S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓባራዊ መግለጺ [ዕርቀ-ሰላም]

ብሰሉስ 18 ሚያዝያ 2023፡ ብብፁዕ አቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ ኩሉ ዝምራሕ ሕብረት አብያተ ክርስቲያናት ተዋህዶ ምስቲ ብብፁዕ አቡነ ሲኖዳ ክምራሕ ዝጸንሐ ኅብረት አብያተ ክርስቲያናት ምሉእ ውህደንት ዕርቅን ጌሩ ኣሎ። ኣምላኽ ምሉእ ዕርቂ ስለዝገበረልና ስብሓት ይኹኖ።

ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ዕርቂ ኣብዚ መላግቦ ተወከስ።

|Joint Statement|ትግርኛ|

ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ አህገረ ስብከታት ሰሜን አሜሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኤርትራ ሃገረ ስብከታት ኅብረት ኣብያተ-ክርስቲያን ኣብ መላእ ዓለም ቀዋሚ ጉባኤ አኃት ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ አብያተ ክርስቲያናት አብ ሰሜን አመሪካን። 

ከምዚ ዝስዕብ ይኸውን።

1. ብመንጎኝነት ቀዋሚ ጉባኤ አኃት ኦርየንታል ኦርቶዶክስ አብያተ ክርስቲያናት አብ ሰሜን አመሪካ፡ አብ ሞንጎ ብብፁዕ አቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ ኩሉ ዝምርሑ፡ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ አህጉረ ስብከታት ሰሜን አመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን፡ አብ ሞንጎ ብብፁዕ አቡነ ሲኖዳ ዝምርሑ፡ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሃገረ ስብከታት ኅብረት አብያተ ክርስቲያናት ኣብ መላእ ዓለምን፥ ንዝሓለፉ ዓመታት፡ ናብ ሓድነት ዘብጽሕ ዘተ ኪካየድ ጸኒሑ እዩ።

2. ቀዋሚ ጉባኤ አኃት ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ አብያተ ክርስቲያናት አብ ሰሜን አመሪካ መንጎኛ ኮይኑ ነቲ ዘተ ኪመርሕ ብክልቲኦም ወገናት ዕድመ ከምዝቐረበሉ ይፍለጥ።

3.ቀዋሚ ጉባኤ አኃት ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ አብያተ ክርስቲያናት አብ ሰሜን አመሪካ፡ አብ ጉዳይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ እኹል አፍልጦን ተሞክሮን ዘሎዎም፡ ብፁዕ አቡነ ዳዊት ጳጳስ ግብጻዊት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን፡ ከምኡውን አብ ዓለም ለኻዊ ማኅበር አብያተ ክርስቲያናት ንዘጋጥሙ ጸገማት አብ ምፍታሕ ልዕል ተሞክሮ ዘለዎም ሊቀ ጳጳስ አቡነ ቪከን ሊቀ ጳጳስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣርመንያ ምሉእ ሓላፍነት ሂቡ ብምምዛዝ ነቲ ዘተ ኪመርሕዎ ጸኒሖም።

4.ንእግዚኣብሔር ክብሪ ይኹኖ፡ ካብ ክልቲኡ ሃገረስብከታት ወከልቲ ተመሪጾም ክሰርሑ ድሕሪ ምጽናሕ እቲ ናይ ነዊሕ እዋን ኅውነታውን ሓላፍነታውን ክልተኣዊ ዘተ፡ፍረ ኣፍርዩ፡ ኩሉ እቲ ከፈላልዮም ዝጸንሐ ኣርእስትታት ብምዝርራብ ፈቲሖም አብ ቅድሚ ወከልቲ ቀዋሚ ጉባኤ አኃት ኦርየንታል ኦርቶዶክስ አብያተ ክርስቲያናት አብ ሰሜን አመሪካ ፡ብቀኖናን ዶግማን ስርዓትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ተማእኪሎም ምሉእ ሓድነት ገይሮም ኪጉዓዙ ከምዝወሰኑ ነፍልጥ።

5. እዚ ተበጺሑ ዘሎ ሓድነት፡ እዚ ሰነድ እዚ ካብ ዝተፈረመሉ ዕለት ሕጋዊ ኮይኑ፡ መዛዘሚኡውን ቀዳም 29 ሚያዝያ 2023 ( ፳፪ ሚያዝያ, ፳፻፲፭ ግእዝ) ብፁዕ አቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ ኩሉ፡ ብፁዕ አቡነ ሲኖዳ፡ ብፁዕ አቡነ ዳዊት፡ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ቪከን፡ ጳጳሳት ናይ አኃት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ አብያተ ክርስቲያናትን፡ ብዙኃት ውሉደ ክህነትን አብ ዝተረኽብሉ ናይ ሓድነት ሥርዓተ ቅዳሴ ኪፍጸም እዩ፡ ንአምላኽ ስብሓት ይኹኖ።

6. ድሕሪ ቅዳሴ፡ እዚ ዝቐውም ዘሎ ውሁድ ሃገረስብከት ብፁዕ አቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ ኩሉን፡mብብፁዕ አቡነ ሲኖዳን፡ ተመሪሑ በቶም ንሳቶም ዝውክልዎም ተወከልቶም ኣቢሉ ናብ ናይ ሰሜንmኣመሪካ ኦሬንታል ዝኣቱ ይኸንውን። አብቲ ቀዋሚ ጉባኤ አኃት ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ አብያተ ክርስቲያናት አብ ሰሜን አመሪካ ኂዞምዎ ዝጸንሑ አባልነት ብምልአት ከምቀደሞም ኪⷅጽሉ እዮም።

7. እዚሓድነት ምስ ተፈጸመ ኩለን እተን ናብ ሓድነት ዝመጻ አብያተ ክርስቲያናት፡ አብ ነፍሲ ወከፍ ቅዳሴ፡ አስማት ናይ ብፁዕ አቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ ኩሉን ብፁዕ አቡነ ሲኖዳን ብምጽዋዕ ጸሎት ይገብራ

8. አብ ትሕቲ ክልቴኡ ወገን ዝጸንሐ ምሕደራን አገልግሎትን፡ ብልዝብ ተወከልቲ ናይ ክልቴኦም ናብ ውሁድ ምሕደራን አገግሎትን ይኣቱ። ስም ናይ ውሁድ ሃገረ-ስብከት ብወከልቲ ካብተን ክሳብ ሎሚ ከም ክልተ ኣኅጉረ ስብከታት ዝነበራ እትወጽእ ኮሚቴ ይውሰን።

9. ቀዋሚ ጉባኤ አኃት ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ አብያተ ክርስቲያናት አብ ሰሜን አመሪካን፡ እዞም ናብ ሓድነት ውህደት መጺኦም ዘለዉ አባላት ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ አብያተ ክርስቲያን፡ ንናይ ሓባር ቀኖና ኦርቶዶክሳውያን ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ከምኡውን ትውፊታዊ ትምህርትታትን፡ እምነትን ዶግማን ቅቡልነት ይረጋገጽ። ንምንታይ፡ እዚ ውርሻ ኩሎም ኦርቶዶክሳውያን ስለ ዝኾነ። ከምቲ ቅዱስ አትናቴዎስ ዝምሃረና፡ ኦርቶዶክስካብ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ተረኪቦም ሓዋርያት ዝመሃርዎ፡ አቦታት ዝዓቀብዎ እምነትን ትምህርትንአጽኒዕና ብምኃዝ፡ ንቤተ ክርስቲያን ካብ ኩሉ ምትእትታው ኢድ ዓለማዊ ሥልጣናት ተሓልያ ክትነብር ንጽዕር።

10.በዚ አጋጣሚ እዚ እቲ አብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ዘጋጠመ ሽግር ንኽፍታሕ ነቲ አብ ወጻእን አብ ውሽጢ ሃገርን ዘሎ ፍልልያት፡ ብከምዚ ሎሚ ንርእዮ ዘሎና ልባዊ ዕርቂ ተዛዚሙ ብሓደ ቅዱስ ሲኖዶስ ክምእከልን ክምራሓን ትምኒትን ጸሎትን ብፁዕ አቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ ኩሉን፡ ብፁዕ አቡነ ሲኖዳ፡ ብፁዕ አቡነ ዳዊት፡ ሊቀ ጳጳስ አቡነ ቪከንን፡ ኩሎም ውሉድ ክህነትን ምዃኑ ንገልጽ። አብዚ ዓብዪ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን፡ ቀዋሚ ጉባኤ አኃት ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ አብያተ ክርስቲያናት አብ ሰሜን አመሪካን ከምቲ ነዚ ዕርቂ ዝገበሮ ኣስተዋጻኦ ኣድላይ እንተ ኾይኑ ምስ ናይ ኤርትራ ሲኖዶስ ናይ መዘራረቢ ባይታ ክፈጥር ፍቓደኛ ምዃኑን ዝክአሎ ሓገዝ ክገብር ድሉው ምዃኑን ንሕብር።

ብፁዕ አቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ ኩሉ ጳጳስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ አህጉረ ስብከታት ሰሜን አመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቅን። ክታም

ብፁእ አቡነ ሲኖዳ ጳጳስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሃገረ ስብከት ዓለምለኻዊ ኅብረት አብያተ ክርስቲያናት። ክታም

ብፁዕ አቡነ ዳዊት፡ አቦ መንበር ቀዋሚ ጉባኤ አኃት ኦርየንታል ኦርቶዶክስ አብያተ ክርስቲያናት አብ ሰሜን አመሪካን፡ ጳጳስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ግብጺ አብ ኒው ዮርክን ኒው እንግላንድን። ክታም

ሊቀ ጳጳስ አቡነ ቪከን፡ አባል ቀዋሚ ጉባኤ አኃት ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ አብያተ ክርስቲያናት አብ ሰሜን አመሪካን፡ ሊቀ ጳጳስ ቤተ ክርስቲያን አርመን ምብራቃዊ ሃገረ ስብከት። ክታም

18 ሚያዝያ.2023 . .

ሚያዝያ፣ ፳፻፲፭ ግእዝ

10 ፓራⶁአድ 1739 ዓመተ ሰማዕታት

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div