S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሓድሽ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ሃገረ-ስዊዲን ስቶኮልም

ጊዜ ለኩሉ” ከም-ዝበሎ ሰሎሞን ወዲ-ዳዊት፣ እቲ እግዚኣብሔር ዝመደቦ ግዜ ስለ-ዝኣኸለ፣ እንሆ ኣብታ ርእሰ-ከተማ ናይ ሃገረ-ስዊድን ዝኾነት ስቶኮልም`ውን፣ ኣብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዑ ዝቖመ፣ደብረ-ኣማኑኤልተባሂሉ ዝተሰምየ ሓዲሽ ቤተ-ቤተ-ክርስቲያን፣ ንኣገልግሎት ክፉት ኮይኑ ክርከብ፣ ናይቲ ገባር ተኣምራት ዝኾነ ሕያው ኣምላኽ፣ ቅዱስ-ፍቓድ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ። ስለ` ከኣ`ዮም እቶም ነዚ ቅዱስ ራእይ` ተግባራዊ ንምግባር፣ ካብ ነዊሕ እዋን ክደኽሙን ክጽዕሩን ዝጸንሑ ማኅበረ-ምእመናን፣ ንሓጎሶም ወሰን ዘይረኽቡሉ።

እዚ ቤተ-ክርስቲያን`ዚ፣ ካብቲ ካልእ ፍሉይ ዝገብሮ እንታይ-? ዝብል ሕቶ ክለዓል ይኽእል እዩ። እዚ ሕቶ ብግርህና ንዝጥምቶ`ውን ቀሊል ክመስል ይኽእልዩ፣ ቀሊል ግና ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ ፍሉይ ዝገብሮ፣ ኣብቲ ናይ ቅዱስ-ማርቆስ መንበር ሓዋርያዊ-ሰንሰለት፣ ጸኒዑ ዝርከብ ብምዃኑ እዩ። ነዚ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ዋንኡ ከኣ፣ እቶም 15-ዓመት መመላእታ፣ ኣብ መቚሕ ተታሒዞም ዝርከቡ ዘለዉ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ክኾኑ ከለዉ፣ ናይ መስመር ዓቃቤ-መንበር ኮይኖም ዝርከቡ ዘለዉ ድማ፣ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ እዮም።

ካብዚ መሥመር ወጻኢ ኴንካ እናሃሎኻ፣ ቤተ-ክርስቲያን ኣሎ ምባል ግና፣ እቲ ናይ ኦርቶዶሳዊ  እምነትና ሕጋውን ቀኖናውን መስመር ዝቕበሎ ኣይኮነን። እቲ ሕያዋይ ሕዝብና ነዚ ኣብ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ዝተሠረተ፣ ናይ መሥመር ፍልልይ ብግቡእ ክርድኦ ይጽገም ስለ ዘሎ ግና፣ ምስቶም ካብዚ ቅዱስ-መሥመር` ወጻኢ ኮይኖም፣ ኣፍራሲ ተልእኮ ኣብ ምፍጻም ዝርከቡ ዘለዉ ወገናት፣ ኃቢሩ ክጎዓዝ ከም ቅቡል ወሲዱዎ ዝርከብ ዘሎ። እዚ ከኣ` ኣብዚ እዋን`ዚ፣ ነታ ብቅድስና ዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና፣ ከቢድ ፈተና ኮይኑዋ ዝርከብ ዘሎ።

ኣብዚ እዋን` ካብ ጽላል` ቅዱስ-መንበር`ዚ፣ ሪሒቆም ክኸዱ ምርጫኦም ዝኾነ ውሉደ-ክህነት ምህላዎም ዝፍለጥ`ዩ። እዚ ከኣ` ነታ ዘይተዓደለት ቤተ-ክርስቲያንና፣ ናይ እግሪ ረመጽ ኮይኑ ክሳቕያ ዝርከብ ዘሎ። ግዳስ ብጀካ` ኣብ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዑ ዝርከብ፣ ብብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ዝምራሕ መንበር። ካልእ መንበር ኣሎ ዝበሃል ኣይኮነን። ይኹን እምበር ነቲ ዘሎ ናይ ሕንፍሽፍሽ ግዜ ተጠቒሞም፣ ነቲ ደምበ-ተዋሕዶና ሰላም ከም-ዘይህልዎ ንምግባር፣ ተዓጢቖም ዝሠርሑ ዘለዉ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ስለ ምስዞም ካብቲ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ተፈልዮም ወይ ተነጺሎም፣ ንቅድስቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን፣ ኣብ ከቢድ ፈተና ከም-እትኣቱ ገይሮማ ዝርከቡ ዘለዉ ወገናት። ካብኣቶም ተፈንቲትና ብምኻድ፣ መሥመርና ኣነጺርና ክንፍለ፣ ኣማራጺ ዘይብሉ ሕቶ ምዃኑ በቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዝንገረና ዘሎ። ከመይሲ “-ንሕና ቤት-መቕደስ ሕያው ኣምላኽ ኢና። ስለ ካብ ማእከሎም ውፁ፣ ከምኡውን ተፈለዩ-” ብምባል እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዘጠንቅቕ ዘሎ። እቶም ኣብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ኣለና እንብል ኩልና ከኣ፣ ነዚ ደረት ጥሒስና ብምኻድ፣ ኣብቲ መኣዶም ኢድና ሓዊስና ከይንርከብ፣ ኣዚና ጥንቁቓት ክንከውን` ዝንገረና ዘሎ። (2ቆሮ-6/16-17)

ሕጂ ግና እቲ እግዚኣብሔር ዝመደቦ ግዜን ሰዓትን ስለ-ዝበጽሐ።  እቲ ኣብ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ዝቖመት ቤተ-ክርስቲያን ንኸይትቐውም ክግበር ዝጸንሐ ሕልኽላኻት። ደጊምሲ ከም ሕንፃ-ኢያሪኮ ሃደሽደሽ ኢሉ ኣብ ዝፈርሰሉ ደረጃ በጺሑ` ዝርከብ ዘሎ። እዚ ኩሉ ከኣ ብኃይሊ ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሔር ኣምላኽ ስለ-ዝኾነ፣ ክብሪ ንዕኡ ንኣምላኽና ይኹን ካብ ምባል ሓሊፍና፣ ንሕና ከም-ዝገበርናዮ ኴንና ክንምካሕ እንደልየሉ ምኽንያት የልቦን። ስለዚ እቲ ክግበር ዝጸንሐ ናይ ዓመፃ ጽዋዕ ስለ-ዝመልአ፣ ካብዚ ሓሊፉ ክቕጽል ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ መጀመርታ ዘለዎ ኩሉ፣ መወዳእታ ክህልዎ ከኣ ግድን ስለዝኾነ እዩ።

ስለ ከኣ ሕጂ እቲደብረ-ኣማኑኤልዝተሰምየ ሓዲሽ ቤተ-ክርስቲያን፣ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ንኣገልግሎት ክፉት ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ በዚ መሠረት` እውን ኣብ ዕለት 30/10/2020 ብኅብረት ውሉደ-ክህነትን ማኅበረ-ምዕመናን፣ ንሴብሆ ለእግዚኣብሔር-!! እናተባህለ፣ ብዓቢይ ክብርን ዓጀብን ክጽምበል ክኢሉ ዘሎ። ናይ ቤተ-ክርስቲያን` ርእሰ-ደብር፣ ቀሲስ ተስፋ-ሚካኤል ተስፋይ ዝተባህሉ በዓል-ሞያ ካህን ክኾኑ ከለዉ። ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክስቲያን፣ እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ሕጋዊ ጥሕሰትውን፣ እኩል ኣፍልጦን ንቕሓትን ዘለዎም ማኅበረ-ምእመናን ዘለዉዎ ቤተ-ክርስቲያን እዩ።

ነቲ መዓልቲ ጽምብል ምኽንያት ብምግባርውን። ንብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ብምውካል፣ ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን ካብ ጀርመን፣ ከምኡውን ካብ ኡምዮ ቀሲስ ዮናስ ወልደ-ሩፋኤል ተሳተፍቲ ኮይኖም ውዒሎም። ነቲ ምምራቕ እቲ ቤተ-ክርስቲያን ብዝምልከትውን፣ ክልቲኦም ካህናት በብወገኖም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ከመይሲ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፣ ብቐጻሊ ክካየድ ዝጸንሐን  ገናውን ዝካየድ ዘሎን ኣሉታዊ ጸለመ። እቲ ምረቱ ክልቲኦም ብማዕረ ከስተማቕሩዎ ካብ ዝጸንሑ ወገናት ስለ-ዝነበሩ። እቲ ኣብ ስቶኮልም ቤተ-ክርስቲያን ንምምሥራት ዝተበጽሐ ዓወት፣ እቲ ፍጻሜ ንዓታቶም`ውን ፍሉይ ትርጉም ዝነበሮ` ነይሩ ክበሃል ይከኣል።

ብዝተረፈ እዚ ኣብ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ዝጸንዐ መስመር ንምኽታል፣ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርን ድኻምን ብውሑዳት ቃላት ገሊጽካ ዝውዳእ ኣይነበረን። እቶም ማኅበረ-ምእመናንደብረ-ኣማኑኤልስቶኮልም ግና፣ ብጽንዓት መኪቶም ብዝገበሩዎ ዘይሕለል ጻዕሪ። ነቲ ኩሉ ፈተናን መሰናኽልን ሓሊፎም፣ ኣብ ከምዚ ዝበለ ዓወት ክበጽሑ ምኽኣሎም። ዋጋ ኩሉ ዘካየዱዎ ነዊሕ ጻዕሪ ዝተበጽሐ ዓወት ስለ-ዝኾነ፣ እንቋዕ እግዚኣብሔር ሞጎስ ሃበኩም-!! ክብሃሉ፣ ክንደይ` ዝግብኦም`ዩ።

ብዝተረፈ እቲ ኣብዚ እዋን`ዚ፣ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ከጋጥም ዝርከብ ዘሎ ፈተና። እቲ ሓደ ክፋል ምስ ፖለቲካ ዝተተሓሓዘ ክኸውን ከሎ፣ እቲ ዝተረፈ ድማ ምስ ሥጋዊ-ረብሓ ዝተኣሳሰር ምዃኑ። እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ህልው ኩነታት ባዕሉ የረጋግጾ እዩ። ከመይሲ ኣብቲ ክበልዕ` ምባል ኩሉ ግዜ ጸገም ምህላዉ ግልጺ`ዩ። ከም-ዝፍለጥ ዓሳታት`ውን ክበልዑ ክብሉ`ዮም፣ ኣብ መጻወድያ ዝወድቁ። ኣብዚ ግዜ` እውን፣ ብተመሳሳሊ መንገዲ ሥጋዊ-ረብሓ ዝደልዩ`ዮም፣ ነቲ ደምበ-ተዋሕዶና መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ሕንፍሽፍሽ ከእትዉዎ ዝርከቡ ዘለዉ። እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ግና “-ኣብ መንጎ`ቶም ሓቂ ዘይብሎምን፣ ኣእምሮኦም ብኃጢኣት ዝተበላሸዉን ሰባት፣ ዘየቋርጽ ምግርጫው` ዝፍጠር። እዚኣቶም ከኣ ሃይማኖት፣ ናይ ምድራዊ-ረብሓ መጋበሪ` ዝመስሎም-” ብምባልዩ ዝገልጾ። (1ጢሞ-6/5)

ዝኾነ ኮይኑ ማኅበረ-ምእመናን ስቶኮልም፣ ብዘካየዱዎ ነዊሕን ኣድካምን ጻዕሪ፣ ነቲ ፈተና ሰጊሮም ሓደ ቤተ-ክርስቲያን ከቋቑሙ ምኽኣሎም ክንደይ` ዘሐጉስ እዩ። እቲ ሕዝቢ“-ብኮሮና-” ከይተዓናቐፈ ብብዝሒ ክመጽእ ዝኸኣለ`ውን፣ መርኣያ ናይዚ ኩሉዚ`ዩ። ከምዚ` እቲ ቅዳሴ ምስ ተኻየደ ድማ፣ ክልተ ሕፃናት ሥርዓተ-ጥምቀት ተፈጺሙሎም። ብዙኃት ሕፃናትን ዓበይቲ ወለድን`ውን ተሳተፍቲ ቅዱስ-ቁርባን ክኾኑ ክኢሎም። ከምዚ` ድማ እቲ ናይደብረ-ኣማኑኤል-” ናይ ጽምብል ሥነ-ሥርዓት፣ ብተሳትፎ ማኅበረ-ምእመናን ስቶኮልም ደሚቑን ማዕሪጉን ክፍጸም ክኢሉ።

(ክብሪ ንኣምላኽ፣ ሰላም ንደቂ-ሰብ ይኹን)

ዘኣንበሳ-ማርቆስ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div