S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ድኻ ኮይና ንግሥቲ

ድኻ ኮይና ንግሥቲ

ዘይኮነ ብዋርሳ፡ ንግሥቲ

ግናኸ ብምዃን ንጽሕቲ

እወ እንብዛ ቅድስቲ

ስለኡ ኾይና ኅርይቲ፥

 

ወለዳ ነይወነኑ ወርቂ

ዘይነበሮም ዓራት ወርቂ

ጽዋዕ ናይ ወርቂ

ትርፎ ሥራሕ ጽድቂ

ትርፎ ምስዓብ ሓቂ፥

 

ነይኮነት ብዕላምብሓጀት¹

እወኒ ኣኽል ታርፍ ንብረት

ወጃሕጃሕ ሃብቲ፡ ንብረት

ትርፎ ቅዱስ ሕይወት

ኣምላኽ ዚፈትዎ ሕይወት፥

 

ማሕፀና ሓቚፉ ንጉሥ

ደረባኣ ሓቚፉ ንጉሥ

ፍጥርቲ ሓቚፋ ንጉሥ

ንፈጣሪ ዓለም ንጉሥ፥

 

ወሊዳ ንጉሠ-ነገሥት

ኃውቱ ብንጉሥ ዳዊት

ኣሞኡ ብንጉሥ ዳዊት

ኃውቲኖኡ ብንጉሥ ዳዊት

ልዕሊ ዂሉ ግና ወላዲት፥

 

ደፍአት ብርሃናዊ ዘውዲ

ሓቂ ዝወሎዶ ዘውዲ

ብምውላዳ ዘለዓለማዊ መንገዲ

ኣምሳያ ዘይብሉ መንገዲ

መንገዲ ሰማያዊ ዓዲ፥

 

ማርያም ጽርይቲ ሥርናይ

ሥጋኡ ናይኪ ሥርናይ

ደሙ ናይኪ ሥርናይ

ንኣና ኅብስት ሕይወት

ዘእቱ መንግሥተ-ሰማያት፥

 

ኣምላኽ ዘኃለፎ በሪ

ማንም ዘይፈኽቶ በሪ

ኢዩ ተዓጺዉ ነባሪ

እንሆ ድንግልናኣ ነባሪ

እንሆ ድንግልናኣ ነባሪ፥

 

ናይ ተኣምራት ተኣምራት

ናይ ተኣምራት ተኣምራት፡

ሕጊ ተፈጥሮ ዝሰዓረት

ድንግል ማርያም ነበረት

ትርፎ ተራኽቦ ዝወለደት፥

 

መንክርዩ፡ ብድንግላ ወለደት

ምስ ሰብኣይ ኬይተራኽበት፡

ክንሳ ድንግል መቑለምታ²

ንወልድ ጸባ ኣጥበወት

ንወልድ እወ ኣጥበወት፥

 

ናይኪ ኣመና መንክረ

ናይኪ ኣመና መንክረ

ናይኪ ኣመና ተኣምረ፡

ድንግል ክንስኺ እኖምበረ

ድንግል ግና ኣጥቢውኪምበረ፥

 

መንኮን ፈቲሉሉ ዘውዲ፧

መንኮን ፈቲሉሉ ዘውዲ፧

ነቱ ሕፃን ዚኸውን ዘውዲ

ነቱ ሕፃን ዚኸውን ዘውዲ

ንጉሥዩ የድልዮ ግዲ፥

 

ኪንሥረት ኣብ ኰዂሒ

ንሕናወ ኣብ ኰዂሒ

ወልድ ለቢሱ ኰዂሒ

ሎጎስ³ ለቢሱ ኰዂሒ

መታን ኪንከውን ኰዂሒ፥

 

ጥበብ ኣምላኽ ተወሊዱ

ኃይሊ ኣምላኽ ተወሊዱ

መገዲ ኣምላኽ ተወሊዱ

ሕይወት ኣምላኽ ተወሊዱ

ንሕና ኪንድኅን ተወሊዱ፥

 

ፍቕሪ ኣምላኽ ተወሊዱ

እወ ንጉሥ ሰላም ተወሊዱ

ኣቤተልሔም ኤፍራታ ተወሊዱ

እወቤተልሔም ይሁዳ ተወሊዱ

መታን ኪንድኅን ተወሊዱ፥

 

ቤተልሔም ዝተናዕቐት ከተማ

ብኣዳምወ ዝተናዕቐት ከተማ፥

ግናኸ ጐይታና ነይተሓሰማ ንብኣዳምወ ዝተናዕቐት ኸተማ

እግዚእና ከቶ ነይተሓሰማ፥

 

በላ ከቶ ኣይትንእስን ኢኺማ

ሕዝቢ እስራኤል ብኣልማማ

ዚገዝእ መስፍን ነይተሓሰማ

ገበራወ ኃረያ፥ ናቱ ከተማ

ኪትዝከር ንዘዓለመ-ዓለመ፥

 

ኢሳይያስ ዝተነበዮ ተጋህደ

ዳዊት ዝተነበዮ ተጋህደ

ኤርምያስ ዝተነበዮ ተጋህደ

ሚክያስ ዝተነበዮ ተጋህደ

ሕዝቅኤል ዝተነበዮ ተጋህደ፥

 

ሆሼዕ ዝተነበዮ ተጋህደ

የሱስ ሕፃን ተወልደ

ካብ ድንግልወ ተወልደ

ትርፎ ተራኽቦ ተወልደ

ብዘይካ ሰብኣይ ተወልደ፥

 

መልኣኽ ኣበሠረ ንጓሶት

እወድንቂ ዓቢዪ ብሥራት

ይቀንጠጥ ካባኹም ፍርሃት

ተወሊዱ ዘለዓለማዊ መድኃኒት

በሎም፥ ኣብ ዓዲ ዳዊት፥

 

እነሆ በሎም፥ እቱ ምልክት

ሕፃን ተጠቕሊሉ በጭርቕቲ

ክትረኽቡ ኣበመብልዒ ማለውቲ

ኣብ ጎልናይ ማለውቲ

ኣብ ጎል ናይ ማለውቲ፥

 

ሰብኣ-ሰገል ተመሪሖም ብኾኸበ

ሓወጹተመሪሖም ብኾኸበ

ኪሰግዱ ተመሪሖም ብኾኸበ

ሣጹኖም መሊኡ ህያበ

ኂዞመ ኂዞመ ህያበ፥

 

ንጸዋትወ መከራ ከርበ

ንክህነት ዕጣን ተዋህበ

ንንግሥና ወርቂ ተዋህበ

ንሕናኸ እንታይ ንሃበ፧

ንሕናኸ እንታይ ንሃበ፧

 

ረኸብዎ ደቂሱ ኣብጎለ

ገበራወመመገቢ ጎለ

ዓራት ኮይኑወ ጎለ፣

ንጉሥ ክንሱ ኣብጎለ

ንጉሥ ክንሱ ኣብጎለ፥

 

ኪመውቕ ብኣድገ፡ ማለ

ኪመውቕ ብኣድገ፡ ማለ

ኪመውቕ ብኣድገ፡ ማለ

ሕፃን ኪመውቕ ብማለ

ሕፃን ኪመውቕ ብማለ፥

 

ጎል ኮይኑ ዓራት

ድርቋ ኮይኑ ፍራሸት

ሓሰር ኮይኑ ፍራሸት

መደቀሲ ንጉሠ-ነገሥት

መደቀሲ ንጉሠ-ነገሥት፥

 

ኣኅዋት ኣይንበል ፈዘዘ

ንፍቕሪ ነዕብያ ነዕዝዘ

ንወግድ ካባና ግብዝምብዘ

ይትረፈና ታዕታዕታ ምጒዝጓዘ

ይትረፈና ቱርማንቱር ምጒዝጓዘ፥

 

ቅንዕና ጥራኅ ንኃዘ

ንእማን ንግበር ጒዝጓዘ

ቅሳነት ክሰፍን ኪዓዝዘ

ወልድ ዚፈትዎ ኪዓዝዘ

ኣምላኽ ዚፈትዎ ኪዓዝዘ፥

 

ቈላሕታኻ ግበረላ ንኤርትራ

ቈላሕታኻ ግበረላ ንኤርትራ

ራህዋ ኣብዝኃላ ንኤርትራ

ሰላም ኣብዝኃላ ንኤርትራ

ምስ ጐረባብታ ንኤርትራ፥

 

ካብዙ ሰፊኑ ዘሎ መከራ

ባልሃዮ ንሕዝቢ ኤርትራ

ንቀርኒ ኣፍሪቃ ብኃበራ

ተላዚበን ጐረባብቲ ኪነብራ

ኪውግዳ በለካ-ለኽዓካ ፈጠራ፤

 

ዕራቑትያ ቤትካ የሱስ

ዕራቑትያ ቤትካ የሱስ

ንተንበልካፍትሓልና ክርስቶስ

ንተንበልካ ፍትሓልና ክርስቶስ

ንተንበልካ ፍትሓልና የሱስ።

 

ርሑስ በዓል ልደት

ርሑስ በዓል ልደት

ርሑስ በዓል ልደት

ናይ እግዚእና ልደት

ናይ እግዚእና ልደት፥

 

ይኹንክን እኖሓጐታት፡

ኣበሓጐታት፥ እኖታት ኣቦታት፥

ከማኡ ኣኃት፥ ኃውትኖታት

ፈተውቲ፥ ኃወቦታት፥ ኣሞታት

ፈቐዶኡ ዘሎኹም ኣኅዋት፥

 

ኵሉኹም እወ ደቒ ገዛውቲ

ካህናት ዲያቆናት ኣገልገልቲ

ዝነበርኩም ናተይ መማህርቲ

ፈቐዶኡ ዘሎኹም መታዕብይቲ ፈቐዶኡ ዘሎኹም መታዕብይቲ፥

 

ከማኡ ናተይ መስተምሃርቲ

ከማኡ ናተይ መቛርስቲ

እሠይ ዘብጽሓኩም ነዛ መዓልቲ

ድኅነት ዝተሠገወላ መዓልቲ

ሥጋ ዝለበሰላ መዓልቲ።

 

ኣስተውዕሎ፦

 

0. ብዕላም = wealthy

1. ሓጀት = articles, items, objects

2. መቑለምት = nipple

3. ሎጎስ = Word ካብቱ ቓል ናይ ግዕዝ፡ ትግርይና ኢንግሊዝ ዚኃይስ ብህለት ስለ ዘሎዋ እዛ ናይ ጽርኢ ምጥቓም ንመልእኽቲና ኃይሊ ይህቦ ኢዩ እሞ፡ ዚትግብሮ ሠናይ ይገብር።

4. ጎል = manger

5.ሓወጸ = tour

6. ገበራ/ = laver

7. ተንበል = ambassador

 

ተሰናድአት

ሰዓት 7:00 ንጋሆ

29 ታኅሣሥ 2013

ብ01-07-2021 ጎርጎሳዊ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div