S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እንሆ ንኹሉ ሕዝቢ ዝኸውን ዓቢይ ሓጎስ አበስረኩም ኣሎኹ !!

እዚ ኣብ ኣርእስቲ ተገሊጹ ዝርከብ ዘሎ ቃል፣ ነቶም ኣብ ምጉሳይ ከብቲ ዝሓደሩ፣ ጓሶት ቤተ-ልሔም ዝተነግረ ናይ ብሥራት ቃል`ዩ። ከመይሲ ንሳቶም እቶም ጓሶት፣ ምድሪ ደሓን ኣሎ ኢሎም ደቂሶም ኣብ ዝነበሩሉ ከውታ ለይቲ። ክብሪ እግዚኣብሔር ኣብ ዙርያኦም በርሀ፣ በቲ ኩነት ከኣ ኣዚዮም ፈርሁ። መልኣከ-እግዚኣብሔር ብሃንደበት ናብኣቶም መጺኡ ከኣ “-እንሆ ንኹሉ ሕዝቢ ዝኸውን፣ ዓቢይ ሓጎስ አበሥረኩም ኣሎኹ` ኣይትፍርሁ። ምኽንያቱ ድማ ሎሚ መድኃኒ-ክርስቶስ ጎይታ ተወሊዱልኩም ኣሎ-” ተባሂሉ` ዝተነግሮም። እቶም ጓሶት ግና ዝፈልጡዎ ነገር ኣይነበሮምን። ስለዚ ድማ በቲ እቲ መልኣኽ ዝበሎም ተሓቢሮም፣ ንቤተ-ልሔም ኣቢሎም ኣቕኒዖም`ዮም ዝኸዱ። (ሉቃ-2/6)

ኣብኡ ኣብ ቤተ-ልሔም ድማ፣ እቲ ዓለም ከድኅን ዝተወልደ ክርስቶስ፣ ኣብ ደምበ-ማል ደቂሱ ረኸቡዎ። እዚ ልደት` ድማ ከምቲ ኢሳይያስ ኣብ ትንቢቱ “-ሕዝብ ዘይነብር ውስተ ጽልመት ወጽላሎተ ሞት፣ ብርሃን ዓቢይ ሠረቀ ላዕሌሆሙ-” ማለት  “- እቲ ኣብ ጸልማት ዚነብር ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረኣየ። ነቶም ኣብ ጸልማት ምድሪ-ሞት ዚነብሩ ድማ፣ ብርሃን ወጸሎም-” ብምባል ` እቲ ነቢየ-እግዚኣብሔር ዝኾነ ኢሳይያስ ገሊጹዎ ዘሎ።

ከመይሲ ብምኽንያት እቲ ኣብ ገነት ዘጋጠመ፣ ናይ ትእዛዝ ምፍራስ ውድቀት፣ ዓለም ጸልማት ዝወረሳ ኮይና ክትርከብ ግድነት` ነይሩ። ግዳስ እቲ ዝተፈጸመ ሓጢኣት ስሬት ክረክብ፣ እታ ብጸልማት ተዋሒጣ ዝነበረት ዓለም`ውን፣ ብርሃን ክወጸላ ግዚኡ ስለ-ዝኣኸለ፣እቲ መልኣኽ መጺኡ “-እንሆ ንኹሉ ሕዝቢ ዝኸውን ሓጎስ አበሥረኩም ኣሎኹ` ኣይትፍርሁ-” ዝብል ናይ ጥዑም ዜና ብሥራት ` ዘስምዐ። ምኽንያቱ ድማ እቲ ጎይታን መድኅንን ዝኾነ ክርስቶስ ስለ-ዝተወልደ እዩ። እዚ ልደት` ድማ፣ ነታ ኃጢኣታ ከቢዱዋ ኣብ ድቕድቕ-ጸልማት ተሺሚማ ትርከብ ዝነበረት ዓለም፣ እፎይታ ክህብ ዝኽእል ዓቢይ ብሥራት` ነይሩ።

ግዳስ እቲ ጎይታን መድኅንን ዝኾነ ክርስቶስ፣ ኣብ ኣዳራሽ ነገሥታት ኣይተወልደን። እቲ ወንጌላዊ ሉቃስ ከም-ዝብሎ “-በጭርቕቲ ዝተጠቕለለ ሕፃን፣ ኣብ መብልዕ-ማል ደቂሱ ክትረኽቡ ኢኹም-” ብምባል` ገሊጹዎ ዘሎ። ብርግጽ ድማ እቶም ጓሶት፣ በቲ መልኣኽ ብዝተነግሮም ቃል ተሓቢሮም ቤተ-ልሔም ምስ-በጽሑ፣ ኣብ ሓደ ደምበ እንዳ-ሓረስቶት`ዮም፣ ኣብ ሕቚፊ` ወላዲተ-ኣምላኽ ዝኾነት ቅድስቲ ድንግል-ማርያም ዝረኸቡዎ።

እወ እቶም ዘርኢ ኣዳምን ሔዋንን ዝኾኑ ደቂ-ሰብ፣ ብምኽንያት` ኣብ ገነት ዝተፈጸመ ስሕተት፣ ካብ ምሕረትን ጸጋን ኣምላኽ ርሑቓት ኮይኖም ክርከቡ፣ ቅሳነት ክህቦም ዝኽእል ኣይነበረን። ስለዚ ድማ ነዚ ናይ ቤተ-ልሔም ልደት፣ ብዓይኒ ተስፋ ክጽበዩዎ ጸኒሖም`ዮም። ከምቲ እቲ በዓል-ሶርያ ዝኾነ ቅዱስ-ኤፍሬም “-እስመ ሰዐረ ዘትካት ወነሠተ ምክሮ ለጸላዒ። ወሰጠጠ መጽሓፈ ዕዳሆሙ ለኣዳም ወለሔዋን፣ ወረሰዮሙ ኣግኣዝያነ ዘተወልደ ለነ በሃገረ ዳዊት፣ መድኃኒነ ኢየሱስ-ክርስቶስ-” ብምባል` ገሊጹዎ ዘሎ። ስለዚ`ውን ነቲ ኣቐዲሙ ብነቢያት ተነጊሩ ዝነበረ ትንቢት ንምፍጻም፣ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ኣብ ቤተ-ልሔም ክውለድ ከሎ፣ እቲ ብትንቢት ክንገር ዝጸንሐ ተስፋ` ፍጻሜ ረኺቡ።

እቲ ዝተባህለ ቃል ብትርጉም ክርአ ከሎ “-ኩሎም ነፍሳት ደቂ-ሰብ ይተሓጎሱ ደስ`ውን ይበሎም። ንንጉሥ-ክርስቶስ ከኣ ምስ መላእኽቱ ኮይኖም ዓው ኢሎም የመስግኑዎ። ኣብ ሰማያት ንእግዚኣብሔር ምስጋና፣ ንደቂ ሰብ ድማ ኣብ ምድሪ ሰላም ይኹን እናበሉ፣ እቲ ናይ ቀደም መርገምን ምኽሪ ጸላኢ ዲያብሎስን ኣፍሪሱ። ናይ ኣዳምን ሔዋንን መጽሓፍ ዕዳ-ኃጢኣት ቀዲዱ፣  ሓራ ጌሩዎም እዩ። ንሱ ከኣ እቲ ኣብ ሃገር-ዳዊት ዝተወለደልና መድኃኒና ኢየሱስ-ክርስቶስ እዩ-” ብምባል` ቅዱስ-ኤፍሬም ሶርያዊ፣ ነቲ ናይ ልደት ምስጢር ገሊጹዎ ዘሎ።

ኣባ-ሕርያቆስ`ውን ብወገኑ፣ ኣብቲ ናይ መጽሓፈ-ቅዳሴ ድርሰቱ “- ማርያም-! በእንተዝ ናፈቅረኪ ወናዐብየኪ፣ እስመ ወለድኪ ለነ መብልዐ ጽድቅ ዘበኣማን፣ ወስቴ ሕይወት ዘበኣማን-” ብምባል፣ ናይ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ምውላድ፣ ኣብቲ ንድኅነት ጠሚቱ ዝጸንሐ ትጽቢት፣ ዝህልዎ ዓቢይ ትርጉም ብኣንክሮ ክገልጾ ንርኢ። እዚ ድማ ብትርጉም ክርአ ከሎ “- ማርያም-!  ኣማናዊ ዝኾነ ብልዒ ሓቅን፣ ዝስተ ሕይወት ሓቅን ስለ-ዝወለድክልና፣ ምእንት` ነፍቅረክን ነዕብየክን ኣሎና-“  ብምባል` ነቲ ኣብ ቤተ-ልሔም ዝኾነ፣ ናይ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ልደት፣ ብመንፈስ ተመሲጡ ብኣንክሮ ክገልጾ ዝኸኣለ።

እምበኣር እቲ ኣብ ቤተ-ልሔም ክዉን ኮይኑ ዝተራእየ፣ ናይ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ልደት፣ ነታ ሓጢኣታ ከቢዱዋ ኣብ ድቕድቕ-ጸልማት ተዋሒጣ እትርከብ ዝነበረት ዓለም፣ ብቋንቋ ደቂ ሰብ ክግለጽ ዘይክእል፣ ልዕሊ ተኣምር ዝኾነ ዓቢይ ናይ ድኅነት ብሥራት ስለ-ዝነበረ`ዩ፣ “-እንሆ ንኹሉ ሕዝቢ ዝኸውን ዓቢይ ሓጎስ አበሥረኩም ኣሎኹ-”ተባሂሉ ክንገር ዝኸኣለ። ስለዚ`ውን ነቲ ቅድሚ ልደተ-ክርስቶስ ዝነበረ፣ ዘመነ-ጸልማት ተባሂሉ ዝግልጽ ዘመነ-ፍዳ ንምግላጽ`ዩ፣ ቅዱስ-ዳዊት`ውን “-ተፈሣሕነ ወተሓሠይነ በኩሉ መዋዕሊነ። ወተፈሣሕነ ህየንተ መዋዕል ዘኣሕመምከነ። ወህየንተ ዓመት እንተ ርኢናሃ ለእኪት-” ክብል ዝኸኣለ። ማለት “-ኣብ ክንዲ እተን ዝቐጻዕካናን ክፉእ ዝረአናለን ኩለን ዓመታትን፣ ኣሐጒስካናን ደስ ኣቢልካናን ኢኻ-” እዩ ዝብል እቲ ናይ ዳዊት መዝሙር (መዝ-89/90-15)

እምበኣር እቲ ኣብ ቤተ-ልሔም ዝኾነ፣ ናይ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ልደት፣ ብመንጽር እቲ ክንገር ዝጸንሐ ትንቢት ክርአ ከሎ፣ ብምኽንያት` ኣብ ገነት ዝተፈጸመ ምፍራስ ሕግን፣ ንዕኡ ተኸቲሉ ዝመጸ መርገምን ፈጻምን ደምዳምን ኮይኑ፣ ናይ ዘመነ-ምሕረት መጀመርታ-ምዕራፍ` ተባሂሉ` ዝግለጽ። ይኹን እምበር እቲ ንሕጊ-ኣምላኽ፣ እሙን ኮይኑ ክርከብ ዝጽግሞ ባህርያት ደቂ-ሰብ፣ በቲ ዝተዋህቦ ናይ ምሕረት ጸጋ ዓጊቡ፣ ኣመስጋኒ ኮይኑ ስለ-ዘይተረኽበ ግና፣ እቲ ኣብ ዘመነ-ኖህ ዝነበረ ትውልዲ`ውን፣ ብማይ-ኣይኂ ተደምሲሱ ካብ ምጥፋእ ክድኅን ከም-ዘይከኣለ`ዩ፣ መጻሕፍተ-ብሉይ ዝምህሩና። (ዘፍ-7)

ስለዚ ከኣ` እቲ ሕያው ኣምላኽ “-ሰብ ብምፍጣሩ ተጣዕሰ-” ተባሂሉ ተጻሒፉ ዘሎ። ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን`ውን፣ ኣካል` ሕጊ እግዚኣብሔር ብምፍራስ ዝኽሰስን ዝውቀስን ዘሎ፣ ማኅበረ-ሰብ ዓለም ስለ-ዝኾንና፣ ኃጢኣት የብልናን ምስ እግዚኣብሔር ከባእሰና ኣብ ዝኽእል ፈተና`ውን፣ ኣይኣቶናን፣ ክንብል ንኽእል ከም-ዘይኮንና ተደጋጊሙ ክንገረና ጸኒሑ`ዩ።  ንሕና ግና ከምቲ ጎይታና “-እምብልታ ነፋሕናልኩም ኣይሳዕሳዕኩምን፣ ኣልቀስናልኩም ኣይበኸኹምን-” ብምባል ዝጠቕሶም፣ ካብኣቶም እንሓይሽ ኴንና እንርከብ ሕዝቢ ኣይኮናን። (ማቴ-11/17)

ከመይሲ ኣብዚ ዝሓለፈ 30-ዓመት፣ ኣብ ሃገርና ዘይተፈጸመ ግፍዕታት ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን`ዩ። ክብሪ ቤተ-ክርስቲያን ተደፊሩ፣ መቕደስ ቤት-ኣምላኽ`ውን ክርገጽ ጸኒሑ`ዩ። እቲ ፖለቲካ ክገብሮ ብዝጸንሐ ጸቕጢ`ውን፣ እቲ ዶግማን ቀኖናን ቤተ-ክርስቲያን፣ ብቐጻሊ ክጠሓስ ዝተራእየሉ እዋናት ውሑድ ኣይኮነን። ከም ሳዕቤን` ኩሉ` ከኣ`ዮም፣ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ`ውን ንጥቓ 20-ዓመት ዝኣክል ግዜ፣ ኣብ መቚሕ ተታሒዞም ዝርከቡ ዘለዉ። እቲ “-ብፍኖተ-ብርሃን-” ኮነ ከምኡ`ውን “-ብመካነ-ሕይወት-” ዝግበር ዝነበረ፣  ኣብ መንእሰያት ዘተኮረ ወንጌል ማእከል ዝገበረ ኣገልግሎት `ውን፣ ካብ መሠረቱ ተመንቊሱ ከም-ዝጠፍእ ዝተገብረ፣ እቲ ፖለቲካዊ-ስርዓት ነቶም መለካውያን-ጳጳሳት ከም መጋበሪ ብምጥቃም፣ ይገብሮ ብዝነበረ ጸቕጢ ምዃኑ፣ ታሪኽ ዝምስክሮ ግልጺ ዝኾነ ሓቂ`ዩ።

እዚ ኩሉ እናኾነ ከሎ ግና ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን፣ ኣብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ጓይልኦም ኣቲና ደኣ ኢና፣ ክንስዕስዕ ዝጸናሕናን ዘሎናን እምበር፣ ካብዚ ሓሊፉ ክንገር ዝኽእል፣ ብእወንታ ክግለጽ ዝኽእል ዝገበርናዮ ኣድማዒ ዝኾነ ተቓውሞ ኣሎ፣ ዝበሃል ታሪኽ ዘሎና ሕዝቢ ኣይኮናን። ስለዚ`ውን ብትዕዝብቲ ማኅበረ-ሰብ ዓለም፣ እንገርም ሕዝቢ ኴንና ካብ እንርከብ ደጊምሲ ሠለስተ-30ታት ኮይኑና` ዝርከብ ዘሎ። ኣብ ከምዚ ሕጂ ንሕና እንርከቦ ዘሎና፣ ጥቓ ዕርበት ዘሎ መወዳእታ ጫፍ ዝርከብ ሕዝቢ ድማ፣ ብጥዑስ ልቢ ደኣ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ቀሪቡ፣ ምሕረትን ሕድገትን ሓታቲ ኮይኑ ይርከብ እምበር፣ ሕጂ ከም-እንደገና ናብቲ 30-ዓመት መመላእታ ክስዕስዕ ዝጸንሐሉ ጓይላ፣ ተሳታፊ ኮይኑ ክርከብ ብዝኾነ ተኣምር ምርጫ ሕዝብና ክኸውን ኣይምተገብአን።

ይኹን እምበር ብዕድል ቤተ-ክርስቲያን ክጻወት` ምባል፣ ብሓዊ ከም ምጽዋት ዝቑጸር` እንተኾነ፣ እቶም ኣብ ኣሥመራ ዘለዉ መለካውያን ጳጳሳት ግና፣ ሕጂ`ውን እንተኾነ እቲ ብሓዊ ምጽዋት ክቕጽሉዎ`ዮም ዝረኣዩ ዘለዉ። ብዝተረፈ እቲ “-ቀኖና-” ብምፍራስ ክኽየድ ዝድለ ዝነበረ መንገዲ። ጥሒስካዮ ክሕለፍ ዘይከኣል ቀይሕ-መሥመር ምዃኑ፣ ነቲ ብዮፍታሔ ዲሜጥሮስ ተመሪሑ ኣብ 1998 / (2006) ካይሮ ዝበጽሐ ጉጅለ ልኡካን፣ በቶም ናይ መንበረ-ማርቆስ ኣቦታት፣ ብዘየዳግም ቋንቋ ተኒጊሩዎ ምንባሩ ዝፍለጥ`ዩ። እቲ ብሳምቡእ-ፖለቲካ ዘተንፍስ ዝነበረ መንበረ-ፓትርያርክ ግና፣ ዝተጻሕፈሉ ዘንብብን ዝተኣዘዞ ዝፍጽምን ካብ ምዃን ሓሊፉ፣ ካብኡ ኣርሒቑ ክጥምት ዘኽእል ብቕዓት ነይሩዎ ዘይበሃል ብዘይ ምዃኑ፣ ዕንወት ተባሂሉ ክግለጽ ዝኽእል ተግባር ካብ ምፍጻም፣ ንድሕሪት ክምለስ ዝደሊ ኮይኑ ኣይተረኽበን።

ስለ ዝኾነ`ውን ነቲ ክስገር ዘይግብኦ ቀይሕ-መሥመር ሰጢጡ ብምሕላፍ፣ ነቶም ኣብቲ ሓዋርያዊ-መንበር ተቐሚጦም ዝነበሩ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፣ ቀኖና ቤተ-ክርስቲያን ብዝጠሓሰ ኣገባብ፣ ካብ ሥልጣኖም ክኣሊ ከም-ዝተሃንደደ ዝፍለጥ`ዩ። ከም ውጽኢት እዚ ኹሉ` ከኣ፣ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ነቲ ናይ ኣሥመራ መንበረ -ፓትርያርክ፣ ከቢድ ተነጽሎን መንጸግትን ኣስዒቡ፣ ካብ ኩሉ ከም-ዝፍለን ብኹሉ ከም-ዝንጸግን ብምግባር፣ ኣብ ኣሥመራ ተሓጺሩ ከም-ዝተረፍ ክገብሮ ከም-ዝኸኣለ፣ ሃገር ብሃገሩ ዝፈልጦ ናይ ቀረባ ግዜ ታሪኽ`ዩ። እቲ መንበረ-ፓትርያርክ ግና ካብ ጌግኡ ክመሃር ዝደሊ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ብፖለቲካ ተደፊኡን ተሳሒቡን ካብ ዝንቀሳቐስ እዚ ደምበ` ከኣ፣ ጌግኡ ኣሪሙ ናብ ሠናይን ሰላምን ኣቢሉ ክምለስ፣ ትጽቢት ክግበረሉ ዝከኣል ኣይኮነን።

ከምኡ ስለ-ዝኾነ ድማ` ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ወርሓት፣ እቲ 4-ፓትርያርክ ክንመርጽ ብምባሎም ምኽንያት፣ ኣብ 1999 / (2007) ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ዝፈጠሩዎ ነውጽን ሕንፍሽፍሽን፣  ኣራሚ ስጉምቲ ክውሰደሉ ከይተኻእለ ከሎ፣ እንሆ ድማ ሕጂ`ውን 5-ፓትርያርክ መሪጽና ኢና ብምባል፣ ብቤተ-ክርስቲያን ኣፍልጦ ዘይረኸበ ዘይቀኖናዊ-ምርጫ፣ ኣካይድና ኢና ክብሉ ዝሓፍሩ ኮይኖም ዘይምርካቦም፣ ነቲ ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ማኅበረ-ሰብ ዓለም ኣየገረሞን ክበሃል ኣይከኣልን። ንሳቶም እቶም ብናይ ፖለቲካ-ልጓም ተገሪሖም ክጋልቡ ዝርከቡ ዘለዉ ጳጳሳት ግና፣ ሕጂ`ውን፣ ብዕድል ቤተ-ክርስቲያን ካብ ምጽዋት ንድሕሪት ክምለሱ፣ ዝደልዩ ዘይምዃኖም`ዮም ብተግባር ዘረጋግጹ ዘለዉ። እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ`ውን ነዞም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣመልኪቱ ክጽሕፍ ከሎ  “-እዚኣቶም ሃይማኖት ናይ ምድራዊ ረብሓ መጋበሪ እዩ ዚመስሎም-” ብምባል` ገሊጹዎ ዘሎ(1ጢሞ-6/5-6)

ብዝተረፈ ኣቐዲሙ ተባሂሉ ከም-ዘሎ፣ ብህልውና ቤተ-ክርስቲያን ክጻወት` ምባል፣ ብሓዊ ከም ምጽዋት ዝቚጸር ቀይሕ-መሥመር ምዃኑ` ክፍለጥ ዝግባእ ዝነበረ። እዚ ሓውሲ መጠንቀቕታ ዝኾነ ቃል`ዚ፣ ካብ ነዊሕ ተደጋጊሙ ክንገር ጸኒሑ ነይሩ`ዩ። ስለዚ`ውን ኣብቶም ኣርሒቖም ክጥምቱ ዝኽእሉን፣ ክብደት ሓላፍነት `ውን ኪርድኦም ይኽእሉ`ዮም ዚበሃሉ ኩሎም፣ “-እቲ ብቀኖና ዚፍለጥ ቀይሕ-መሥመር-” ብዝኾነ ተኣምር ተጣሒሱ ክሕለፍ ይከኣል` ተባሂሉ ስለ-ዘይሕሰብ፣ ኢድኩም ኣልዕሉ ዚብል መጠንቀቕታ፣ ብውሳኔ ዓበይቲ ጉባኤታት ደረጃ ተደጋጊሙ ክንገሮም ምጽንሑ ዚፍለጥ`ዩ።

 እቲ ነቲ ኩሉ ዝኸውን ዘሎ ዕንወት፣ ብሓላፍነት ተሓታቲ ዝኾነ ኣብ ኣሥመራ ዝርከብ ዘሎ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ግና፣ ብታሪኹ`ውን ንሕግን ሕጋዊ-ኣሠራርሓን ኣኽብሮት ዘይብሉ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፣ ነቲ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ ስንን ኩርምትን ኣለዎ ዘይበሃል ሲኖዶስ ከም-መጋበሪ ብምጥቃም፣  ምርጫ 5-ፓትርያርክ ተኻይዱ ዚብል መግለጺ ክህቡ`ዮም ዝተሰምዑ። እዚ ግና ካብ ኩሉን ብኹሉን፣ ተነጽሎን መንጸግትን ደኣ` ዘስዓበሎም እምበር፣ በዓል`-? ኢሉ ዝሓተሉ ከም ዝሰኣነ ኣቕሓ፣ ክዕድጎስ ይትረፍ ክሓተሉ ዝደሊ`ውን ኣይተረኽበን። ስለዚ`ውን ከም ሳዕቤን` ኩሉ`ዚ፣ እቲ መጋበሪ ፖለቲካ ኮይኑ ተረኺቡ ዘሎ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ መንበረ-ፓትርያርክ፣ ካብ ኩሉ ዝተፈልየን ብኹሉ ዝተነጽገን ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ስለዚ`ዩ።

እምበኣር እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ይኣጉዶ ብዘሎ ዘየቋርጽ ሓዊ፣ ብቀጻሊ ትልብለብ ዘላ ቤተ-ክርስቲያን እናሃለወትና፣ ብኸመይ ኢና` ኣውደ-ዓመት መጸ ኢልና ከነስተማቕሮ እንኽእል-? እስራኤላውያን ግና ኣብ ከምዚ ሕጂ ንርከቦ ዘሎና ይርከቡ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ “-ካብ ብዝሒ ሓዘኖም ዝተላዕለ ክዳውንቶም ቀደዱ፣ ዓው ኢሎም`ውን በኸዩ፣ ኣብ ኣራሶም ሓሙኽሽቲ ነስነሱ፣ ብገጾም `ውን ናብ ምድሪ ተደፊኦም ወደቑ፣ ከምዚ`ሎም ድማ ናብ እግዚኣብሔር ኣእወዩ-” እዩ ዚብል እቲ ናይ ብሉይ-ኪዳን ጽሑፍ። ስለ-ዝኾነ`ውን ንዝኾነ መዓት ይቕረ ክብል ዝኽእል እግዚኣብሔር ስለ-ዝኾነ፣ እቲ ክቐርብ ዝኽእል ኣውያት ናብ መንበረ-ፀባዖት` ክቐንዕ ዝግብኦ።  (1መቃ-4/38-40)

ከመይሲ እቲ ነቶም ኣብ ዘመን ብሉይ ዝነበሩ እስራኤላውያን፣ ዝወደቖም ፈተና ቀሊል ኣይነበረን። እምነቶም ክኽሕዱን ንኣማልኽቲ-ጣዖት ክሰግዱን`ዩ፣ ብርቱዕ ጸቕጢ ዝተገብረሎም። ንሳቶም ግና ኣብ እምነቶም ጸንዑ። ዝረኸሰ እንጌራ ከይበልዑ`ውን ብልቦም ቈረጹ። ኪዳን ኣምላኽ ካብ ዘፍርሱ `ውን ሞት ኃረዩ። ብርግጽ`ውን ሞቱ። “-ንሕና ንሕጊ ኣምላኽ ክንሕሉ ኢና። እምነትና ሓዲግና  የማነ ጸጋም ምባል ድማ ካባና የርሕቆ። ንትእዛዝ ንጉሥ ከኣ ኣይንእዘዝን ኢና-” ኣብ ዚብል ኣቕዋም ጸኒዖም`ዮም ደው ዝበሉ። በቲ ዘርእዩዎ ዝነበሩ ጽንዓት እምነት`ውን፣ ብዙሓት ይቕተሉን ይሞቱን ነይሮም`ዮም። ንሳቶም ግና ብብልዒ ካብ ዝረኽሱን፣ ኪዳን ኣምላኽ ካብ ዘፍርሱን፣ ናይ ሞት ጽዋዕ ክቕበሉ`ዮም መሪጾም። (1መቃ-2/19-22)

እቲ ኩሉ ኣብ እምነት ጸኒዐ ኣሎኹ ዝብል ሕዝቢ ድማ፣ ንዝኾነ ክመጽእ ዝኽእል ፈተና፣ ክኢሉን ተቐቢሉን ደኣ ኣብ እምነቱ ጸኒዑ ደው ኢሉ ክርከብ ይግብኦ እምበር፣ ካብ ዝኾነ ፈተና ፈሪሁ ድሕሪት ከይዱ ክሕባእ፣ ናይ ክርስትና ተግባር` ተባሂሉ ክግለጽ ዝኽእል ኣይኮነን። እምበኣር ንሕና ከም ሕዝቢ ንርእስና ኣብ ሚዛን ኣቐሚጥና ክንርእያ ከሎና፣ እቲ እንርከቦ ዘሎና ቦታ ኣበይ`-? ብምባል ክቐርብ ንዝኽእል ሕቶ፣ እቲ መልሲ ክጠፍኣና ዝኽእል ኣይኮነን። ከመይሲ ክብሪ ቤተ-ክርስቲያን ሓሲሩ ካብ ዝዋረድ፣ ልዕሊ-30 ዓመት ኮይኑ` ዝርከብ ዘሎ። ሕዝብና ድማ ብተመሳሳሊ መንገዲ፣ ኣብቲ ናታቶም ጓይላ ኣትዩ ክስዕስዕ ካብ ዝጅምር፣ ደጊምሲ 30-ዓመት ኮይኑዎ`ዩ።   

እምበኣር ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝረናዮ ፍጻሜ ንላዕሊ፣ ንህልው ኩነታት ሕዝብና ክመዝን ዝኽእል ካልእ ሚዛን ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። ከመይሲ እስራኤላውያን እቲ ዖዝያን ዝተባህለ ንጉሥ ከይተገብኦ፣ ንቅድስና ቤት-ኣምላኽ ዝዳፈር ተግባር ክፍጽም ብምባል ቤት-መቕደስ ምስ-ኣተወ፣ ንጉሥ` ብምባል እቶም ካህናት ሱቕ ኢሎም ክርእዩዎ ኣይደለዩን። የግዳስ እቲ ካህን-ኣዛርያ፣ ምስ ካልኦት 80-ካህናት ኮይኑ “--ዖዝያን-! ንእግዚኣብሔር ዕጣን ምዕጣንሲ፣ ተልእኮ ካህናት` እምበር ናትካ ኣይኮነን። ስለዚ ካብ ቤት-መቕደስ ውጻእ-!!”  ብምባል፣ ብምልኣት-ልቢ ተቢዖም ከም-ዝተቓወሙዎ፣ ኣብ መጻሕፍተ ብሉይ ተገሊጹ ኣሎ። (2ዜና-26/16-18)

ብመንጽር` ኣበሃህላ` እቲ ውሉደ-ክህነትና እንተረአናዮ`ውን፣ ብዘይ ገለ ተቓውሞ` ነታ ቤተ-ክርስቲያን ኣሕሊፉ ሂቡዋ ክበሃል ቅኑዕ ኣይኮነን። ከመይሲ በብግዚኡን ሰዓቱን ክግበር ዝጸንሐ ተቓውሞታት ምንባሩ ዝፍለጥ`ዩ። ኣብ 1993 / (2001) “-ብሕጊ ዝተመረጸ ፓትርያርክ የብልናን-”  ተባሂሉ መግለጺ ክወሃብ ከሎ`ኮ፣ ነቲ በቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ዝግበር ዝነበረ ምትእትታው፣ ኣፍልጦ ንዘይምሃብ ዝተገብረ ተቓውሞ` ነይሩ። ብዙሓት ድማ በቲ ዝነበሮም ተሪር ኣቕዋም ክቡር ዋጋ ከፊሎም`ዮም። ገና ሕጂ`ውን ኣብ መቚሕ ተታሒዞም ዘለዉ ኣቦታት ውሑዳት ኣይኮኑን። በቲ ሥርዓት ተደፊኦም ንስደት ዘምርሑ`ውን ብዙኃት እዮም። ንርእሶም እቶም ኣቦ ማኅበረ-ምእመናን ዝኾኑ ፓትርያርክ፣ ንልዕሊ 16-ዓመት ኣብ መቚሕ ተታሒዞም ምህላዎም፣ እቲ ውሉደ-ክህነት ገለ ኣይበለን ወይ ኣይገበረን ተባሂሉ፣ ክሕመ ዘግብሮ ድኽመት ከም-ዘየርኣየ፣ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ባዕሉ ከረጋግጾ ዝኽእል እዩ።

እቲ ብወገን ማኅበረ-ምእመናን ክግበር ዝርአ ዘሎ ግና፣ ንወረ ዝጥዕም ኮይኑ ኣይርከብን ዘሎ። ከመይሲ ኣብቲ 30-ዓመት መመላእታ ዝቐጸለ ጓይላ፣ ክስዕስዕን ክዘልልልን ዝርከብ ዘሎ እቲ ሕዝቢ ባዕሉ ምዃኑ፣ ዘይፈልጥ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ከመይሲ እታ ሃገር ኮነ እታ ቤተ-ክርስቲያን፣ ብኃባር ይጠፍኣ ኣለዋ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ ግዜ፣ እቲ ሕዝቢ ድማ ብኣንጻሩ ይስዕስዕን የጣቕዕን ኣሎ ክበሃል`ሞ፣ እንታይ ተባሂሉ` ክግለጽ ዝከኣል-? እምበኣር ንሕና ከም ሕዝቢ እቲ ዘሎና ስእሊ ነዚ` ዝመስል ክበሃል ይከኣል። ከመይሲ እታ ቅድስቲ ናይ እግዚኣብሔር ቤት፣ ካብቲ ክትኮኖ ዝግበኣ ናይ ቅድስና ሕይወት ወጻኢ፣ ናይ ፖለቲካ-መጋበርያ ክትከውን ጸቕጢ ክግበረላ ከሎ፣ እቲ ውሉደ-ክህነት ዓቕሙ ክሳብ ዝፈቕዶ ናይ ተቓውሞ ድምፂ ኣስሚዑ`ዩ። 

እቲ ሕዝቢ ግና ብኣንጻሩ ኮይኑ` ክጎዓዝ ጸኒሑ። እቲ ዘገርም ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ግና፣ ሕጂ`ውን ካብቲ ናይ ትማሊ ድቃሱ ክበራበር ዝደሊ ኮይኑ ዘይምርካብ`ዩ። ከመይሲ እታ ሃገርን እታ ቤተ-ክርስቲያንን፣ ንህልውናአን ዝፈታተን ከቢድ ተባሂሉ ክግለጽ ዝኽእል ሓደጋ፣ ኣንጸላልዩወን ይርከብ ከም ዘሎ፣ ካባና ካብቶም ዋናታት ሓሊፉ ማኅበረ-ሰብ ዓለም`ውን፣ ብዓቢይ ኣንክሮ ዝዕዘቦን ዝከታተሎን ዘሎ ጉዳይ`ዩ። ንሕና እቶም ዋናታት እንበሃል ሰብ ውራይ ዝኾንና ሕዝቢ ግና፣ ኣይ ልቡ ኣይ እዝኑ ከም-ዝበሃል፣ ኣብቲ ቅድሚ 30-ዓመት ዝኣጎዱዎ-ጓይልኦም ኢና፣ ከበሮ ኣልዒልና ክንዘልልን ክንዕንድርን ዝጸናሕናን ሕጂ`ውን ዘሎናን። እዚ ኩሉ` ከኣ ኣብ ቅድሚ ታሪኽ፣ ንመንነትና ኣየፍኮሶን ክንብል ኣይንኽእልን። ከመይሲ እናሞተ ከሎ ዝስሕቕ ሕዝቢ፣ ኣሎ ክበሃል ተሰሚዑ ኣይፈልጥን።

እምበኣር ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ንርከብ እናሃሎና ኢና፣ እቲ ክቡር ዝኾነ ልደት ጎይታና  ኢየሱስ-ክርስቶስ ኣብ ምኽባር ንርከብ ዘሎና። የግዳስ እታ ብቅድስና ዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ቤተ-ክርስቲያንና፣ 30-ዓመት መመላእታ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ናይ ፖለቲካ-ኣርዑት ተቘሪና እናሃለወት እሞ፣ ከመይ ኣቢሉ` ትርጉም ዘለዎ ኣውደ-ዓመት ክኾነልና ዝኽእል-?! እስራኤላውያን ኣብ ባቢሎን ተማሪኾም ይርከቡ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ “-እቶም ባቢሎናውያን ሓደ መዝሙር ክንዝምረሎም`ሞ፣ ክንሕጎስ ለመኑና-” ይብሉ። ኣብቲ ኩነት` ከለዉ ግና፣ ንክዝምሩ ፍቓደኛታት ክኾኑ ከም-ዘይከኣሉ ኢና ንርኢ (መዝ-137/3)

ኣብቲ ዝሃቡዎ መልሲ ድማ “-ከመይ ጌርና እሞ ንእግዚኣብሔር፣ መዝሙር ምስጋና ኣብ ምድሪ ጓና ክንዝምር ?-” ከም-ዝበሉ` ተጻሒፉ ዘሎ። ቅሳነት ኣብ ዘይብሉ ኩነት ማለቶም እዮም። ንሕና`ውን ከም ሕዝቢ እምበኣርከስ፣ ካብዚ ዝተፈልየ ካልእ መልሲ ክህልወና ይኽእል` ክንብል ኣይንኽእልን። ከመይሲ ቤተ-ክርስቲያንና ኣብ ትሕቲ ከቢድ ናይ ፖለቲካ ኣርዑት ተቘሪና ትርከብ እናሃለወት። ፓትርያርክና`ውን ኣብ መቚሕ ተታሒዞም እናሃለዉ። መነኮሳትናን ካህናትና`ውን፣ ኣብ ፈቐዶ ቤት -ማእሰርቲ ይበልዩ እናሃለዉ፣ ልብና ተሓጒሱ እነብዕሎ ኣውደ-ዓመት ክኾነልና ዝሕሰብ`ውን ኣይኮነን። (መዝ-137/4)

ስለዚ ንድሕሪት ተመሊስናን ካብ ድቃስና ተበራቢርናን፣ ኣብ ማንታ-መንገዲ ደው ኢልና ንርከብ ምህላውና ክንፈልጥ ይግባእ። ማንታ-ልቢ ሒዝካ ግና ኣብ ዓወት ክብጻሕ ዝከኣል ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ “-ንክልተ ጎይቶት ኪግዛእ ዝኽእል ሓደ` የልቦን-” ብምባል` ኣቐሚጡዎ ዘሎ። እወ ኣብ ሓደ ግዜ ኩሉ ድሌትካን ፍቓድካን፣ ንእግዚኣብሔርን ንዓለምን ተገዛኢ ከም-ዝኸውን ክትገብሮ ዝፍቀድ ኣይኮነን። እቲ ዘሎ ምርጫ ግና ሓደ`ዩ፣ ወይ ናይ እግዚኣብሔር ወይ ከኣ ናይ ዓለም ምዃን`ዩ። ክልቲኡ እናሓዋወስካ ማንታ ሒዝካ ዝኽየድ መንገዲ ግና፣ እቲ ሕያው ኣምላኽ ዝፈቐዶ መንገዲ ኣይኮነን። እቲ ንዓና ከም ሕዝቢ ፈተና ኮይኑና ዝርከብ ዘሎ ከኣ እዚ`ዩ። ማለት ማንታ መንገዲ ሒዝና ክንከይድ ናይ ምድላይና ጸገም`ዩ፣ መወዳእታ ተሳኢኑዎ ኣብ ዘሎ ኮለል ኣእትዩና ዝርከብ ዘሎ። (ማቴ-6/24)

ነቢይ-ኤልያስ`ውን ሓደ ግዜ ነቶም ከምዚ ከማና ዝኣመሰሉ፣ ኣዚዩ ኣሸጋሪ ዝኾነ ጠባይ ዝነበሮም እስራኤላውያን ከሰምዓሎም ከሎ “-እስከ ማዕዜኑ ተሐነክሱ በክልኤሆን ጌጋያቲክሙ። ለእመ እግዚኣብሔር ውእቱ ኣምላክ ትልዉ ኪያሁ። ወለ እመቤልኣምላክ ውእቱ ትልዉ ኪያሁ-” ከም-ዝበሎም` ተጻሒፉ ዘሎ። ቃል` ነቢይ ብትርጉም ክርአ ከሎ፣ክሳብ መዓስ ኢኹም ክትሕንክሱ እትነብሩ-? እግዚኣብሔር እንተኾይኑ ኣምላኽ ደድሕሪኡ ስዓቡ። እቲ ቤል ዝተባህለ ጣዖት እንተ-ኾይኑ ኣምላኽ ድማ ንዕኡ ስዓቡብምባል፣ ከም-ዘጠንቀቖም` ብሉይ-ኪዳን ኣቐሚጡዎ ዘሎ። ሕጂ`ውን ንዓና ብተመሳሳሊ መንገዲ እዚ ምርጫ` እዩ ዝቐርበልና ዘሎ። ማለት ናይ መን ወገን ኢኹም-? ኢና ንበሃል ዘሎና` መልስና እንታይ`-? ገጽና ዕትብ ኣቢልናዶ ናብ እግዚኣብሔር ንመለስ-? ወይሲ ኣብቲ ሰብ ፖለቲካ ዝኣጎዱዎ-ጓይላ ምስዕሳዕና ክንቅጽል` ምርጫና-? ነፍስ ወከፍና መልሲ ክንህበሉ ዘሎና ሕቶ` እሞ፣ መልስና እንታይ`-?! (1ነገ-18/21)

ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ-ኣበዊነ: ስቡሕኒ ውእቱ ወልዑልኒ ውእቱ ለዓለም

ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div