እዚ ናይ ሎሚ ንባብ ወንጌል፡ ክፋል ናይቲ “ናይ ከረን ስብከት” ተባሂሉ ዚፍለጥ ጐይታና ዝመሃሮ ትምህርቲ እዩ። በቲ መስተንከርን ዜደንቕን ጥበቡ ገይሩ፡ ብኸመይ ነቶም ብኣምሳሉ ዝተፈጠርና ዘርኢ ኣዳምን፡ ንእንስሳታትን ንኣታኽልትን ከም ዜንብር ዚገለጸልና ድማ እዩ። ከምቲ ምስላ ኣቦታትና፡ “ሽሕ ፈልጺ መጥመሪተን ሓንቲ ልሕጺ” ዝብሎ፡ ናይዚ ኽቡር መልእኽቲ ጠማሪት ሓሳብ ድማ፡ እዚ ኣርእስቲ መልእኽቲ ጌርና ወሲድናዮ ዘሎና፡ “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈትው። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይኰነልኩምን እዩ።” ዚብል ቓል እዩ።
ኣብቲ ናይዚ ዕለት ንባብ ወንጌል ተገሊጹ ኸም ዘሎ፡ ነዚ ቓል እዚ ዝተዛረበ፡ እቲ "ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሃንስ ዚዓብይ ሓደ እኳ ከም ዘይተንስአ ብሓቂ እብለኹም ኣለኹ” ተባሂሉ ብልሳን እግዚኣብሔር ወልድ፡ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ዝተመስከረሉ ቅዱስ ዮሃንስ መጥመቕ እዩ።
እዚ ሰሙን’ዚ (ካብ መስከረም 16 ክሳዕ መስከረም 25 ግእዝ) መስቀል ተባሂሉ ይጽዋዕ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዝተነበበ ወንጌል፡ እቲ ንእኡ ኺስዕብ ዝመረጸ ሰብ ኬማልኦ ዚግብኦ ረቛሒታት እንታይ ምዃኑ ኣነጺሩ ገሊጹልና ኣሎ። ነዚ ረቛሒታት እዚ ንሕና ኸነማልኦ ቅድሚ ምእዛዙ ግና፡ ኣርኣያና ሰለ ዝዀነ ንሱ ኺፍጽሞ ናይ ግድን ኰነ። ብእኡ ድማ ገዛእ ርእሱ ብምቕባጽ መስቀሉ ኣልዒሉ ናብ ቀራንዮ ደዪቡ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ። በዚ ናይ መስቀል ቅንያት፡ ስቕለቱን ሞቱን እናዘከርና በዓል ስቕለቱን በዓል መስቀልን ክነብዕል ይግብኣና።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ