S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብእምነት ምንባር ከለማምደና

“ኣብርሃም ናብቲ ንርስቲ ኪቕበሎ እተአመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዐ፡ ብእምነት ተኣዘዘ፡ ናበይ ከም ዝኸይድ ከይፈለጠውን ወጸ።” (እብ 11፡8)

ነፍሲ ወከፍና ናይ ፍጻሜታት ናይ መወዳእታ ነገሩ ኣብ መጀመርያ ክንፈልጦ ኢና እንደሊ። ዝኾነ ፊልም ክንርኢ ወይ ምስጢራዊ ዝኾነ መጽሓፍ ከነንብብ ከሎና ኣብ መወዳእታ እንታይ ከም ዝተፈጸመን መን ከም ዝፈጸሞን ክንፈልጥ ናብ መወዳእታ ክንነጥር ወይ ክንዘልል ንፍትን ኢና። ኣብርሃም ከም ካልእ መዓልቲ ናብ ኡር እናኸደ ሃንደበት ናይ ጐይታ ጻውዒት ኣብ ህይወቱ ተሰሚዕዎ። ኣብርሃም ኣብ ኡር ዝፈልጦ ዘበለ ኵሉ ገዲፉ ናብቲ ዘይፈልጦ ምድሪ ጕዕዝኡ ጀሚሩ። ንድምጺ ኣምላኽ ብምእዛዝ ናብቲ ናበይ ከም ዝኸይድ ዘይፈልጦ ቦታ እናሓሰበ ንቤቱ ኸደ። ንምንታይ ድኣ ይኸውን ጐይታ ንጻውዒቱ ምስጢር ጌርዎ? ንምንታይ እዩ ንኣብርሃም ብዛዕባ እታ ናይ ተስፋ ምድሪ ኣቐዲሙ ምሉእ ሓበሬታ ሂቡ ዘየውጽኦ? 

ከም ኵሉ ጊዜ ብድሕሪ ጻውዒት ኣምላኽ ትርጕም ኣሎ። ዕላማ እዚ ምስጢር ድማ እምነት እዩ ዘፍሪ። ኣብርሃም ኣብ መጀመርያ ኮይኑ ነቲ መወዳእታ ነገር እንተ ዝፈልጥ ኔሩ ንኣምላኽ ንኽኣምን ኣይመድለዮን ኔሩ። ዘይምፍላጡ ግና ኣብ ጐይታ ክጸንዕ ጌርዎ። ኣብርሃምን ቤተሰቡን እንታይ ከም ዘጓንፎም፡ እንታይ ከም ዝብልን ኣበይ ከም ዝነብሩን ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዝፈልጥ ዝነበረ። ኣብርሃም ንዅሉ ኣብ ኢድ ኣምላኽ ብምግባሩ እምነቱ ክትዓቢ ክኢላ። እምበኣር ጻውዒትና ገለ ምስጢር ክህልዎ የድሊ እዩ። ከምኡ እንተ ዘይኮነ ግና እምነት ኣይክህሉን እዮ'ሞ። ኣምላኽ ንጹር ሓበሬታ ከይሃበ ክጽውዓና ከሎ፡ ተስፋ ከቝርጸና ኢሉ ዘይኮነስ ንእኡ መታን ክንኣምኖን ብእምነት ምንባር ከለማምደናን ኢሉ እዩ።(እብ 11፡1-31)

ኣስተንትን

1. ስለምንታይ እዩ ኣምላኽ ክጽውዓና ከሎ ገለ ክፋሉ ምስጢር ዝገብሮ?

2. መኣስ ኮን ኵሉ ዘይምፍላጥካ ኣብ ኣምላኽ ዓብዪ እምነት ንኽህልወካ ሓጊዙካ ይፈልጥ?

3. ኣብ ህይወትካ ምስ ጻውዒት ኣምላኽ ዝተታሓሓዘ ገለ ምስጢር ዝኾነ ኣጋጢምካ'ዶ ይኸውን?

ጐይታ፡ ነቲ ዘይርአ ሰማያዊ ተስፋኡ ብእምነት እናረኣና እናተጸቤናን ክንነብር ከኽእለና ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።

መህ 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div