S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ! መዝ 11615። 

ክቡር ኣቦና ቆሞስ (ቀሺ) ኣርኣያ ካብ ኣቦኦም ግራዝማች ተስፋይ መድህንን፥ ካብ ኣዲኦም መስቀል ክብራ ዑቑባሚኪኤልን (በዓልቲ-ማይሓ) ኣብ ሰጣሕ መረታ-ሰበነ ኣከለጉዛይ ሃገረ ኤርትራ ብዕለት 14 ነሓሰ 1934 . (1926 ግእዝ) ተወልዱ። ዕድመ ሕጻንነቶም ምስ ብሩኻት ወለዶምን ምስ ኣሕዋቶም / ደሃብን / ረዛንን ምስ የዕርኽቶምን ብጉስነት የሕለፍዎ።

መንፈሳዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ኣብ ቀጽሪ ቅድስት ማርያም ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣሰጣሕ፥ ኣብ እግሪ የነታ (መሪጌታ) ሓጎስ ተስፋዝጊ በስመ-ኣብ ኢሎም ጀሚሮም ክሳብ ግብረ- ዲቁና ተማህሩ። 1945 . ብኢድ ብፁዕ ኣቡነ ቄርሎስ ኣብ ገዳም ኣቡነ ብፁዕ ኣምላኽ ደብረ- ምዕዋን ከባቢ ደቀምሓረ ብማዕርገ-ዲቁና ተቐበሉ። ብድሕሪ እዚ ኣብ ወረዳ እንድርታ ከባቢ ጋባት ዝበሃል ናብ ትግራይ ከይዶም ኣብ የነታ በርሀ ዝበሃሉ መምህር፡ ግብረ ዱቁናን ተወሳኺ ትምህርትን ኣጠናቐቑ። ኣብ ኣውራጃ ዓድዋ ገዳም እንዳ ኣባ ገሪማ ኣብ ዝበሃል ድማ ካብ መሪጌታ ጳውሎስ ዝበሃሉ መምህር፡ መዝገብ ቅዳሴ ዜማታት ቤተ ክርስቲያንን ተማህሩ።

መንፍሳዊ ትምህርቶም ክቕጽሉ መደብ እኳ እንተነበሮም፥ ድሌት ወለዶም ግና ናብራ ክገብሩ ስለ ዘገደድዎም ከም ፍቓዶም ብዕለት 27 ጥሪ 1953 // ምስ በዓልቲ ቤቶም / ዓለስ ደበሳይ ከምቲ ሕጊ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስያን ዝእዝዞ ብጸሎተ-ተኽሊል ሥነ ሥርዓት ቃል-ኪዳን ኣብ ዓዶም ሰጣሕ መረታ-ሰበነ ፈጸሙ። 1954 / ብብጹዕ ኣቡነ ማርቆስ ጳጳስ ናይ ኤርትራ ኣብ ቅድስተ ማርያም ኣዲስ ኣበባ ማዓርግ ክህነት ተባረኹ። ቀጺሎም ዕለታዊ ናብርኦምን ሓዳሮምን እንዳ ኣካይዱ ኣብ ዓዶም ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ብኣገልግሎት ግብረ-ክህነት ክሳብ 1970 // 17 ዓመታት ኣገልገሉ።

1970 / / ናብ ከተማ ኣስመራ ብምኻድ ድማ ኣብዚ ሎሚ ደብረ ገነት ኪዳነ ምህረት ፐራዲዞ ዝበሃል ዘሎ ቤተ-ክርስቲያን ምዱብ ኣገልግሎቶም ጀመሩ። ሓድሽ ህንጻ ቤተ-ክርስቲያን ንምስራሕ ከኣ ምስ ብጾቶም ካህናት ኮይኖም ልዑል ኣበርክቶ ገብሩ። ፈቖዶ ኣብያተ ክርስቲያን እንዳኸዱ ሓግዞና ብምባል ንኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ማይ ተመናይ ኣስመራ ኣህኒጾም ኣባል ሰበኻ ጉባኤን ምዱብ ካህንን ኮይኖም 23 ዓመታት ኣገልገሉ።

ብድሕሪ እዚ ብሰናይ ድልየት ህዝበ ክርስቲያን ነበርቲ ከተማ ኒውዮርክን ከባባቢኣን ካህን ክለኣኸሎም ብዝሓተትዎ ጠለብ መሰረት ብቡራኼ ብጹዕ ኣቡነ ፊሊጶስ ጳጳስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ተመርቖም፡ ብኣፍልጦ ግዜያዊ መንግስቲ ኤርትራ ታቦት ቅዱስ ገብሪኤል ሒዞም ኣብ ሓምለ 1993 // ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣተዉ። እዚ ከኣ ብድሕሪ ነጻነት ሃገረ ኤርትራ ቦኽሪ መንፈሳዊ ልኡኽን ናይ መጀመርያ ታቦት ኣብ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይና ኣብ ታሪኽ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ተመዝጊቡ ይርከብ። ኣቦና ቆሞስ ኣርኣያ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ቅዱስ ገብርኤል ብትግሃትን ተወፋይነት እናኣገልገሉ ከለዉ ብዝተፈላለዩ ናይ ሰይጣን ውዲታት ብዙሕ ፈተናን ከቢድ ጸቕጢ መንግሥቲ ህግደፍን እኳ እንተ ኣጋጠሞም ንኹሉ ሽግራት ብጸሎትን ኦርቶዶክሳዊ ጽንዓትን ከይተሓለሉ ብተስፋን ትዕግሥትን ንምእመናን ህዝቢ ኒው ዮርክን ከባቢኣን ንልዕሊ 27 ዓመታት ኣቦን መራሕን ኮይኖም ልዑል መንፈሳዊ ኣገልግሎቶም ኣወፍዮም እዮም።

ኣብ 2000 // ከኣ ብቡራኬ 1 ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስ ንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜርካ ኣብ ኣትላንታ ጆርጅያ ብወግዒ ክቐውም ከሎውን ምስ ውሑዳት ኣቦታት ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም ኣባታዊ ተራኦምን ኣበርክቶኦምን ኣወፈዩ። 2005 // ኣብ መድሃኔ ዓለም ዋሽንግቶን ዲሲ ኣብ ዝተገብረ 7 ሰፊሕ ዓመታዊ ጉባኤ ንኡስ ሃገረ ስብከት ድማ ብሰንኪ እቲ ኣብ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዘጋጠመ ምግሃስ ሓዋርያዊ ቀኖናን ምፍራስ ሕጊ ሃይማኖት ብምቕዋም፥ ብመንግሥቲ ንዝተመዘዘ ዘይመንፈሳዊ ምምሕዳር ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ብምዅናን፥ ንሕና ኣሰር ሕጋዊ 3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኢና እንኽተል ካብ ዝበሉ ቁንጣሮ ኣቦታት ካህናት ናይ 5 ቤተ ክርስቲያናት ሰሜን ኣሜሪካ ሓደን በዓል-ጸጋ ዕድመን ብምዃን ምእንቲ ሓቀኛ እምነቶም ከቢድ ዋጋ ዝኸፈሉን ብዙሕ ጸርፍን ውርደትን ዝተቐበሉ ውፉይ በዓል መንፈሳዊ ዕላማን ጽኑዕ ኣቦን ነበሩ።

ብዕለት 27 ነሓሰ 2007 / ድማ ኣቦና ቆመስ ኣርኣያ ተስፋይ ዝመርሕዎ ምስ ኣቦና ቀሺ ሓለፎም ዓንደማርያም, ምስ ኣቶ ሞኮነን ፍሰሃየ, ኣቶ ዛይድ ተስፋማርያም ኮይኖም፡ ምስ ፖፕ ሺኖዳ ሳልሳይ ፓትርያርክ እስክንድርያ ኣብ ኒው ጀርሲ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቶም ብምኻድ ወግዓዊ መልእኽቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኣቕሪቦም። ብዛዕባ ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራን ጉዳይ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስን ከኣ ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም። በዚ መሠረት ጳጳስ ኣቡነ ዳዊት ንሓደ ዓመት ዝኣክል ንንኡስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ መንፈሳዊ ቡራኬን ሓገዝን ክህቡ ተመደቡ።

ብተወሳኺ ብዕለት 26 መስከረም 2009 ከኣ ተማሳሳሊ እንደገና ምስ 4 ካልኦት ኣቦታት ካህናት ኮይኖም ምስ ፖፕ ሺኖዳ 3 ኣብ ኒውጀርሲ ተራኺቦም ብምምይያጥ፥ ከቢድ ሽግርና ንምፍታሕ ብጹዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ሃገረ ስብከትና ኮይኖም ክትምድቡልና ዝብል ጽሑፍ ብኣካል ኣቕረቡ። ሰናይ ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ ድማ ጸሎትን ድሌትን ኣቦታት ካህናት ሰሚሩ ብጹዕ ኣቡነ መቃርዮስ ናይ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ብወግዒ ተመዲቦም ክሳብ ሕጂ ይመርሑዎ ኣለዉ። ኣቦና ቆምስ ኣርኣያ ምእንቲ እምነቶም ረዚን ዋጋ ዝኸፈሉ፥ ካብ ቅኑዕ ዕላምኦም ብዝኾነ ምኽንያት ፍንትት ዘይብሉ፥ ንዝኣመኑሉ ንምዝራብ ድሕር ዘይብሉ፥ ዕጉሥ፥ ሓቀኛ፥ ተባዕ፥ ውፉይ፥ ሓዳግ ይቅረ በሃላይ፥ ረብሓ ገንዘብ ዘየስድዖምን በዓል ክቡር ታሪኽን ውፉይ ኣቦ እዮም ነይሮም። ንልዕሊ 64 ዓመታት ድማ ብማዕርገ ክህነት ምስ ምሉእ ጥዕና ኣገልጊሎም እዮም። ኣቦና ቆሞስ ኣርኣያ ተስፋይ ልዑል እግዚኣብሔር ብውላድ ስለ ዝባረኾም ሸውዓተ ውሉድ ገዲፎም እዮም። ንሳቶም ድማ፡- ፍረወይኒ፥ ብርሃና፥ ክፍሎም፥ ተኽለዝጊ፥ ኢየሩሳሌም፥ ሸማይነሽ፥ ጸሃይን ምሉእ-ብርሃንን ከምኡውን ደቂ ደቆምን፥ ደቂ ደቆም ምስ ዝወለድዎምን ከባቢ 30 ዝኾኑ ውሉድ ኣለዉዎም።

ካብዚኦም ኣብ ሜደ ኤርትራ ተሰሊፎም ኣብ ናጽነት ኤርትራ ግቡኦም ዘበርከቱ ኮይኖም፡ ሓደ ውላዶም መንእሰይ ክፍሎም ቀሺ ኣርኣያ ድማ፡ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ተሰዊኡ። እቶም ዝተርፉ ደቆም ድማ ብረድኤት ልዑል ኣምላኽ ኩሎም ወሊዶም ዘሚዶም ብጥዕናን ውሉድን መምስ ሓዳሮም ደቆምን ብሰላም ይነብሩ ኣለው። ቆመስ ኣርኣያ ተስፋይ ደቆምን ደቂ ደቆም ዝወለድዎም ክሳብ ራብዓይ ወለዶ ክርእዩ ዝበቕዑ ሃብታም በዓል ጸጋ ኣቦ ኹልና እዮም።

ኣቦና ቆሞስ ኣርኣያ ብሕማም ምኽንያት ኣብ ሆስፒታል ደንቨር ከሎራዳ ዘድሊ ሕክምናን ክንክንን ክገብረሎም ብድሕሪ ምጽናሕ ብዓርቢ ዕለት 25 ታሕሳስ 2020 // ብክብርቲ በዓልቲ ቤቶም / ዓለስ ደበሳይን ደቆምን ደቂ ደቆምን ተሰንዮም ብሰላም ዓሪፊኦም።

ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ንኣቦና ኣርኣያ-ሥላሴ

ጽንዓትን ደበሳን ንምሉእ ስድራ ቤትን ምሉእ ህዝብን!

መዘከርታ ጻድቕ ንበረኸት እዩምሳሌ 10:

ዜና ዕረፍቲ ቆሞስ ኣርኣያ ተስፋይ - Departure of Hegumen Araya Tesfay

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div