ሰንበት 20 የካቲት 2022 ዝካየድ ጸሎተ ፍትሓት (2ይ ቀብሪ) ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ዘተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ: ካብ ሰዓት 7:00 - 11:30 ቅድሚ ቀትሪ ብምብራቓዊ ዞባ ኣሜርካ) በዚ ኣገባብዚ ክትከታተሉ ብኣኽብሮት ንሕብር።
ዕድመ ጸሎተ ፍትሓት (2ይ ቀብሪ) 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ
ዝርዝር ትሕዝቶ መደብ ጸሎተ ፍትሓት (2ይ ቀብሪ) 3ይ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ
ታሪኽ ሕይወት ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ዘኤርትራ።
"ዝኽሪ ኣቡነ እንጦንዮስ" "ሥርዓተ ማኅሌት" ካብ ደብረ ሰላም መድኃኔ ዓለም ዋሺንግቶን ዲሲ" የካቲት ፲፬, ፳፻፩፬
ስርዓተ ቅዳሴ ዝኽሪ-ሰማዕት ቅዱስ እንጦንዮስ ካብ ደብረ ሰላም መድኃኔ ዓለም ዋሺንግቶን ዲሲ የካቲት ፲፫, ፳፻፲፬፣ Feb 20,2022
እዚ ኣብ ኣርእስቲ ተገሊጹ ዝርከብ ዘሎ ቃል፣ ነቶም ኣብ ምጉሳይ ከብቲ ዝሓደሩ፣ ጓሶት ቤተ-ልሔም ዝተነግረ ናይ ብሥራት ቃል`ዩ። ከመይሲ ንሳቶም እቶም ጓሶት፣ ምድሪ ደሓን ኣሎ ኢሎም ደቂሶም ኣብ ዝነበሩሉ ከውታ ለይቲ። ክብሪ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያኦም በርሀ፣ በቲ ኩነት ከኣ ኣዚዮም ፈርሁ። መልኣከ-እግዚኣብሔር ብሃንደበት ናብኣቶም መጺኡ ከኣ “-እንሆ ንኹሉ ሕዝቢ ዝኸውን፣ ዓቢይ ሓጎስ አበሥረኩም ኣሎኹ`ሞ ኣይትፍርሁ። ምኽንያቱ ድማ ሎሚ መድኃኒ-ክርስቶስ ጎይታ ተወሊዱልኩም ኣሎ-” ተባሂሉ`ዩ ዝተነግሮም። እቶም ጓሶት ግና ዝፈልጡዎ ነገር ኣይነበሮምን። ስለዚ ድማ በቲ እቲ መልኣኽ ዝበሎም ተሓቢሮም፣ ንቤተ-ልሔም ኣቢሎም ኣቕኒዖም`ዮም ዝኸዱ። (ሉቃ-2/6)
በስመ ኣብ ወወልድ፥ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ፡ ኣሜን።
ናብ ኵሎም ኦርቶዶክሳውያን ኣመንትን ምሉእ ህዝቢ ኤርትራን ኣብ ውሽጥን ወጻእን!
ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ 3ይ ፓትርያርክ ሃገረ-ኤርትራ፥ ዝኾነ ሕክምና ኣይደልን እንዳበሉ፥ ብዘይ ፍቓዶም፥ ብልኡኻት መንግሥቲ ተገዲዶም፥ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሮም መድሃኒት ክወሃቦምን መርፍእ ክውግእዎምን ከም ዝጸንሑ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።
“-ዘእምንእሱ ሕይወቱ፣ ውስተ ቤተ-እግዚኣብሔር-” ብምባል ዝግለጹ፣ ንመንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝተጸውዑ ዕድለኛታት ሰባት ኣለዉ። ሓደ ካብዚኣቶም ድማ፣ እዞም ሕጂ ብሞት ተፈልዮሙና፣ መንገዲ ሰማይ ኣቕኒዖም ዝኸዱ ዘለዉ፣ ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ገብረ እዮም ክንብል ዘኽእለና፣ እኹል ምኽንያት ኣሎ። ሊቀ-ኅሩያን ኣብ ቤተ-ክርስቲያን`ዮም ተወሊዶም፣ ኣብኣ`ውን ዓብዮም ከበሃል ይከኣል። ስለ`ዚ ከኣ ኢና “-ዘእምንእሱ ሕይወቱ ውስተ ቤተ-እግዚኣብሔር-” ብምባል ክንገልጾም ዝደለና።
The Eritrean Orthodox priests’ annual meeting in North America was held on February 7-9, 2019, at St. Mary and St. Demiana Coptic Convent in Georgia, USA. Clergy members from Canada and the United States attended the meeting.
ገለ ካብ ትሕዝቶታት ዓመታዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ 2019
መበል 21 መንፈሳዊ ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ብሰላም ተዛዚሙ
መበል 21 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ኣብ ከተማ ኣትላንታ ጅዮርጅያ ኣብ ቤተ ክርስቲያን መድሃኔ ዓለም ይካየድ እዩ። ጉባኤ፥ July 25 - 28 ሓምለ 2019 ክካየድ እዩ። ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ናይ ስራሕ ዕረፍትኹምን ናይ መገሻ መደባትኩምን ኣብዚ ጉባኤ'ዚ ከተሕልፍዎ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኣኽብሮት ንዕድም።
መሪሕ ጥቕሲ - Theme Verse:-
"ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሃሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።” ማቴ 5፡9።
Day 37 (6th Tuesday of the Holy Great Fast)
“Therefore, putting away lying, ‘Let each one of you speak truth with his neighbour,’ for we are members of one another.” (Eph 4:25)
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ