S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3







ዝተፈላለዩ መደባት ኣገልግሎት ዝሓቖፈ ዓመታዊ ጉባኤ 2021 መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ: ሎሚ ዓመትውን ብርሕቀት (Virtual Conference) ክካየድ'ዩ። ነዚ ብርሑቕ ዝወሃብ መንፈሳዊ ኣገልግሎትምእመናን ክትከታተልዎን ብጸሎት ክትሓብሩናን ብኣኽብሮት ንዕድም። እዚ መንፈሳዊ ኣገልግሎት፥ ካብ ሓሙስ 29 ሓምለ - ክሳብ ቀዳም 31 ሓምለ ((July 29 - 31) 2021 ካብ ርሑቕ ብቐጥታ (Live): ካብ ሰዓት 12:00 - 8:00 ምሸት ብምብራቓዊ (10:00 - 6:00 . ቀትሪ ብምዕራባዊ ) ኣቆጻጽራ ክዝርጋሕ እዩ።

Live https://www.facebook.com/EritreanOrthodoxChurch or https://www.facebook.com/tewahdoChurch

Live https://www.tewahdo.org/

መሪሕ ጥቕሲ - Theme Verse: - “ህድእ በሉ እሞ ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኣስተብህሉመዝ 4610

ጉባኤ ዝካየደሉ: - ብርሕቀት - Virtual Conference

Conference 2021

Zoom Meeting: https://us02web.zoom.us/j/84005020278 

By phone, One tap mobile:

+13017158592,,84005020278#

+13126266799,,84005020278#

ገለ ካብ ትሕዝቶታት ዓመታዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ 2021

  1. ህድእ ምባል እንታይ ማለት እዩ? ቀሲስ ሓለፎም ዓ/ማርያም
  2. ኦርቶዶክሳዊ መገዲ ኣተኣላልያ መንእሰይ (2ይ ክፋል) ብቀሺ ቴድሮስ ተስፋይን ዲያ ተመስገን ኣስፈሃን

ዝርዝር መደባት ፕሮግራም- Program Detail - Click below to see detail

 

ዝሓለፉ ዓመታዊ ጉባኤታት

ኣነስ ነቶም ዘኽብሩኒ ኣኽብሮም፥ ነቶም ዝንዕቁኒ ኸኣ ኣሕስሮም ይብል እግዚኣብሔር። (1 ሳሙ 230) ንዝብል ኃይለ-ቃል ብምስትውዓል እንተ ተረዲእናዮ፡ ንልዑል እግዚኣብሔር ብተወፋይነት ዘገልገለ፥ ዝተኣዘዘ፥ ምእንቲ ስሙ ውርደትን ስደትን ዝተቐበለ፥ እሙን ሰብ ካብ መጀመርታኡ ዳሕረዋዩ ከም ዝጽብቕ፥ ታሪኹ ከኣ ከም ወርቒ መመሊሱ ከም ዝዅላዕ፥ ካብ ታሪኽ ዮሴፍ ወዲ ያዕቆብን፡ ካብቲ ዝሓለፈ ሮቡዕ ዝነበረ ጽንብል ዕለተ-ልደት ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ-ኵሉን ብግልጺ ርኢናዮ ኢና። ክብሪ ንኣምላኽና ይኹን። ናይ በረኸትን ብዙሕ ታሪኽን ዝኽርን ዝተነግሮ ግሩም ምሸት።

ብብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ-ኵሉ ዝምራሕ፡ ካብ ሠለስተ ኣኅጉረ ስብከታት ዝተዋጽአ ላዕለዋይ ምምሕዳር መንፈሳዊ ጉባኤ፡ ካብ ዕለት 10 ሚያዝያ 2021 ኣትሒዙ ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ወግዓዊ ስራሑ ከም ዝጀመረ፡ ፈጻሚ ኣካል ናይቲ ቈይሙ ዘሎ ላዕለዋይ ምምሕዳር መንፈሳዊ ጉባኤ፡ ትማሊ 22 ግንቦት 2021 ንመላእ ኣባላት ሓለፍቲ ክፍልታት ኣኅጉረ ስብከታት ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባኡ ሓቢሩ።

ብሓዋርያዊ መሪሕነት ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3 ፓትርያርክ ሃገረ ኤርትራ ዝምእከልን ብቡራኬ ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ-ዲበኵሉ ዝመሓደርን ቀኖናዊ ንኡስ ሃገረ ስብከት ካናዳ ካብ ጥሪ 2021 . ብወግዒ ቆይሙ መንፈሳዊ ሥርሑ ጀሚሩ ኣሎ። ነዚ ንኡስ ሃገረ ስብከት እዚ ንምቛም ብመንበረ-ጵጵስና ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ዝተመደቡ ኣቦታት ካህናት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዞም ምስ ኩሎም ኣቦታት ውሉደ-ክህነት ነበርቲ ካናዳ ዝኾኑ መንፈሳዊ ዘተን ልዝብን ከካይዱ ድሕሪ ምጽናሕ፥ ኣብ ድሮ ሓድሽ ዓመት ብርትዓዊ መገዲ ሰለስ ኣባላት ዝሓዘት ጊዚያዊ መንፈሳዊ ምምሕዳር ብምምራጽ እዩ ብወግዒ ቆይሙ ዘሎ።

 ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ክኸውን ንምነ።

እዚ ሒዝናዮ ዘለና ናይ ትምህርቲ ግዜ፥ ኣብዚ ወርሒ እዚ ክዛዘም ምዃኑ ንሕብር። ፈተና ዝወሃበሉ እዋን ካብ 15 ጥሪ ክሳብ - 30 ጥሪ 2021 እዩ። በዚ መሠረት፥ ኩልኹም ተመሃሮ ኣብ መርበብ ሓበሬታ https://tewahdotheology.org ኣቲኹም ዘድሊ ቅጽዕታት ኣማሊእኩም ክትምዝገቡ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር። 

ምዝገባን መምርሕን ትምህርቲ 2021 ዓ.ም

ጊዜ ለኩሉ” ከም-ዝበሎ ሰሎሞን ወዲ-ዳዊት፣ እቲ እግዚኣብሔር ዝመደቦ ግዜ ስለ-ዝኣኸለ፣ እንሆ ኣብታ ርእሰ-ከተማ ናይ ሃገረ-ስዊድን ዝኾነት ስቶኮልም`ውን፣ ኣብቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ጸኒዑ ዝቖመ፣ደብረ-ኣማኑኤልተባሂሉ ዝተሰምየ ሓዲሽ ቤተ-ቤተ-ክርስቲያን፣ ንኣገልግሎት ክፉት ኮይኑ ክርከብ፣ ናይቲ ገባር ተኣምራት ዝኾነ ሕያው ኣምላኽ፣ ቅዱስ-ፍቓድ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ። ስለ` ከኣ`ዮም እቶም ነዚ ቅዱስ ራእይ` ተግባራዊ ንምግባር፣ ካብ ነዊሕ እዋን ክደኽሙን ክጽዕሩን ዝጸንሑ ማኅበረ-ምእመናን፣ ንሓጎሶም ወሰን ዘይረኽቡሉ።

ሰላመ እግዚኣብሔር ምስ ኩልኻትኩም ይኹን።

ብምኽንያት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘመነ ጾመ ፍልሰታ፥ ካብ  ነሓሰ ክሳብ ፲፭ ነሓሰ (7 August - 21, 2020) እዉጅ ጾም እዩ።

ኣብ ከተማ ሃሪሰንበር (Harrisonburg) ክፍለ ግዝኣት ቪርጅንያ ሓዳስ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ተሃኒጻ። ኣገልግሎት'ውን ድሮ ጀሚራ ኣላ። ኣገልጋሊ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረት ኣቦይ ቀሺ ባህታ ኣሚነ ከምዝገለጽዎ፥ "ድሕሪ ብዙሕ ፈተናን ድኻምን፥ ኣምላኽ ረዲኡና፥ ናይ ገዛእ ርእስና ቤተ ክርስቲያን ክንምስርት ጸጋ ዘብዝሓልና እግዚኣብሔር ነመስግኖ" ክብሉ ስለቲ እግዚኣብሔር ዝገበረሎም ዓቢ ነገር ይገልጹ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div