደቦ ግዜ ይትንትን። ኩሎም መልእኽታት ብሓባር ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ፡ ግዜን ዘመናትን ብፍድ እግዚኣብሔር ጥራይ ዝለዋወጡ፡ ጎይታ ስርሑ ዝገልጸሉ መስርሕ ምዃኑ እዩ ዝምህረና። እቲ ስብከትውን ከምኡ ዕድመ ሰብ ከም ዕምባባ ተራእዩ ዝጠፍእ ምዃኑ ዘዘክር ዓቢ ጸሎት እዩ። በቲ ቀዳማይ ካህን ዝንበብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ከኣ ፈጣሪኡ ዘረስዕ ትምኒት ናይቲ ሃብታም ሰብኣይን፡ ብዛዕባ ክረምቲ ሓሊፉ ፍረ ዝፈርየሉ ውቁብ ገጽ-ምድርን ይትርኽ።

እቲ ቀንዲ መልእኽቲ ወንጌል ናይዚ ዕለት'፡ እቲ ብሰፊሕ ፍልጠቱን ዓሚቕ ጥበቡን ዝናማትን ጠባይ ኣየርን ኣሃሂዱ ምድሪ ፍረ ክትፈሪ ዝገብር ኣምላኽ ተረሲዑ፡ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ብዛዕባ ፍሬኡ ዝእክበሉ ማዕከን ኪጭነቕ ከሎ የኢ። እቲ ዘሎዎ ማዕከናት ኣፍሪሱ ኣግፊሑ ኪሰርሖ እሞ ንነፍሱ ድማ ብዘይ ስክፍታ ዓሪፋ ክትበልዕ ምዃና ኣእሚኑ ኣብ ውሳኔ ይበጽሕ። እንተኾነ ግን ቲ ምንጪ ኩሉ በረኸትን ፍረን ዝኾነ ኣምላኽ ብዘይ ምዝካሩ፤ ብሰብ ሃብታም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ድኻ ምዃኑ ኣመስኪሩ። ከምቲ ኣብ መዝሙር ዳዊት እንዝምሮ ድማ፡ ህይወቱ ካብ ሓንቲ ለይቲ ኣይሓለፈትን፤ ብዋናኣ ተወሲዳ። ስጋኡ ንምብስባስ፡ ሃብቱ ድማ ብኻልኦት ይውረስ።

ምድራዊ ዘይኮነስ ሰማያዊ ሓሳብ ክንሓስብ እግዚኣብሔር ይደግፈና። ኣሜን።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div