S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

መግለጺ መንበረ ጵጵስና ኣኅጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን።

ኣብዚ እዋን እዚ: ፓትርያርክ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣቡነ እንጦንዮስ ናብ መንበሮም ክምለሱ እዮም ዝብል ጽንጽንታ ስለ ዝተሰምዐ፥ ምእመናን ኦርቶዶሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሊቃነ ጳጳሳትን መብዛሕትኦም ጳጳሳትን ብሃረርታ ይጽበይዎ ኣለዉ። ኣብ ወርሒ ግንቦት 2015 እቶም ብኢድ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝተብኡ ጳጳስ ኣቡነ ባስልዮስ፥ መነኮሳት ኣሰንዮም ድሕሪ ትሸዓተ ዓመት ንቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ቤት ማእሰርቶም በጺሖሞም እዮም። ኣብ ዝርርቦም፥ንፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ “ክንዓርቀኩም ኣብ ቦታኹም ክትምለሱ” ዝብል ሓሳብ ቕሪቦምሎም። ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብወገኖም፥ “ሕራይ ንዕርቅን ሰላምን ከመይ ገይረ ክሕሰም ንሱ እንድዩ ተልእኮይ። እንተ ኾነ ንስኻትኩ ንባዕልኹም ዕርቂ ምሳይ፥ ዕርቂ ምስ ቤተ ክርስቲያን፥ ዕርቂ ምስ እግዚኣብሔር የድልየኩም እዩ። ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ኮይኑ፥ ጉዳይና ዝሰምዕ ሸምጋሊ ኣካል የድሊ እዩ። ከመይሲ ንስኻትኩም መባእስቲ፥ ከሰስቲ፥ ፈረድቲ፥ ኣእሰርትን ኣጸለምትን ክነስኹም ከመይ ጌርኩም ዓረቕቲ ክትኮኑ። ዓሠርተ ዓመት ተኣሲረ፥ ኣብ ፍርዲ ደኣ እቐርብ እምበር መቕጻዕቱ ከም ዝወድአ ገበነኛ ኮይነ ድሕሪ ዓሠርተ ዓመት ማእሰርቲ ኣብ መድረኽ ኣይቅልቀልን። ጉዳየይ ኣጽርየ ዝጸለመ ስመይ ኣንጺሀ እንተ ወጻእኩ፥ ንኣኹም ጽቡቕ ንኣይ ጽቡቕ ልዕሊ ኩሉ ንቤተ ክርስቲያንና ጽቡቕ እዩ። ስለዚ ገዳማውያን ኣቦታት፥ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ሽማግለታት ኣቦታት ኣብ ዘለውዎ፥ እታ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ዝሃበት መንበረ ማርቆስ እስክንድርያ ኣብ ዘላቶ፥ ንስኻትኩም ክስኹም ኣልዒልኩም፥ ኣነ ድማ ኣብ ርእሴኹም ዘንበርክዎ ውግዘት ኣልዒለ፥ ይቕረ ተባሃሂልና ብፍቕሪ ብሰላም ቤተ ክርስቲያንናን ሕዝብናን ንጓሲ፥" ብል ልቦና ዝመልኦ ኣባታዊ መልሲ ሂቦሞም።

እንተኾነ፥ እዚ ሰላምን ርግኣትን ቤተ ክርስቲያን'ዚ ምስ ውልቃዊ ረብሓ ኣባ ሉቃስ ስለዘይቃዶ፥ ምስቶም "ሓደርቲ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ተዋሕዶ" ዝብል ጉልባብ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ  ዝኣተዉ፥ ቤተ ክርስቲያን ዘይትፈልጦም በጋሚዶታት ኣሰሊፎም፥ ነቲ ለባማት ዘንቀድዎ ኣፈፈት-ዕርቂ ኣንፈ ከጥፍእዎ ላሕ ይብሉ'ለዉ። ኣባ ሉቃስ ኣብ ዝኸድዎ ኩሉ ክብሪ ብዘይብሉ ኣጸዋውዓ “ኣባ እንጦንዮስ መናፍቕ ኮይኑ ረብናዮ፥ ልዕሊ 400 መናፍቓን መዓርግ- ሂቡ ቤተ ክርስቲያን ኣጥፊእዋ፥” ክትብል ዝጸንሐት መልሓሶም ቀይሮም። ኣብዚ ሰዓት እዚ፥ “እዞም ሰብኣይ [ኣቡነ እንጦንዮስ ማለቶም እዮም] ናብ ቦታኦም ምምላስ ኣብዮሙና፥ ብጳጳሳት፥ ብካህናት፥ ብመነኮሳት ብዓበይቲ ተለሚኖም፥ ሥልጣን ኣይደልን እየ ሓዲገልኩም ኣሎኹ ኢሎሙና። እንታይ ደኣ እሞ ክንገብር።” ዝብል ሓቅነት ዘይብሉ ወረታት የናፍሱ ኣለዉ።  ብዘይካይ ካልእ ዝርአ የለን፥ ስለዚ ሥልጣን ፓትርያርክ ናባይ እያ ኢሎም ኣብ መዓርግ ፓትርያርክ ንምድያብ ዝገብርዎ ዘለዉ  ደርሆ ፋሕቲራ እትረኽቦ ጉርሒ እዩ።

ኣባ ሉቃስ ምስ ሰብ ጊዜ ተጸጊዖም፥ ሥልጣን ቤተ ክርስቲያን ንበይኖም ብሒቶም፥ በይኖም ሲኖዶስ በይኖም ወጋዚ ኮይኖም፥ ኣብ ቤተ ክርስትያን ከቢድ ዕንወት ይፍጽሙ ኣለዉ። ሕዝቢ ኤርትራ ብሓበራ፥ ምእመናን ተዋሕዶ ድማ ብፍላይ ዓገብ ክብልዎም፥ ቤተ ክርስቲያንን ብሰላምን ብፍቕርን ክምራሕ፥ ኣምላኽ ናይ ፍቕሪ ጸሎትና ክቕበል፥ ስደትናን መከራናን መዛዘሚ ክረክብ፥ ብሓቅን ብሓድነትን ጸኒዕና እቶም ይግብኦም ኢልና ዘቐመጥናዮም ኣቦና ኣብ መንበሮም ክምለሱ ይግባእ። ከምኡውን ነቶም ኣብ ከቢድ ሕማም ዝርከቡ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፥ ኣምላኽ ምሕረቱ ክልእከሎም፥ ምስ ኣቦኦም ዕርቂ ክገብሩ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊ ጸዋዒትና ነመሓላልፍ።

እግዚኣብሔር ዘመን ሰላምን ዕረፍን ይልኣኸልና።

ጸሎትን በረኸትን ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣይፈለየና።

 

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታ ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div