S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዲያቆናት ተኽለማርያም ምርካጽዮንን ዶር. ቴድሮስ ተስፋይን ብሰንበት 24 ሓምለ 2011 ዓ.ም. ኣብ ከተማ

ኦካላንድ ክፍለ-ግዝኣት ካሊፎርንያ መዓርግ ክህነት ተቐቢሎም።  እዞም ክልተ ኣቦታት ካህናት፣ ብዙሓት ተጋባእቲ ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣብ መበል 13 ዓመታዊ ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም እዮም ነዚ መዓርግ ክህነት' ብኢድ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ኤርትራዊት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ተቐቢሎሞ።

ኣቦና ካህን ተኽለማርያም ብ1948 ዓ.ም. ግብረ ዲቁና ተቐቢሎም፡ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ዝዓበዩ ጥራይ ዘይኮኑስ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ከምዘገልገሉን ካብቶም ቀዳሞት ተመሃሮ ፍኖተ ብርሃን ሓደ ኖም ይፍለጥ። ክሳብ ሕጂ'ውን ኣብ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ጽፍሕታት ከገልግሉ ጸኒሖምን ኣለዉን።

ንኣብነት፣ ኣብዚ እዋን' ነታ ብሓልዮት መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ እትዳሎ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ዋና ኣዳላዊኣ ንሶም እዮም። ኣብ ስደት ንነዊሕ ዓመታት ተሰዲዶም ድሕሪ ምጽናሕ፣ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ሃገርን ቤተ ክርስቲያንን ከገልግል እየ ብምባል ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ኣገልግሎት ሂቦም እዮም። ዋና ኣዳላዊ መጽሔት ኣግኣዝያን፣ ዋና ኣዳላዊ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን ኮይኖም ብወለንታ ንነዊሕ እዋን ዘገልገሉ፣ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ካብ ዝነደፉ ኣቦታት ሓደ ምንባሮምን ይፍለት። እንተኾነ፣ ከምቲ ዝሓሰብዎ ስለዘይኮነሎም፣ እንደገና ናብ ስደት ኣምሪሖም። ኣብ ሃገረ ጀርመን ድማ ከም ዋና ኣዳላዊ ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን እናገልገሉ ኮለዉ፣ እንሆ ሎሚ ነዚ ናይ ክህነት መዓርግ በቒዖም። ብሓፈሽኡ፣ ንልዕሊ ስሳ (60) ዓመት ኣብዛ ዘፍቅርዋ ቤተ ክርስቲያን ኣገልጊሎም እዮም። ንሶም፣ ፍሉይ ናይ ስነ-ጽሑፍ ክእለት ዘለዎም ኣቦ ሽዱስተ ቆልዑትን ብዓል ሓዳርን እዮም። ንበዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ፋና፣ ደቆምን ቤተሰብን ድማ እንቋዕ ሓጎሰኩም ንብል።

ኣቦና ካህን ዶር. ቴድሮስ ተስፋይ ካብ ቤተ-ክህነት ስድራቤት ዝተወልዱ ኮይኖም፡  ብ1989 ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ግዮርጊስ ኣልፋሮማዮ ግብረ ዲቁና ተቐቢሎም። ካብቶም ንጡፋት መንእሰያት ቤተ ትምህርቲ ሰንበት ከምዝነበሩ ድማ ይፍለጥ። ኣብ ከባቢ 1998 ዓመተ ምሕረት፣ ናይ ትምህርቲ ዕድል ረኺቦም ንዝለዓለ አካዳምያዊ ትምህርቲ ናብ አሜርካ ኣምሪሖም፣ ብ2004 ዓ.ም. ብ Hydro-geology, PhD. ተመሪቖም።

መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ቅድሚ ምስራቱ፣ ነዚ ሕጂ ንመበል 13 ዓመቱ ዝኽበር ዘሎ ጉባኤ ምእመናን ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ካብ ዝሰረቱ ቀዳሞት መንእሰያት ሓደ እዮም። ኣቦና ካህን ዶር. ቴድሮስ፡ ፍሉይ ናይ ስብከትን ምጽሓፍን ህያብ ዘሎዎም፡ ውፉይ ኣገልጋሊ-ኣምላኽ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑትን እዮም። ክሳብ ሕጂ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ጽፍሕታት ከገልግሉ ጸኒሖምን ኣለዉን።

ካህን ዶር. ቴድሮስ ብማያዊ ህንድስና ናይ ዶክተር መዓርግ ዝሓዙ፣ ኣብዚ እዋን' በቲ ሞይኦም ኣብ ናይ ማያዊ ህንድስና (Hydro-geology) እናሰርሑ ሓዳሮም ዝመርሑ ዘሎዉ ካህን እዮም።  ኣብዚ እዋን እዚ፣ ኣብ ኦረንጅ ካውንቲ (ከባቢ ከተማ ሎስ ኣንጀሎስ) ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ግብጺ ብዲቁና እናገልገሉ ኮለዉ እዮም መዓርግ ክህነት ንምቕባል በቒዖም።

ብተወሳኺ፣ ኣብ ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ናይ ግብረ መለኮት ዝጀመርዎ ትምህርቶም ንምዝዛም ከምዝቐረቡ ይፍለጥ።

በዚ ኣጋጣሚ ንበዓልቲ ቤቶም / ኣርሴማ ስዩም፣ ደቆም፣ ወለዶምን ፈተውቶምን እንቋዕ ሓጎሰኩም ንብል።

እግዚኣብሔር ኣገልግሎቶም ተቐቢሉ ንብዙሓት ንበረኸት ክኾኑ፡ ነታ ብብዙሕ መከራ እትሓልፍ ዘላ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ድማ ምኽንያት ትንሳኤ ክኾኑ ምእንቲ፡ ነዞም ክልተ ካህናት ምእመናን ብጸሎት ክድግፍዎም ሓደራ ንብል።

ዝሓለፈ ዓመት  ካህን ኣትናቴዎስ ገብርኣብ ብክህነት፣ ዶር ደሳለ ድማ ብመዓርግ ዲቁና ከምዝተቐብኡ ይዝከር። ከምኡውን፣ 39 መንእሰያት ኣብ 2009 መዓርግ ዲቁና ተቐቢኦም: 6 መንእሰያት ኣብ 2008: 12 መንእሰያት ድማ ኣብ 2006. መዓርግ ዲቁና ከምዝተቐብኡ ዝዝከር እዩ።

 

"ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትሕልዎን ክትገብሮን እንተ ሰማዕካዮ፡እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር፡ ጭራ ኣይገብርካን፡ ብላዕሊ ጥራይ ትኸውን እምበር፡ ብታሕቲ ኣይትኸውንን።"(ዘዳግም 28.13-14)

2ይ ስእላዊ መግለጺ    ስእላዊ መግለጺ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div