The 2023 Eritrean Orthodox Conference in Buffalo, New York, held from August 3rd to 6th, brought together clergy, faithful, and youths of the Eritrean Orthodox Church. Attendees, bound by their shared faith, participated in insightful sermons, seminars, and teachings revolving around the conference theme: "But as for me, it is good to be near God" (Psalm 73:28). This theme illuminated a path beyond daily life, fostering a connection with the Triune God.
ብሰሉስ 18 ሚያዝያ 2023፡ ብብፁዕ አቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ዲበ ኩሉ ዝምራሕ ሕብረት አብያተ ክርስቲያናት ተዋህዶ ምስቲ ብብፁዕ አቡነ ሲኖዳ ክምራሕ ዝጸንሐ ኅብረት አብያተ ክርስቲያናት ምሉእ ውህደንት ዕርቅን ጌሩ ኣሎ። ኣምላኽ ምሉእ ዕርቂ ስለዝገበረልና ስብሓት ይኹኖ።
ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ዕርቂ ኣብዚ መላግቦ ተወከስ።
ጾመ ነነዌ ናይ 2023 ቤተክርስቲያን ኣብ ልዑል ተስፋ ዕርቀ-ሰላም ትርከብ ምህላዋ፡ ነዘን ሰለስተ መዓልቲ በዚ መንፈስ ክንጽሊ ከም ዘሎና ርዱእ እዩ። ዮናስ ነብይ ሓደ ካብቶም ንኡሳን ነብያት ብሉይ ኪዳን ምዃኑ ይፍለጥ። ትንቢት ዮናስ ብሓቂ ክተንብቦ መሳጥን መሃርን እዩ።
ሰላመ እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ክኸውን ንምነ።
ናይ ዝሓለፈ ሰሚስተር፡ ዓመተ ትምህርቲ 2022/23፡ ብረዲኤት እግዚኣብሔር ብዓወት ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2022 ተዛዚሙ።
ቤት ትምህርቲ ስነ መለኮት ተዋሕዶ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምምሕያሽ እንዳተገብረሉ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፥ ሰሙናዊ ብማንዛ (zoom) ስሩዕ ትምህርቲ ይወሃብ ኣሎ። ናይ ካልኣይ ሰመስተር ትምህርቲ ድማ ካብ 1 የካቲት 2023 ክጅምር እዩ። ቀዳማይ ሰሙን መእተዊ ናይዚ ሰመስተር ኮይኑ፡ እቲ ትምህርቲ ክሳብ ግንቦት 2023 ክቅጽል እዩ። በዚ መሠረት፥ ኩልኹም ዝነበርኩምን ሓደስትን ተመሃሮ በዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ መላግቦ ኣቲኹም ክትምዝገቡ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር።
1) ነባራት ተመሃሮ፡ ነባራት መምዝገቢ ቅጥዒ
2) ሓደስቲ ተመሃሮ፡ ሓደስቲ መምዝገቢ ቅጥዒ
ምምሕዳር ክፍሊ ተመሃሮ ሥነ መለኮት ተዋሕዶ።
ንኣርባዕተ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ መበል 24 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ኣብ ከተማ ሲያትል ክፍለ ግዝኣት ዋሽንግቶን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ብርሃን ቅድስቲ ሥላሴ ይካየድ ድሕሪ ምቕናዩ ብጸሎተ ቅዳሴ ብሰላም ተዛዚሙ።
ሠናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጕያ ወዲኤ፡ ነታ እምነት ሐልየ። ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ አሎ። እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዅላቶም ድማ እዩ እምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን። 2 ጢሞ 4:7-8። ሠናየ ገድለ ተጋደልኩ፥ በድርየኒ ፈጸምኩ፥ ወሃይማኖትየኒ ዐቀብኩ፥ እንከሰ ጽኑሕ ሊተ ኣክሊለ ጽድቅ ዘየዐሥየኒ ይእተ ዕለተ እግዚኣብሔር መኰንነ ጽድቅ ወኣኮ ለባሕቲትየ ኣላ ለኲሎሙ እለ ያፈቅሩ ምጽኣተ ዚኣሁ። ፪ ጢሞቴዎስ ፬፥፯-፰።
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
ፍቁራን ማሕበረ ምእመናንን ምእመናትን ሕዝበ ክርስቲያን፣ እንቋዕ ናብ’ዚ ጥንታዊ ሓድሽ ዓመት ቤተ ክርስቲያን፡ በዅሪ ዕለትን ወርሕን ዓውደ ዓመት ግእዝ ኣብጽሓኩም።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ