“ንሳቶም ከኣ ተሓሪድካስ ብደምካ ካብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዝኾኑ ሰባት ዓዲግካሉ ኢኻ” (ራእ 5፡9)
ኣምላኽ ንሰብ ክፈጥሮ ከሎ ምስኡ ሕብረት ከም ዝህልዎ ገይሩ እዩ ፈጢርዎ። ግናኸ ብምኽንያት ዘይምእዛዝ ናይ ኣዳም፡ ሰብ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ሕብረት ሰኣኖ። ስለዚ ከኣ፡ ድሕሪ ውድቀት፡ ደቂ እስራኤል ምስ እግዚኣብሄር ክዕረቑን ንሓጢኣቶም ስርየት ክረኽቡን ምእንቲ ደም እንስሳታት የድልዮም ነበረ። ነዚ ድማ ቀጻሊ ክገብርዎ ነበሮም። ሰብ ካብ ኣምላኽ ዓልዩ ክነብር ፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዘይነበረ ግና እግዚኣብሄር ኣቦ ነቲ ዘፍቅሮ ሓደ ወዱ ናብዚ ምድሪ ብምልኣኽ ሓጢኣትና ንምድምሳስ ህያው መስዋእቲ ክኸውን በጃ ሃቦ። እዚ ዝኾነሉ ድማ ስርየት ሓጢኣት ብዘይ ምፍሳስ ደም ስለ ዘይከውን እዩ (እብ 9፡22)። በቲ ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስ ድማ፡ ኵሎም ደቂ ኣዳም ንምድሓኖም ዝኸውን ሕድገት ሓጢኣት ክረኽቡ ኣፍደገ ተኸፍተሎም። እዚ ኣበርን ርኽሰትን ዘይብሉ ደም ንዘለኣለም እንኮ ምድሓን ዘውህብ ህያው ኮይኑ ጸኒዑ ዝነብር እዩ። (እብ 9፡14፣ 1ዮሃ 1፡7፣ እብ7፡26-27)
ኣስተንትን
1. እቲ እተገብረልካ ውዕለት፡ ንሰባት ትነግር'ዶ ፧
2. ናብ እግዚኣብሄር ኣቦ ንምቕራብን ንምትዕራቕን ደም ኢየሱስ ማዕረ ክንደይ ተራ ኣለዎ፧
ጸሎት፡- ስለቲ ንምድሓንና እተዋህበ ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣምላኽ ነመስግን።
ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ