S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ንምንታይ እዮም ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስን ናብ ኢትዮጵያ ምኻድ ከቢድዎም?

ርእይቶ ካብ ምእመናን ቤተክርስትያን ተዋህዶ:

ናብ ክቡር ኣቦና ኣቡነ መቃርዮስን ኩልኹም ኣብ ከባቢኦም ዘለኹም ኣቦታት ካህናትን ኣሕዋትን።

ሰላምታ ብምቕዳም ኣብ ሂወትኩም ጥዕና ኣብ ስራሕኩም ኣሳልጦ ኣብ እምነትኩም ፍጻሜ ዓወት ክኾነልኩም ዘለኒ ልዑል ምንዮት ክገልጸልኩም ይፈቱ። ኣብዚ ቤተክርስትያን ብፍላይ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ብሓፈሻ ብኸቢድ ፈተና ትሓልፎ ዘላ እዋን ገደ መራሕቲ ሃይማኖት ብፍላይ ከኣ ቤተክርስትያን ተዋህዶ ከም ኣደ ብዙሓት ግደኣ ኣዝዩ ኣዝዩ ልዑል እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ፣ ስለ ዝኾነ ከኣ መራሕታ ኣብዝተፈላለየ ኣጋጣምን ቦታን ስለ እምነቶምን ህዝቦምን ዝገብርቆ ዘለው ቃልሲ ከኣ ዝምስገን እዩ ፣ እዚ ማለት ግን ጎደሎ የብሉን ንምባል ኣየድፍርን እዩ። ክቡር ኣቦና ኣብ መላእ ዓለም እንዳተዛዋወሩ መረዳእታ ህዝቢ ኣብ ጉዳይ ቤተክርስትያን ከምዝዓቢ ጥራይ ዘይኮነ ስለ ደቆም ዝነብዑን ናብ ፈጣሪኦም ንብዓቶም ነጺጎም ዝልምኑን ምዃኖም እውን እንታይ ኣለዎ ሃገርና ከምዚኣቶም ዝበሉ እንተብርኩቱ ኢልካ ዕድመን ጥዕናን ሂቡ ክንዮ እዚ ሕጂ ዘሎ ጸልማት ኣብ መሬት መዳሕንቶም ዝተቀብረሉ ቦታ ክርእዮም ዘሎኒ ሃረርታውን መዐቀኒ የብሉን ፣ ኩሉ ዝከኣሎ ፈጣሪ ኩሉ ዓለም ከኣ ነዚ ከርእየና ናይ ለይትን መዓልትን ጸሎተይን ትምኒተይን እዩ።ነዚ ከም ኣርእስቲ መሪጸ ክሓናጥጥ ዝድርኸኒ ነገራት ብዙሕ እኳ እንተኾነ ንገለ ጎራሓት ምኽንያት ከይከውን ብምባል ትም መሪጸ እንዳ ኣሰከፈትኒ ካብ ትመላለሰኒ ግን ሓያል ገይራ እያ ስለምንታይ እዮም ኣቦና ናብ ኢትዮጵያ ዘሎ ህዝቦም ዘይኸዱ? ሕጂ ግን ብድፍረት ክሓተላ ምስ ገለ ኣባላት ቤተክርስትያንውን ብተለፎን ክዛረበላ ጀሚረስ ዘዕግብ ምኽንያትውን ኣይረኸብኩን ጥራይ ዘይኮነ ምስዚ ሕጂ ኣብ ሃገርና ማዕቢሉ ዘሎ ኩነታት ከኣ ብኻ ኣቐዲመ ገይረዮ ዝብል ናብ ጣዕሳ ዝቐርብ ስክፍታውን ገይሩለይ እዩ። መጀመርያ ካባይ ንላዕሊ ዝቐርብዋን ዝጓስዩዋን ንሳቶም ስለዝኾኑ ኣነ ብዙሕ ካባታቶም ዝመሃሮ እምበር ስለምንታይ ኢለ ኣብ ጸገሞም ክሓትትት ኣይግበኣንን ዝብል ስክፍታውን ነይሩኒ እዩ። ናይዚ ኩሉ ትዕዝብተይን ስክፍታይን ግን ነገራት ክጋደዱን ጸላኢ ክዕወተሎምን ክሪኢ ከለኹ ከኣ ግድን ክሓትትን ክርዳእን ከምዘለኒ ድፊኢት እንዳበርተዔ ስለዝመጸ እነሆ ሎሚ ይጽሕፈልኩም ኣለኹ።

ኣብ ሊዕሊ ኣቦና ኣንጠንዮስ ዝወረደ ግፍዒ ንኹላ ቤተክርስትያን ኣናዊጽዋን ደቃ ከም ደቂ ኣራዉት ፋሕ ከምዝብሉ ገይሩዋን ኣሎ እዚ ከኣ ኮነ ተባሂሉ ብመራህቲ ህግደፍ ዝተሸረሔ ምዃኑ ሎሚ ልዕሊ ማንም እዋን ጉልባቡ ቀሊዑ ኣሎ። ኣብቲ ቀንዲ ቤተክርስትያን ዘጋጠማ ነገር ምእሳር ናይ ኣቦናን ምትእትታው ህግደፍ ናብ ቤተክርስትያናን ብግልጺ ኣቃልቦ ምእንታን ገይግበር ተሃድሶን መናፍቓንን ዝብል መደናገሪ ግብሪ ሳዕሪሩ ህዝቢ ይፈላልን ይበታትንን ኣሎ። ከም ቀደም ተኸተል ግን መጀመርያ እቲ ንሳቶም ንምፍልላይ ኢሎም ዝጥቀምሉ ድዩ  ጠንቂ ነይሩ ማለት ጥንቲ ተኣብሶ ዝብልን ስእሊ ስላሴ ዝብል ወይስ ምእሳር ናይ ኣቦና ዝብል ንማንም ብሩህ እኳ እንተኾነ ከም መመኽነይታ ግን ኮይንዎም እዩ ። ኣብዚ እዋን ተለኣኣኽቲ ስርዓት ዝኾኑ ኣቡነ ሉቃስ ዝመርሕዎ ጉጅለ ግን ብዝለዓለ ሓይሉ ኣብ ምፍላይ ንሰዓብቲ ኣብ ትሕቲ ኣቡነ መቃርዮስ ዘለውን ነቲ ካሊእ ኣኪብካ ከኣ ንኣቡነ ኣንጠንዮስ ምፍታሕን ብኡ ኣቢልካ ከኣ መኽሰብ ዓለማዊ ፖለቲካ ንምርካብ ምስኩለን ኣሕዋት ቤተክርስትያናት ንምትዕራቕ ዝግበር ጉያ ናይ ህግደፍ ንምድሓን እምበር ንምድሓን ቤተክርስትያንን ደቃን ከምዘይ ኮነ ትስሕትዎ ኣይብልን። ስለዚ ስለምንታይ ኣቦና ናብ ኢትዮጵያ ምኻድ ኣጸጊምዎም ዝብል ሕቶ ኣብዚ እዋን ዝያዳ ስፍራ ዝሕዝ ኮይኑ ረኺበዮ ኣለኹ። ገለ ገለ ሰባት ምስ ፖለቲካ ብምትእስሳር ኣቦና ሃገሮም ስለዝፈትዎ ኢትዮጵያውያን ከኣ ንኤርትራ ገንጺሎማ ኢሎም ብዙሕ ኣይሕጎስሎምን እዮም በዚ ከኣ ብዙሕ ርክብ የብሎምን ዝብል ይስማዕ እዩ እዚ ግን ፍጹም ተቐባልነት ዘለዎ ምኽንያት ኮይኑ ኣይተረደኣንን ምኽንያቱ ኣቦና በዚ ተቀያይሞም እዮም ናብ ኢትዮጵያ ዘይኸዱ ናብ ዝብል ምስቲ ጉዳይ ዘይዳረግን ዕባራ መመኽነይታ ኮይኑ ይስመዓኒ። እቲ ቀንዲ ናብ ኢዮጵያ ናይ ምኻድ ዕላማ እንታይ ስለ ዘገድስ እዩ ክበሃል ይከኣል እዩ። መልሱ ግን

1. ህዝብና ካብ ናይ ኩለን ኣሕዋት ቤተክርስትያናት ምስ ናይ ኢትዮጵያ ከም ሓንትን ዝኾነ ብዘይካ ኣምሓርኛን ትግርኛን ካሊእ ፍልልይ ከምዘይብሉ ስለዝርዳእ ምስ ኢትዮጵያ ኮንካ ብክርስትና ምስራሕ ነቲ ህግደፍ ዝዘርእዎ ክፍኣት ንምቕናስን ግብራዊ መልስን ስለዝኾነ።

2. ዋላ እኳ ህግደፍ ንዝሓለፈ 20 ዓመታት ምስ ኢትዮጵያ ይበኣስ እምበር ኣብ ምዕራብ ዓለም ግን ምስ ኢትዮጵያውያን ኮንካ ምስራሕ ካብዚ ኣብ ትሕቲ ኣቦና መቃርዮስ ዘሎ ምስ ህግደፍ ዘለዉ ጥቡቕ ዝምድና ኣለዎም እዚ ግን ምናልባት ኣብ ኣነ ዝነብረሉ ከባቢ ጥራይ ከይከውን ባዕልኹም ክትግምግምዎ ይገድፎ ብዝያዳ ማለት እዩ።

3. ኣብዚ ምዕራብ ዓለም ዝመጽእ ስደተኛ ካብ ሃገር ውጽእ ክብል ከሎ ገና ኣብ ሳልስቱ ኣብ ኢትዮጵያ ወይ ሱዳን ተጸብዮም እዮም መናፍቃን ፣ ተሃድሶ ዝበሃሉ ኣለዉ እንዳበሉ ብዘይ ሕፍረትን ተጻራርን ክፉእ ዘርኢ ይዘርእሉ ነዚ ኣበሃህላ ክደጋግም መጺኡ ከኣ ኣብ ምዕራብ ዓለም መሳርሒ ህግደፍ ይኸውን ኣሎ እሞ በጃኩም ንህዝብኹም ኣብ ኢትዮጵያ ከድኩም እቲ ሓቁ ንገርዎ።

4. ብፍላይ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ንምድሓን ህግደፍ እገዳ ንምልዓል ፣ ሰላም ኣብዘየሎ ሰላም እንዳበሉ ንቤተክርስትያንን ህዝቢ ኤርትራን ኩነታቱ ኣብ ግምት ከየእተዉ ምስ ስርዓት ዕርክነት መሪጾም ኣለዉ እታ ቤተክርስትያን ናይ ኢትዮጵያ ግን ክሳብ ሕጂ ዕቃበ ገይራ ትም ምባላ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን ነዚ ከኣ ህግደፍ ከይቀደመኩም ከሎ እቲ ዝምድና ንስኻትኩም ክትዕወትሉ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ዝበዝሔ ህዝብኹም ኣብ 6 መዓስከራት ዘሎ ከድኩም ዕጥቂ እምነት እንተ ኣስኒቕኩሞ ተኻላኻሊ እምነቱን ጽኑዕ ወተሃደር ቤተክርስትያንን ከምዝከውን ኣብዚ ዝሓለፈ ኣብ ኣውሮጳ መንእሰያት ዘርኣይዎ ትብዓት ምስክር እዩ እሞ ሕጂውን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ህዝብኹም ብጽሕዎ፣ ኣብ ግብጺ ማእከላይ ምብራቕ ኣመሪካን ኣውሮፓን እንዳ ከድኩም ስለምንታይ እቲ ኣብ ጸገሙ ጸሎትን መጸናንዒን ዘድልዮ ህዝቢ ኣይብጸሕን ዝብል ብሓቂ ሕቶ እዩ እዚ ምስ ዝኮነ ቂምን ቅርሕንትን ዝግድቦ ሞጎተ ዝምኽነ ኮይኑ ኣይስመዓንን። ኣብ መደምደምታ ነዚ ብቀጥታ ናብ ውሽጣዊ መርበብ ሓበሬታኹም ዝሰዶ ዘለኹ ምእንታን ገለ ሰባት መዝሚዞም ናብ ዘየድሊ ኣንፈት ከይወስድዎ ብምሕሳብ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ከውጸኦ ኣይመረጽኩን ምኽንያቱ ነቲ ቁምነገሩ ዘይኮነ ብቐጥታ ሃይማኖቶም ብኢትዮጵያ ዘይቅቡል ስለዝኾነ ኢሎም ከምዝትርጉሙዎ እውን ኣይጠራጠርን፣ ነዚን ካሊእን ክፍውስ እየ ከኣ ስለምንታይ ኣቦና ናብ ኢትዮጵያ ምኻድ ዓቀብ ዝኾኖም ወይ ህዝቦም ምእንታን ክምህሩ ምስ ኢትዮጵያ ሓቢርካ ምስራሕ ንምንታይ ተዘንጊዑ ዝብል ዘለኹ።

ሰላምን ፍቕርን ኣብ ቤተክርስትያን ዕድመን ጥዕናን ንመራሕታ ራህዋን ቅሳነትን ኣብ ሃገርና ይኹን ኣሜን።

 

ካብ ወድኹም ሓውኹም ገብረመድህን

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div