S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብፁዕ ኣቡነ ማቴዎስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ድባርዋን ከባቢኣን ዓሪፎም

ብፁዕ ኣቡነ ማቴዎስ ጳጳስ ንኡስ ሃገረ ስብከት ድባርዋን ከባቢኣን ብዕለት 27 ሕዳር 2011 . ኣብ መበል 79 ዓመት ዕድሜኦም ከም ዝዓረፉ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።

ዕረፍቲ ኣቡነ ማቴዎስ (ኣባ ኣብርሃም) “ብሕማም ምኽንያት” እኳ እንተ ተባህለ፥ ቅድሚ ሕማሞም ንልዕሊ 3ተ ኣዋርሕ ዝኣክል ካብ ጉባኤ ዮፍታሄን ኣባ ዲዮስቆሮስን ተፍልዮም ከም ዝነበሩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ንኣዋርሕ ዝኣክል ከኣ ብጓህን ሕማምን እንዳተሳቐዩ ካብ ሰብ ዳርጋ ተፈልዮም ከምዝጸንሑን ሕክምና ክረኽቡ ከምዘይከኣሉን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይገልጽ።

ብፁዕ ኣቡነ ማቴዎስ ካብቶም 2005 . ብጸሎተ-ቡራኼን ብምንባር ኢድ 3 ፓትርያርክ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ማዕርግ ጵጵስና ዝተቐብኡ ኣርባዕተ ጳጳሳት ሓደ ኢዮም። ይኹን እምበር ኣብቲ 18 ሓምለ 2005 . (፲፩ ሓምለ ፲፱፻፺፯ .) ብውዲት ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ኣማኸርቱን ዝተዳለወ ናይ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ መኽሰሲ ደብዳቤ ብኃይሊ ተገዲዶም፥ ኣብ ዘይኣምኑሉን ኣብ ዘይፈልጥዎን ጉዳይ ሓቢሮምታሪኻዊ-ጥልመትምስ ዝፈጸሙ ጳጳሳት ኢዶም ኣንቢሮም ምፍራሞም ብሓቂ ዘሕዝን እዩ።

መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ብምኽንያት ሞት ኣቡነ ማቴዎስ ሓዘን እናተሰምዖ ነዚ ዝስዕብ ኣገዳሲ መልእኽቲ ናብ ኩሎም ጳጳሳት ተዋህዶ፥ ውሉደ-ክህነትን ህዝበ-ክርስቲያንን የመሓላልፍ።

1. ሥጋዊ ሞት ዘይተርፍ ዕጫ ናይ ኩሉ ወዲ-ሰብ ብምዃኑ ብዕረፍቲ ኣቡነ ማቴዎስ ሓዘን ይስምዓና።

2. ብህይወት ዘሎዉ ጳጳሳት ነቲ ዝፈረምዎንሓቅን ሕጊ-ሃይማኖትንዝጥሓሰ ጥልመት  ተረዲኦም ምሕረትን ንስሓን ክሓቱ እቲ ግዜ ሕጂ እዩ፥

3. ብቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ንዝተነብረሎምውግዘትዘኪሮም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ኣቡነ እንጦንዮስን ቀሪቦም ፍትሓትን ሥርየት-ኃጢኣትን ክሓቱ፥

4.ነቲ ኣብ ልቦም ዘሎ ውሽጣዊ ጓህን ሓዘንን ኣፎም ከፊቶም ነቶም ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ሕንፍሽፍሽን ውግዘትን ኣብጺሖማ ዘለዉ ዓመጽቲ ብቕሉዕ ክግስጽዎም፥

5.ኣቦታት ጳጳሳትዕድመኹም ከየብቅዐ፥ ሞት ከየርከበንነሳሕ ክትብሉ፣ ምስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ድማ ክትዕረቑ ሕጂ ግዚኡን እዋኑን እዩ ንብል።

 

ደጊምና፣ ነቲ ሓዋርያ ያዕቆብሕይወትኩምሲ ንቝሩብ ጊዜ ተራእዩ ደሓር ዝበንን ሃፋ ኢኹምዝብል ጥቕሲ መሰረት ጌርና፥ ነፍሲ ወከፍ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ ኣብዛ ሓላፊት ዓለም ከሎዘይሓልፍ ሠናይ-ታሪኽ እምነትፈጺምና ክንሓልፍ በዚ ኣጋጣሚ ከነዘኻኽር ንፈቱ (ያዕ 414)

 

ልዑል እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያንና ዕርቂ ንሃገርና ሰላም የውርደልና!

መንበረ-ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ

28 November 2011 (፲፰ ሕዳር ፳፻፬ . ግእዝ)

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div