“ናብ’ቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን መንጎኛ ዝዀነ ኢየሱስን፡ ናብ’ቲ ኻብ ደም ኣቤል ብዝበለጸ ዚዛረብ ምንጻግ ደምን ኢኹም በጺሕኩም ዘለኹም። እምበኣር ነቲ ዚዛረበኩም ዘሎ ምስማዕ ከይትኣብይዎ ተጠንቀቑ። (ምኽንያቱ) እቶም ካብ ምድሪ ዝተዛረቦም ምስማዕ ምስ ኣበይዎ ካብ ፍርዲ ኻብ ዘይመለቑ፡ ንሕና ግዳ ነቲ ኻብ ሰማይ ዚዛረበና ምስማዕ ምስ ‘ንኣብይ ከመይ ኢልና ኽንመልቝ ንኽእል፧” እብ 12፡24,25 ካ.ት።
ንስኻ ግና ክሳዕ ሞት እሙን ኩን እሞ: ኣነ ድማ ኣኽሊል ሕይወት ክህበካ እየ! ራእ/ዮሓ 2፡10
ሰማዕት ቅዱስ እንጦንዮስ ቀዳማዊ፥ ብማዕርግ ሓዋርያዊ ሰንሰለት ካብ ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ መበል 120: ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ከኣ፥ 3ይ ፓትርያርክ ኮይኖም፥ ሓዋርያዊ ሕግን ክርስቶሳዊ ሥርዓትን ኣኽቢሮም፥ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ብምልኣት ድምጺ ዝተሓርዩ፥ ፓትርያርክ እዮም።
ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከተማ ሻርሎት ሰሜን ካሮላይና ከምቲ ልሙድ ዓመት መጸ ብኽብሪ ዝበዓል ሎሚ ዓመትውን ብቀዳም ዕለት 20 ሕዳር 2021 ኣ.ፈ (፲፩ ሕዳር ፳፻፲፬ ዓ.ም) ብዝደመቐን ምዕሩግ ኣገባብን ንመበል 12ተ ግዜኡ ተኸቢሩ ውዒሉ። እዚ ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ ብዝመጹ ብብዝሒ ኣጋይሽ ነጋድያን፥ ምእመናን ነበርቲ ከተማ ሻርሎት፥ ውሉደ ክህነትን መንእሰያት ተመሃሮ ትምህርቲ ሰንበትን ዝተሳተፍዎ፥ ዓቢይ መንፈሳዊ ክብረ በዓል ብኃይሊ ኣምላኽን፥ ብረድኤት ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክትን ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ተስፋን በረኸትን ብዝመልኦ ድሙቕ ኣገባብ እዩ ተኸቢሩ ውዒሉ።
መበል 22 ዓመታዊ ጉባኤ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ኣብ ከተማ ሲንሲናቲ ኦሃዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ስላሴ ክካየድ እዩ። ጉባኤ፥ ሓሙስ ሓምለ (July) 30 - ክሳብ ሰንበት 2 ነሓሰ (August) 2020 ዓ. ም ክካየድ እዩ። ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን ናይ ስራሕ ዕረፍትኹምን ናይ መገሻ መደባትኩምን ኣብዚ ጉባኤ'ዚ ከተሕልፍዎ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኣኽብሮት ንዕድም።
On Thursday morning, June 13, 2019, five monks from the Bizen Monastery have been detained by government security in Nefacit town, Eritrea, that's about 6 miles away from the Bizan Monastery. The five monks who were arrested are:
Day 38 (6th Wednesday of the Holy Great Fast)
“And not only that, but we also glory in tribulations, knowing that tribulation produces perseverance; and perseverance, character; and character, hope.” (Rom5:3-4)
Day 16 (3rd Tuesday of the Great Fast)
“Not to us, Lord, not to us but to your name be the glory.” (Ps 115:1)
Articles By Disciples Of Antonious- ስነ ጽሑፍ ብደቂቀ እንጦንዮስ
ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ
ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store
ራድዮ ቃለ ኣዋዲ