ሲኖዶስ መንበረ ማርቆስ ዘእስክንድርያ፥ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ዘለዎ መርገጽ ኣብ ዝኾነ ይኹን ጊዜ ዘይቅየር፥ ሓዋርያዊ ግዴታ ምዃኑ ደጊሙ ኣረጋጊጹ፣ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ድማ ናይቲ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ተወካሊ ምዃኖም ኣነጺሩ።
ቅዱስ ሲኖዶስ መንበረ ማርቆስ ዘእስክንድርያ፥ ምስ እተን ብሓዋርያዊ ሰንሰለት ደቂ ቅዱስ ማርቆስ ዝኾና ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት፥ ግብጺ፥ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ ዓይነት ሓዋርያዊ ሕግን ውዕልን ዘለዎ ሲኖዶስ እዩ። በዚ መሠረት ነቲ ኣብ ርእሲ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተወስደ ጎነጻዊ ዓመጽ፥ ዘይክርስቲያናዊን ዘይሓዋርያዊን ስራሕ ብምዃኑ ካብ መጀመርታ 2005 ጀሚሩ ወጊዝዎ እዩ። ነፍሴ ኄር ቅዱስ ፖፕ ሽኖዳ ድማ ብመትከል፥ እቲ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ንኸይብተኸ፥ ኦርቶዶክሳዊ ክርስትና ንኸይዳኸምን፥ ነቶም ብቅድስና ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝምርሑ ምእመናን ንኽመርሑ፥ ንብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ምውካሎም ዝዝከር እዩ።
ድሕሪ ሞት ፖፕ ሺኖዳ ዝተተክኡ ፖፕ ቴዎድሮስ ካልኣይ፥ ረቡዕ 19 ሕዳር 2014 ኣብ መንበረ ማርቆስ ናይ ሲኖዶስ ዝተገብረ ጉባኤ ብደረጃ ቅዱስ ሲኖዶስ ነቶም ብቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝምርሑን፥ ዝምእከሉን ምእመናንን ካህናትን ንብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ፥ ብጽሑፍን ብጸሎትን ኣሰንዮም ዳግም ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ኣሰኪሞም ኣለዉ። በዚ ድማ ፖፕ ቴዎድሮስ፥ ንብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ፥ ነቲ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቶም ካብቲ ዝጸንሕዎ ንላዕሊ በርቲዖም ከገልግሉን፥ ጸሎትን ደገፍን ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ከምዘይፍለዮምን ኣዘካኺሮም። ድሕሪ ሞት ፖፕ ሽኖዳ፥ ገለ ጳጳሳት ግብጺ ካብ ሓልዮትን ተገዳስነትን ዝተላዕለ፥ ኣብ ዘይፈልጥዎ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኢዶም ከእትዉን፥ መንፈሳዊ መዓርግ ክህቡ ምጽንሖምን ተሓቢሩ። እዚ ጉዳይ እዚ፥ ጽጹይ መጽናዕቲ ክግበረሉ ሓላፍነት ንብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ተዋሂቡ ኣሎ።
ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራን፥ እስክንድርያን ኣብ ርእሲ ምዃኖም፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እስክንድርያ ናይ Iconography (ስእለ ኣድኅኖን ስእላትን) ወሳኒ ኮሚቴ ኣባል እዮም።
እግዚኣብሔር ንህዝብና ይባርኽ።
እግዚኣብሔር ኣገልግሎት ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ይባርኽ።
ጸሎትን በረኸትን ቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ምስ ኩልና ይኹን።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ