S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

8ይ ዓመታዊ ጉባኤ መንእሰያት፡ ምዕራባዊ ሰሜን ኣመሪካ፡ ብጽቡቕ ተዛዚሙ

እቲ ካብ ኣርባዕተ ኣብያተ ክርስቲያናት ብዝመጹ፡ ልዕሊ 150 ዝኾኑ መንእሰያትን ወለድን፡ ብካህናት ተመሪሖም ዘካየድዎ ካብ ሰነ 30 - ሓምለ 03, 2017 ዝተጋብአ፡  ኣዝዩ ኣገደስቲ ትሕዝቶ ትምህርትታት ዝሓቖፈ ነይሩ።

ገለ ካብኡ ብልጫታትን ክብደትን ኦርቶዶክሳዊ ክርስትያን ኣብ ምዕቡል ምዕራባዊ ዓለም፤ ኩሉ መዳያዊ ረብሓ ናይ ክርስትያናዊ ሕይወት፤ ሚዛን እምነትን ትምህርትን/ሞያዊ ስራሕን ሓሊኻ ምኻድን ብኹሉ ዕዉት ምዃን ብኸመይ'ዩ ዝክኣል፤ ካብ ቅዳሴን ጸሎትን ዝርከብ ፍሉይ ጥቕሚ፤ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመሠረቱ ክርስትያናዊ ሓዳርን ናብኡ ንምብጻሕ ብዛዕባ ኪግበር ዝግብኦ ኩሉ-መደያዊ ምድላዋት...ወዘተ ዝብል ነይሩ። ብዘይካ እቲ ስሩዕ ናይ ትምህርቲ ክፍለ ግዜ፡ ብመልክዕ ዘተ ኣብቲ ዝተዋህበ ኣርእስትታት ዝተሞርከሰ ክፉት ምልውዋጥ ሓሳባትውን ኪካየድ ቀንዩ። እዚ ጉባኤ መንእሰያት ሓንሳብ ኩሎም ብሓደ፡ ኣብቲ ዝድለየሉ እዋን ድማ ብዕድመ ከፋፊልካ ዘዝምልከቶም ኣርእስቲ ብዕምቆት ኪላዘብሉ ብምግባር፡ ኣብ ስደት ተወሊዶም ዝዓብዩ ዘሎዉ ደቅና ብልዑል ፍናን ተገዳስነትን ዝስዕብዎ ተናፋቒ ጉባኤ እንዳኾነ ይመጽእ ኣሎ። ስለዝኾነ ድማ፡ እዚ ናይ ሎምዘበን ጉባኤ፡ በቶም ካህናትን ወለድን እንዳተመኽሩ፡ እቶም ድሮ ኣብ ደረጃ ኮለጅ በጺሖም ዘሎዉ ደቅና ፍሉይ ሓላፍነት ብምውሳድ፡ ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝልዓለ ነዚ ጉባኤ ዘድሊ ምድላዋትን ስርሓትን ባዕላቶም እዮም ኣካይዶሞ።

ብተወሳኺ፡ እግዚኣብሔር እንተፈቐዶ፡ ንሕናውን ብሕይወት እንተሎና እናበልና ንመጻኢ ክንሕልንን ክንትልምን ግድን ብምዃኑ፡ ኣብ ውሽጢ ዓመት ዝዛዘም “ቅዳሴ ብእንግሊዘኛ” ን “ኦርቶዶክሳዊ ክርስትያን ናብ ወደ መዝሙር ዘዐቢ መጽናዕትን” ብመገዲ መራኸቢ ብዙሓን ንምጽናዕ ናይ ዓመት ፕሮጀክት ሒዞም እዮም ብናፍቖት ነናብ ዓዶም ተፈላልዮም።

እዞም ናይ ጽባሕ ተስፋ ቤተ ክርስቲያን፡ ተስፋ ሕዝቢ ዝኾኑ መንእሰያት በዚ መገዲ እንተቐጺሎም ነቲ ኣብ ከቢድ ጭንቀትን ተስፋ ምቕራጽን ዝርከብ ሕዝብና፡ ነታ ኣብ ከቢድ ፈተና እትርከብ ቤተ ክርስቲያንና፡ ናብ ራህዋን ሓርነትን ትንሣኤን ንምምራሕ ግዴኦም ቀሊል ከምዘይከውን ንምግማት ከቢድ ኣይኮነን። ጸሎት ኩሎም ኣቦታትን ምእመናን ከሰንዮም ወትሩ ኣብ ጸሎትና ክንዝክሮም ሓደራ ንብል።

 

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ። ኣሜን።

ልዑል ፈጣሪ ንቤተ ክርስቲያንና፡ ሃገራትና ኤርትራን ኣመሪካን ሰላሙ ይሃብ።

 

ንቅዱስ 3ይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ጥዕናንሓይልን፡

ንብፁእ ኣቡነ መቃርዮስውን ኣብ ኣገልግሎቶም ፍረን ዓወት ይሃብ። ኣሜን። 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div