S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ፍቕረይ ደሪኽዎ

And He came to the place of a skull.' Some say that Adam died there, and there lieth; and that Jesus in this place where death had reigned, there also set up the trophy. For He went forth bearing the Cross as a trophy over the tyranny of death: and as conquerors do, so He bare upon His shoulders the symbol of victory.

 St. John Chrysostom

 ነቲ ዘይሓምም ሕማሙ ነዘንቱ፡ ነቲ ዘይመውት ሞቱ ነዘንቱ። በታ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዝረፈቐላ ለይቲ፡ ብፍቓድ ኣቡኡን ብፍቓድ ገዛእ ርእሱን ነፍሱ ነሞተ ወፈየ።

ነቲ ዅሉ ዝሕዝ ሓዝዎ።

ነቲ ገዛኢ ዅሉ ኣሰርዎ

ነቲ ሕያው ወዲ ኣምላኽ ኣሰርዎ

ንሳቶም ብቁጥዓ ጐተትዎ፡ ንሱ ግና ብፍቕሪ ሰዓቦም፡

ከምቲ ኣብ ቀድሚ መቐዝቱ ዘይዛረብ ሕያዋይ በጊዕ ደድሕሪኦም እናሰዓበ ከደ፡

ነቲ ሊቃነ መላእኽቲ ብፍርሃን ብራዕድን ዝቖሙሉ ኣብ መጋባእያ ደው ኣበልዎ፡

ነቲ ሓዳግ ሓጢኣት ሓጥእ በልዎ

ነቲ ኣብ ልዕሊ መኳንነቲ ዝፈርድ ፈረድዎ።

ነቲ ንሱራፌል ዘውዲ ዝደፍኣሎም ኣኽሊል እሾዅ ደፍእሉ፡

ነቲ ንኪሩቤል ግርማ ዘልብሶም ንላግጺ ቀይሕ ግምጃ ኣልበስዎ፡

ነቲ ኪሩቤል በኽናፍ ሓዊ ተሸፊኖም ዝኽወሉሉ ንእኡ እኩይ ባርያ ኢዱ ኣትሪሩ ገጹ ጸፍዖ።

ነቲ ሰራዊት መላእኽቲ ብዓብይ ስምባድ ዝሰግድሉ፡ እናሽካዕለሉ ኣብ ቅድሚኡ ተምበርከኹ።

ኣየ! ከምዚ ዝበለ ትሕትና ከመይ ዝበለ ተሕትና እዩ፡ ከምዚ ዝበለ ትዕግስቲከ ከመይ ዝበለ ትዕግስቲ እዩ፡ ከምዚ ዝበለ ዓቕሊከ ከመይ ዝበለ ዓቕሊ እዩ።

ኣየ! ከምዚ ዝበለ ሕያውነትከ ከመይ ዝበለ ሕያውነት እዩ፡

ኣየ ፍቅሪ! ክነድዚ ዝኣክል ንሰብ ምፍቃር!

ንወዲ ኣምላኽ ካብ መንበሩ ፍቕሪ ሰሓቦ፡ ክሳብ ሞት ከኣ ኣብጽሖ። ነቲ ኣበሳ ዘይብሉ ከም ኣበሰኛ ሰቐልዎ። ነቲ ህይወት ዝፈጠረ ምስ ገበነኛታት ቆጸርዎ።

ኣየ እተን ንኣዳም ዘፈጠራ ኣእዳው ብሽካር አብ መስቀል ተሸንከራ። ኣየ! እተን ኣብ ገነት ዝተመላለሳ ኣእጋር ብመስማር ኣብ መስቀል ተሰመራ።

ኣየ! እቲ ንኣዳም መንፈስ ህይወት ኡፍ ዝበለሉ አፍ ምስ ሓሞት ዝተሓወሰ መጺጽ ሰተየ።

ኣየ! ናይ ወላዲ መከራኡ ኪዛረብ ዚኽእል፡ ኣየናይ ልሳን፡ ኣየናይ ከንፈር፡ ኣየናይ ኣፍ እዩ።

ናይ ፍቁር ወልድ መከራ ኪንገር ከሎ፡ ልቢ ይኽፈል፡ ሕልና ይዓረብ፡ ነፍሲ ትርዕድ፡ ስጋ ይደክም።

ዘይመውት ሞተ፡ ንሞት ክስዕሮ ሞተ፡ ንምውታት ከሕውዮም ሞተ።

 

ቅዳሴ ዮሃንስ ኣፈወር

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div