“ንስኻትኩም ውሉድ ነብያትን ውሉድ ናይ’ቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ “ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ብዘርእኻ ኪባረኹ’ዮም፡” ኢሉ ምስ ኣቦታትና ዝኣተዎ ኪዳን ኢኹም። ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፍኣቱ እናመለሰ ምእንቲ ኺባርኸኩምሲ፡ ንወዱ ኣተንሲኡ ቕድሚ ዅሉ ናባኻትኩም ለኣኾ።”ግብ 3፡25,26።
ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ-ኵሉ ዝምራሕ፡ ካብ ሠለስተ ኣኅጉረ ስብከታት ዝተዋጽአ ላዕለዋይ ምምሕዳር መንፈሳዊ ጉባኤ፡ ካብ ዕለት 10 ሚያዝያ 2021 ኣትሒዙ ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ወግዓዊ ስራሑ ከም ዝጀመረ፡ ፈጻሚ ኣካል ናይቲ ቈይሙ ዘሎ ላዕለዋይ ምምሕዳር መንፈሳዊ ጉባኤ፡ ትማሊ 22 ግንቦት 2021 ንመላእ ኣባላት ሓለፍቲ ክፍልታት ኣኅጉረ ስብከታት ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባኡ ሓቢሩ።
ቅዱስ ሓዋርያ ጴጥሮስ ኣቐዲሙ፥ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ ከም ዝግባእ ሓቢሩና እዩ። ብዙሕ ኣማኒ ክርስቲያን ድማ ነዛ ኣገዳሲት ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እንዳ ኣንበባን እንዳ ፈለጣን ከሎ እዩ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ካብታ ጸባብ መገዲ ሓቂ ከንደልህጽ ዝርአ።
ብሩኽ በዓለ ቅዱስ ዮሓንስን ሓድሽ ዓመተ ምሕረት [2013 ግእዝ] ይግበረልና።
ዎ ጎይታ ሰላምካ ሃበና፥ ካብ ኢድ ጸላእትና ኣናግፈና፥ ካብ ሕማምና ፈውሰና፥ ንስኻ ኩሉ እትኽል ኣምላክ ኢኻ'ሞ ንህዝብኻ ባርኮምን ሓልዎምን። ከምኡ'ውን፥ በቲ ዘይውዳእ ፍቕርኻ፥ ኣኽሊል ናይዚ ዓመት ባርኽ፥ ወሓዝን ፈልፋሊ ማያትን ባርኽ፥ ዘርእን ኣታኽልቲ ናይ'ዛ ምድሪ'ውን ባርኸልና። ኣሜን።
3ይ ክፋል ቃለ መሕትትን ዘተን ምስ ኣቦታት ካህናት ቀሲስ ዲበ ገብረወልድን ምስ ቀሲስ ዶ/ር ቴድሮስ ተስፋይን
ዕለት፥- ቀዳም 26 መስከረም 2020
ሰዓት፥- 5:00 ድ.ቀ ብኣቆጻጽራ ምብራቓዊ ዞባ ኣሜርካ
ዛዕባ፥- ኣመሰራርታ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካን ሕጂ ዝርከበሉ ዘሎ ኩነታትን።
መስኮት መራኸቢ፥ ብቀጥታ ዝመሓላለፍ ገጽ ንገጽ ኣብ
1. https://www.facebook.com/EritreanOrthodoxChurch
2. https://www.youtube.com/c/TewahdoTV
3. ኣብዚ ገጽ መርበብ ሓበሬታ ተዋህዶ
ተኸታተልቲ ንዘቕርቡዎም ሕቶታት`ውን ኣቦታት መልሲ ክህቡሎም እዮም።
ክፍሊ መራኸቢ ብዙሓን መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ።
ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ዝኾኑ፡ ወዲ 91 ዓመት ክቡር ኣቦና 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ፡ ብዘይ ገበን ብጥልመት ጳጳሳትን ትእዛዝ መንግሥትን መንፈሳዊ መንበሮም ካብ ዝሕደጉ ድሮ 13 ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። ቅዱስ ኣቦና ካብ 13 ጥሪ 2006 ኣ.ፈ ጀሚሮም ክሳብ ሎሚ ንልዕሊ 13 ዓመታት፡ ካብ ሰብን ቤተ ክርስቲያንን ካብ ቅዱስ ቁርባንን ዕጣንን ተገሊሎም፥ ብዘይ ፍትሕን ብዘይ ሕጋዊ ፍርድን ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር እንዳ ተሓለዉ፡ ብብዝሒ ደም፥ ሕማም ሽኮር፥ ቃንዛ ኵርምትን ምኹራዕ እዝንን እንዳተሳቐዩ ዝነብሩ ሽማግለ (ናይ ዘመንና ሓዋርያ)፡ ብሕይወት ዘለዉ ሰማዕተ-ክርስቶስ ኣቦ እምነት እዮም።
Day 30 (5th Tuesday of the Holy Great Fast)
“We are hard-pressed on every side, yet not crushed; we are perplexed, but not in despair.” (2 Cor 4:8)
Day 6 (1st Saturday of the Great Fast)
“My son, give me your heart, And let your eyes observe my ways.” (Pro 23:26)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ