S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ትኪ ዝነደደ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰማያት ኤርትራ ሸፊንዎ

ማዕረ እቲ ንእግዚኣብሔር ዝበደልናዮን ንብድሎን ዘሎና እኳ እንተዘይኮነ፣ ኣምላኽ ብባህርዩ ፍቕሪ ብምዃኑ፣ ካብ ዓመጻና ንኽንምለስ፣ ይቕንጥወና ኣሎ። ዓመጻ ሕዝብና ኣብ ንሓድሕድና ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይመስልን፣ ሕልፍ ሓሊፉ ኣንጻር እግዚኣብሔር ኣጽዋር ተሰኪምና ዝተለዓልና ኢና እንመስል።

እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ስእሊ ርእይ ምስ ኣበልካ፣ ለካ እግዚኣብሔር ናይ ብሓቂ ፍቕሪ እዩ። ክትብል የኽእለካ። እዚ ብሓዊ ተቓጺሉ ተቐዳዲዱ እንርእዮ ዘሎና፣ ቃል ኣምላኽ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ። ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ቅድስት ማርያም ኣሥመራ ዝነደደ እዩ። ቅድሚ እዚ ቤተ ክርስቲያን ከምዚ ምግጣሙ፣ ልክዕ ከምዚ ዓይነት ዕንወት ኣብ ደብረ ብርሃን ቅድስት ሥላሴ፣ ኣሥመራ ብርሃን  ቃል ኣምላኽ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓዊ ባልባል ኢሉ ተቓጺሉ እዩ። ኣብ ሳዋ፣ ካልኦት መዓስከራት ዝነደደ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ገዲፍካ ኣብዘን ክልተ ኣብያተ ክርስቲያናት ጥራይ ልዕሊ 1500 መጽሓፍ ቅዱሳት ብቋንቋታት ትግርኛ፣ ግእዝ፣ ኣምሓርኛ፣ እንግሊዝኛ፣ ዝተጻሕፈ፣ ብሓዊ ሞኽ ኢሉ ሓሪሩ፣ ትኪ እዚ ቅዱስ ቃል ንሰማያት ኤርትራ ከዲኑ ናብ ሰማይ በጺሑ እዩ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢት ኤርምያስ 36፣22-26 ዘሎ እንተ ኣንቢብና፣ እዮኣቂም ንጉሥ ይሁዳ፣ መጽሓፍ ትንቢት ኤርምያስ ሓንቲ ጥቕላል ብሓዊ ምስ ኣንደደ፣ ኣብቲ ሕዝቢ ከቢድ መርገምን ስደትን ምርኮን ከም ዘስዓበን ንሱን ወለዶኡን ድማ ከቢድ መቕጻዕቲ ተቐጽዑ። ንሱውን ኣብ ታርኽ ወለዶ ክርስቶስ ካብ ቁጽሪ ከም ዝተሓከን መጽሓፍ ቅዱስ ይነግር። ማቴ.1፣10-11።

ኣብ ሃገር ኣሜሪካ ፓስቶር ተሪ ጆነስ፣ እተባህለ ንዘይኣምነሉ መጽሓፍ ቁርዓን ሓዊ ከንድድ ምስ ተላዕለ ኣብ መላእ ዓለም ክንደይ ናዕቢ ከም ዘልዓለ ኩሉ ዝዝክሮ እዩ። ይትረፍ ኣስላም፣ ክርስቲያን’ውን ቁርዓን ብሓዊ ምንዳድ ጌጋ እዩ። ናይ ካልእ ሰብ መሰል ምጥሓስ እዩ። ተባሂሉ ተቓውሞ ተገይሩ እዩ።

ኣብ ኤርትራ ግን እዚ ኣሽሓት መጽሓፍ ቅዱሳት፣ ብደገ ዝመጹ ዘይደቂ ሃይማኖት ኣይኮኑን ኣንዲደሞ። እኳደኣ ነቲ ሃይማኖት ሓልዮትን ተገዳስነትን ኣሎና ዝብሉ፣ ኣብቲ ሃይማኖት ተጠሚቖም ዝዓበዩ፣ ስምዒታውያን እዮም።

ወረ እቲ ዘገርምሲ፣ ኩሎም ጳጳሳት እኳ እንተዘይበልና፣ ገለ ጳጳሳት’ውን ኣፎም ሓቲሞም ስቕ እዮም መሪጾም። ስቕታ ድማ ስምምዕ እዩ ዘርኢ።

ካብቲ ንኹሉ ዘሕዝን ግን፣ ምንዳዱ ጥራይ ኣይኮነን። ነቲ ቃል ኣምላኽ ምንዳድ ዝባረኹ ኣባ ሉቃስ እተባህሉ፣ ጳጳስ፣ ነቲ ዝነደደ መጻሕፍቲ ቅዱሳት፣ “መጽሓፍ ርኹስ” ዝብል ስም እዮም ሂቦሞ። እዚ ቃል እዚ ይትረፍ ካብ ክርስቲያን እየ ዝብል ሰብ፣ ዋላ ሰይጣን’ውን ኢልዎ ኣይፈልጥን። “ ኣጋንንቲ’ውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም።” ያዕቆብ. 2፣19 እቶም ጸረ ክርስቶስ ዝበሃሉ ኣይሁድ’ውን ንክርስቶስ ጋኔን ኣሎካ እምበር ጋኒን ኢኻ ኣይበልዎን። ቃለይ ካብ ዝሓለፍ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል ዝብል ክቡር ቃል ጐይታ፣ ሓዊ ምስ ነደደ፣ ዕልል በላ ኣዴታት ኢሎም እዮም ኣባ ሉቃስ ደቢሎም።

ጳጳሳት ኤርትራ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ርኽሰት ቃል ዘውጽኡ፣ ጳጳስ፣ ኣብ መንጎኦም ከም ጳጳስ ሒዞም ኮፍ ምባሎም፣ ሕርሚ ኣብ ውሽጥኻ ምሕባእ እዩ። ካብቲ ዘገርም ግን፣ ከምቲ ዓለም ኢየሱስ ሰቒላ በርባን ዝፈትሐት፣ ኣባ ሉቃስ ሓቚፎም፣ ንብፁዕ ወቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ እዮም ንስቕለት ፈሪዶም።  

ብመጠን እቲ ዝተፈጸመ ገበን ዘይኮነስ፣ ብመጠን ምሕረቱ እግዚኣብሔር ንትምህርትና ምቕንጣው ኢድ እግዚኣብሔር መመሊሳ ትተርር ኣላ።

ኣብ ዓለም ዘይተገበረ ታሪኽ ስለ ዝፈጸምና፣ ኣብ ዓለም ዘይተገበረ ታሪኽ ይፍጸመና ኣሎ።

ዝተወልደ፣ ህጻን ኣቡኡ ዘየዕብዮ። ነፍሰ ጾር ዕሸላ ኣብ ዓለም ከይረኣየ ካብ ጸልማት ናብ ጸልማት፣ ኣብ ባሕሪ ትሓርሰሉ። መንእሰይ ካብ ምድሪ ዓዱ፣ ስደት ዓዲ ጓና ዝናፍቐሉ። ካብ እንዳኹም ኣየውጽእኩም፣ ዝብል ምርቓ ድኹማን፣ ከም መርገም ዝቖጽሩሉ። ሓደገኛ ዘመን እዩ። ንገበናን ኃጢኣትናን ብብዙኅ ምኽንያታት እኳ ክንክውል እንተ ፈተና፣ ንስሓ እምበር ምኽንያት ዘይቅበል ኣምላኽ ከም ዘሎና፣ ታሪኽ ኣቦና ኣዳምን ኣዴና ሔዋንን ዝረሳዕና ጥራይ ኢና። ኣዳም ስለምንታይ ምስተባህለ፣ ንሔዋን፣ ሔዋን ንተመን… ዝሃብዎ ምኽንያት መደንገጺ ኣምላኽ ኮይኑ ኣይተረኽበን።

 ስለዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዘቕጽዓና ዘሎ፣ ብዙሕ ምኽንያታት እኳ እንተ ኾነ፣ ቀንዲ ግን ቃሉ ብሓዊ ኣቃጺልና ትኪ ጥርዓን እቲ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ፣ ኣብ ኣምላኽ ከም ዝበጽሐ፣ ክንዝንግዖ ዝግባእ ጉዳይ ኣይኮነን። ነዚ ድማ ንስሓ ክንኣትወሉን ይቕረታ ክንሓተሉን እምበር፣ ሕርምና ኣብ ውሽጢ ሓቢእና፣ ከም ሰገን ርእስና ኣብ ሑጻ ቀቢርና እንሕብኣሉ ኣይኮነን። ኣምላኽ ክሳብ ዘይተመለስናዮ ድማ፣ ምቕንጣዉ ኣጻብዕቱ ከሕይሎ እምበር፣ ከም ዘየጉድሉ ክንፈልጥ ኣሎና።

 

ልሣነ-ሰይፍ።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div