S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3
"ንኹሉ ጊዜ ኣለዎከምዝበሃል ኣምላኽ ዕድመን ጥዕናን እንተ ሂቡካ ኩሉ ትበጽሖ ኢኻ። ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ምስቲ ዘጋጥማ ኩሉ ተጻብኦታት፥ ኣብ ከባቢኣ ብእምነት መኪታ እያ። ኣቦታትና ዳርጋ ንኽልተ ሽሕ ዓመት መስዋእቲ እናኸፈሉ፥ እምነት ክርስትና ብደሞም ፈሪሞም ኣጽኒሖምልና እዮም። ከምዚ ሕጂጓህሪ ሓሙኽሽቲ ወለደከይኮነ፥ ዘይኣማኒ ኣእሚኖም ናብ ቤት ኣምላኽ ዘቕርቡ ኣቦታት እዮም ነይሮም።

ኣብዚ ዘመን ንኹላትና ዘሰምብድን ዘሕፍርን ተርእዮታት ተቐላቒሉ ኣሎ። እዚ ድማ እታ ቀደም ንኣርዮስ ሠለስተ ጊዜ ናይ ምምላስን ንስሓን ዕድል ዝሃበት ቤተ ክርስቲያን ምርስዓ እዩ። ተለሚኑ ኣይምለስን ኣይኣምንን ዝበለ ኣርዮስ ብውግዘት ከም ዝፈለየቶ ታሪኽ መዝጊብዎ ዝርከብ ሓቂ እዩ።

ተግባር ናይዚ ዘመንዚ ወለዶ ግን ኣንጻር ተግባር ኣቦታቱ እዩ። ይትረፍ ናይ ንስሓን ምምላስን ዕድል ክህብ፥ ኣነ ኣብ እምነተይ ኣሎኹ ዝፈጸምክዎ ጌጋ የለን ንዝበለ ኦርቶዶክሳዊ፥ ዱላ ሒዞም ዓስክር ኢሎም ካብ ኣፍደገ ዘባርርዎ ዘለዉ ህዝቢ ቆጺርካ ኣይውዳእን። ንኣብነት ኣብተን ብምምሕዳር ኣቶ ዮፍታሄ ዝምርሓ ኣብያተ ክርስቲያናት፥ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ወረቐት ውግዘት ልክዕ ከም ቅዱስ ጽሑፍ ከንብባ ምስማአ ልሙድ ኮይኑ ንኣማኒ ዘሸቑርር ኩነት ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ ወለዶ እዚ ንካልኦት ወንጌል ሰቢኽኻ ምምጻእ እሞ ከም ነውሪ እዩ ዝውሰድ።

ናብ ኣርእስተይ ክምለስ፥ ኣብዚ ኣማኒ ርእሱ ኣድኒኑ ዝኸደሉ: ጥዑም ቃል ብስራትን ዕርቅን ምስማዕ ዝተሓረመሉ እዋን፥ ኣብ ሲንሲናቲ ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን ግን ሓደ ኣዝዩ ተስፋ ዚህብ ነገር ክንርኢ ጀሚርና ኣሎና።

ካህን ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ሥላሴ ሲንሲናቲ: ቀሲስ (ፕሮፌሶር) ኣትናቴዎስ ገብረኣብ እዮም ዝበሃሉ። ዕድመ ክህነት ቀሲስ ኣትናቴዎስ ብግዜ ክዕቀን ኰሎ ሓጺር ግዜ እዩ። እዞም ካህን ግን ብዙሓት ቅድሜኦም ዝጸንሑ ካህናት ክገብርዎ ዘይከኣሉ ገለስውን ዘይሓስብዎ ክበሃል ዝከኣል፥ ክገብሩ ይርኣዩ ኣለዉ። እዚ ድማ ንብዙሓት ዘይኣመንቲ ደቂ ካልእ ዓሌት ከይተረፈ እናመሃሩን እናጥመቑን ናብ እምነት ኦርቶዶክስ ይመልስዎም ኣለዉ።

እቲ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ንኩሉ ሰሓቢ ዝገብሮ ምኽንያት ድማ ኩሉ ዓሌት ብዝርድኦ ቋንቋ እንግሊዝኛን ግእዝን ብምዃኑ እዩ።

እቲ ኣዝዩ ክቡር ኣገልግሎት ዝገብሮ ድማ፥ እዚ ኣብ ኣፉ ከም ተመን መርዚ ዓቒሩ ጸርፍን ጸለመን፥ (መናፍቕ ተሓድሶ፥ ወዘተ) እናበለ፥ ኣፍ ቤተ ክርስቲያን ከፊቶም ኣዴና ኢሎም ዝኣተዉ መንእሰያት፥ ኣፍ ቤተ ክርስቲያን ከፊቱ ዘባረሮም፥ ሃጽ ኢሎም ዝጠፍኡ፥ መእሰያትውን ኣብ ምምላሶምን ምንዳዮምን እዞም ካህን ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕርን፥ ዝመለስዎም መንእሰያትን ብቐሊል ቁጽሪ ዝግመቱ ኣይኮኑን። ከመይሲ እታ ንመንእሰያትና ዝጸረፈት ልሳንን ዝሰጎገት በትርን ካብ ማንም ንላዕሊ ንሶም ዝፈልጥዋን ዝጠዓምዋን ስለ ዝኾኑ። ዝሰሓተ ይምከርካ እዩ ነገሩ። ስለዚ ድማ እዮም ቃንዛ መእሰያትናን፥ ብቐሊሉ ሰሊቡ ከጋግዮም ዝኽእል ጋሊሆም ስለ ዝፈልጡ፥ ኣቦ ኮይኖም ዝሕብሕቡ።

እዞም ካህን ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ከነጠምቕ ደሊናሲ መጠመቒ ስኢንና ኢሎም ተወኪሶሙኒ። ብውሽጠይ ናይ ፍርድን ንዕቀትን ሓሳብ እዩ መጺኡኒ። ሓዲሽ ኮይኖም እምበር፥ ኣብ ዝኾነ ቦታዶ ንእሽቶ ሸሓኒ ስኢኖም እዮም ዚብል እዩ። ከመይሲ ኣብ ሓንጎለይን ሓንጎል ብዙሓትን ዘሎ፥ ህፃን ወዲ ኣርብዓን ሰማንያን መዓልቲ ጥራይ ዝጥመቐ እምበር ዓበይቲ ምጥማቕ፥ ንኣና ዝምልከት ኮይኑ ስለ ዘይተሰምዓኒ። ሓሳብ እዞም ካህን ግን ካብቲ ኣነ ዝሓስቦ ንላዕሊ እዩ።ኣብ ጉድጓድ ዝኣተወት እንቁርዖብ ናሕሳ ሰማያከምዝበሃል ንሳ እያ እታ ዓቕመይ። እዞም ካህን ዝሓስብዎ ናይ ምሕሳብ ንዓይ ሓዲሽ እዩ። ዝደልይዎ ዘለዉ ባስካ፥ ህፃናት ዘይኮነስ ዓበይቲ ሰባት ዝጥመቑሉ እዩ። እስከ ኩላትና በብቤተ ክርስቲያንና እሞ ኣስተውዕል ኣቢልና ንጠምት፥ ዓቢይ ባስካ ዝብልሲ ሓሲብና ንፈልጥ፥ ኩሉ ኣብያተ ክርስቲያንና ዘሎናዮን ዝሓለፍናዮን እሞ ንዘክር።

ነቶም ምስ ምስልምናን ካልእ ክሕደታትን ተቓሊሶም፥ ጥራይ ዘይኮነስ፥ ካብ ክሕደት እናመለሱ ዘጥመቑ ኣቦታትና ዝረሳዕናዮም ኢና ንመስል። መጽሓፍ ቄደር እኮ፥ ኣብ ናትና ቤተ ክርስቲያን ጥራይ እዩ ዘሎ። ከመይሲ ነቶም ብሓይሊ ብረትን ተረፈ መረፍ መስዋዕቲን ስንክልናን ስቓይን ኮይኖም ሃይማኖት ዝለወጡ ሰባት፥ ሰቢኾምን ጽዒሮምን ናብ እምነቶም ብብዝሒ ምስ መለስዎም፥ ዝተገብረ መጽሓፍ ቄደር ኣብ ኣግኣዚት ጥራይ ዝተገብረ እዩ። እዚ ድማ ብኣገልግሎት ወንጌል ኣቦታትና ክንደይ ብሱላትን ንፉዓትን ምንባሮም እዩ ዘረድኣና።

እዚ ኣደናቒ ምምላስ ናብ ሓቀኛ እምነት ክርስቶስ ድማ ሎሚ ኣብ ሲንሲናቲ ኦሃዮ ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን ተጀሚሩ ኣሎ። ሰንበት መጸ ድማ፥ ካብ ካልእ እምነት ዝመጸ/ ኃውና/ኃውትና፥ ትምህርቶም ወዲኦም ይጥመቑ ኣለዉ ዝብል ሓዋርያዊ ቃል ብስራት ይስማዕ ኣሎ። ኣምላኽ ኣገልግሎት እዞም ሓዋርያዊ ኣቦ ክባርኽ ድማ ጸሎት ኩላትና የድልዮም።

ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ሥላሴ ሲንሲናቲ ድማ፥ ዓቢይ ደገሰላም ዘይኮነስ ዓቢይ ባስካ እዩ ዘድልዮም እሞ፥ በርትዑ ንብሎም።

ረሓቦት (ዘፍ. 26:22) ካብ ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div