S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ዕላማ ጸጋ ምሥጢረ ቁርባን ካብ ሞት ናብ ሕይወት እዩ

መእተዊ: ጽሑፍሕጊ ብሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፥ ጸጋን ሓቅን ግና ብኢየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከ

ንሕና ዂላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልናኢሉ ከም ዝተዛረበ መብዛሕትና ንፈልጦ ሓቂ እዩ። እቲ ብሙሴ ዝተዋህበ ሽዱሽተ ትን ኣርባዓን ዝኣክል ግበር ኣይትግበር ዝብል ብሰንኪ ኣበሳና ዝተዋህበና ሕጊ ሙሴ፡ መርገም ስለ ዝነበረ ግና ኣብ መስቀል ክሽንከር ግድን ነበረ እሞ ሓዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ክብል ጸሓፈ ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፥ ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሓቖ። ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፥ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፥ ብግልጺ ኣስተሓፈሮም” በለ (ቆሎሴ 214-15)። እምብኣብር እቲ ክርስቶስ ዘምጽኦ ጸጋ ድኣ እንታይ እዩ ኢልካዶ ትሓትት ትኸውን፧ እቲ መለኮታዊ ጸጋ እዚ እዩእቲ ቓል ሥጋ ዀነ፥ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሓደረ።እቲ ቓል ሥጋ ኰነ ዝተባህለ እቲ መለኮታዊ ወዲ ኣምላኽ ካብ ድንግል ሥጋ ወሲዱ ንዓና መሰለ። ኣባና ሓደረ ምባሉ ድማ ንደቂ መዛምርቱ ባሪኹ ቔሪሱ .. እዚ ሥጋይ እዩ፥ ውሰዱ፥ ብልዑ፥ በሎም። ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስ ድማ፥ ከምዚ እናበለ ሃቦም፥ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓዱሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፥ ካብዚ ዅሉኹም ስተዩ ኢሎ ንደቀ መዛምርቱ ሃቦም እሞ ክርስቶስ ኣብኣቶም ሓደረ። እዚ ድማ ዘድሕን ጸጋ ተባህለ (ማቴ፡2626-28)። ብፍላይ ሓዋርያ ጳውሎስ  “ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፥ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፥ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም፥ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፥ ካባኻትኩም ኣይኰነን ብምባሉ፡ ድሕነትና በቲ ግብሪ ዝሓትት ሕጊ ሙሴ ዘይኰነስ በቲ ክርስቶስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ሓቢሩ እዚ ሥጋይ እዩ ብልዑ፡ እዚ ደመይ እዩ ስተዩ ኢሉ ዝሰርዖ ብመለኮታዊ ጸጋ ከም ግልጽ ኣቢሉ የረድኣና (ኤፈሶን 39)

እዚ ስርዓት እዚ ሎሚ ቅዱስ ቁርባን ኢልና ኢና ንጽውዖ ዘሎና። ዕላማ ቅዱስ ቁርባብ ንሰብ ካብ ዘለዓለማዊ ጥፍኣት ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዘሰጋግር ድንድል ሕይወትና እዩ። እዚ ድማ ዋጋ ከይከፈልናሉ ብነጻ ስለ ዝተዋህበና መለኮታዊ ጸጋ ተባህለ። መለኮታዊ ጸጋ ማለት ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እዩ። ንሱ ክርስቶስ ድማ ምስሊ እታ ኣብ ገነት ከሎና ካብኣ እናበላዕና ሕይወት እትህበና ዝነበረት ኦም ሕይወት እዩ። ብኣንጻራ ድማ ካልእ ክፉእን ጽቡቕን እተፍልጥ ኦም ስለ ዝነበረት፡ ካብኣ በሊዕና ሞት ሞትና። እቲ ቀዳማይ ባህርያትና ምፍላጥ ጽቡቅ ጥራይ ነበረ፡ ብድሕሪ ካብታ ጽቡቅን ኩፉእን እተፍልጥ ኦም ምብላዕና ግና፡ ብተውሳኺ ምፍላጥ ኩፉእ ድማ ካልኣይ ባህርያትና ኰነ። እዚ ማለት ብሰንኪ እቲ ኣብ ገነት ኤደን ዝነበረ ኩሉ ጽቡቅ ዝብላዕ ገዲፍና ባዕላትና ካብታ ዘይትብላዕ ኩፉእን ጽቡቕን እተፍልጥ ኦም በሊዕና ስለ ዝሞትና ኣብ ገዛእ ርእስና ኣበስና። ብሰንኪ ኣበሳና ድማ ኮታዊ ጸጋና ተሳዕረ ጥራሕና ተረፍና እሞ ጠፋእና። እንተዀነ እግዚኣብሔር ስለ ዝደንገጸልና፡ ድሕነት ዘይግብኣና ክነሱ ደጊምና ካብ ኦም ህይወት በሊዕና ክንፍወስ መለኮታዊ ጸጋኡ ክመልሰልና ተፈቕደልና። እዚ ኦም ህይወት እዚ ድማ መለኮታዊ ሥጋን ደምን   በሊዕናን ሰቲናን ህይወት ክንረክብ ብነጻ ስለ ዝሃበና፡ መለኮታዊ ጸጋ ተባህለ። እምብኣርከስ እቲ ሓቀኛ ኦም ሕይወት እቲ፡ እቲ  ሓቀኛን ፍጹምን ዝኰነ መለኮታዊ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ እዩ።

ቅዱስ ቁርባን ዝብል ቓል ካብ ኣራማይስጢ ዝመጸ ቓል እዩ። ቅዱስ ማለት መንፈስ እግዚኣብሔር ዝሰመሮ ማለት ክኸውን ከሎ፡ ቁርባን ድማ ምውፋይ ምሃብ፡ ማለት እዩ። ንመለኮታዊ ጸጋ ምሥጢረ ቁርባን ሓዱሽ ኪዳን ዝሰርዔ ድማ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እዩ። ተጠራጠርቲ ግና እንተስ ድሕረ ባይታ ምሳሌ መለኮታዊ ደምን ሥጋን ዘይምፍላጦም ወይስ ትምህርቲ እምነት ውሒድዎም፡ ገሊኦም ክርስቶስ ጌና ኣይመጸን ኢሎም ካልእ ክርስቶስ ክጽበዩ ካብ ቅድስና በዀሩ። ገሊኦም ድማ ብነጻ ዝወሃበና ህያብን ምሕረትን ዝብሃል ኣይንደልን ኢሎም ብሥራሖምን ግብሮምን ተኣማሚኖም ካልእ ናብ ገነት ዘእቱ መሳኹቲ ክድልዪ ኰለል እናበሉ ብሓጢኣቶም ይጠፍኡ ኣለዉ። ገለ ድማ ካብ ንጹህ ሕልና ተበጊሶም ኣብ ቤቶም ኣብ ቤት ኣምላኽ ከለዉ፡ ብሰንኪ ጉጉያት መማህራን፡ ኣብ ክንዲ ይምሕር እዩ ኢሎም ዝምህርዎ ደምን ሥጋን ትል እዩ፡ ይሓርድ  እዩ ከየጥፍኣካ  እናበሉ ስለ ዘፈራርህዎም፡ ኣብ ክንዲ ተነሲሖም ደምን ሥጋን ክርስቶስ ዝቅበሉ፡ ንድሕነቶም ተቐሪቡሎም ከብቅዕ፡ ነፍሶም ብጥምይታ ንገዝኦም ይምለሱ፡ መወዳእታኦም ድማ ጥፍኣት ይኸውን። ገሊኦም ድማ ብየርክበሉ ተሃሚሎም ሞት ተርክቦም እሞ መወዳእታኦም ጥፍኣት ይኸውን። ገሊኦም ድማ እግርን ሮን በበይኑ መዓሉ ከም ዝብሃል፡  ክርስቶስ ኣብ ክንድኦም ከም ዝሞተ ኣሚ ኢና ኢሎም ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኣትዮም ከብቅዑ፡ ንሓቀኛ ጸጋ እግዚኣብሔር ሰኣን ምርኣዮም ኣዒንቶም ከይርእያ ስለ ዝዓወራ፡ ኣእዛኖም ከይሰምዓ ስለ ዝጸመማ፡ ንመለኮታዊ ጸጋ እግዚኣብሔር ምስሊ እዩ ኢሎም ኣነኣኢሶም ብምርኣዮም፡ ሥጋን ደምን ክርስቶስ ምስልን መዘከርታን ጥራይ እዩ እናበሉ ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ከለዉ ዓዊሮም ዝነብሩ ቁጽሪ የብሎምን መውዳእታኦም ድማ ጥፍኣት እዩ። ጌና ድማ ይወስኹን ይበዝሑን ኣለዉ እምበር ኣይወሓዱን።

ሥርዓት ኣከባብራ በዓል ፋሲጋ ኣይሁድ ብላዕ፡ ኣይትብላዕ ድሕረታ ባይታ ንሓቀኛ ድሕነት ዘመልክት ነይሩ እንተዘይከውን፡ ክርስቶስ ንቅዱስ ቁርባን ካብ ወለንታ ገዛእ ርእሱ ሰሪዖ ክንብል ይቐልል። መለኮታዊ ጸጋ ዝብሃል ድማ የልቦን። ኣግዚኣብሔር ንሰብ ኣይደንገጸሉን፡ ምሕረት ሃል እይተረኽበን፡ መለኮታዊ ጸጋ ዝብሃል የልቦን፡ ወዲ ሰብ ድማ ንመንግሥቲ እግዚኣብሔር ኣይበቕዔን፡ ናብ ገነት ዝመልስ መገዲ ጌና ኣይተረኽበን ሞት ክርስቶስ ድማ ከንቱ እዩ፡ ታሪኽ ክርስትና ድማ ከንቱ ናይ ከንቱነት እዩ ኢልና ምዛዘምናዮ ኔርና። ወይ ድማ ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ክርስቶስ ምእንታና ዘይ ነይሩ እንተ ዝኸውንስ ካብ ኩላቶም ሰባት እነደንግጽ ምዀ ኔርና ከም ዝበለ ካብ ኩሉ ሰብ እነደንግጽ ምዀ ኔርና። እቲ ሓቀኛ ትምህርቲ ግና ከምኡ ኣይኰነን፡ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

ንመለኮታዊ ጸጋ  ቅዱስ ቁርባን ክርስቶስ ሰርዖ

ጐይታ በታ እተታሕዘላ ለይቲ፡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ድራር ፋሲጋ ኦሪት ምስ በልዔ፡ ሥርዓተ ቅዱስ ቁርባን ከም ዝሰርዔ ጽሑፋት ይምስክሩ (ማቴ. 2626-28 ማር. 1422-24 ሉቃ. 2219-20 1ቄረ. 1016-17 1123-30) እዚ ሥርዓት እዚ ኸኣ፡ ብሥጋን ደምን ክርስቶስ ዝተገብረ ነበረ። እዚ መኣዲ እዚ ሓደ ሓደ ግዜ መኣዲ ጐይታ ተባሂሉ ይጽዋዕ (1ቄረ. 1120-21) ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ምቑራስ እንጌራ ተባሂሉ ይጽዋዕ (ግብ.242 207) ብሓፈሻ ክረኤ ከሎ ግና ዕላማ ቅዱስ ቁርባን ሓዱሽ ኪዳን ንድሕነት ደቂ ኣዳም ዝዓለመ መለኮታዊ ምሥጢር እዩ (ማቴ. 2628)

ኩሉ ብዘይ ዕላማ ዝፍጸም ዘበለ ኣብ ጐልጐል ይተርፍ፡ ዕላማ ዘለዎ ዘበለ ግና፡ መጀመርታን መወዳእታን ከም ዘለዎ ዝተፈልጠ ስለ ዝዀነ፡ ቀንዲ ዕላማ እዚ መለኮታዊ ምሥጢር እዚ ድማ፡ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ኣሰጋጊሩ፡ ናብታ ብጥንቲ ርስትና ዝነበረት ዝተፈጠርናላ ገነት ዝመልስ መሳልል እዩ። እዚ ማለት ኣቦና ኣዳምን ኣዲና ሔዋንን ካብታ ኣብ ገነት ኤደን ዝነበረት ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም በሊዖም ካብ መለኮታዊ ጸጋ ቅድስና ወዲቖም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሔር ዝተሰጉላ መገዲ ስሕተት ቀይሩ፡ እንደገና ናብታ ኩሉ ግዜ ካብኣ እናበልዑ ብህይወት እተንብሮም ዝነበረት ኦም ሕይወት ክመልሶም ዘኽእሎም ቅዱስ ሓይሊ እዩ። ክርስቶስ ናብታ ቀንዲ ቤትና ዝዀነት ገነት ክወስደና ብኽብሪ ክሳብ ዚምለስ ከኣ ኩላትና ኣመንቱ፡ ካብዚ ብነጻ ዝተዋህበና መለኮታዊን ምሥጢራዊን ዝዀነ ህይወት ዝህብ ደምን ሥጋን ወዲ ኣምላኽ ብብእዋኑ እናበላዕና ክንፍወስን ክንቅደስን ተኣዚዝና ኣሎና (1ቄረ. 1126)

በቲ ሓደ ወገን ድማ፡ ምሥጢር ቅዱስ ቁርባን፡ ምሥጢር ሥርዓተ ሕብረት ኣመንቲ ምስ ክርስቶስ እዩ። ከመይሲ ቅዱስ ቁርባን ንኣመንቲ ኣብቲ ሓቀኛ ጉንዲ ወይኒ ዝዀነ ክርስቶስ ጨናፍር ስለ ዝገብሮም። በቲ ሓደ ወገን ድማ ንኣመንቲ ደም ክርስቶስ፡ ሓደ መጓሰ ዚገብሮም ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ሕድሕዶም ብፍቕርን ሓድነትን ክነብሩ ይገብሮም። በዚ ምኽንያት ኵሎም ኣመንቲ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ቅድሚ ምክፋሎም፡ ኣብቲ ጉንዲ ወይኒ ምህላዎምን ዘይምህላዎምን ርእሶም ኪምርምሩ ተኣዚዞም ኣለዉ (1ቁረ. 1014-20 1127-30)

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div