S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ሰማያዊ ኣቦ ንደቁ እቲ ሰናይ ጥራይ እዩ ዝህቦም

“ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዝወርድ።” (ያዕ 1፡17)

ሓደ ሓደ ጊዜ ወለዲ ኮነ ቀረባ ቤተሰቦም ወይ ፈተውቶም ንደቆም ጽቡቕን ኣገዳስን ዘይኮነ ህያብ እሞ ዳሕራይ ዝጐድኦም ምስ ዝህብዎም ይሓዝኑ እዮም። እዚ ጽቡቕ ተበግሶ ካብ ጽቡቕ ድሌት ዝነቕል ሕማቕ ህያብ እዩ። ግናኸ ናብቲ ኣቦ ብርሃናት ዝኾነ ጐይታ ንኣና ደቑ ዝህበና ህያብ ምስ እንመጽእ ሰናይን ምሉእን እዩ። ካብ ኣምላኽ እንቕበሎም ዝኾነ ነገራት ንዕቤትናን፡ ንመንፈሳዊ ብጽሕናናን፡ ሰናይን ምሉኣትን እዮም። እቲ ካብቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝመጸና ህያብ ንኣና ኣሉታዊ ጽልዋ ከምጽኣልና እዩ ኢልና ክንሓስብ የብልናን። ካብቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝመጽእ ህያብ እንተኾይኑ ኵሉ ጊዜ ንጥቕምና እዩ። ሓደ ሓደ ጊዜ ንኣና ሰናይን ምሉኣትን ኮይኖም ዝስምዑና ነገራት ግናኸ ክህልውና ዘይግባእ ኣምላኽ መታን ክህበና ንልምኖ ኢና። ግናኸ መለኮታዊ ኣቦና ኣርሒቁ ነዊሕ ዝጥምትን ንኣና ዝጠቕመና ነገራት ስለ ዝርእን ንኣና ድማ ስለ ዝሓልየልናን ዝግደሰልናን ኵሉ ጊዜ ነቲ እንደልዮን እንምነዮን ኣይህበናን እዩ። እዚ ድማ ህይወት ነፍሲ ወከፍና እትምስክሮ ሓቂ እዩ። እወ ጊዜ ባዕሉ “ኣቦ ዝበለጸ ነገር ከምዝፈልጥ” እንደገና እቲ እንኮ ሰማያዊ ኣቦና ንደቁ እቲ ሰናይ ጥራይ ዝህቦም ምዃኑ ክምልሰልና እዩ።(ዮሃ 3፡27፣ ዘሁ 23፡19፣ ምሳ 3፡6)

ኣስተንትን

1. እንታይ ህያባት እዩ ሰማያዊ ኣቦና ክህበና ዘይደሊ?

2. ኵሉ እትደልዮ ነገራት ኣምላኽ ዝህበካ እንተ ዝኸውን ከመይ ምኾነ ኔሩ?

ኣምላኽ፡ ንሕና ከምንደልዮ ዘይኮነስ ንሱ ከምዝደልዮ ጌሩ ክህበናን ክባርኸናን ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መካነ-ህይወት 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div