ናብ ኩሎም ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን:-
ብመጀመርታ ዕዙዝ መንፈሳዊ ሰላምታና ነቐድም። ቀጺልና ኣብ ኩሉ ዕለታዊ ሥራሕኩም ዓወትን በረኸትን ብዝያዳ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትኩም ድማ ጸጋን ምሉእ ጥዕናን ክትረኽቡ ናይ ወትሩ ጸሎትና እዩ።
ናይ ታቦትና ቅዱስ ሚካኤል ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ሻርሎት ዓመታዊ ክብረ-በዓል ንግደት ንቀዳም ዕለት ፲፩ ሕዳር ፳፻፰ ግእዝ (November 21, 2015) ክንገብር መዲብና ስለ ዘሎና፡ ከምቲ ኣቦና ዳዊት “ናብ ቤት እግዚኣብሔር ንኺድ ምስ በሉኒ ተሓጎስኩ” መዝ 122፡1 ዝበሎ ብጸሎተ-ቅዳሴ ንልዑል ኣምላኽ ሓቢርና ከነመስግንን ክንምህለልን ምስ ሙሉኣት ስድራ ቤትኩም ተሳተፍቲ ክብረ በዓልና ክትኮኑ ብኽብሪ ንዕድም።
ሰዓታት መደብ ክብረ በዓልና
1. ስብሓታትን ማሕሌትን--> 5፡00 --- 9፡00 ቅድሚ ቀትሪ
2. ጸሎተ ቅዳሴ 9፡00 ---11፡00 ቅድሚ ቀትሪ
3. ስብከትን ዑደትን 11፡00 ---12፡00 ቀትሪ
4. ምሳሕ ንግደት 12፡00 ---3፡00 ድሕሪ ቀትሪ
ብደሓን ምጹ!!!
በረኸትን ረድኤትን ቅዱስ ሚካኤል ምስ ኩልና ይኹን።
ምምሕዳር ሰበኻ ጉባኤ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ሻርሎት
ኣድራሻና:- C/O 5108 KUYKENDALL ROAD CHARLOTTE NC 28270 ኢዩ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ