S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ኣብ ካናዳ ሞንትርያል ክፍለ-ግዝኣት፣ ብመዓርገ ዲቁና ንነዊሕ እዋን ከገልግል ዝጸንሐ

ዲያቆን ስምኦን ሓድጉ፣ ብሰንበት 19 ለካቲት 2012 (የካቲት 11, 2004 ግእዝ) ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ገብርኤል ኒው ዮርክ፣ መዓርግ ክህነት ተቐቢሎም፣ ቀሲስ ሙሴ ዝብል ናይ ክህነት ስም ድማ ተዋሂብዎም። ነዚ መዓርግ ክህነት' ብኢድ ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ጳጳስ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ኤርትራ እዮም ተቐቢሎሞ።

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብቲ እዋን ዝሃብዎ ለበዋ፣ እዚ መዓርግዚ፣ ከቢርካ ኣጋይጽካ ትነብረሉ ዘይኮነ ኣብ ምድሪ ውርደትን ስደትን ዘሰክም ግና ሰማያዊ ኣኽሊል ዓወት ዘውህብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት እዩ ክብሉ ማዕዳ ሂቦም። ኣስዒቦም፣ ናይ ምእመናን ኣገልጋሊ ናይ ክርስቶስ ባርያ ምዃንካ ተገንዚብካ፣ ነዚ ምድራዊ ዓጸባን ፈተናን ቃልስን ጸለመን ወቐሳን ተጻዊርካ ኣኽሊል ዓወትካ ንምዕታር ደው ክትብል፣ እዚ መዓርግ እዚ ብሓዋርያዊ ሰንሰለት አሰክመካ ኣለኹ ክብሉ ንብዓት ዝተሓወሶ ምኽሪ ሂቦም።

ቀሲስ ሙሴ ሓድጉ ክብርቲ በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ኣበባ፣ ደቆም፣ ቤተ ሰቦም፣ ምእመናን ውሉደክህነት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ዝተረኽቡሉ እዮም ነዚ መዓርገ-ክህነት ተቐቢሎሞ። ሰኑይ 20 ለካቲት 2012 ዓ.ም ድማ ኣብ ቴክሳስ ናብ ዝርከብ ገዳም ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ከምዝኸዱን ኣብቲ ገዳም ንኣርብዓ መዓልቲ ኣብ ሱባኤ ከምዝጸንሑን ተፈሊጡ ኣሎ። ሓደ ሰብ መዓርግ ክህነት ምስ ተቐበለ ንኣርብዓ መዓልቲ ሱባኤ ክኣቱ፣ ቀኖና ኦርቶድክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ይእዝዝ።

ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣሜሪካ ንቀሺ ሙሴ ሓድጉ እንቋዕ ናብዚ ልዑል መንፈሳዊ መዓርግ ኣብጽሓኩም ብል። ክረኽብዎም ዚደልዩ ፈተውትን ቤተሰብን፣ ድሕሪ ትንሣኤ ክትረኽብዎም ከም እትኽእሉ ብመንፈሳዊ ኣኽብሮት ንሕብር።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት (2011) ጥራይ፣ ሸሞንተ ካህናት ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ መዓርግ ክህነት ከምዝተቐበሉ ዝዝከር እዩ።

ኣምላኽ ንኣገልግሎቶም ይባርኽ፣ ንኣቦና ካህን ሙሴ ድማ ኣምላኽ ጸጋ የብዝሓሎም።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div