“ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስአን እምበር ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ኵላቶም ሞተ” (2ቈረ 5፡15)
እግዚኣብሄር ብምሕረቱ ኣብ ቀራንዮ ምሳና ዝኣተዎ ኪዳን፡ ነቲ ዘፍቅሮ ሓደ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ክመውት፡ ንሕና ድማ ኣብ ክንድኡ ብጽድቂ ክንነብር እዩ። “ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤት መቕደስ ናይቲ ኣባኹም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹም’ውን ከም ዘይኰንኩም’ዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ” ተባሂሉ ከም እተጻሕፈ እግዚኣብሄር ዋጋ ከፊሉ ዓዲጉና እዩ እሞ፡ ከም ድላዩ ገይሩ ክጥቀመልና ይኽእል እዩ (1ቈረ 6፡19-20)።
እዚ ክንብል ከሎና ግን እግዚኣብሄር ስጋዊ ድሌትናን ዓቕምናን ኣጸቢቝ ስለ ዝርዳእ ይሓልየልናን ይሓስበልናን ይፍጽመልናን እዩ። ስለዚ ክርስትና ዕረፍቲ እምበር ጾር ኣይኮነን። ንሓንቲ ክትጥቀመላን ጽቡቕ ከትግልገለላን ኢልካ ዋጋ ከፊልካ ዘጥረኻያ መኪና፡ ዘድልያ ነዳድን መቀያየሪ ኣቍሑትን ትቕርበላ፡ ንኸይትበላሾ ትጥንቀቐላ፡ ምስ ትበላሾ ትጽግና፡ በቲ ዓቕማ ክትሓልፎን ክትከዶን እትኽእል መገዲ ጥራይ ከኣ ትመርሓ። እግዚኣብሄር ድማ ልዕሊ እዚ እተባህለ፡ መዓልታዊ ብመንፈሱ እናመርሐ፡ በቲ ዝሃበና ጸጋ መጠን ዘድልየና እናሃበ ክመርሓናን ክጥቀመልናን እዩ ዝደሊ። ስለዚ፡ እግዚኣብሄር ከም ፍቓዱ ብዓቐብን ቍልቍልን እናመርሐ ናብቲ መፈጸምታ ዘለኣለማዊ ቦታ ከም ዘብጽሓና ኣሚንና ኣብ ኵሉ ጕዕዞ ህይወትና ብእምነት ንመላለስ። (ሮሜ 14፡7-8፣ 1ቈረ 6፡19-20፣ 1ጴጥ 4፡1-2)
ኣስተንትን
1. እስከ ሓንሳብ ሕሰብ፡ ንመን ኢልካ ትነብር ኣሎኻ፧
2. ክርስቶስ ኣብ ቦታኻ እንተ ዝኣቱ ነቲ ሕጂ ዘጋጥመካ ዘሎ ኵነታት እንታይ ግብረ መልሲ ምሃበሉ ይመስለካ፧
3. ኣእምሮኻ ብሓሳባትን ድሌትን ናይ ገዛእ ርእስኻ’ዶ ወይስ ብናይ ኣምላኽ ሓሳባት መሊኡ ኣሎ፧
ጐይታ ኣብ ክንዳና ስለ ዝሞተ ምምስጋን፡ ዝተረፈ ዘመን ህይወትና ከኣ ንዕኡ ንምንባርን ፍቓዱ ንምግልጋልን ክጥቀመሉ ኣምላኽ ክረድኣና ናብ እግዚኣብሔር ንጸሊ።
ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ።
መህ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ