S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሎሚ መዛግብቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ገንጺልና ክንርእዮ ዝደለኹሉ ምኽንያት፡ ቁጽሪ ዘይብሎም ነገሥታት ምድሪ ጥርሖም ተወሊዶም፡ ጥርሖም ድማ ከም ዝሞቱ ዝፈለጡ በዓል መን ነበሩ፧ ጸላኢ ክለዓሎም ከሎ እግዚኣብሔር፡ ንስኻ ኢኻ እሞ፡ ሰብ ኪሕይለካ ኣይትሕደግ ኢሎም ብምእዛዞም፡ ንህዝቦም ጽላል ዝነበሩ፡ በዓል መን ከም ዝነበሩ፡ ክንፈልጦም ካብ ምእዛዞም ክንመሃርን ስለ ዝደለኹ እየ። እቶም ኣነን ቅልጽመይን ዝበሉ፡ ንልቦም ዘምለኹ፡ ዘይተኣኣዘዙ ድማ ንህዝቦም ጥፍኣት ዘምጽኡ ነገሥታት በዓል መን ነብሩ፡ ካብ ነገሥታት እስራኤል ክንመሃር ጽቡቕ ኰይኑ ይስምዓኒ።

ኣብ ሃገር ይሁዳ፡ ኣሳ ዝተባህለ ንጉሥ ብመንግሥትነት ጸኒዑ ክሳብ ኣርብዓን ሓደን ዓመታት ገዝኤ (ካብ 955 .. ክሳዕ 914 ..ክ)። ዜራሕ ንጉሥ ኢትዮጵያ ክዋግኦ ክመጽእ ከሎ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት መንግሥቱ ከይኰነ ኣይተርፍን። ኣሳ ኣብ ኢየሩሳሌም እዩ ነጊሡ ዝነበረ። እቲ ኣብ ልዕሊ ዜራሕ ዝተዓወቶ ዓወት ግን፡ ኣብ ማረሻ ዝተባህለ ሰፈር ኣርብዓ ኪሎሜተር ኣብ ደቡባዊ ኢየሩሳሌም ነበረ።

ቀንዲ ሓሳባት፡ እዚ ዛንታ እዚ ካብቲ ምምቃል ናይ መንግሥቲ እስራኤል ክሳብ መንግሥቲ ኣሳ ዝወድኣሉ ይቕጽል። ከምኡውን ንመንግሥትታት ናይ ሮብዓምን ኣብያን ምስ ናይ ኣሳ ሓዊስና ክንርእዮ ኢና። ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ቀንዲ መዛረቢ ክዀነና ዘለዎ ግና ንጉሥ ኣሳ እዩ። እዚ ንጉሥ እዚ ንእግዚኣብሔር ብብርቱዕ ቅንኢ ዘገልግል ዝነበረ ከምኡውን በቲ ዘበኑ ኣብ ሃገሩ ብዙሕ ምምሕያሽ ዘምጽኤ ንጉሥ እዩ ነይሩ።

መግለጺ

ሮብዓም ዝነገሠለን ዓሰርተው ሸብዓተ ዓመታት፡ እታ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ኣብቲ ህዝቢ ከመይ ዝኣመሰለ ግምት ከም ዝነበራ በተን ሱሳ ዓመታት ክንርኢ ኢና።

ሮብዓም ካብቶም ቅድሜኡ ዝነበሩ ነገሥታት ብዙሕ ነገራት ወሪሱ ነይሩ። እታ ቤተ መቕደስ ምስናይ ኹሉ ትሕጃኣ፡ እታ ጽንዕቲ መንግሥቲ፡ ካልኦት ንምዕብልና ህዝቢ ዝረብሑ ነገራትን ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ኸኣ ዝተመሓደረት መንግሥቲ ኰይና ጸንሔት።

እቲ ንሱ ዝገበሮ ቀዳማይ ስጉምቲ ግና ነታ መንግሥቱ ኣብ ክልተ ምኽፍፋል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከምኡውን ዘይምእማንን ንእግዚኣብሔር ምኽሓድን ኣብ እስራኤል ኣጀመረ። እቲ ናይ እግዚኣብሔር ጸጋታት ብነገሥታት  ነቦታቶምን ዚወሃብ ዝነበረ ኸኣ ፈጺሞም ኣይዘከርዎን፡ ረስዕዎ። ብእኡ ምኽንያት ከኣ ከምቲ ንሳቶም ንእግዚኣብሔር ሕቖኦም ዝመለስሉ፡ ሕቖኡ ስለ ዝመለሰሎም፡ ንምምቃልን ኣብ ትሕቲ ጸላእቲ ምጭቋንን ካብ እግዚኣብሔር ምርሓቅን ፈነወሎም። ግዝኣት ሮብዓም ብክሕደት ንሓሙሽተ ዓመታት ኣቢሉ ምስ ቀጸለ፡ ሺሻቅ ዝተባህለ ንጉሥ ግብጺ ንሀገሩ ክወራ መጸ። ነታ ሃገር ምስ ሰዓራ ኸኣ ንኹለን እተን ከተማታትን ንኢየሩሳሌምውን ከይተረፈ ዘምተን። ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበረ ናይ ንጉሥ ዳዊትን ንጉሥ ሰለሙንን ብወርቅታት ዝተለበጠ ዋላቱን ካልእ ጥረ ወርቅን ወሲዱ ናብ ሃገሩ ኸደ።

ሮብዓም ነቲ ዝተዘምተ ብወርቂ ዝተሰርሔ ዋልታታት፡ ካብ ነሓሲ ኣስሪሑ ተኽኦ። ነሓሲ ኸኣ ተምሳል ድኻምን ውድቀት መንግሥቲ ሮብዓምን ነበረ። ነሓሲ ተምሳል ዕልወትን መንፈሳዊ ስንፍናን ከኣ ኣዩ። ሓያሎ ካብቲ ህዝቢ ክንሳሕ ዝደሊ ልቢ ከም ዝነበሮም፡ ኣብዚ ጽሑፍና ከምኡውን ኣብ ዛንታ ጸጸኒሖም ኣብ እግዚኣብሔር ይምለሱ ከም ዝነበሩ ይነግረና። ዋላ ምሉእ ፍጽምና እንተ ዘይነበሮም፡ ካብቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ፡ ዝበለጸ ናብራን ንእግዚኣብሔር ኣገልግሎትን ከም ዝነበሮም የርእየና።

እስከ ናብ መንግሥቲ ኣሳ (ወዲ ወዱ ንሮብዓም) ነቅልብ።

1ይ፡- ንጉሥ ኣሳ ወዲ ወዱ ንሮብዓም እዩ ኔሩ። አዲኡ ማዓካ፡ ዝተባህለት ካብ ወገን ኣቤሶሎም ታምራን ነበረት። ኣሳ ኸኣ እቲ ብልቡ ቅኑዕ ዝበሎ ገበረ። እዚ እቲ ሓፈሻዊ ናብ እግዚኣብሔር ምምላሱ እዩ ዘርእየና። ኣብ ዛንታ ናይዛ መንግሥቲ እዚኣ ድማ፡ ኣደ ሮብዓምን ኣደ ኣቢያን ዓባዩ ንኣሳ፡ ብስመን ተጸዊዔን ኣለዋ። ኣደ ሮብዓም ናዓማ ትብሃል። ስም እታ ዝፈትዋ ሰበይቱ ኸኣ ማዓካ ትብሃል ነበረት። ንሳ፡ ኣደ ኣቢያን ዓባዩ ንኣሳን እያ። እዘን ኣንስቲ እዚኣተን መምለኽቲ ጣኦታት ነበራ። ንደቀን ከኣ ብመገደንን ብእምልኾኤን ክመላልሱ መሃርኦም። ንሰብኡተንውን ኣብ ናተን ኣማልኽቲ ከምልኹ ሰሓብኦም።

እቲ ኣዝዩ ዘገርም ለባም ኣደ ንባዕላ ለቢማ፡ ንውሉዳ ተለብም፡ ዓሻ ኣደ ኸኣ ንባዕላ ዓሽያ ውሉዳ ተዕሹ። ቁሩብ እሞ ናብ ታሪኽ ዓለም ንመለስ። ኣብ ታሪኽ ከም እንፈልጦ፡ ኣብ ሃገር ፈረንሳይ ናፖሊዮን ቦናፓርተ ዝብሃል ነጊሱ ከም ዝነበረ ንፈልጦ ናይ ትማሊ ታሪኽ እዩ። ኣደ ናፖሊዮን ብመልክዕን ብሓይልን ወይ እተርእዮ ጽንዓትን ፍልጥቲ ነበረት። ኣደ ጆርጅ ዋሽንግተን ከኣ ንእግዚኣብሔር እትፈርህ፡ ንጽህትን ቅንዕትን ከም ዝነበረት ይዝንተወላ። እዘን ኣዴታት እዚኣተን እቲ ዝነበረን ደግነት ንደቀን ኣሕለፋሎም። ኣደ ንደቃ ክትሓዝሎምን ክትኣልዮምን ከላ፡ እሩሩ ምባል ጥራይ ዘይኰነስ፡ ከመይ ዝኣመሰሉ ዜጋታት ክኸኑ ከም ዘለዎም ዝግመት ባህርውን ተሕልፈሎም እያ። ኣብ ሓደ ኣኼባ፡ ሚእትን ዕስራን ዝኣኽሉ ካህናት፡ ተኣኪቦም መን መገዲ እግዚኣብሔር ከም ዝመሃሮም ከዘንትዉ ከለዉ፡ እቶም ሚእቲ ካባታትም ኣዴታቶም ከም ዝሃብኦም መቕጻዕትን ምእዳብን ንእግዚኣብሔር ንምስዓብን ከም ዝሓገዞም፡ ንክርስትያናዊ ህይወት ኣዴታቶም ክምስክርሉ ክኢሎም።

እዚ ሓዱሽ ንጉሥ ኣሳ፡ ጽቡቕ ትምህሮ ኣደ ኣይነበረቶን፡ እቲ ንሱ ዝተማህሮ ጽቡቕ ነገርሲ ካብ ነብያት እግዚኣብሔር ድኣ ነበረ። እዚ ሓዱሽ ንጉሥ እዚ ብዙሓት ነብያት ዝሕግዝዎ ኣብ ጐኑ ደው ኣበለ። ካብኣቶም ከኣ፡ ሓናኒን ዓዛርያን ነበሩ። እቲ ካብ እግዚኣብሔር ኣርሒቑ ዝኸይድ ዝነበረ ህዝቢ ከመይ ዝኣመሰለ መቕጻዕቲ ከም ዝመጾ፡ ኣብ እግዚኣብሔር ክምለስ ከሎ ድማ፡ እግዚኣብሔር ከመይ ዝኣመሰለ ዓወት ከም ዝህቦ ኣስተውዒልሉ ነበረ።

2ይ፡- እቲ ንጉሥ ኣሳ ዘምጽኦ ምምሕያሽ (ኣብ tahti ጥቅሲ 3-5 ተመልከት) ነቲ ናይ ጓኖት መሰውኢታትን ነቲ በረኽትን ኣፍረሶ። እዞም ኣማልኽቲ ዝብሎም ዘሎ እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ዘምልኽዎም ዝነበሩ እዮም። ገሊኦም ነቲ ቅዱስ ናይ እስራኤል ዘምልኹ እኳ እንተ ነበሩ፡ ገለ ካብኣቶም ግና ንምስልታትን ንጣኦታትን የገልግሉ ነበሩ። እዞም በረኽቲ ዝብሎም ዘሎ፡ ገሊኦም ነቶም ጣኦታት መስገድን መገልገልን ክዀኑ ዝተሰርሑ ክዀኑ ከለዉ፡ ገሊኦም ከኣ ነቲ ሓቀኛ ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንምግልጋል ዝተሃንጹ ነበሩ። እቶም ንኣረማውያን ኣማልኽቲ ከገልግሉ ከለዉ፡ ዝፍጽምዎም ዝነበሩ ኣገልግሎት፡ ካብ ልክዕ ዝረሓቀ ንናብራ ሰብውን ዘጸይፍ ኣገልግሎት የቕርብሎም ኔሮም። እቶም በረኽቲ ንኣምላኽ ከገልግሉ ዝተሃንጹ ግን ከምኡ ኣይነበሩን፡ ግንከ ከም ዓቕሞም ንምግልጋል እግዚኣብሔር ክብሉ ካብ ናይ ኣረማውያን ዝተለቅሕዎ ኣገባብ ኣገልግሎት የዘውትሩ ኔሮም። ኣሳ ምስ ነገሠ ግና፡ ነቲ ኣዕኑድ ጣኦታት ቆራረጾ። እዚኣቶም ኣቦኡ ንበዓል ዝተባህለ ጣኦት ከገልግሉ ከሎ ዝሃነጾም ከይኰኑ ኣይተርፉን። ነታ ሰናይ ዘይመሃረቶ ማዓካ ዝተባህለት ኣዲኡውን ንግሥቲ ካብ ምዃን ቀንጠጣ። ንይሁዳ ኸኣ ንእግዚኣብሔር ኪደልይዎን ነቲ ሕግን ትእዛዝን ድማ ኪገብርዎን ኣዘዞም። ትእዛዝ ጥራይ ዘይኰነ ነቲ ሕግታት እግዚኣብሔር ከስተውዕልዎ ኣብ ዕለታዊ ናብራኦም ከኣ ከዘውትርዎ ክመሃሩ ኣዘዘ። ኣብ መንግሥቱ ኸኣ መንፈሳውን ሥጋዊን ዕቤት ከም ቅጽበት ተራእየ። ኣብ ምልእቲ ሃገርውን ሰላም ተዘርግሔ።

3ይ፡- እግዚኣብሔር ዕረፍቲ ስለ ዝሃቦም ኸኣ ዕሩዳት ከተማታት ሰርሑ። እዘን ከተማታት እዚኣተን መታን ክዋጋኣ ኢሉ ኣይኰነን ዝሃነጸን፡ መታን ካብ ካላኦት ተጻረርቲ ክኸላኸለለን ኢሉ እዩ ዝሃነጸን። እግዚኣብሔር ከኣ ኣብ ግዜ ሰላምን፡ ኣብ ግዜ ውግእን ነቶም ዘፍቅሮም ኩሉ ንሰናዮም ከም ዝሰርሕ ይፈልጥ እዩ። ምስናይ እዚ ኹሉ ግን ንሁውከትን ንናዕብን ቅሉዓት ክዀኑ ኣይደልን እዩ። ንጉሥ ኣሳ ጥንቁቅ ሰብኣይ እዩ ነይሩ። ኣብ እግዚኣብሔር እምነት ኣኳ እንተ ነበሮ፡ እቲ እምነት እቲ ናብ ሸለልትነት ኣይሰሓቦን፡ እቶም ዝነበርዎ ወተሃደራት 580.000 ሰባኡት ጀጋኑ ነበሩ። እዚኣቶም ውግእ ዝተማህሩ ድኣ እዮም እምበር ኩሉ ስራሖም ወትሃደራት ኔሮም ማለት ኣይኰኑን። ኣብ ሕርሻኦምን ካልእ ንግዶምን እዮም ተዋፊሮም ኔሮም። ሃገሮም እንተድኣ ደልያቶም ድማ ዕሉማት ስለ ዝነብሩ፡ ኣብ ውግእ ንጸላኢ ከጥቅዑ ዝኽእሉ ዕሉማት ነበሩ።

4ይ፡- ጥቅሲ 9-12ዜራሕ እቲ ኢትዮጵያዊ ኸኣ ኪዋግኦም መጸእዚ ዜራሕ ተባሂሉ ዘሎ ሰብኣይ ወይ እቲ ኣሶርካን ዝተባህለ ንጉሥ ግብጺ መበል ዕስራን ክልተን ካብ ወለዶ ነገሥታት ግብጺ ክኸውን ይኽእል ወይ ከኣ ዜራሕ ክብል ከሎ፡ ናቱ ልኡኽ ወይ ሓለቓ ወተሃደራት ክኸውን ይኽእል እዩ።

እዚ ማእለያ ዘይብሉ ዘራሕ ዘኽተቶ ሰራዊት፡ ኣብ ማረሻ ዝተባህለት ከተማ ግብጺ፡ 25 ኪሎሜተር ካብ ኢዮሩሳሌም ርሒቓ እትርከብ ኣዕረፈ። እቲ ቐንዲ ዕላምኡ ኸኣ፡ ከምቲ ሺሻቅ ቅድሚ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት መጺኡ ዘሚቱ ዝኸደ፡ ከምኡ ወርቅን ብሩርን ካልእ ሃብቲ ኣይሁዳውያን ዘሚቱ ክኸይድ እዩ ዝመጸ።

ኣሳ ግና ናብ እግዚኣብሔር ተማህለለእቶም ብግዜ ፍርሃት ንስም እግዚኣብሔር ዝጽውዑ፡ እግዚኣብሔር ኣየስታሕፍሮምን እዩ። ብዝሒ ሰብን ሰራዊትን ሰረገላን ዘይሕይለካ ኢኻ እሞ፡ ኣባኻ ንውከል ኣሎና ኢሉ ስም እግዚኣብሔር ኣምላኹ ምስ ጸውዔ፡ ኣብ ክንዲ ብዝሒ ሰራዊቱን ሓይሉን ዝጽብጽብ ትእምርቲ እግዚኣብሔር ጸብጸበ። እግዚኣብሔር ከኣ ኣብቲ ቅድሚ ማእለያ ዘይብሉ ጭፍራ ወተሃደር ግብጺ ሞጐስን ዓውትን ሃቦ። ንግብጻውያን ከኣ ፈጺሙ ሰዓሮም።

5ይ፡- ኣብ ኣሳውን ውድቀት ተረኽበ። ኣዛርያ እቲ ነብዩ በቲ ዝጀመሮ ክቅጽል የተባብዖ ስለ ዝነበረ ብዙሓት ንግዝኣት ናይ ኣሳ ፈተዉዎ። ካብታ ደቡባዊት መንግሥቲ ተተንጭሎም ከኣ ኣብ ትሕቲኡ ኣተዉ እሞ፡ እታ ዶቡባዊት መንግሥቲ ኣንጻሩ ተላዕረት። ወዮ ንእግዚኣብሔር ዝኣምን ዝነበረ ኣሳ ግን፡ ናብ እግዚኣብሔር ምጽጋዕ ሓዲጉ፡ ካብ ንጉሥ ሶርያ ሓገዝ ለመነ። ካብ ምስቲ ካብ ኢድ ዜራሕ ዘናገፎ ኣምላኹ ምምኻርሲ፡ ምስ ሰብ ምምኻር ጀመረ።

ሰብ ኹሉ ደግነቱን ሰናይ ኣምልኾኡን ካብ ወለድኡ ኣይወርሶን እዩ። ከምኡውን ኹሉ ግዜ ምምሕያሽን ከምኡውን ቅዱስ ምንቕቓሕን ክመጽእ ከሎ ዝጻረሩ ሰባት ይትንስኡ እዮም። ክፉእ ግዜታት ከይመጸ ከሎ፡ ንኽፉእ ግዜታት ብጥበብ ምድላው ከኣ እቲ ዝዓበየ ጥቅሚ ይህብ።

መዛዘሚ ትሕትናን ትዕቢትን ንጉሥ ኣሳ።

ጠባይ ንጉሥ ኣሳ ከነመስግኖ ይግብኣና። ነቶም ብእግዚኣብሔር ተላኢኾም ዝመጽዎ ዝነበሩ ነብያት ጽን ኢሉ ይሰምዕን ነቲ ካብ እግዚኣብሔር ተቐቢሎም ዝህብዎ ዝነበሩ ምኽርታትን ተግሳጽን ከኣ የስተውዕለሉ ስለ ዝነበረ።

ኣብ ሃገር እንግሊዝ ሓደ መስፍን ስለ ዝሓመመ ኣብ መዕቄብ ሕሙማት ከሎ፡ እቲ ሓኪም ብጥዑም ቃላት ጌሩ፡ ነቲ ዕቤቱን ነቲ እግዚኣብሔር ዝሃቦ ሕማምን እናጠቐሰ፡ እግዚኣብሔር ምእንቲ እቲ ዘሎዎን ምእንቲ እቲ ሰባት ዝግምትዎን ከሕውዮን ከድሕኖም ከም ዝዀነ ከጸናንዖ ፈተነ። እቲ መስፍን ግና፡ ኣይፋልካን ከምኡ ኣይትበል፡ ኣነ ክሓውን ክድሕንን እንተድኣ ኰይነ፡ ከም ኣገዳሲ ሰብ ወይ መስፍን ዘይኰንስ ከም ሓደ ሓጢኣተኛ ሰብ እየ ዝሓውን ዝድሕንን በሎ ይብሃል።

ኣብ ኩሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸአ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ” (ምሳሌ 36)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div