S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።

ጽላል ሕዝቢ ተዋሕዶን ዘውዲ ሃገረ ኤርትራን፥ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ገድሎም ወዲኦም ሓሊፎም

ክቡር ሞቱ ለጻድቅ ብቅድመ እግዚአብሔር

ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ።መዝ.11615

ብእምነት ክርስትና ምድራዊ ጉዕዞ ሕይወት፥ ብሰማያዊ ሓድሽ ሕይወት ስለዝትካእ ሞት ዘይኮነስ ምግዓዝ እዩ። ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ 3 ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ ብረቡዕ 9 የካቲት 2022 ዓም ፈረንጂ( የካቲት ፳፩፬ ዓም ግእዝ) እዮም ዓሪፎም። ብዕለት 10 የካቲት 2022 ዓም ፈረንጂ ( የካቲት ፳፩፬ ግእዝ) ከኣ ኣብታ ካብ ወዲ 5 ዓመት ጀሚራ፥ ሕድሪ ኣብኦምን ኣዲኦምን ተቐቢላ፥ ብመንፈስን ብስጋን ዘዕበየቶም ገዳም ኣቡነ እንድርያስ ብዝፈትውዎም ገዳማውያን መነኮሳት፥ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያንን ሕዝቢ ናይቲ ከባብን ብክብ ዝበለ መንፈሳዊ መዓርግ ኣብቲ መዓልቲ ንግደት ክብረ በዓል ኣቡነ እንድርያስ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም። መራሕቲ ናይቲ ዓማጺ ስርዓት ሃገርናን ጳጳሳትን ግን ኣይተቐልቐሉን። እኳ ድኣ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝፈጸምዎ ገበን ዝሽፈን መሲልዎም፤ ከም ዜና ከቕርብዎስ ይትረፍ፥ ካብታ ሃገር ሓበሬታ ከይወጽእ ዝከኣሎም ጌሮም፥ ግን ኣይኮነሎምን።

ቅድሚ ሕጂ ቅዱሳት ኣቦታትና ብሞት ሓሊፎም እዮም፥ 1 ፓትርያርክ ኣቡነ ፍሊጶስ፥ 2 ፓትርያርክ ኣቡነ ያእቆብ፥ እንተኾነ ኣብ ታሪኽ ሃገርናን ቤተ ክርስቲያናን ከም ዕረፍቲ 3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ጌሩ ኣብ ሕዝብናን ሕዝቢ ዓለምን ዘሕዘነን ዝተጋውሐን ግን የሎን፥ ስለምንታይ?

ኣብ ልዕሊ ኣቦን ጽላልን ኩልና ኤርትራውያን፥ ዘውዲ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝኾኑ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፥ ኪወርድ ዝጸንሐ ግፍዒ ንኹሉ ወዲ ኣዳም ዘገረመ ሕሉፍ ጭካኔ ስለዝኾነ። እቲ ብስንክሳር (መጽሓፈ ሰማእታት) ንፈልጦ ስቓይን ሰማእትነትን ቅዱሳት ኣቦታትና ብግብሪ ኣብ ቅድሚ ዓይንናን ሕዝቢ ዓለምን ኪፍጸም ስለዝጸንሐን እዩ። ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ ዝብሎመዘከርታ ጻድቕ ንዘለአለም ይነብር።መዝ. ዳዊት 112:6 ሰማእታት ምስ ሓለፉ እዮም ብዝያዳ ዝኹልዑ፥ ሕዝብና ግን ኣብቲ ኣቦ ዝደልየሉ ከቢድ እዋን ዘኽቲሙ።

ብሕጊ-ኣልቦ ምሕደራ ንቡር ህይወት ተሓሪሙና፥ ጥንታዊ ኃይማኖትና ተደፊሩ፥ ማሕበራውን ባህላውን ውርሻታትናን ክብርታት ሕብረተሰብናን ዓንዩ፥ ቁጠባውን ዓቕምታትናን  ተዳኺሙ፥ ብሓፈሻ ሕይወት ኤርትራውያን ሓሲሩ፥ ሃገር ከምዘይብልና ኣብ ንበታተነሉ ዘሎና እዋን ናይ ዘመንና ሓዋርያ፥ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘኤርትራስኢንና።

ናይ ስጋን መንፈስን መቕጻዕትናን ሓጺሩ፥ ሓዋርያዊ ሰንሰለትና ናብ ቦትኡ መሊስና፥ ከም ኩሉ ሕዝቢ ዓለም ኣብ መረበትና ሃዲእና ብሕጊ፥ ብፍትሒ፥ ብሰላምን ፍቕርን ንነብረሉ ዘመን ምእንቲ ኪመጸልና፥ ብንስሓ ናብ ኣምላኽና ንመለስ፥ ብልብና መገድና ንመርምር (ሓጌ 157)

ኣሰር ኣቦና ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ንስዓብ፥ ሕድሮም ነጽንዕ።

እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤተ ክርስቲያን ተኣኪቡ ሕዝብና ዝሓዝነሉ እዋን ክሳብ ኣርብዖኦም ቀጻሊ ኮይኑ፥ ኣሓት ኦርየንታል ኣብያት ክርስቲያናት ተዋሕዶ ኣብ ዘተረኸባሉ፤ ኩሎም ኣሰር ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝስዕቡ ዘሎዉ ውሉደ ክህነት ዝህልዉሉ፥ ካልኦት ናይ ክርስቲያን ማሕበራት፥ ግዱሳት ዜጋታት፥ ዕዱማት ወጻእተኛታትን ኣብ ዝሳተፍሉ ኣብ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ዋሽንግቶን ዲሲ፥ ንሰንበት 20 የካቲት 2022 ብሕባር ንንስሓሉን፥ ብብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምራሕ፥ መስዋዕቲ ቅዳሴ ነዕርገሉን መዓልቲ ተወሲኑ ምህላዉ ኣህጉረ ስብከታት ይሕብር። ዝርዝር መደባትን ኣስተንግዶን ኣብ መርበብ ሓበሬታ (www.tewahdo.org) ተኸታተሉ።

እግዚኣብሔር ጽንዓት ይሃበና።

እግዚኦ! ኣዕርፍ ነፍሰ ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ወኣንብር ለነ ህየንቴሁ ሔረ ወመራሔ

እግዚኣብሔር ንቅዱስ ኣቦና ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ይሃቦም፥ ጸሎቶምን በረኸቶምን ይርድኣና።

ቀኖናዊ ኣሕጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን

11 የካቲት 2022 . ( የካቲት ፳፻፲፬ ግእዝ) 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div