S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሎሚውን እግዚኣብሔር ንዓኻ መዕቆቢኻ፡ ተስፋኻ'ዩ

“ንግዳም ኣውጺኡ ድማ፡ ንሰማይ ጠምት፡ ምቝጻሮም እትኽእል እንተዄንካ፡ ከዋኽብቲ ቁጸር በሎ። ዘርእኻውን ከምኡ ክኸውን እዩ በሎ” (ዘፍ 15፡5)

ዘገርም ነገር ከዋኽብቲ ስለምንታይ ብመዓልቲ ብርሃን ክንርእዮሞ ዘይከኣልና? ኣብቲ ዓብዪ ግብ ዝበለ ጸልማት ኣብኡ ምድማቕ ከዋኽብቲ ክሳብ ክትቆጽሮም ዘይትኽእል ጐሊሖምን ደሚቆምን ይረኣዩኻ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንኣብርሃም ሓደ ተስፋ ሂቡዎ፡ ንሱ ከኣ ዘርኡ ከም ሑጻ ባሕሪ ከም ዘብዝሖም እዩ። ኣብርሃም ግና በቲ ዝርእዮ ዝነበረ ምሟት ማህጸን ሳራ ተስፋኡ ዝሞተ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዖ፡ ንእግዚኣብሔር “ንኣልኣዛር በዓል ደማስቆ ደኣ ባርኸለይ ንሱ ይውረሰኒ በሎ” (ዘፍ 15፡2)። ከምኡውን እግዚኣብሔር ንእስራኤላውያን ዝሃቦ ተስፋ (ዘጸ 2፡23-25) ኔሩ። ዋላ'ኳ ንሳቶም ካብ እግዚኣብሔር እንተ ዓለውን ንኽብሪ እግዚኣብሔር ዝወስድን ንቦትኡ ድማ ዝትክእን ጣኦት እንተ ሰርሑን፡ እግዚኣብሔር ግና እቲ ንዓኣታቶም ዝኣተወሎም ተስፋ ብፍጹም ኣይለወጦን። ስለዚ ሎሚውን ንኣና ተስፋ ኣምላኽ እሙን'ዩ፡ “እቲ ዝጽውዓኩም ዘሎ እሙን እዩ፡ ንሱውን ክገብሮ'ዩ።” (1 ተሰ 5፡24)። እቲ ተስፋ ኣምላኽ ጌና ኣሎ ነገራትና፡ ኵነታትና ብዘየገድስ ሎሚ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ዝሃበና ተስፋ ካብ ምፍጻሙ ኣይዓርፍን እዩ። ከምቲ ኣብ መዝ 90፡1-2 “ኣምላኽ ካብ ወለዶ ንወለዶ መዕቆቢ ኮንካና... “ ዝብል፡ ሎሚውን እግዚኣብሔር ንኣኻ መዕቆቢኻ፡ ተስፋኻ'ዩ። እግዚኣብሔር ብፍጹም ኣይርስዕን እዩ። ኣብርሃም ምስ ሞተ ንቤት ያእቆብ ኣይገደፎምን። ስለዚ ኣብቲ ተስፋ ኣምላኽ ዘይብሉ ዝመስል ኵነታት ኣብቲ ግብ ዝበለ ጸልማት ምድማቅ ከዋኽብቲ ከም ምቝጻርኻ እዩ እሞ፡ ብጊዜን ኵነታትን ተደሪኽና እቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎና ተስፋ ካብ ልብና ከይውሰድ ክንጥንቀቕ ይግባእ።(መዝ 71፡14፣ እብ 3፡6፣ እብ 6፡11-12፣ እብ 10፡23)

ኣስተንት

1. ኣብቲ ድቕድቕ ጸልማት ምድማቕ ከዋኽብቲ ጐሊሑ ይርኣየካ'ዶ?

2. ብዘይ እቲ ንብርሃን ዝፈጠረ ኣምላኽ፡ ንመብርሂ ጸልማተይ ኢለ ዝሕዞ ነገር'ከ ኣለኒዶ?

3. ተስፋ ኣምላኽ ኣብ ዘመናት ኵሉ ንዝጽበዩ መወዳእትኡ እንታይ እዩ?

ኵሉ ጊዜ ንኸኣልነት ኣምላኽ ከነስተውዕልን ክንውከሎን ኣምላኽ ጸጋ ከብዝሓልና ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መካነ-ህይወት 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div