S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ክዝኽትም ዝመረጸ ሲኖዶስ ኤርትራ!

ዝኽትምና ቀዳምነት ኣብ ሕጻናት ብሓፈሻ ድማ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ዘስዕቦ ሥነ-ኣእምሮኣዊ ይኹን  ማኅበራዊ ጉድኣት ቀሊል ኣይኮነን። ብሞት ወለዲ ንዝመጽእ ዝኽትምና ከኣ ግደፍዶ ክትምነዮስ ወሪዱካ ክትጾሮውን ከቢድ መስገደል ምዃኑ እቲ ዘይበጽሖ ሰብውን ዘይርድኦ ኣይኮነን። ከምቲ ሥጋውያን ወለዲ ዘለዉና፥ መንፈሳውያን ወለዲ ከም ዘለዉና ድማ ኩልና ክንስሕቶ ኣይግባእን። ዝኽትማና እምበኣር ሰብ ብዝሰርሖ ይኹን ብተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ከጋጥም ዝኽእል መሪር ዕዳ ምስኣን ወለድን ኩሉ ሓልዮቶምን መሪሕነቶምን ማለት እዩ።  ስለ ዝኾነ ድማ ዝኽትምና ብምስኣን ሥጋውያን ይኹኑ መንፈሳውያን ወለድና ከጋጥም ከም ዝኽእል ክንርዳእ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ። እቲ ንቡር ብዘይ ንቡር ኣብ ዝተተክኣሉ፥ ጥልመትን ጭካነን ኣብ ዝበዝሖ መወዳእታ ዘመን 8 ሺሕ ንነብር ብምህላውና ድማ እንሆ ኣብ ቅድስት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራውን ንልዕሊ 15 ዓመታት ዝኣክል ክትኣምኖ ብዘጸግም ኵነታት መንፈሳዊ ዝኽትምና ወሪዱናስ ብከቢድ ሓዘንን ጓህን እናነባዕና ንነብር ኣሎና።

እወ! ሲኖዶስ ኤርትራ ኣብታ ናይ ፈተና እዋን 2005 . ኣብ ክንዲ ኣሰር መንፈሳዊ መራሒኡ ቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ሠሚሩ ዝስዕብ፥ ኣሰር ወኪል ህግደፍ ዝኾነ ጭዋ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ብምስዓቡ፡ ሳዕቤኑ ከይተረድኦ ብምርጭኡ ክዝኽትም ወሲኑ እዩ። እቲ ንጳጳሳት ተዋሕዶ ከም ዝዝኽትሙ ዝገበሮም ዮፍታሄ እንተ ኾነውን ኣብ 2015 . ብፖለቲካውያን ለኣኽቱ ተረፊቱ ብድርብ ዝኽትምና (ሥጋውን መንፈሳውን) ይሓዝንን ይሳቐን ከም ዘሎ እዩ ዝዝረብ። ብሓፈሻ ብሰንኪ ጌጋ ምርጫ ዝሰዓበ ዝኽትምና ጳጳሳትና፡-

1. ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ዘኽቲማ እያ፥

2. ገዳማትናን ኣድባራትናን ዝኽቲመን እየን፥

3. ኤርትራውያን ውሉደ-ክህነት ዘኽቲሞም እዮም፥

4. ምእመናን ህዝበ ክርስቲያንውን ዝያዳ ኩሉ ዘኽቲሞምን ተበታቲኖምን እዮም። ነዚ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ወሪዱና ዘሎ መንፈሳዊ ዝኽትምና እናረኣየ፡ ዘይርድኦ ኦርቶዶክሳዊ ኣማኒ እንተሎ ግና ልቦናን ምስትውዓልን ዝጎደሎ ሰብ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል።

ኣብ መጋቢት 2012 . እቶም እሙን ጓሳ ህዝቢ፥ መንፈሳዊ መራሒ ግብጻውያን ቅዱስ ፖፕ ሺኖዳ ምስ ዓረፉ፥ ብዙሓት ግብጻውያን ጳጳሳት፥ ካህናትን ምእመናንን ብዝርንዝሕ ንብዓት ብዝተሰነየ ጸሎት፥ ኣምላኽ! ዘኽታማት ኴንና ምእንቲ ከይንተርፍሲ፡ ከምቲ ቅዱስ ቃልካ ሕያዋይ መራሒ ኣቦ ፍጠረልና! እናበሉ ክምህለሉን ክልምኑን ምስ ረአኹ፥ ንሕናን ግብጻውያን ኣኅዋትናን ወላኳ ሃይማኖትና ሓደ እንተኾነ፥ ልብናን ግብርናን ግና ቆላን ከበሳን ኮይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ምኽንያቱ ሽዑ ቅንያት ዮፍታሄ ዝመርሖም 5 ጳጳሳት ኤርትራ 3 ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ኣብ ገዛ ንልዕሊ 6 ዓመታት ዓጽዮሞም ከለዉ፥ ብፖፕ ሺኖዳ ከም ዝሓዘኑ፡ ንኽቐብሩ (ንሓመድ-ድበ) መገሻ ግብጺ ዝኣክል ነዊሕ መገዲ ተጓዒዞም እዮም። ይኹን እምበር ግብጻውያን ጳጳሳት ግና ብዮፍታሄ ተመሪሖም ንዝመጹ ጳጳሳት ኤርትራ ኣብ ቀብሪ ፖፕ ሺኖዳ ከም ዝተሳተፉ ወግዓዊ ኣፍልጦ ከይሃቡ ኩዱ! ቅድም ምስ ኣቦኹም እንጦንዮስ ተዓረቑ! ብዝብል ናይ ሕሊና መልእኽቲ ኣፍ-ደገኦም ስለ ዝዓጸዉ ምስ ዝኾነ ኣቡን ከይተራኸቡ እዮም ንኣሥመራ ዝተመልሱ። እዚ ከኣ ሓቅን ሕግን ተሓሲምካ እትኸዶ መገዲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ ፍረን ዓወትን ከም ዘይርከቦ ዘግሃደ ጉዕዞ እዩ ዝነበረ። 

ግደ ሓቂ ክንዛረብ እንተ ደኣ ዄንና፡ ብድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ናይ ክሳራ ጉዕዞ፥ ሕጂውን እንተ ኾነ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያንና ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ መመሊሳ ብኸቢድ ዝኽትምናን ዋሕዲ ጳጳሳትን ትዓኑ ከም ዘላ ካብ ኩሉ ኣማኒ ተዋሕዶ ዝተሰወረ ጉዳይ ኣይኮነን። ካብቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ እዞም ዝስዕቡ ኣቡናት ተዋሕዶውን ምስ ኣቦኦም ቅዱስ 3 ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ከይተዓረቑን ይቕረ-ይፍታሕ! ከይተባህሉን ብውጉዛቶም ስለ ዝዓረፉ መፍቶ ኣዕናዊ ዕላማ ህግደፍ ኮይኖም እዮም። ኣምላኽ ነፍሶም ይምሓር። ኣስማቶም ንምጥቃስ ዝኣክል፡-

1. ኣቡን ማቴዎስ ---> 27 ሕዳር 2011 . (17 ሕዳር 2004 . ግእዝ ) ዝዓረፉ፥

2. ኣቡን ዲዮስቆሮስ ---> 21 ታሕሳስ 2015 . (11 ታሕሳስ 2008 . ግእዝ) ዝዓረፉ፥

3. ኣቡን ማርቆስ ---> 8 ሚያዝያ 2017 .ፈ ( 30 መጋቢት 2009 . ግእዝ) ዝዓረፉ፥

4. ኣቡን ኣትናቴዎስ ---> 17 ግንቦት 2019 . (9 ግንቦት 2011 ግእዝ) ዝዓረፉ፥

5. ኣቡን ሰላማ  18 ነሓሰ 2019 . (12 ነሓሰ 2011 . ግእዝ) ዝዓረፉ እዮም።

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ ካብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ዝበርሃልካ ጉዳይ እንተሎ ልክዕ ሕጂ ንዓና ኣጋጢሙና ከም ዘሎ፡ ንድሕሪት ዘልሓጥሓጥ ዝበዝሖ ስማዊ-ክርስትና ሒዝካ ምድራዊ ዋጋ ይኹን ሰማያዊ ጸጋ ክርከቦ ከም ዘይክእል እዩ ዘነጽር። እቲ ቅዱስ ጽሑፍኢየሱስ ክርስቶስ ስቑል ኣብ ቅድሚ ኣዕይንትኹምዶ ብግሁድ ከም ሥእሊ ተሰጢሑ ኣይነበረን? ምስ በለ . . . ሕጂ ግና ንኣምላኽ ምስ ፈለጥክምዎ፥ ምናዳውን ንሱ ምስ ፈለጠኩም፥ ከመይ ኢልኩም ናብቲ ድኹምን ድኻን ኣተሓሳስባ ዓለም ትምለሱ ኣሎኹም? ይብል። ገላ 49 ቀጺሉውን ጽቡቕ ትጎዩ ኔርኩም። ንሓቂ ከይትእዘዝዋ ደኣ መን ዓገተኩም? እዛ ምኽሪ እዚኣ ካብቲ ዝጸውዓኩም ኣምላኽ ኣይመጸትን! እንዳ በለ ብጓህን ንብዓትን ይሓትት። ገላ 57-8   

እሞኸ ደኣ! ንሕናኸ ሕጂ እንታይ ንግበር? ነቲ ዝወደቐ ሰብዶ ኣይትንሥእን እዩ? መገዲ ዝተጋገየ ሰብዶኸ ኣይምለስን እዩ? (ኤር 84) ዝብል መንፈሳዊ ምኽሪ ንኽንዝክር ጎይታ ኣዕይንቲ ልቦናና ይኽፈተልና። ኣብ ዘመነ-ትንሣኤ ቅነ-በዓለ መንፈስ ቅዱስ ምህላውና ተገንዚብና፥ ነቲ ኣነ ዘኽታማት ኴንኩም ክትተርፉ ኣይሓድገኩምን እየ፥ ናባኻትኩም ክምለስ እየ! (ዮሓ 1418) ዝበለ መድኃኔ-ዓለም ኣምላኽና ንቃሉ ኣሚንና፥ ኩልና ካብዚ ዘሎናዮ ዘሕዘን ናይ ዝኽትምና ናብራ ብንስሓን ዕርቅን ናብ ኣምላኽና ተመሊስና፥ ናብ ሠናይ ዕዮ ፈጣሪ ብሓባር ምእንቲ ኽንትንሥእ፥ ልዑል እግዚኣብሔር ሰማያዊ ኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ይልኣኸልና።

ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ! እናበልና ንልምነኩም ኣሎና። 2 ቆሮ 520

ቀሲስ ሓለፎም ዓንደማርያም

 ቅዱስ ሚካኤል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሻርሎት ሰሜን ኣሜሪካ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div