እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት መጸ ብምትሕብባር ኣብያተ ክርስቲያንን ብክፍሊ ትምህርቲ ሰንበት መንበረ-ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካን እናተመርሐ ዝካይድ ጉባኤ መንእሰያት ምብራቓዊ ዞባ ሎሚ ዓመትውን ኣብ ክፈለ ግዝኣት ኦሃዮ ከባቢ ከተማ ፖርትማውዝ ኣብ ሸውኒ ዝተባህለ መኣከቢ ማእከል
ካብ ዓርቢ ዕለት 10 ሓምለ ክሳብ ሰኑይ 13 ሓምለ 2015 ኣ.ፈ ን4ተ መዓልታት፡ ብደገፍ ኣምላኽ ብዘሐጉስን ዘዕግብን ፍረ ዘልዎ ጽቡቕ መደባት ተኻይዱ።
ኣብቲ ንመበል 8ይ ዓመቱ “መንእሰያትን ቤተ ክርስቲያንን” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ቴማ ዝተኻየደ ጉባኤ ኦርቶዶክሳውያን መንእሰያት ካብ ከተማታት ዋሽንግቶን ዲሲ፥ ኣትላንታ፥ ሲንሲናቲ፥ ሻርሎት፥ ዲትሮይድን ኒውጀርስን ነዊሕ መገዲ ብኣውቶቡሳትን ባቡርን ተጓዒዞም ብዝመጹ፡ ልዕሊ ሚእቲ ዝኾኑ ተማሃሮ 2ይ ደረጃን ኮሌጅን ምስ ገለ ወለድን መምህራኖምን ተሰንዮም ኣብቲ መአከቢ ማእከል ተኣኻኸቡ። ኣቐዲሙ ብክፍሊ ትምህርቲ ሰንበትን ኣወሃሃዲት ኮሚተን ብዝወጸ መደባት መንፈሳዊ ትምህርቲ፥ መግብን መደቀስን፡ ብተኸታታሊ ጸሎተ-ንግህን ብምህለላ ሰርክን እናተሰነየ ምስ ቀነየ፥ ሰንበት ድማ ብኣርባዕተ ኣቦታት ካህናትን ሓያሎ ዲያቆናትን ዝተሳተፍዎ መስዋዕቲ ጸሎተ-ቅዳሴ ተገይሩ።
እቶም ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ግቡእ ትምህርትን ኣገልግሎትን ክህቡ ዝተመደቡ ኣቦታት ዶክቶራት ካህናትን መንእሰያት ምሁራን ዲያቆናትን፥ ከምኡውን ውፉያት መምህራን ትምህርቲ ሰንበት ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን በብዝተዋህቦ ግዜን ኣርእስትን ሰፊሕ፡ ሃናጽን ኣብ ልቢ መንእሰያት ብዝሰርጽ ኣገባብ ትምህርቶም ሂቦም። ገለ ካብ ኣርእስታት ትምህርቲ ንምጥቀስ፡ ቤተ ክርስቲያን ብዘይ መንእሰያት፥ መንእሰያት ብዘይ ቤተ ክርስቲያን፥ ኦርቶዶክሳዊ መንነትካን ጸጋኻን ፍለጥ፥ …… ወዘተ ዝብል ኣገደስቲ ኣስተምህሮታት ዝሓዘ እዩ ነይሩ።
ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ኣብ መንእሰያት ዘድሃበ መንፈሳዊ ትምህርትን ጎስጓሳትን ኣብ ውሽጢ ሃገርና ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ክብ-ለጠቕ እናበለ ዝስጉም፡ ከም ፈለገ-ሕይወት፥ ፍኖተ-ብርሃን፥ ኅብረት ትምህርቲ ሰንበት ወዘተ…… በብእዋኑ መንእሰያትና ክተኣኻኻቡ እኳ እንተ ጸንሑ ሰኣን ግቡእ ትምህርቲ፥ ጽፉፍ ምምሕዳርን ሥልጡን ዓቕሚ ሰብን ብጸጋ-ጥምቀት ኣብ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝተወልዱ፡ ኣብ ፍረን ብስለትን፥ ኣብ መጓሳን ኣገልግሎትን ዝተዋፈሩ ከምቲ ዝድለ ብዙሓት ኣይኮኑን። ብኣንጻሩ በብዝመጸ ማዕበልን ፈተናን ክርሕቁን ክብተኑን ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ እዩ። ይኹን እምበር ከምቲ “ንቆልዓ እታ ኽኸደላ ዝግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ፡ ምሉእ ሕይወቱ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ” (ምሳ 22፡6) ዝብል፡ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ሃገረ ኣሜሪካ ተወሊዶም ዝዓብዩ ዘለዉ ደቕና ካብ ዝተፈላለዩ ክፈለ ግዝኣታት ኣኻኺብካ መምህራን ኣዳሊኻ መንእሰያትና ብኦርቶዶክሳዊ እምነት፥ ብሥነ-ምግባራዊ ስራሕ፥ ሕድሕዳዊ ፍቕርን ምክብባርን ተኾስኪሶም፡ ብዝለዓለ ማዕርግ ንቤተ ክርስቲያንኖም ከገልግሉ፥ ንኹሉ ህዝብን ሃገርን ድማ መጻኢ ተስፋ ዝኾኑ መንእሰያት ኣብ ጽላል ቤት ኣምላኽ ክህነጹ ምርኣይ ብሓቂ ዘሐጉስ እዩ እሞ ናይ ኩሎም ደለይቲ ሠናይ ጸሎትን ናይ ኣምላኽ ጉስነትን ኣይፈለዮም።
ብተመሳሳሊ ናይ ምዕራባዊ ዞባ ኦርቶዶክሳውያን መንእሰያት ጉባኤ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ኣብ ቅድስት ማርያም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኦክላንድ ካሊፎርኒያ ክካየድ ምዃኑ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።
ክብርን ምስጋናን ንልዑል እግዚኣብሔር ይኹን!
ልኡኽ ጋዜጣ ፍኖተ-ብርሃንን ተዋሕዶ ዳት ኦርግን
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ