“ክቡር ሰብ ግና ክቡር ሓሳብ ይሓስብ፡ ኣብ ክቡር ነገር ከኣ ይጸንዕ” (ኢሳ 32፡8)
እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ልዕሊ እቲ ብደጋዊ ነገርና እንገብሮ ግብሪ፡ እቲ ብውሽጥና እንሓሰቦ ወይ እቲ እንሕልኖ ነገር ኣዝዩ ከም ዘገድሶ ቃል እግዚኣብሄር ጽቡቕ ገይሩ ይዛረበና (1 ሳሙ 16፡7)። ሰብ ነቲ ዝሓስቦ እዩ ዝመስል። ኪኖ እቲ እንሓስቦ ነገር ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና። ብዙሕ ጊዜ ነቲ እንዛረቦ ቃል፡ እነገልግሎ ኣገልግሎት፡ እንውፍዮ ጊዜ ክንሕሉ ኢና እንጥንቀቕ። ልዕሊ ኵሉ ክሕሎን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናቐረብኻ ኪምርመርን ክፍተሽን ዘለዎ ግን ሓሳብና እዩ። እቲ ብሓሳብና እንፍጽሞ ሓጢኣት ዘየሰክፈናን ብሸለልታ እንሓልፎን እንተ ድኣ ኴንና መልክዕ ናይቲ እነስተንትኖ ሓጢኣት ወሲድና ከም ዘሎና ክንዝንግዕ ኣይግብኣናን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክቡራት ወይሕሱራት ዘብለና እቲ ኣብ ውሽጥና እነሰላስሎን እንሓስቦን ሓሳብ እዩ። ክቡር ዝመስል ኣገልግሎት ወይ ናብራ ዝሓዝና እናመሰለና ንእግዚኣብሄር ብክቡር ሓሳብ እንተ ዘየገልገልና ኣገልግሎትና ኣገልግሎት ቃየል ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ዘስልጦ የብሉን። (ፊሊ 4፡7-8፣ ሮሜ 12፡16-17)
ኣስተንትን
1. ንስኻ ንሓሳብካ ኢኻ ትመስል ክበሃል ከሎ ከመይ እዩ፧
2. ኣእምሮና ዝበዝሕ ጊዜ እንታይ ዝዓይነቱ ሓሳባት እዩ ዘአንግድ፧
ሓሳባት ልብናን ቃላት ኣፈናን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብሁግ ክኸውን ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።
ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ