S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ናብ ናይ ሓድሽ ኪዳን መንጎኛ ዝዀነ ኢየሱስን፡ ናብ ኻብ ደም ኣቤል ብዝበለጸ ዚዛረብ ምንጻግ ደምን ኢኹም በጺሕኩም ዘለኹም። እምበኣር ነቲ ዚዛረበኩም ዘሎ ምስማዕ ከይትኣብይዎ ተጠንቀቑ። (ምኽንያቱ) እቶም ካብ ምድሪ ዝተዛረቦም ምስማዕ ምስ ኣበይዎ ካብ ፍርዲ ኻብ ዘይመለቑ፡ ንሕና ግዳ ነቲ ኻብ ሰማይ ዚዛረበና ምስማዕ ምስንኣብይ ከመይ ኢልና ኽንመልቝ ንኽእል፧እብ 1224,25 .

እዚ ዕለት ሻድሻይ ሰንበት ናይ ዘመነ ኣስተርእዮዩ። ደጊም ናይ ዘመነ ኣስተርእዮ ሓንቲ ሰንበት ጥራሕትተርፈና። ብድሕሪኡ ናብ ዘመነ ጾም (ዓብይ ጾም) ኽንኣትው ኢና። ብኣቈጻጽራ ግእዝ ካብ ለካቲት 13 ኽሳዕ ለካቲት 20 ዘሎ ዕለታት ኣብ መዓልቲ ሰንበት ምስ ዚውዕል፡ ዚዝመር መዝሙር ቅዱስ ያሬድ፡ተበሃሉ ጻድቃንዘርእስቱዩ። ብመሰረት መዝሙርዚ፡ ነዚ ዕለተ ሰንበት ተሰሪዑ ዘሎ ንባብ ቅዱስ ወንጌል፡ ጐይታና፡ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ንሱ ምዃኑ ድሕሪ ምዝራቡ ዝሰዓበ ናይ ኣይሁድ ክርክር ዚትርኽዩ። እቶም መኽሰሲ ረኺቦም ምእንቲ ኼጥፍእዎ ዚከታተልዎን ዚተሃላለኽዎን ዝነበሩ ሕሱማት ኣይሁድ፡ ካብ ዘረባኡ ኣምላኽነቱ የግህድ ከም ዝነበረ ይርድኦም ነበረ። ብእኡ ኣሚኖም ነይሮም እንተ ዚዀኑ፡ ነቲ ምህሮኡ ጽቡቕ ገይሮም የስተውዕልዎ ስለ ዝነበሩ፡ ምሃነጾም ነይሩ። ንሳቶም ግን ብኣንጻሩ ኪቐትልዎ ካብ ገጽ ምድሪ ኼጥፍእዎ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ፡ እቲ ምስትውዓሎም ንሓጢኣቶምን ነቲ ኽፉእ ሃቐናኦምን የብዝሖ ነበረ። ቅድሚ ንባብና ኣብ ዘሎ ጥቕስታት ( 24-33) ብዙርያኡ ኣኽቢቦም፡ክሳዕ መዓስ ኢኻ ላሕ እተብለና፧ ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካ ኣግሂድካ ንገረናኸም ዝበልዎ ተጻሒፉልና ኣሎ። ንሱ ኸኣነጊረኹም ኣይኣመንኩምን። እዚ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘለኹ ግብርታት፡ (ክርስቶስ ምዃነይ) ይምስክረለይ ኣሎ።ኢሉ መለሰሎም። ከም ኣመሎም ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ተላዕሉሞ፡ ኣብ ንባብና ተተሪኹ ኸም ዘሎስለ ኣየናይ ግብሪ ኢኹም ክትቀትሉኒ ትደልዩ ዘለኹም፧ኢሉ ምስ ሓተቶም፡ስለ ምጽራፍካን ሰብ ክነስኻ ንርእስኻ ኣምላኽ ስለ ምግባርካንዩ፡ኢሎም መለሱሉ። ነዛ መልሲዚኣ ዝመረጹሉ ምኽንያት፡ ብመሰረት ሕጊ ኣይሁድ ሞት ዜፍርድ ስለ ዝዀነዩ። ንሱ ግና ነቲ ዘረባኡ እንተ ዘይኣመንዎኳ፡ እንተ ወሓደ ነቲ ኣሉ ዘይበሃሎ ግብሩ ኺኣምንዎ ብሕያውነት መለሰሎም። እዚ ዅሉ ኽፉእ ሃቐናኦም፡ ምስማዕ ናይ ዝኣበየ ሰብ ሃቐናዩ። ዝሰምዐ ፈትዩ ይእዘዝ፡ ምስማዕ ዝኣበየ ኸኣ ንገዛእ መድሓኒኡ ይሰቕልን ይቀትልን። ናይ ዘይምስምዖም ኰነ ናይ ዘይምእማኖም ጠንቂ እንታይ ምዃኑ፦

ንስኻትኩም ግና፡ ከም ዝበልኩኹም፡ ካብተን ኣባጊዐይ ስለ ዘይኰንኩም (ኣይትሰምዑን) ኣይትኣምኑን ኢኹም። እተን ኣባጊዐይ ግና ድምጸይ ይሰምዓ፡ ኣነ ኸኣ አለልየን፡ ንሳተንውን ይስዕባኒየን።” ብምባል መለሰሎም (ዮሃ 1026,27) እዚ ናይ ጐይታ ቓል ነቶም ዘይኣባጊዑ፡ ብእኡ ንዘይኣምኑ ጸላእቱ ዝተዘርበዩ። እዚ ናብ እብራውያን ዝተጻሕፈ መልእኽቲ ቕዱስ ጳውሎስ ግና፡ ናብቶም ብክርስቶስ ኣሚኖም ኣባጊዑ ዝዀኑ ህዝበ ክርስትያን ዝተጻሕፈ መልእኽቲዩ። እዚ ናይ ዘይምስማዕ ጸገምምበኣር፡ ኣብቶም ዘይኣመኑ ዘይኣባጊዑ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣብቶም ኣባጊዑውን ኪኽሰት ተኽእሎ ዘለዎ ሰራም መንፈሳዊ ሕማምዩ። ነዚ ሓቂ መሪሕ ጥቕስና ኣነጺሩ ኣቐሚጥዎ ኣሎ። ቅድስቲ ቤተ ክርስትያንና ኻብ ንዘለኣለማዊ ጥፍኣት ኣሕሊፉ ኺህበና ዚኽእል ሰራም ሕማም ምእንቲ ኽንጥንቀቕን ምእንቲ ኽንሓውይንያ፡ ነዚ መኣዲ ትምህርቲ ኣዳልያትልና ዘላ።

ምስማዕ ማለት ግን፡ እንታይ ማለትዩ፧ ንምንታይዩኸ ክሳዕ ክንዲ ዕዙዝ ኣገዳስነት ዚህልዎ፧ ምስማዕ፡ ክልተ ዓይነትዩ። ምኽንያቱ ኽልተ ዓይነት እዝኒ ዘሎና። እቲ ቐዳማይ ዓይነት እዝኒ፡ እዝኒ-ስጋዩ። እዚ ማለት ከኣ፡ እዚ ብየማናይን ጸጋማይን ሸነኽ ናይ ገጽና ጠቢቑ ዘሎ ደጋዊ ሸሓኒ፡ ምስናይ ኵሉ ውሽጣዊ ናውቱ ማለትዩ። ብርግጽ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኽፍሊ ኣካላትዩ። ሓደ ኻብቶም ሓሙሽተ ናይ ስምዒት ህዋሳትና ዝዀነ ምስማዕ ከኣ፡ በዚ ኽፍሊ ኣካላትና ዚፍጸምዩ። እቲ ኻልኣይ ዓይነት እዝኒ ኸኣ፡ እዝኒ-ልቦናዩ፡ ወይውንመንፈሳዊ እዝኒኺበሃል ይኽእልዩ። እዞም ክልተ ዓይነት ኣእዛንዚኣቶም፡ ተመላላእቲዮም። እዚ ኸም ሸሓኒ-ሳተላይት ዝዀነ ሸሓኒ እዝንና፡ ዝረኽቦ ድምጺ ዚእክብ። ኣይመርጽ ኣይመምይ፡ ስርሑ ዘዝረኸቦ ድምጺ እናኣከበ ናብ ውሽጢ ሓንጐል ምልኣኽ ጥራሕዩ። እቲ ናይ ውሽጢ እዝኒ ልቦና ግን ነቲ ዝተኣከበ ዚጠቕምን ዘይጠቅምን ድምጽታት መምዩ፡ ነቲ ኺሰምዖ ዚደልይ ጥራሕ ዚመርጽ። ኣብ ባህልናልቢ ዚሰምዕ፡ ልቢ ዚርእይዚብል ልሙድን ዝውቱርን ብሂል ኣሎ። ናብ ሸሓኒ እዝንና ዝበጽሐ ዅሉ ድምጺ፡ ናብ እዝኒ ልቦናና ኣይበጽሕንዩ። ኣብ መንፈሳዊ ህይወትና ኣዝዩ ዓብይ ጸገም ዚፍጠር፡ ንቓል እግዚኣብሄር ብሸሓኒ እዝንናምበር፡ ብእዝኒ ልቦናና ዘይንስምዖ ምስንኸውንዩ። ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኰነ ኣብ ናይ ዕለት ትምህርትና፡ምስማዕክንብል ከለና ነቲ ብእዝኒ ልቦናና ምስማዕምበር፡ ነዚ ናይ እዝኒ ስጋ ዚምልከት ኣይኰነን። ብርግጽ ብእዝኒ ስጋ ኸይሓለፈ፡ ናብ እዝኒ ልቦና ዚበጽሕ ድምጺ ዳርጋ የለን። ቅዱሳን መላእኽቲ ወይ መንፈስ ቅዱስ ባዕሉ ኺዛረበና ኸሎ፡ እዝኒ-ስጋ ብዘይሰምዖ ድምጺ ኺዛረቡና ይኽእሉዮም (ግብ 229) ናብ እዝኒ ስጋ በጺሑ ኼብቅዕ፡ ናብ እዝኒ ልቦና ኸይበጽሐ ዚተርፍ ድምጺ ግን ማእለያ የብሉን። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ደጋጊሙእዝኒ ዘላቶ ይስማዕዚብለሉ ዝነበረ ምኽንያት ከኣ ንሱ (ማር 423 ማቴ  11:15 13:9, 43 Mark 4:9 ሉቃ 8:8  14:35 ራእ. 3:6, 13, 22; 13:9 ) ነቲ ንሱ ሽዑ ዝዛረቦ ዝነበረ ብእዝኒ ስጋ ይሰምዕዎ ኸም ዝነበሩ ዝዀነ ዓይነት ጥርጥር ኣይነበሮን። እትሰምዕ እዝኒ-ልቦና ዘይብሎም ሰባት ከም ዚበዝሑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ግና፡ ነዛ ቓልዚኣ ይደጋግመሎም ነበረ። ንኣገልገልትን መራሕትን ናይ ቤተ ክርስትያን ከይተረፈ ናይ ዘይምስማዕ ሽግር ከም ዚፈታተኖም ስለ ዚፈልጥ ድማ፡ ንሃዋርያ ቅዱስ ዮሃንስ ብራእያት ኪዛረቦ ኸሎ፡እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንኣብያተ ክርስትያን ዚብለን ዘሎ ይስማዕይብል ነበረ (ራእ 27,11,17,29 36,13,22) እቶም ብእዝኒ ልቦናኦምውን ዚስምዑ፡ ከም ቅዱስ ዳዊት ዝበሉ ናይ ኣምላኽ ሰባት ግን፦ ስልጣን ናይ ኣምላኽ ምዃኑ፡ ኣምላኽ ሓንሳእ ተዛረበ፡ (ኣነ ኸኣ) ክልተ ሳዕ ሰማዕክዎ።” ይብሉ (መዝ 6211) እቶም እዝኒ ልቦናኦም ደፊኖም ዚነብሩ ሰባት ከኣ ብኣንጻሩ፦ ኣምላኽ ሓንሳእ፡ ክልተ ሳዕ ይዛረብ፡ ሰብ ግና ኣየቕልብን (ኣይስምዕን)’ዩ።” ይበሃለሎም (እዮ 3315) ስለ ብመንፈሳዊ ቋንቋ፡ምስማዕማለት ብእዝኒ ልቦናኻ ምስማዕ ማለትምበር፡ ብእዝኒ ስጋ ምስማዕ ማለት ኣይኰነን። ብእዝኒ ልቦናኻ ናይ ምስማዕ ኣገዳስነት ከኣ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ግሩም ገይሩ ገሊጹልና ኣሎ።

ግናኸ ብእኡ ኸይኣምኑ፡ ከመይ ኢሎም ኪጽውዕዎዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኸ፡ ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺኣምኑዮም፧ ብዘይ ሰባኪኸ ከመይ ገይሮም ኪሰምዑዮም፧ ..... እምበኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕያ፡ እቲ ዚሰምዕውን ቃል ክርስቶስዩ።ሮሜ 1014,17 .

ብዘይምስማዕ እምነት ዘየለ እንተ ዀይኑ፡ ብዘይ እምነት ከኣ ንኣምላኽ ኬስምሮን ኬኽብሮን ዚኽእል ሰብ ስለ ዘየለ፡ ናይ ምስማዕ ኣገዳስነት ማዕረ እምነት ኪስራዕ ዚኽእልዩ። ምኽንያቱ ንእምነት ዚወልዳስ፡ ምስማዕዩ።

ምስማዕ ኣብ ዓይነት ናይ ህይወትናን ናብራናን እንታይ ጽልዋ ኣለዎ፧ ምስማዕን ዘይምስማዕን፡ ምስ ሞትን ህይወትን ዚዳረግ ፍልልይ ዘለዎ። እቲ ዚበሃል ዘሎ ናይ ህይወትን ሞትን ፍልልይ ከኣ፡ ምስ ስጋዊ ህይወትን ሞትን ዘይኰነስ፡ ምስ ኻልኣይን ዘለኣለማውን ሞትን ህይወትዩ። ምኽንያቱ እቶም ዚሰምዑ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት፡ እቶም ዘይሰምዑ ኸኣ ናብ ዘለኣለማዊ ሞትዮም ዚኣትዉ። ጐይታና፡ ዓይነት ኣሰማምዓና፡ ንዓይነት ህይወትናን ዘለኣለማዊ መጻኢናን ማዕረ ኽንደይ ከም ዚጸልዎን ከም ዚልውጦን ንኼብርሃልና፡ምስላ ዘርእን ዘራእንዘርእስቱ ኣዝዩ መሃርን ሃናጽን ምስላ መሲሉልና ኣሎ (ሉቃ 84-15 ማር 41-20 ማቴ 131-23) እዚ ምስላ ኣርባዕተ ዓይነት ሰማዕቲ ኸም ዘለና ዚነግረና። ምስማዕ ድማ፡ ነቲ ድሕሪ ብእዝኒ ስጋ ምስማዕካ ዘሎ ውጽኢት ከይተረፈ ኸም ዜጠቓልል ብንጹር ዜረድእ ምስላዩ። እቲ ቐዳማይ ዓይነት ሰማዒ፡ እቲ ዚስማዕ ቃል ብወዝቢ ኣብ ኣእዛኑ ዝወደቖምበር፡ ናይ ምስማዕ ድልየት ዝነበሮውን ኣይመስልንዩ። ከም ዝበለ ልቢ ድማ እቲ ቘሊባ ሰይጣን ዚዕንድረሉ ልቢ ስለ ዝዀነ፡ ንዅለንተን ኣብ ልቡ ዝዓለባ ቓላት ሓንቲ ኸይተረፈ ይለቕመንሞ፡ ከም ዘይስምዐ ሰብ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣብ ዚሰምዖ ቦታውን ፈጺሙ ኸም ዘይነበረ ኽሳዕ ዚመስል ከንቱ ሰብ ይገብሮ። እቲ ኻልኣይ ሰማዒ ኸኣ ብደጊኡ ኽትርእዮ ኸለኻ ሕጉስን ውፉይን ሰማዒ ዚመስል፡ ነቲ እዝኒ ልቦናኡ ግን ነቕ ብዘይብል ጽኑዕ ከውሒ ጸቒጡ ዚሰምዕ። ናይ መወዳእታ ፍሪኡ ኸኣ ጥልመትን ንድሕሪት ምምላስን ዚኸውን። ገና ናብ ፍረ፡ ናብ ትግባረ ኸይበጽሐ ኸሎ፡ እቲ መስርሕ ምስማዑ ዝተቘጽየ ሰብዩ። ስለ ምስ ሰማዕቲ ኺምደብ ዘይክእል ሰብዩ። እቲ ሳልሳይ ሰማዒ ኸኣ ዝገደደዩ። እቲ እዝኑን ልቡን ንዅሉ ዓይነት ዘራእቲ ኽፉትዩ። እሾዅ ንዚዘርእ ብሓጐስ ይቕበል፡ ስርናይ ንዚዘርኣሉውን ብሓጐስ ይቕበል። ኪዳን ዘይብሉ ኣመንዝራ ልቢ ዘለዎ። ንዝመጸ ዘራኢ ንዝመጸ ዘራእቲ ብማዕረ የአንግዶ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ኣምላኽን ዓለምን ማዕረ ኽብሪ ዘለዎም። ኣብ ልቢ እሾዅምበር፡ ስርናይ ክድንፍዕ ኣይክእልንዩ። ምኽንያቱ እቲ እሾዅ ብዋጋ ስርናይ ዚነብር። ምስናይ እሾዅካ ንስርናይ ከተአንግድ ምምራጽ፡ ነቲ ስርናይን ንዘራኢኡን ክትሰምዕን ከተኽብርን ዘይኰነስ ብኣንጻሩ ኸተዋርድ ከም ዝተዓጠቕካ ዜቃልዕ። እቲ ራብዓይ ሰማዒ ግን ደሓን ይእተው፡ ንልቡ ኻብ ከውሕን እሾዅን ኣጽርዩ፡ ነቲ ስርናይ ብኽብሪ ዚቕበሎ፡ ንፈራይነቱ ኺዕንቅፉን ዝመጹ ፈተናታት ብልዑል ትዕግስቲ እናመከተን እናምከነን ናብ ዓወት ይበጽሕ። ብሰሪ ዘየቋርጽን ዝተራቐቐን ውዲታት ናይ ቘሊባ ሰይጣን መጠንን ዓይነትን ናይ ፍሪኡ ብመጠኑ ክብ ለጠቕ ይብል ይኸውን፡ ገሊኡ 30 ገሊኡ 60 ገሊኡ ድማ 80 ይኸውን።ካብ ምፍራይ በዅሩ፡ መኻን ኰይኑግን ኣይበሃለሉንዩ። ስለ ምስማዕ፡ካብ ክሳብዚበሃል መስርሕምበር፡ ነቲ ቓል ኣምላኽ ኣብ እዝኒ ስጋኻ ዚንስነሰሉ ሒደት ደቃይቕ ወይ ሒደት ሰዓታት ዚምልከት ጥራሕ ኣይኰነን።ምስማዕዚበሃል ካብ ምዝራእ  ክሳዕ ምፍራይ ዘሎ ዅሉ ጊዜን መስርሕንዩ። እንተ በቲ ሰራቒ ሰይጣን፡ እንተ ብኸውሒ፡ እንተ ብእሾዅ እቲ መስርሕ እንተ ተዓንቂፉ፡ እቲ ፈራዲ ዚህቦ መደምደምታኣይሰምዐን”’ ዚኸውን። ምኽንያቱ ምስናይ ከውሕኻን ምስናይ እሾዅካን ከለኻ ምስማዕ፡ ጥዕና ዘለዎ ቝምነገረኛ ምስማዕ ኣይኰነን። እዚ ምስላ ኽንዲ መሃርነቱ፡ ክንድኡ ኸኣ የሕዝነካን የፍርሃካንዩ። ምኽንያቱ ዓብላሊ ቝጽሪ ዘለዎም እቶም ዘይሰምዑዮም። ሰለስተ ርብዒ ናይቶም ሰማዕትኻ ምስቶም ዘይሰምዑ ተመዲቦም ድራር ገሃነም ከም ዚዀኑ ኻብ ምስማዕ ዚኸፍእ እንታይ ኻልእ መርድእ ኣሎ፧

ሰማዕቲ ወይ ዘይሰምዑ ምዃንና ዜመሓላልፎ መልእኽቲ እንታይዩ፧ ዝዀነ ይኹን ተግባር ወይ ምርጫ፡ ድምጺ ዘይብሉ ሓያል መልእኽቲ ዜመሓላልፍ። ንሕና ነታ ሽዓንገብራ ዘለና ተግባር ጥራይምበር፡ ነቲ ጓሳ እተመሓላልፎ መልእኽቲ ኣይነድህበሉን ኢና። ዘይምድሃብ ጥራይ ግን ኣይኰነን፡ ግብራዊ መልእኽቲ ነመሓላልፎ ከም ዘለናውን ብመሰረቱ ኣይንፈልጥን ኢና። እቲነመሓላልፎ መልእኽቲ ብቐዳምነት ብዛዕባ ዝኣዘዘ ኣምላኽ ኪኸውን ከሎ፡ ብኻልኣይ ደረጃ ኸኣ ብዛዕባ ገዛእ ርእስናዩ። ገሊኡ ግብራዊ መልእኽትና፡ ንኣምላኽ ከቢድ ጸርፊ ምጽራፍዩ። ንጉስ ሰለሞን፦ እቲ ንድኻ ዚጭቝን ንፈጣሪኡ ይጸርፍ ..... እቲ ንድኻ ዚርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ።” ዚብል ቃል ጽሒፉ ኣሎ (ምሳ 1431 1917) እቲ ዚጭቍን ኰነ እቲ ዚርሕርሕ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ዘሎ ድኻ ጥራሕዮም ዚርእዩምበር፡ ንኣምላኽ ኣይርእይዎንዮም። እቲ ድምጺ ኣልቦ ግብራዊ መልእኽቶም ግን ንሰማያቲ ሰንጢቑ ናብ ልዑል ኣምላኽ ድሮ በጺሑ ኣሎ። ነቲ ጨቛኒ፡ኣታ ንምንታይ ደኣ ንፈጣሪኻ ትጸርፎ፧እንተ ንብሎ፡ እምብዛ ሰምቢዱ፡ወሪዱኒ፡ ኣበይ ረኺበዮ ደኣ ዝጸርፎ፧ እንታይ ኢለየኸ ዝጸረፍክዎ፧ኢሉ ብቝጥዓ ምሓተተና ነይሩ።

እምበኣር ምስማዕና ዀነ ዘይምስማዕና ኸኣ፡ ሰፍ ዘይብል ከቢድ፡ ኣዝዩ ኸቢድ መልእኽቲ ዜመሓላልፍ። ነቲ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ዜመሓላልፎ መልእኽቲ፡ ጐይታና ብኸም ዚስዕብ ገሊጹልና ኣሎ፦ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ፡ ንቓል ኣምላኽ ይሰምዕዩ። ንስኻትኩም (ኣይሁድ) ግና፡ ካብ ኣምላኽ ኣይኰንኩምንሞ፡ ስለ ኢኹም ዘይትሰምዑ።ዮሃ 847

እቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነ ዅሉ ኸኣ፡ ካብ ናይ ሓሶት ኣምላኽ፡ ካብ ድያብሎስ ምዃኑ ግሁድ (ዮሃ 844 1ዮሃ 38-10 44-6) ስለ እንተ በቲ ሰራቒ ተመንጢልና፡ እንተ ብገዛእ ኸውሕና ተዓጊትና፡ እንተ ብገዛእ እሾዅና ተሓኒቕና ኻብ ምሉእ ምስማዕ እንተ ጐደልና፡ካብ ኣምላኽ ኣይኰንኩን፡ ስለ ንኣምላኽ ዜስምዕ ምኽንያትን ንኣምላኽ ናይ ምስማዕ ሓላፍነትን ግዴታን የብለይንዚብል ንመንነትና ዜቃልዕ፡ ነቲ ልዑል ኣምላኽ ዜስተናዕቕ ኣዝዩ ኽፉእን ግናይን መልእኽቲ ነመሓላልፍ ከም ዘለና ንፍለጥ። እዚ ኽፉእ መልእኽትና ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ምዃኑ ዚርድኣና፡ መስጣ ናይ ዘይምስማዕና ኣብ መዓሙቝ ገሃነም፡ ኣብ ብዲን (ብሳልፈር) ዚፈልሕ ቀላይ ሓዊ ምስ ተፈደናዮዩ። ስለ ኢና ደምበና ኽንልውጥ ዚግብኣና። ድሕሪ ምጽኣት ተጣዒስካ ዚመጽእ ለውጢ ስለ ዘየለ፡ ሎሚ ንለብም ካብ ደምበ ጸልማት፡ ካብ ደምበ ዘይስምዑ ሃዲምና ነምልጥ። ኣብ ደምበ ሰማዕቲ ድማ ንተዓቘብ። ሽዑ ኽብርናን ሓጐስናን እምብዛ ኺዓዝዝ (ምሳ 120-33 ይነበብ)

ነቲ ምስማዕና ኣዝዩ ኽቡር፡ ነቲ ዘይምስማዕና ግን ከቢድ ዕሽነት ዚገብሮ እንታይዩ፧ ብዘይውልውል፡ የማነ-ጸጋም ከይበልና፡ እታ መልሲመንነት ናይ ዝዛረበና ዘሎ ኣካልትብልያ። እቲ ንቡርን ባህርያውን ግብረ መልሲ፡እቲ ልዑል ኣምላኽ ተዛሪቡ፡ እቲ ድኹም ሰብ ከኣ ሰሚዑኽትከውን ከላዩ። እታ ግብረ መልሲ እንተ ተገልቢጣሞ፡ ናብ ኣሉታ እንተ ተለዊጣ፡ ሰማይን ምድርን ዘይጾርዎ ኣበሳ ዚኸውን። እግዚኣብሄር ዚኣክል፡ ልዑል፡ ክቡር፡ ቅዱስ ..... ኣምላኽ፡ ንሰብ፡ ነዚ ሓጥእ፡ ድኹም፡ መዋቲ ፍጥረት ተዛሪብዎስ፡ሰብ ግና ኣይሰምዕን ኢሉ ኣብዩኺበሃል፡ ትንተና ዘየድልዮ ከቢድ ኣበሳዩ። ኣብ ምስማዕን ዘይምስማዕን ኸይተብጽሐ፡ኣምላኽ መዛርብቲ ሰብ ኰይኑኢልና ኽንሓስቦ ጥራይ ምስ ውርደት ዚዳረግዩ። ሰናይ ኣምላኽ፡ ጽቡቕና ዚደልይ ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ግና በቲ መሓርን ሕያዋይን ባህሪኡ ተደሪኹ፡ ምስ ሰብ ምዝራብ ክብረቱ ገበሮ። ክብሪ ነቲ ቕዱስ ስሙ፡ ክብሪ ንሕያውነቱ ይኹን። በቲ ንድሕነትና ኺብል ዝተጋህደ መሓርን ሰናይን ባህርዩ ምእንቲ ኸይንጻወትን ከይንላገጽንዩ፡ምስማዕ ከይትኣብይዎ ተጠንቀቑኢሉ ቅዱስ ጳውሎስ ዜጠንቅቐና ዘሎ። ጐይታና፡ ነታ ኣብ እግሩ ተቐሚጣ፡ ኣፋን ልባን ከፊታ ትሰምዖ ዝነበረት ማርያም ሓብቲ ኣልኣዛር፡ በታ ብሓልዮት ሓዳር ልባ ዝተሓንቀ ሓብታ ኽትንቀፍ ምስ ሰምዐ፡ማርታ ማርታ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጕህይን ኣለኺ (ትሕነቒ ኣለኺ) እቲ ዜድልይ ግና ሓደ ነገር ጥራሕዩ። ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሓርያ ኣላ።ኢሉ መሃራ (ሉቃ 1038-42)

እምበኣር ናብ ርእስና ንመለስ፡ ኣሰማምዓና ንፈትሽ። ምስማዕ ካብ ዘይምለቖ መዓት እንኮ መዋጽኦናዩ። ዘይምስማዕ ከኣ መንፈሳዊ ርእሰ ቕትለት፡ ረቒቕ ማሕነቕቲዩ። ንኣምላኽ ምስማዕ፡ ተኻፋሊ መለኮታዊ ኽብሪ ዚገብር፡ ክብረትናዩ። ዘይምስማዕ ከኣ፡ ናብ ደረጃ እንስሳ፡ ካብኡ ሓሊፉውን ናብ ደረጃ ኣጋንንቲ ዜውርድ፡ ውርደተኛ ምርጫዩ። እምበኣር ከም ለባም ኣደ፡ ከም ማርያም፡ ነቲ ሰይጣን ካባና ኺምንዝዖ ዘይክእል ጽቡቕ ግደ፡ ክቡር ግደ ንሕረይ። ከመይሲ እቲ ኣምላኽ ካባና ዚደልዮ ሓደን እንኮን ነገር፡ ምሉእን ፈራይን ዝዀነ ምስማዕ ጥራሕዩ። እምበኣር ነቲ ንኣና ብምዝራብ ዘኽበረና ኣምላኽ፡ ንሕና ኸኣ ንእኡ ጥራሕ ብምስማዕ ነኽብሮ!!

ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኩላትና ይኹን።

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ - መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ

25 ለካቲት 2024 | የካቲት 17, 2016 ግዕዝ (መበል 24 ሰንበት: ቊ.፳፬/24)

ምስባክ

 መዝ፵፱()፡፬-

አስተጋብኡ ሎቱ ጻድቃኑ። እለ ይገብሩ መሥዋዕተ ዘበሕጉ። ይነግራ ሰማያት ጽድቀ ዚአሁ።

ዓዲ፡  መዝ ፹፰(፹፱)፡፯,

እግዚአብሔር ስቡሕ በምክረ ቅዱሳን። ዓቢይ ወግሩም ዲበ ኵሎሙ እለ ዓውዱ። እግዚኦ አምላከ ኃያላን መኑ ከማከ።

ንባባት

ኣንባቢ

እብ 1212-25

ዲያቆን

ዮሃ 47-13

ንፍቅ ዲያቆን

ግብ 729-35

ንፍቅ ካህን

ዮሃ 1034-ፍጻመ

ሰራዒ ካህን

ቅዳሴ ፦ ዘ፫፻ት - ግሩም | መዝሙር፦ ተበሃሉ ጻድቃን

   

 

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div