S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ሻርሎት ብድምቀት ተኸቢሩ

ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን

ታቦት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ሻርሎትን ከባቢኣን ከምቲ ልሙድ ቀዳም ዕለት 19 ሕዳር 2011 ኣ.ፈ (፱ ሕዳር ፳፻፬ ዓ.ም) ብዝደመቐን ምዕሩግ ኣገባብን ተኸቢሩ ውዒሉ። እዚ ካብ ዝተፈላለየ ቦታታ ብዝመጹ ብዝሒ ኣጋይሽ ነጋድያንን ምእመናን ነበርትን፡ ውሉደ ክህነትን መንእሰያት ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን ዝተሳተፍዎ፥ ኣብ ከተማ ሻርሎት ኖርዝ ካሮላይ ዝተኻየደ ክቡር በዓል ብኃይሊ ሰማያዊ ኣምላኽ፥ ብረድኤት ቅዱስ ሚካኤልን ብጸሎት ኩሎም ምእመናን ህዝበ ክርስቲያንን ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ልዑል ሓጎስን ፍሉይ በረኸትን ገዲፉ ብድሙቕ ኣገባብ ተኸቢሩ ውዒሉ።

ከምቲ ንጉሥ ዳዊት “ናብ ቤት እግዚኣብሔር ንኺድ ምስ በሉኒ ተሓጎስኩ!” እናበለ ብመንፈስ ትንቢት ዝዘመረ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሔር ምኻድ ብሓቂ ልባዊ ሓጎስ፥ መንፈሳዊ በረኸትን ስነ ኣእምሮኣዊ ቅሳነትን ከም ዘለዎ እቶም ዝጠዓምዎን ዝሃርፍዎን ኣመንቲ የስተማቕርዎ እዮም። በዚ መሠረት ሰፊሕ ምድላው ክገብሩ ዝቐነዩ ምእመናን ቅዱስ ሚካኤል ብሃረርታ እናተጸበዩ፥ ኣጋይሽ ዕዱማትን ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን መድኃኔ ዓለም ኣትላንታን ከኣ ብኣውቶቡሳት ሰዓት ክልተ ለይቲ ተበጊሶም እናዘመሩን ንኣምላኽ እናወደሱን ካብ ሰዓት ሹዱሽተ ክሳብ ሰዓት ሸውዓተ ንግሆ ኣብቲ ንምርኣዩ ዘብህግን ጥንታዊ ቅዲ ዘለዎ ዓቢይ መኣዝናዊ ቤተ ክርስቲያን ግሪኽ ተኣኻኸቡ። እቶም ዓርቢ ምሸት ብዋዜማ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ናይ ክብረ በዓል ዝጀመርዎ ክቡራን ኣቦታት ውሉደ-ክህነት ከኣ ጸሎተ ነግህን ስብሓታት ማሕሌትን ብመንፈሳዊ ተመስጦ “ረዳኤ ምንዱባን ሚካኤል በከመ ታለምድ ዘልፈ፡ ለረዲኦትነ ነዓ ሰፊሓከ ክንፈ” ማለት “ሚካኤል ኣብ ጸበባ ንዘለው ምርዳእ ዝልምድኻ፥ ንረድኤትና ንዓ ዘርጊሕካ ክንፍኻ” እናበሉ ጣዕመ ዜማ ዘለዎ መዝሙረ-ጸሎት ብቀሺ /መሪጌታ/ ዳዊት እናተመርሑ ክሳብ ሰዓት 9፡30 ቅ/ቀትሩ ከብጽሑ ኣርፈዱ።

ብድሕሪ እዚ ብኣቦና ቀሺ ዲበ ላይነ ጸሎተ ንስሓ ተደጊሙ፡ ሰዓት 11፡30 ቅ/ቀትሪ ጸሎተ-ቅዳሴ ተዛዘመ። ብምቕጻል ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበት ነቲ ዕለት ዝምልከት ንልቢ ምእመናን ዝተንከፈ መንፈሳዊ መዛሙር ብግእዝ፥ ትግርኛን እንግሊዝን ኣስሚዖም። ቀጺሎም ከኣ ናይቲ ክብረ በዓል መንፈሳዊ መልእኽቲ ምስ ናይ ዕለቱ ምንባባትን ምስ ኣገልግሎት ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ሚካኤልን ኣውሃሂዶም ኣቦና ቆሞስ ከሰተ ገብረሚካኤል ሰፊሕን ኣገዳስን ስብከተ ወንጌል ኣማሓላሊፎም። ብድሕሪ ስብከተ ወንጌል ድማ ኣቦና ቀሲስ ሓለፎም ንተሳተፍቲ ምእመናንን ውሉደ-ክህነት ናይ ምስጋና ቃል ኣስሚዖም።ቀጺሉ ከምቲ ልሙድ ሥርዓት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያንና ብያሬዳዊ መዛሙር ውሉደ-ክህነትን ዕልልታ ኣዴታትን ተሳትፎ መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበትን ተሰንዩ “ሰኣል ወጸሊ በእንቲኣነ፡ መልኣከ-ሰላምነ ሚካኤል” ኢሉ ኩሉ ህዝቢ ሰሚሩ እናዘመረ ግሩም ዑደት ተኻየደ። ዑደት ምስ ተዛዘመ ብቆሞስ ኣርኣያ ተስፋይ “ይምሓረነ” ተባሂሉ ህዝቢ ናብ ኣዳራሽ ምሳሕ ንግደት ኣምርሐ።

ኣቦና ዳዊት “ናሁ ሠናይ ወናሁ ኣዳም። ሶበ ይሄልዉ ኣኃው ኅቡረ!’’ እዚ ማለት “እንሆ ህዝቢ እግዚኣብሔር ብሓደ ኃቢሮም ኪነብሩስ፥ ኣዝዩ ሠናይን ጥዑምን እዩ!” መዝ 133፡1። ከም ዝበሎ ኩሎም ምእመናን ብሕብረትን ክብረትን ኣብ ጸሎትን ምሳሕ ንግደትን ክሳተፉ ክትርኢ ከሎኻ በቲ ጽኑዕ ሃይማኖትናን ክቡር ባህልናን እናተሓበንካ፥ ልዑል እግዚኣብሔር ንህዝብናን ሃገርናን ናይ ሰላም በረኸቱን ሰማያዊ-ምሕረቱን ከውርደልና ወትሩ ንኽትልምን ሕሊናኻ ይግድደካ። ክብረ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ሕዳር ክንዝክር ከሎና እግዚኣብሔር “ንህዝቢ እስራኤል ካብ ጭቆናን መግዛእቲ ግብጽን” ብረድኤት ሊቀ-መላእኽት ቅዱስ ሚካኤልን መሪሕነት ነቢይ ሙሴ ተሰንዮም፥ ካብ ሰማይ መና እናውረደ፥ ካብ ከውሒ ማይ እናውሓዘ፥ ናብታ ምድሪ ርስትን ተስፋን ዝኾነት ሃገረ እስራኤል ከም ዘእተዎም ኣይንዝግዖን ኢና። ስለ ዝኾነ ድማ እዩ “መልኣኽ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ንእግዚኣብሔር ዚፈርህዎ ይሰፍር፥ ካብ ድንገት ድማ የናግፎም።” ዝብል ኣገዳሲ ጥቕሲ ተጻሒፉልና ዘሎ። ስለዚ ረድኤትን ኣማላድነትን ኩሎም ቅዱሳን መላእኽቲ ኣብ መዓልታዊ ዕዮ ደቂ-ሰባት ፍሉይን ኣገዳስን መንፈሳዊ ቦታ ሒዙ ንረኽቦ። መዝ 34፡7

እምበኣር ከምቲ ኣብ ምስላ ሃገርና “ንፍቕርስ እግሪ ትፈልጣ” ዝበሃል “ፍቕሪ እግዚኣብሔርን ፍቕሪ ሰብን ዘለዎ” ኣማኒ ክርስቲያን ብጊዜን ቦታን ተደሪቱ፡ ካብ ጸሎትን በረኸትን ኣየቋርጽን እዩ’ሞ ነቶም ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓልና ንምስታፍ ብኣየርን ብመካይንን፥ ካብ ርሑቕን ቀረባን ዝመጻእኩም ኣዕይንቲ እግዚኣብሔር ውሉደ-ክህነት፥ ክቡራን ህዝበ ክርስቲያን ኣቦታትን ኣዴታትን፥ ብሩኻት ደቅና መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበትን ኩልኹም ነጋድያን እግዚኣብሔር ጻማኹም ይኽፈልኩም፥ ንግደት ኢየሩሳሌም ይግበረልና እናበልና ዕዙዝ መንፈሳዊ ምስጋና ነቕርብ። ብዝያዳ ኣብዚ ክጥቀስ ዝግብኦ ከኣ መንፈሳዊ ተሳትፎን ኣበርክቶን ናይ ዲያቆናትን መዘምራንን መንእሰያት ትምህርቲ ሰንበት መድኃኔ ዓለም ኣትላንታ ብሓቂ ዘሕጉስን ንሕጻናት ደቅና መንፈሳዊ ቅንኢ ዘሕደረን ብምዃኑ፥ ነቶም ብትግሃት ዝምህርዎምን ዝመርሕዎምን ዘለዉ ግዱሳት ውሉደ-ክህነት ኣቦና ቀሺ ገብረሚካኤል፥ ኣቦና ቀሺ ዶ/ር ኣስመሮም፥ ኃውና ዲያቆን ሳሙኤል፥ ኃውና ዲያቆን ጸሃየን ኃውና ዲያቆን ኣብርሃለይን ልባዊ ምስጋና ይግብኦም። ከምኡ እውን ጋዜጣ ፍኖተ-ብርሃን ብዝበለጸ ትሕዝቶን ሕብራዊ ኅታምን ኣዳልዮም ዘምጽኡልናን ኣብ ክብረ-በዓልና ብምስታፍ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ብምሃብ ዝያዳ ድምቀት ዘሃቡና ኃውና ዲያቆን ዶ/ር ብርሃነ ብልቢ ነመስግን። ብከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዓመታዊ ንግደት ቅዱስ ሚካኤል ሻርሎት “ንዓመታ ከምዚ እዋን የጽንሓና ጎይታ!” ብዝብል ጥዑም መዝሙር ብሰላም ተዛዚሙ።  

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ሻርሎትን ከባቢኣን ብልዑል ጻዕሪ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን ብጸሎት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስን ብሠናይ ድሌት ምእመናን ህዝቢ ሻርሎትን ዝሓለፈ ዓመት 2010 ኣ.ፈ ኣገልጋሊ ካህን ተመዲቦም፥ ታቦትን ንዋየ ቅዱሳትን ተዋሂብዎም፥ ኣብ ትሕቲ መንፈሳዊ ምምሕዳር ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ዝመሓደር፥  ንህዝቢ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝህብ ዘሎ ሓዲሽ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኢዩ። ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ምስ ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ብዘርኣይዎ ተወፋይነትን ሃይማኖታዊ ቅንኣትን ድማ ነዚ ክቡር ዕለት ንመበል ካልኣይ ጊዜ  ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ብምብዓል ብሓቂ ኣምላኽ ዝኸብረሉን ህዝቢ ዝተባረኸሉን ክቡር መዓልቲ ደስታ ክኸውን ክኢሉ ኢዩ። በዚ ድማ ነቲ ጎይታ ሰማይን ምድርን ዝኾነ ልዑል እግዚኣብሔር ክብርን ምስጋናን ንዘለዓለም ንዕኡ ይኹን! 

ስእላዊ መግለጺ ንምርኣይ ኣብዚ ጠውቑ።

በረኸትን ረድኤትን ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኩልና ይኹን!
ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ሻርሎት

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div