S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

ብሊቀ ካህናት ምርካጽዮን ተኽለማርያም

ኣብ እምነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያንና፣ምምላድወይኣማላድነትዝብል ክፋልሥርዓተ-ኣምልኾከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ማለት ድማ እቶም ቅዱሳነ-እግዚኣብሔር፣ ኣማለድቲ ኮይኖም ንዓና ንደቂ-ሰብ፣ ምስ ኣምላኽ ንምትዕራቕ ዝግበር፣ ወይ ኣምላኻዊ ጸጋን በረኸትን ከውህብ ዘኽእል፣ ሥርዓተ-ኣምልኾ` ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል።

ማለት ተልእኮ`ቶም ቅዱሳነ-እግዚኣብሔር ምምላድ ወይ ምትዕራቕ ኮይኑ፣ ሰብ ምስ ኣምላኽ ንምትዕራቕ ዝግበር ክፋል ሥርዓተ-ኣምልኾ` ተባሂሉ`ውን ክውሰድ ይከኣል። እዚ ከኣ ኣካል` ኦርቶዶክሳዊ ሥርዓተ-ኣምልኮና ኮይኑ፣ ጥጡሕ ሠረት ሒዙ ክሥርሓሉ ዝርከብ ዘሎ እዩ። ስለዚ ከኣ` ኣብቶም ቅዱሳት መጻሕፍቲ ሠረት ዘለዎ ኮይኑ፣ ኣካል ኦርቶዶክሳዊ እምነትና ኮይኑ`ውን ዝርከብ ዘሎ። ይኹን እምበር እዚ ሥርዓተ-ኣምልኾ`ዚ፣ ዘይመጽሓፍ-ቅዱሳዊ`ዩ፣ ወይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሠረት ዘለዎ ኣይኮነን ብምባል፣ ብዓይኒ ነቐፌታ ዝጥምቱዎ ገለ ወገናት ክርስቲያን ምህላዎም ዝፍለጥ`ዩ። ይኹን እምበር እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣበሃህላ፣ መጽሓፍ-ቅዱስ፣ ብንባብ ጥራይ ነቢብካዮ ካብ ምሕላፍ፣ ወይ እቲ ምሥጢር ብዝግባእ ካብ ዘይምርዳእ ዝብገስ ጌጋ እንተ-ዘይኮይኑ፣ እቲኣማላድነትዝብል ቃል፣ መጽሓፍ-ቅዱስ ሠረት ዘለዎ ኣይኮነን ዝብል መደምደምታ ብምሃብ፣ ሰጊርካዮ ክሕለፍ ዘኽእል ቅቡል ዝኾነ ምኽንያት`ውን የልቦን።

ንኣብነት ን"ኣማላድነትወይምምላድ ብዝምልከት፣ ብሉይ-ኪዳን መበገሲ ብምግባር እንተረአናዮ፣ ብቐዳምነት ክንረኽቦ እንኽእል፣ እቲ ኣብ መንጎ ኣቦና-ኣብርሃምን፣ ንጉሥ-ኣቤሜለክን ዝተፈጸመ ታሪኽ እዩ። እዚ ማለት ድማ እቲ ንጉሥ ንሳራ ምስ ረኣያ፣ ስለ-ዝበሃጋ ወይ ስለ-ዝተመነያ፣ ናብ ቤቱ ከም-ዝወሰዳ` እቲ መጽሓፍ  ዝዛረብ። እዚ ስጉምቲ` ንኽወስድ ምኽንያት ዝኾኖ  ከኣ፣ ኣብርሃም ኃውተይ እያ ስለ-ዝበሎ እዩ። ኣብርሃም ግና ንጽባቐ ሣራ ምኽንያት ብምግባር፣ ከይቀትሉዎ ንሕይወቱ ስለ-ዝፈርሀ ደኣምበር፣ ሣራስ ንዕዑ ናይ ሕጊ ሰበይቱ` ዝነበረት። ባዕሉ ኃውተይ እያ ስለ-ዝበለ ግና፣ እቲ ንጉሥ ማለት ኣቤሜለክ ንኽወስዳ፣ ክስከፍ ዝገብሮ ምኽንያት ምህላዉ ኣይተራእዮን።

እቲ ሕያው ኣምላኽ ግና፣ ኣቤሜለክ እዚ ኃጢኣት` ክፍጽም ክገድፎ ኣይደለየን። ስለዚ ሣራ ሰበይቲ ሰብኣይ እያ` ኣይትቕረባ ድሕሪ ምባሉ “-ንሱ እቲ ሰብኣያ ነቢይ እዩ`ሞ፣ ምእንቲ ክትድኅን ክጽልየልካ እዩ-”  ከም-ዝበሎ` ብሉይ-ኪዳን ገሊጹዎ ዘሎ። ስለዚ እቲኣማላድነትዝበሃል ሥርዓተ-ኣምልኾ፣ ብእግዚኣብሔር ኣፍልጦ ዝረኸበ፣ ወይ ኣፍልጦ ዝተዋህቦ ሥርዓተ-ኣምልኾ ደኣምበር፣መጽሓፍ-ቅዱሳዊ ሠረት የብሉን ተባሂሉ፣ ብዓይኒ ነቐፌታ ክጥመት ዝገብሮ፣ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት` ኣለዎ ዝበሃል ከም-ዘይኮነ፣ ካብቲ መጽሓፍ ንላዕሊ ክዛረብ ዝኽእል ኣሎ ኣይንብልን።(ዘፍ-20/1-7)

ከመይሲ ካብቲ መጽሓፍ ክንርድኦ ከም-እንኽእል፣ እግዚኣብሔር-ኣምላኽ ንኣቤሜለክ፣ ባዕሉ ይቕረ ኢለልካ` ብምባል፣ ክምሕሮ እናኸኣለ ከሎ`ዩ፣ “-ምእንቲ ክትድኅን ኣብርሃም ይጸልየልካ-” ክብሎ ዝተሰምዐ። ብኻልእ ኣዘራርባ ንሱ የማልድካ` ዝብሎ ዘሎ። ስለዚ መጽሓፍ-ቅዱስ ንኣማላድነት ብዝምልከት እዚ ድልዱልን ርጉጽን ዝኾነ ምስክርነት እናሃበ ከሎ፣ በየናይ መዐቀንን መምዘን`ዩ፣ኣማላድነት ቅዱሳንመጽሓፍ-ቅዱሳዊ ሠረት የብሉን ተባሂሉ ክንጸግ ዝከኣል-? ከመይሲ እቲ ሕያው ኣምላኽ ባዕሉዶ ኣይኮነን “-ኣብረሃም ይጸልየካ ወይ የማልድካ-” ዝብል ዘሎ። ስለዚ እቲ ኣማላድነት ዝበሃል ሥርዓተ-ኣምልኾ፣ ከምቲ ገለ ወገናት ዝብሉዎ ከም-ዘይኮነ፣ ካብዚ ዝዓቢ ካልእ መረድኢ ክቐርበሉ የድሊ` ክንብል ኣይንኽእልን።

ካብዚ ብምቕጻል ዝቐርብ ካልእ መረድኢ`ውን ኣሎ። ንሱ ድማ እቲ እግዚኣብሔር ኣምላኽ፣ ብዛዕባ ሶዶምን-ጎሞራን ምስ ኣብርሃም ዝገበሮ ምዝርራብ እዩ። እቲ መጽሓፍ ከም ዝብሎ ከኣ “-ሽዕኡ እግዚኣብሔር ንኣብርሃም፣ ብሰንኪ ሶዶምን-ጎሞራን ኣውያት በዝሐ፣ ኃጢኣተን ከኣ እምብዛ ዓቢይ ኮነ-” ብምባል፣ ብዛዕባ` ዝኸውን ዝነበረ ኩሉ፣ ንኣብርሃም ከም-ዝነገሮ` ብሉይ-ኪዳን ዝዛረብ። ኣብርሃም ድማ ብዛዕባ` ኣብ ልዕሊ ሶዶምን-ጎመራን፣ ንክወረድ ኣንጠጥዩ ዝነበረ መዓት ስለ-ዘተሓሳሰቦ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ምሕረት ንክልምን ከም-ዝቐረበ ኢና ንርኢ። (ዘፍ-18/20-21)

ስለዚ ድማ ኣቦና-ኣብርሃም “-ነቲ ጻድቕከ ምስቲ ኃጥእዶ ከተጥፍኦ ኢኻ-? ምእንቲ`ቶም ኣብኣ ዘለዉ 50-ጻድቃን ኢልካ` ነታ ቦታ ኣይትንሕፋንዶ-? ብምባል`ዩ፣ ምእንቲ ሶዶምን-ጎመራን ምሕረት ክልምን ኢሉ፣ ኣብ ቅድሚ` ሕያው ኣምላኽ ክቐርብ ምኽንያት ዝኾኖ። እቲ ንጸሎት ኣቦና-ኣብርሃም ካብ እግዚኣብሔር ዝተዋህበ መልሲ ከኣ “-ኣብ ሶዶምን-ጎመራን 50-ጻድቃን እንተረኺበስ፣ ንብዘላ እታ ከተማ፣ ምእንታኦም ኢለ ክንሕፋ እየ-” ዝብል መልሲ` ዝነበረ። (ዘፍ-18/28)

እምበኣር ኣብዚ እቲ መጽሓፍ ብግልጺ ይዛረብ ከም ዘሎ፣ ኣቦና-ኣብርሃም ምእንቲ ሕዝቢ ሶዶምን-ጎመራን ክልምን`ዩ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ዝቐረበ። እምበኣር ኣብዚ ኣቦና-ኣብርሃም ኣማላዲ ኮይኑ ቀሪቡ ከም-ዘሎ፣ ምንም ዘከራኽር ነጥቢ ዘለዎ ኣይኮነን። እቲ ዝዓበየ ትኹረት ክወሃቦ ዝግባእ ተወሳኺ ነጥቢ ድማ “-ኣብዛ ከተማ 50-ጻድቃን እንተ ረኺበስ፣ ምእንትኦም ኢለ ክንሕፋ እየ-” ተባሂሉ ዝተነግረ ኣምላኻዊ ቃል`ዩ። ኣብቲ ኦርቶዶክሳዊ ሥርዓተ-ኣምልኾና`ውን፣ ነዚ መሠረት ብምግባር`ዩ፣ በእንተ-ማርያም፣ በእንተ-መላእክት፣ በእንተ-ነቢያት፣ በእንተ-ሓዋርያት፣ በእንተ-ሠማዕታት፣ በእንተ-ጻድቃን እናተባህለ ምህልላ ክግበር ዝርከብ ዘሎ።

 ከመይሲ ኣቦና-ኣብረሃም`ውን ምእንቲ ገለ ጻድቃን ኢልካኸ ኣይትምሕርንዶ ብምባል `ዩ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ክልምን ኢሉ ዝቐረበ። እቲ ጽሑፍ ባዕሉ ይገልጾ ከም ዘሎ ድማ፣ እቲ ሕያዋይን መሓርን ዝኾነ ኣምላኽ ድማ፣  ምሕረት እምበር ጥፍኣት ባሮቱ ስለ-ዘይደሊ፣ ምእንቲ ገለ ጻድቃን ክብል ምሕረት ክገብር ከም-ዝደሊ፣ ንኣብርሃም ከም-ዘረጋገጸሉ` እቲ ቅዱስ-መጽሓፍ ዝዛረብ። ግዳስ ሓሙሽተ ዝኾኑ ጻድቃን ተደልዮም ምስ ተሳእኑ እየን፣ እተን ብኃጢኣት ተበላሽየንን ጋዕዝየንን ከም-ዝነበራ ዝንገረለን ሶዶምን ጎሞራን፣ ካብ ሰማይ ብዝወረደ ሓውን ዲንን ተደምሲሰን ክጠፍኣ ዝኸኣላ። እምበኣር ሕጂ`ውን እቲ ሕያው ኣምላኽ፣ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ መዓት ከድኅነና ብምባል ኢና፣ በእንተ እናበልና ስም ቅዱሳን ብምጽዋዕ፣ ክንምህለልን ክንጽልን  ንርከብ ዘሎና።(ዘፍ-18/16-29)

ብተወሳኺ`ውን ኣብ መጽሓፈ-ኢዮብ “-ንኣማላድነት-” ብዝምልከት፣ ነዚ ስዕቡ ዘሎ ብመጽሓፍ-ቅዱስ ዝተደገፈ መርትዖ ክንረክብ ንኽእል። ማለት ኣብ መንጎ` ጻድቕ-ምዃኑ፣ ብእግዚኣብሔር ዝተመስከረሉ ኢዮብን፣ እቶም ፈተውቱ ዝነበሩ ሠለስተ-ሰባትን ዝተመላለሱዎ ቃላት እዩ። እቲ ሕያው-ኣምላኽ ከኣ፣ ብኣበሃህላ`ቶም ፈተውቲ ኢዮብ ስለ ዘይተሓጎሰ፣ ካብኣቶም ነቲ ኤልፋዝ ዝተባህለ፣ ከምዚ ዝስዕብ ከም-ዝበሎ ነንብብ “- “-ከም ኢዮብ ባርያይ ጌርኩም፣ ብዛዕባይ ቅኑዕ ስለ-ዘይተዛረብኩም፣ ኣባኻን ኣብ ክልቲኦም መሓዙትካን ተቘጢዐ ኣሎኹ። ሾብዓተ-ዝራብዓትን ሾብዓተ-ደዓውልን ሒዝኩም፣ ናብ ኢዮብ-ባርያይ ኪዱ`ሞ፣ ኣብ ክንዲ ርእስኹም መሥዋዕቲ ምሕራር ኣዕርጉ። ኢዮብ-ባርያይ ከኣ ክጽልየልኩም እዩ`ሞ፣ ንዕኡ ክቕበሎ`-” ከም-ዝበሎ` ተጻሒፉ ዘሎ። (ኢዮ-42/7-8)

ኣብዚ`ውን እቲ ጻድቕ ኢዮብ፣ ነቶም ሠለስተ ፈተውቱ ንኽጽልየሎም፣ ብእግዚኣብሔር ኣፍልጦ ዝረኸበ፣ ናይ ኣማላድነት ተልእኮ ንኽፍጽም ከም-ዝተጸውዐ ኢና ንርኢ። ከመይሲ ባዕሉ እግዚኣብሔር ዝምሕር ኣምላኽ ኮይኑ እናሃለወ፣ “-ኢዮብ ባርያይ ክጽልየልኩም እዩ`ሞ፣ ኣነ ድማ ንጸሎቱ ክቕበሎ እየ-”  ብምባል`ዩ፣ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ `ውን ኣቐሚጡዎ ዘሎ። እዚ ብኢዮብ ኣቢሉ ክግበር ዝተደልየኣማላድነትእዚ ከኣ፣ ብእግዚኣብሔር ኣፍልጦ ዝተዋህቦ ወይ ዝረኸበ ደኣምበር፣ ኢዮብ ባዕሉ ኣማላዲ ክኸውን ኢሉ ኣይቀረበን። ስለዚ እቲኣማላድነትዝበሃል፣ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና ሥርዓተ-ኣምልኾ፣ ከምቲ ገሊኦም ናይ ምርዳእ ጸገም ዘለዎም ዝመስሉ፣ ዝህቡዎ ዝንቡዕ ትርጉም ዘይኮነ፣ እግዚኣብሔር ባዕሉ ዝፈቐዶን መጽሓፍ-ቅዱስ ሠረት ዘለዎን ምዃኑ፣ ካብቶም ቅዱሳት-መጻሕፍቲ ዝህቡዎ ምስክርነት ንላዕሊ፣ ክቐርብ ዝኽእል መርትዖ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። ነቲ ሕያው ኣምላኽ ተጋጊኻ ክብሎ ዝኽእል ፍጡር ድማ የልቦን። ስለዚ` ኣባ-ጊዮርጊስ ዘጋስጫ`ውንኣልቦ ዘይብሎ ምንተ ገበርከ-? ዘንተ ኣሕሰምከ ወዘንተ ኣሠነይከብምባል፣ ኣብ ሰኣታት ኣቐሚጡዎ ዘሎ።

ምስዚ ሒዝናዮ ዘሎና ናይኣማላድነትኣርእስቲ ብምትሕሓዝ፣ ክንመሃረሉ እንደሊ ካልእ ተወሳኺ ፍጻሜ`ውን ኣሎ። ንሱ ድማ እቲ ኣብ እግሪ ከረን-ሲና ዝተፈጸመ፣ ጥቓ ዕብዳን ዝበጽሐ ተግባር ደቂ-እስራኤል እዩ። እዚ ማለት ድማ እስራኤላውያን፣ ነቲ ኩሉ በቲ ሕያው-ኣምላኽ ዝተገብረሎም  ትእምርትን ተኣምራትን ሸለል ብምባል፣ ብወርቂ ኣብ ዝተሠርሐ ምስሊ-ምራኽ ክሰግዱ ዝገበሩዎ፣ ጥቓ ዕብዳን ዝበጽሐ ክሕደት እዩ። በዚ ከኣ ኩራ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊኦም ከም-ዝነደደ ንርኢ። ከም ሳዕቤን` ዝተባህለ ኩሉ`ውን፣ እግዚኣብሔር ኣምላኽ “-ነዚ ሕዝቢ` ከጥፍኦ`-” ክሳብ ምባል ከም-ዝተቘጥዓ፣ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ገሊጹዎ ኣሎ።

እቲ ኣዚዩ ዕጉስ ከም-ዝነበረ ዝንገረሉ ሊቀ-ነቢያት ሙሴ ግና፣ ኣብ ክንድ` ሕዝቢ ኮይኑ ምሕረት ንክልምን፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ካብ ምውዳቕ፣ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮን። ከምዚ ብምባል ድማ ኣብ ቅድሚ ምሕረት ኣምላኽ ወዲቑ ከም- ዝተማህለለ ነንብብ “- እግዚኣብሔር ኣምላኸይ-! ካብ ንደት ቁጥዓኻ ተመለስ። ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕዝብኻ፣ ክትገብሮ ዝሓሰብካ መዓት ድማ ተጠዓሰሉ። ነቶም ብርእስኻ ዝመሓልካሎም ንኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ከኣ ዘክር-” ብምባል ብሙሴ ኣቢሉ ዝቐረበ ጸሎተ-ምህለላ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቅቡል ኮይኑ ስለ-ዝተረኽበ “-እግዚኣብሔር ድማ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሕዝቡ ክገብሮ ኢሉ ተዛሪቡዎ ዝነበረ መዓት ተጣዕሰሉ-” ብምባል`ዩ፣ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ መዝጊቡዎ ዘሎ። (ዘጸ-32/1-14)

እምበኣር እግዚኣብሔር ኣምላኽ፣ ነቲ ከውርዶ ሓሲቡዎ ዝነበረ መዓት ተጣዒሱሉ፣ ንድሕሪት ክመልሶ ወይ ናብ ምሕረት ክቕይሮ ዝኸኣለ፣ በቲ ሙሴ ዘቕረቦ ጸሎተ ምህልላ ምዃኑ፣ ካብቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ንላዕሊ ክዛረብ ዝኽእል የልቦን። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ደቂ-እስራኤል፣ ካብ ቁጥዓ-ኣምላኽ ንክድኅኑ ምኽንያት ዝኾነ፣ እቲ ሕያው ኣምላኽ ኣማላድነት ሙሴ ስለ-ዝተቐበለ እዩ። ቅዱሳነ-እግዚኣብሔር ከተዓርቑ ወይከማልዱከም-ዝኽእሉ ድማ፣ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ትርጉም ብዘየድልዮ ቋንቋ ባዕሉ ይዛረብ ኣሎ። ስለዚ`ውን ሥርዓተ-ኣምልኾ ኦርቶዶክሳዊ እምነትና፣ ኣብ ብሉይን-ሓዲስን ተሠሪቱ ዝርከብ ደኣምበር፣ እቶምሰማንያ-ኣሓዱወይ 81-መጻሕፍቲ ዘይቅበሉ ወገናት ከም-ዝብሉዎ፣ ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ ተዋሕዶና፣ ካብ ክሊ መጽሓፍ-ቅዱስ ዝወጸ እምነት ከም-ዘየሎ፣ ልዕሊ መጽሓፍ-ቅዱስ ባዕሉ ክቐርብ ዝኽእል ምስክር የልቦ።

ብዝተረፈ ንሳቶም ማለት፣ እቶም ካብ ክሊ መጻሕፍቲሰማንያ-ወኣሓዱወጻኢ ዝርከቡ፣ ሰብ “-ስሳን-ሽዱሽተን- መጻሕፍቲ-” ዝኾኑ ወገናት። ከም ናይኣማላድነትተቓራኒ ገይሮም፣ ካብ ዘቕርቡዎም ጥቕስታት፣ እዞም ካብ 1 ክሳብ  6ይ፣ ቀሪቦም ዘለዉ ምዃኖም ዝፍለጥ`ዩ። ነዚኣቶም ድማ ነቲ ኣብ ኣማላድነት ዘሎ ሥርዓተ-ኣምልኾ፣ ከም ኣፍረስቲ ወይ ተጻረርቲ ገይሮም`ዮም ከቕርቡዎም ዝርኣዩ። 

1. ኣነ ንኃጥኣን እምበር፣ ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን።(ማቴ-9/13)

2. ኣቱም ኩልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፣ ናባይ ንዑ፣ ኣነ ከዕርፈኩም። (ማቴ-11/28)

3. እቲ ኣፍ-ደገ ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣቱ ከኣ ክድኅን እዩ። (ዮሓ-10/9)

4. መገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ እየ፣ ብዘይ ብኣይ ከኣ፣ ሓደ` ናብ ኣቦ ዝመጽእ የልቦን (ዮሓ-14/6)

5. በቲ ክረድእ ዘይክእል ወዲ-ሰብ ኣይትተኣመኑ። (መዝ-146/3)

6. ብሰብ ዝእመን ርጉም` (ኤር-17/5)

እዞም ዝተባህሉ ጥቕስታት ድማ፣ እቶም በቶም ሰብ “-66-መጻሕፍቲ-” ዝኾኑ ወገናት፣ ከምንኣማላድነትዝቃወሙ ኮይኖም ብምድግጋም ክጥቀሱ ዝስምዑ እዮም። ይኹን እምበር እዞም ዝተባህሉ ጽሑፋት ኩሎም ነቲ ፈጺሙ ክትንከፍ ዘይግብኦ፣ ናይ እግዚኣብሔር መሎኮታዊ ክብሪ፣ ብምኽንያት ኣማላድነት ይትንከፍ ከም ዘሎ ኣምሲልካ፣ ዝንቡዕ ትርጉም ክትህቦ ምፍታን፣ እግዚኣብሔር ዝቕበሎን መጽሓፍ-ቅዱስ ዝምስክሮን` ክንብል ኣይንኽእልን። ከመይሲ እቲ ቅዱስ-መጽሓፍ ኢሉዎ፣ ወይ ገሊጹዎ ካብ ዘሎ ኣገላልጻ ወጻኢ፣ ንመሠረት መጽሓፍ-ቅዱስ ነቕኒካ፣ ዘይናቱን ዘይሰማምዖን ትርጉም ክወሃቦ ዝግበር ፈተነ፣ ንሚዛን ዝኸውን ክብደት ክህልዎ ይኽእል ` ክንብል ኣይንኽእልን። መጽሓፈ-ምሳሌ`ውን “-ኣቦታትካ ዘቈሙዎ ናይ ቀደም ደረት ኣይትድፋእ-” ብምባል ዝሃቦ መጠንቀቕታ ከምዘሎ ክፍለጥ ይግባእ።(ምሳ-22/4)              

ብዝተረፈ ንመለኮታዊ ክብሪ እግዚኣብሔር ክሒድካ፣ ፍጡር ኣብ ዝኾነ ሰብ እምነት ምግባርን፣ ኣማላዲ ኮይኑ ምስ እግዚኣብሔር ከተዓርቐኒ ኢልካ፣ ናብ ሓደ ካብቶም ቅዱሳነ-እግዚኣብሔር ጸሎት ምግባርን፣ ክልተ ዝተፈላለዩ ኣርእስቲ ምዃኖም ክፍለጥ ይግባእ። ኣማላድነት ማለት ድማ፣ ናይ እግዚኣብሔር መለኮታዊ ክብሪ ሸለል ብምባል፣ ናብ ፍጡራን ኣቢልካ ከም-ምጥማት ማለት ከም-ዘይኮነ፣ ጸቒጥካ ክሥመረሉ ዝግባእ ነጥቢ`ዩ። እቶም መጻሕፍቲ`ውን ነዚ ሓቂ` እዮም ከረጋግጹልና ዝኽእሉ። ካብ ክሊ መጽሓፍ-ቅዱስ ወጺእና ክንርከብ ድማ፣ እቲ ኣብ ራእየ-ዮሓንስ  “-ሓደ` ናብዘን ቃላት እዚኣተን እንተወሰኸ፣ ኣምላኽ ከኣ ኣብዚ መጽሓፍ` ተጻሒፉ ዘሎ መዓት ክውስኸሉ እዩ። ካብ ቃላት እዚ ትንቢት` እንተ ኣጉደለ ከኣ፣ ኣምላኽ ካብተን ኣብዚ መጽሓፍ` ተጻሒፈን ዘለዋ፣ ኦም ሕይወትን እታ ቅድስቲ ከተማን ግዲኡ ከጒድለሉ እዩ-” ብምባል ተዋሂቡ ዘሎ መጠንቀቕታ፣ ብሸለልትነት ጥሒስካዮ ክሕለፍ ከም-ዘይግባእ ንፈልጥ ኢና። (ራእ-22/18-19) 

ይኹን እምበርኣማላድነት-ቅዱሳንዝደሊ ሰብ፣ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክቐርብ፣ ብቑዕ ኣይኮንኩን ካብ ዝብል ናይ ሕልና ወቐሳ`ዩ፣ ብኣማላድነት ቅዱሳን ኣቢሉ ናብ እግዚኣብሔር ክቐርብ ብማለት፣ ማዕጾ ቤት-ኣምላኽ ክኩሕኩሕ ዝርከብ። እዚ ማለት ድማበእንተእናበለ ስመ-ቅዱሳን ብምጽዋዕ፣ ክጽልን ክምህለልን ምርካቡ፣ ንመለኮታዊ ክብሪ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ዘሊልካ ብምኻድ፣ ዝግበር ሥርዓተ-ኣምልኾ ከም-ዘይኮነ፣ በዚ ዝስዕብ ምርድኡ ይከኣል`ዩ። “-ንዓኻትኩም ዝቕበል ንዓይ ይቕበል። ...እቲ ንነቢይ ብስም ነቢይ ዝቕበል፣ ዓስቢ ነቢይ ይረክብ። እቲ ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዝቕበል ከኣ፣ ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ። ካብዞም ነኣሽቱ ንሓደ`ኳ፣ ብስም ወደ መዝሙር፣ ዝሑል ብርጭቆ-ማይ ዘስቲ`ውን፣ ዓስቡ ከቶ ከም-ዘይስእን ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ-” ተባሂሉ ዝተነገረ ኣምላኻዊ ቃል ምህላዉ ክፍለጥ ይግባእ። (ማቴ-10/40-42)

ብዝተረፈ ንሳቶም እቶም፣ ሰብ66-መጻሕፍቲዝኾኑ ወገናት “-ኣማላዲ ሓደ በይኑ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ጥራይ`-” ዝብል ንባብ ብምሓዝ፣ ዝህቡዎ ጌጋ ትርጉም ምህላዉ ዝፍለጥ`ዩ። ግዳስ ኣብ መንጎ` ብጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ተበጃውነትን፣ ብቅዱሳነ-እግዚኣብሔር ዝግበር ኣማላድነትን፣ ሓደ ዓቢይ መሠረታዊ ፍልልይ ከም-ዘሎ፣ ክርዱኡዎ ኮነ ክቕበሉዎ ዝደልዩ ኮይኖም ኣይረኣዩን። ከመይሲ እቲ ናይ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ “-ተበጃውነት-” ተባሂሉ ዘሎ፣ ብዛዕባ` ምእንቲ ኃጢኣት ደቂ-ሰብ፣ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ግብሪ ምድኃን፣ ዝዛረብ  ደኣ`ምበኣር፣ ካብዚ ወጻኢ ካልእ ትርጉም ከም-ዝወሃቦ ምግባር፣ ነቲ ጎይታና ኣብ መስቀል ዝኸፈሎ ዋጋ፣ ካብቲ ክኾኖ ዝግብኦ መለኮታዊ-ክብሪ ኣውሪድካ፣ ምንእኣስ ጥራይ` ክኸውን ዝኽእል። ዮሓንስ ወዲ-ዘብዴዎስ ከኣ፣ ነቲ  ኣማላድነት ብምባል ቀሪቡ ዘሎ ናይ ድኅነት ምሥጢር፣ ብከምዚ ዝስዕብ ገሊጹዎ ከም ዘሎ ንርኢ “-ጠበቓ ኣሎና ንሱ ድማ፣ እቲ ጻድቕ ኢየሱስ-ክርስቶስ እዩ። ንሱ ምእንቲ ኃጢኣትና በጃ ኮነ-”  ብምባል ` ገሊጹዎ ዘሎ። (1ዮሓ-2/1-2)

ሓዋርያ ቅዱስ-ጳውሎስ`ውን፣ ነዚ ምሥጢር` ብዝምልከት ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ኣሎ። “-ኣምላኽ ሓደ እዩ፣ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ መተዓረቒ ድማ፣ ሓደ እዩ። ንሱ ከኣ እቲ ሰብ ዝኾነ ክርስቶስ-ኢየሱስ እዩ። ንሱ ኣብ ክንዲ ኩሉ ሰብ፣ ገዛእ ርእሱ በጃ ኣሕሊፉ ሃበ-” ብምባል` ገሊጹዎ ዘሎ። እምበኣር ነቲ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ግብሪ ምድኃን ወይ “-ተበጃውነት-” ነዚ`ዮም፣ እቶም ሰብ “-66-መጻሕፍቲ-” ዝኾኑ ወገናት፣ ንመለኮታዊ-ክብሪ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ፣ ክምጥን ብዘይክእል ኣገላልጻ፣ ነቲተበጃውነትዝብል ቃል፣ኣማላድነትዝብል ዝንቡዕ ትርጉም ከም-ዝህልዎ ብምግባር፣ መኣዝኑ ስሒቱ ከም-ዝርከብ ገይሮሞ ዝርከቡ ዘለዉ። ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና ግና፣ ምስዚ ኣበሃህላ` ዝሰማማዕ እምነት የብላን። እዚ ማለት ድማ፣ተበጃውነትንጎይታና ንበይኑ ዝምልከት ግብሪ ምድኃን ክኸውን ከሎ፣ኣማላድነትግና ንቅዱሳነ-እግዚኣብሔር፣ ዝምልከት ኮይኑ ` ዝርከብ (1ጢሞ-2/5-6)

ስለዚ`ውን ናይ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ ተበጃውነት፣ ምእንቲ ኃጢኣት ደቂ-ሰብ፣ ኣብ መስቀል ብዝተፈጸመ ግብሪ ምድኃን ዝተገልጸ ክኸውን ከሎ፣ እቲ ኣማላድነት-ቅዱሳን ግና፣ ኣብ ክንዲ ሕዝቢ ናብቲ ኣምላኽን መድኅንን ዝኾነ ክርስቶስ፣ ብጸሎቶም ዝገብሩዎ ምምላድ ኮይኑ` ዝርከብ። ማለትምእንቲኢልካ ዝግበር ጸሎት ደኣምበር፣ ናይ ደም ዋጋ ዝሓትት ኣይኮነን። እምበኣር ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያንና፣ ሥርዓተ ኣምልኾ ክግለጽ ከሎ፣ ማለት እቲ  “-ተበጃውነት-” ዝብል ግብሪ ምድኃን፣ ናይ ክርስቶስ ናይ በይኑ ክኸውን ከሎ፣ እቲ ናይ“-ኣማላድነት-” ሥርዓት ግና፣ ናይ ቅዱሳነ-እግዚኣብሔር ግደ እዩ። ስለዚ ከኣ እቲ ኣብ መንጎተበጃውነትን" “ኣማላድነትንዘሎ ደረት ወይ ወሰን፣ ጥሒስካዮ ክሕለፍ ዝከኣል ከም-ዘይኮነ፣ ምፍላጡ ኣገዳሲ እዩ። ከመይሲ ተበጃውነት ብደም ጎይታና፣ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ግብሪ ምድኃን ክኸውን ከሎ፣ ኣማላድነት ግና ብጸሎት ቅዱሳን ኣቢሉ ዝፍጸም፣ ናይ ኣምልኾ-ሥርዓት እዩ። ስለዚ ኣብ መንጎተበጃውነትከምኡ`ውንኣማላድነትዘሎ ወሰንን ደረትን፣ ሰጢጥካ ብምኻድ፣ ካልእ ትርጉም ክወሃቦ ምፍታን፣ ምስ ኣስተምህሮ ብሉይን ሓዲስን፣ ክሳነ ይኽእል` ዝብል እምነት የብልናን።

ይኹን እምበር እቶም ሰብ “66-መጻሕፍቲእቶም ድሮ ብሞት ዝተፈልዩ ቅዱሳን፣ ንሳቶም`ውን የማልዱ`ዮም ዝብል ትምህርቲ፣ ነዚ`ውን ብግልጺ ክቃወሙዎ`ዮም ዝርከቡ። ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና ግና፣ ቅዱሳነ-እግዚኣብሔር ብሕይወቶም ከለዉ ጥራይ ዘይኮኑ፣ ድሕሪ ሞቶም`ውን ናይ ምምላድ ተግባሮም፣ ኣየቋርጽን እዩ ዝብል እምነት` ዘለዋ። ነዚ ግና መጻሕፍቲ ብሉይን ሓዲስን መሠረት ብምግባር ደኣምበር፣ ዝኾነ መጽሓፍ-ቅዱሳዊ ጭብጢ ወይ መወከሲ ከይሓዘት፣ እትብሎ ዘላ ኣይኮነትን። ምስዚ ብምትሕሓዝ ክጥቀስ ካብ ዘለዎ ሓደ፣ እቲ እግዚኣብሔር ኣምላኽ፣ ነቦና-ኣብርሃም ዝሃቦ ናይ ተስፋ ቃል`ዩ። ብሉይ-ኪዳን ከም-ዝብሎ ድማ “-ዓይንኻ ቋሕ ኣብል እሞ፣  ናብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ኣቢልካ ጠምት። እዛ ትርእያ ዘሎኻ ምድሪ ድማ፣ ንዓኻን ንዘርእኻን ንዘለዓለም ክህባ እየ። ንዘርእኻ ድማ ከም ሓመድ ምድሪ ከብዝሖ እየ-” ዝብል ትንቢታዊ ተስፋ ከም-ዝሃቦ፣ ተጻሒፉ ኣሎ። (ዘፍ-13/14-18)

ኣብ ዘመነ-ሙሴ ድማ፣ እቲ ንኣቦና-ኣብርሃም ተዋሂቡዎ ዝነበረ ተስፋ፣ ፍጻሜ ክረክብ ከም-ዝኸኣለ ንርኢ። እቲ ቅዱስ-መጽሓፍ ከም-ዝብሎ “-ኣነ እግዚኣብሔር እየ፣ ንኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ድማ፣ ኩሉ ዝኽእል ኣምላኽ ብዚብል ስም` ዝተገለጽኩሎም ...ነታ ስደተኛታት ኮይኖም ተቐሚጦሙላ ዝነበሩ ምድሪ-ስደቶም፣ ማለት ንሃገረ-ከንኣን ክህቦም ኪዳን ኣትየሎም ነይረ እየ። ሕጂ ድማ መሪር ብኽያት፣ ናይቶም ግብጻውያን ባሮት ዝገበሩዎም ደቂ-እስራኤል ሰሚዐ ኪዳነይ ዘከርኩ-”  ይብል እቲ ሕያውን ቅዱስን ዝኾነ ዘለዓለማዊ እግዚኣብሔር ኣምላኽ (ዘፀ-6/2-5)

በቲ ካልእ ድማ፣ ደቂ-እስራኤል ኣብ በረኻ-ሲና ኣዕሪፎም ይርከቡ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ፣ ሙሴ ምስ እግዚኣብሔር ክራኸብ ብምባል፣ ናብቲ ነዊሕ ከረን ምስ ደየበ፣ ኣብ ቅድሚ ኣሮን ቀሪቦም ብምዕግርጋር፣ ምስሊ ምራኽ ሠሪሖም ነቲ ኩሉ ተኣምራት ዝገበረሎም ኣምላኽ ከም-ዘሕዘኑዎ ዝፍለጥ`ዩ። ብሰንኪ` ዝፈጸምዎ ክሕደት ከኣ፣ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ቁጥዑኡ ስለ-ዝነደደ፣ “-ነዚ ሕዝቢ` ከጥፍኦ` በለ-” ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቀሪቡ፣ “-እቲ ንኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ዝሃብካዮም ተስፋን፣ ዝመሓልካሎም ማሕላን ዘክር-” ብምባል` ዝተማህለለ። እቲ ሕያው ኣምላኽ ድማ፣ ዝሃቦ ተስፋን ዝመሓሎ ማሕላን ስለ-ዘይጠልም፣ ነቲ ከውርዶ ኢሉ ሓሲቡዎ ዝነበረ መዓት፣ ነቶም ቀዳሞት ኣቦታት ማለት፣ ንኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ኣትዩሎም ዝነበረ ኪዳን ብምዝካር፣ ተጣዕሰሉ እዩ ዝብል እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ።(ዘፀ-32/7-14)

እቶም ርእሲ ኣቦታት ዝኾኑ ኣብርሃምን ይስሓቕን ያዕቆብን ግና፣ ኣብቲ እዋን` ብሕይወት ኣይነበሩን። ካብ ዝሓልፉ ወይ መንገዲ-ሰማይ ኣቕኒዖም ካብ ዝኸዱ፣ ነዊሕ ዘመናት ኮይኑዎም ነይሩ`ዩ። እቲ ነቢየ-እግዚኣብሔር ዝኾነ ሙሴ ግና “-እቲ  ንኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ባሮትካ፣ ብርእስኻ ዝመሓልካሎም ማሕላ ዘክር-” ብምባል`ዩ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ወዲቑ ዝተማህለለ። እዚ ከረድኣና ዝኽእል ከኣ፣ እቶም ቅዱሳነ-እግዚኣብሔር ድሕሪ ሞቶም እንተኾነ`ውን፣ እቲ ብሕይወተ-ሥጋ ከለዉ ካብ እግዚኣብሔር ተዋሂቡዎም ዝነበረ ተስፋን ኪዳንን፣ ዘይበልን ዘይኣርግን ዘይቅየርን ምዃኑ` ከረድኣና ዝኽእል።

ብዝተረፈ ምስዚ ናይኣማላድነትኣርእስቲ`ዚ፣ ምትሕሓዝ ዘለዎ ብዙሕ ክጥቀስ ዝኽእል ካልእ ፍጻሜታት`ውን ኣሎ። ማለት እቶም ብእግዚኣብሔር ኪዳን ዝተዋህቦም ቅዱሳን፣ እቲ ኪዳኖም ነቶም ስሞም ጸዊዖም ኣማላድነቶም ዝደልዩ፣ እቲ ኪዳኖም ተፈጻሚ ኮይኑ ክርከበሎም ከም-ዝኽእል`ዩ፣ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዘረጋግጸልና። ከመይሲ እቲ ሓዛኤል ዝተባህለ ናይ ሶርያ-ንጉሥ፣ ጸላእ ሕዝቢ-እስራኤል ከም-ዝነበረ`ዩ፣ ብሉይ-ኪዳን ገሊጹዎ ዘሎ። ኣብ ምሉእ ዘመነ-መንግሥቱ ድማ፣ ሥቓይ ኮይኑዎም ከም-ዝነበረ ` ዝፍለጥ። እቲ ግፍዒ መወዳእታ ክገብረሉ ድማ እግዚኣብሔር ኣምላኽ “-እቲ ምስ ኣቦታቶም ምስ ኣብረሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ዝኣተዎ ኪዳን ዘከረ፣ ክሳብ ሕጂ`ውን ካብ ቅድሚ ገጹ ኣየርሓቖምን-”  እዩ ዝብል እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ። (2ነገ-13/22-25)

በቲ ካልእ ክንምልከት ከሎና`ውን፣ ማለት እታ ቅድስቲ-ሃገር ኢየሩሳሌም፣ ብሠራዊት ኣሶር ተኸቢባ ኣብ ብርቱዕ ጸበባ ኣብ ዝወደቐትሉ ግዜ፣ እቲ ናይ እሥራኤል-ንጉሥ ማለት ሕዝቅያስ፣ ብፈኸራ ሰናክሬብ ንጉሥ-ኣሶር ተዳሂሉ፣ ኣብ ተስፋ ቅብጸት ምስ በጽሐ-እግዚኣብሔር ኣእዛንካ ኣድንን እሞ ስማዕ። ኣዕይንትኻ ቋሕ ኣቢልካ ድማ ርአ። ነቲ ንዓኻ ንሕያው ኣምላኽ ክጸርፍ ኢሉ ዝተዛረቦ ሴናክሬብ ከኣ ስምዓዮብምባል` ንጉሥ-ሕዝቅያስ ናብ እግዚኣብሔር ወዲቑ ዘእወየ። እቲ ሕያው ኣምላኽ ንጸሎት ሕዝቅያስ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ድማ “-ኣነ ድማ ነዛ ከተማ እዚኣ፣ ምእንቲ ስመይን ምእንቲ እቲ ንዳዊት ባርያይ ዝሃብኩዎ ተስፋን ኢለ ክከላኸለላን ከድኅናን እየ-” ከም-ዝበለ` ብሉይ-ኪዳን ዝነግረና። ከም ውጽኢቱ ድማ፣ በታ ለይቲ እቲኣ መልኣኽ እግዚኣብሔር ወጺኡ፣ 185-ሺሕ ካብ ሠራዊት ኣሶር ክቐትል ከም-ዝኸኣለ` እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዝዛረብ። (2ነገ-19/1-37)

እዚ ከረደኣና ዝኽእል ከኣ፣ ቅዱስ-ዳዊት ብሕይወት ኣብ ዘይነበረሉ ግዜ`ዩ፣ እግዚኣብሔር ኣምላኽ “-ምእንቲ` ንዳዊት-ባርያይ ዝሃብኩዎ ተስፋ-” ብምባል፣ ንጸሎት ሕዝቅያስ ተቐቢሉ፣ ንሠራዊት-ኣሶር ብመቕዘፍቲ ክቐጽዖ ዝተረኽበ። ስለዚ ቅዱሳነ- እግዚኣብሔር ምስ ሓለፉ`ውን፣ እቲ ተዋሂቡዎም ዝነበረ ኪዳን፣ ቀዋሚ ኮይኑ ክራዳእ ዝነብር ደኣምበር፣ ዝበልን ዝኣርግን ዝሓልፍን ዝስዓርን ከም-ዘይኮነ፣ እቲ መጽሓፍ ባዕሉ ክዛረቦ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ፣ ክዛረብ ዝኽእል ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን።

ብዛዕባ ኤልሳዕ-ነቢይ`ውን፣ ክጥቀስ ካብ ዝኽእል ብዙሕ ፍጻሜታት ሓደ፣ እቲ ነታ ሹናማዊት ሰበይቲ ዝፈጸሞ ተኣምራታዊ ተግባር እዩ። ኣብ ብሉይ-ኪዳን ብዝርዝር ተቐሚጡ ከም ዘሎ፣ እታ ሃብታም ከም-ዝነበረት ዝንገረላ ሰበይቲ፣ እቲ ዝነበራ እንኮ ውላዳ ብሃንደበት ምስ ሞተ፣ ናብቲ ነቢይ እያ ተጓይያ ዝኸደት። ነቢይ-ኤልሳዕ ድማ ናብ እግዚኣብሔር ብምጽላይ፣ ካብ ሞት ከተንሥኦ ከም-ዝኸኣለ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ገሊጹዎ ኣሎ። (2 ነገ-4/18-37)

እዚ ከኣ ነቢይ-ኤልሳዕ ድሕሪ ሞቱ፣ ተኣምር ክፍጽም ተረኺቡ ማለት`ዩ። እዚ ማለት ድማ ደቂ-ሞኣብ ናይ ዓመጽ ተግባር ክፍጽሙ፣ ናብ ምድሪ-እስራኤል ኣቢሎም ምምጻእ የዘውትሩ ከም-ዝነበሩ`ዩ፣ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዝዛረብ። ከም ኣጋጣሚ ድማ እስራኤላውያን ሰብ ሞይቱዎም፣ ናይ ቀብሪ ሥነ-ሥርዓት ኣብ ምፍጻም ይርከቡ ኣብ ዝነበሩሉ ግዜ፣ እቶም ሓደጋ ዝወድቁ ደቂ-ሞኣብ ብሃንደበት መጹዎም እሞ፣ ካልእ ምርጫ ስለ-ዘይነበሮም፣ ነቲ ሬሳ ደርብዮሞ ክሃድሙ ግድነት ኮኖም። ከም ኣጋጣሚ ግና እቲ ሬሳ፣ ኣብ ልዕሊ መቓብር ነቢይ-ኤልሳዕ` ዝወደቐ። መቓብር እቲ ነቢይ ምስ ተንከየ ድማ፣ እቲ ሞይቱ ንክቕበር ተቐሪቡ ዝነበረ ሬሳ፣ በእጋሩ ደው ኢሉ ሓወየ። እዚ ከኣ እቲ ነቢይ ድሕሪ ምሟቱ፣ ዝተፈጸመ ተኣምር እዩ። (2 ነገ-13/20-21)

እዚ ከረድኣና ዝኽእል ድማ፣ እቶም ቅዱሳነ እግዚኣብሔር ድሕሪ ሞቶም`ውን እንተኾነ፣ እቲ ተዋሂቡዎም ዝነበረ ናይ ኣማላድነት ኪዳን፣ ወይ ተኣምራት ናይ ምግባር ኣምላኻዊ-ጸጋ፣ ቀዋሚ ኮይኑ ከም-ዝነብር ብግልጺ`ዮም እቶም መጻሕፍቲ ዝዛረቡ ዘለዉ። ስለዚ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያንና፣ ንኣማላድነት ቅዱሳነ-እግዚኣብሔር፣ ኣብቲ ሥርዓተ-ኣምልኮኣ ኣካቲታ ክትሕዞን ከተተግብሮን ምርካባ፣ በቲ ቅዱስ መጽሓፍ ኣፍልጦ ዝረኸበ ሓቀኛ-ትምህርቲ ክርስትና ደኣምበር፣ ከምቲ እቶም ሰብ 66-መጻሕፍቲ ዝብሉዎ፣ ምስ ትምህርቲ-ወንጌል ተቓርኖ ዘለዎ ከም-ዘይኮነ፣ ግልጺ ኮይኑ ክፍለጥ ዘለዎ ሓቂ`ዩ።

ስለዚ`ውን እቲ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያንና፣ በእንተ ማርያም፣ በእንተ-መላእክት፣ በንተ-ነቢያት፣ በእንተ-ሓዋርያት፣ በእንተ-ሠማዕታት፣ በእንተ-ጻድቃን እናተባህለ ክግበር ዝርከብ ዘሎ ጸሎተ-ምህልላ። መጽሓፍ-ቅዱሳዊ ሠረት ዘለዎ፣ ኣካል` ኦርቶዶክሳዊ ሥርዓተ-ኣምልኮና ደኣምበር፣ ካብዚ ወጻኢ ኮይኑ ክርአ ዘኽእሎ፣ ዝኾነ ትርጉም ክወሃቦ ግቡእ ኣይኮነን፣ ቅቡል ክኽውን ዘኽእሎ ምኽንያት`ውን ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። ብዝተረፈ ኣብቶም ቅዱሳት-መጻሕፍቲ ትዂረት ብምግባር፣ እቶም መጻሕፍቲ ሒዞሞ ዝርከቡ ትርጉም፣ ክንርዳእ እንገብሮ ጻዕርን ተገዳስነትን ብዘይ ምህላዉ እንተ-ዘይኮይኑ፣ ካብ መሠረታዊ ትምህርቲ መጽሓፍ-ቅዱስ ዝወጸ እምነት፣ ኣባና ኣብ ተዋሕዶ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን።

ርግጽ` ቤተ-ክርስቲያንና ኣብዚ እዋን`ዚ፣ ብብዙሕ ፈተና ተቐርቂራ እትርከብ ከም-ምዃና መጠን፣ ወንጌል ማእከል ዝገበረ ኣገልግሎት ናብ ምእመናና ከተብጽሕ፣ ዘፍቅድ ሃዋህው ኣሎዋ` ክንብል ከም-ዘይንኽእል፣ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክዉንነት ከረጋግጾ ዝኽእል ሓቂ`ዩ። እዚ ነቓዕ` ብዝፈጠሮ ክፍተት ከኣ`ዩ፣ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ምድረ-መናፍቓን ብቐሊል ክምዝምዝዎ ዝኽእሉ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ። ስለዚ `ውን እቲ ፖለቲካ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ተቘጻጺሩዋ ክሳብ ዝሃለወ፣ ኣድማዒ ኮይኑ ክርአ ዝኽእል ኣገልግሎት፣ ክግበር ይኽእል` ኢልካ ክሕሰብ ኣይከኣልን። እዚ ከኣ` እቲ ዝዓበየ ጸገም ኮይኑ ኣብቲ ደምበ-ተዋሕዶና ዝርከብ ዘሎ።

እቲ ሕያዋይ ዝኾነ ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶና፣ ብዘይ ዝኾነ ሕቶን ርእይቶን ንዝንገሮ ኩሉ፣ኣሜንእናበለ` ንዘመናት ምሉእ ክጎዓዝ ጸኒሑ። ሕጂ ግና እቲ መድረኽ ተቐይሩ`ዩ። ከመይሲ ስለምንታይ-? ዝብል ሕቶ ዘቕርብ ትውልዲ`ዩ፣ እቲ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ። ብቑዕ ዝኾነ መልሲ ክምልስ ዝኽእል ውሉደ-ክህነት ከየዳሎኻ ከኣ፣ ኣብዚ ናይዚ ዘመን` ኣገልግሎት፣ ተወዳዳሪ ኴንካ ክትቀርብ፣ እቲ መድረኽ ንርእሱ ክቕበለካ ዝሕሰብ`ውን ኣይኮነን። እምበኣር እዚ ጸገም` እዩ ሕጂ፣ ነቲ ደምበ-ተዋሕዶና ኣጋጢሙዎ ዝርከብ ዘሎ ክበሃል ይከኣል። ከመይሲ እቲ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ዝግበር ኣገልግሎት፣ ብቕዳሴ ጥራይ ዝውዳእ እንተ-ዝኸውን ነይሩ፣ ኣብዚ መዳይ` ዝኾነ ዘጋጥም ጸገም ኣይምሃለወን።

ናይ` ዘመን` ኣገልግሎት ግና፣ ብስፍሓት ኣብ ትምህርቲ ወንጌል ትዂረት ዝገበረ ክኸውን`ዩ፣ እቲ መንእሰይ ወለዶና ምርጭኡ ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ። ስለ` እታ ዓባይን ጥንታዊ ታሪኽ ዘለዋን ቤተ-ክርስቲያንና፣ ካብቲ ትማሊ ዝነበራ ኣተሓሳስባ ብምውጻእ፣ ነዚ  ሕጂ እንርከቦ ዘሎና፣ ናይ 21-ሚእቲ ክፍለ-ዘመን መድረኽ ዝምጥን፣ ወንጌል ማእከል ዝገበረ ኣገልግሎት ሒዛ ክትቀርብ`ዩ፣ ሕጂ በዚ መንእሰይ ወለዶና ትሕተት ዘላ። እዚ ሕቶ` ከኣ ጸማም እዝኒ ሂብካዮ ክሕለፍ ዝግባእ ኣይኮነን። ከመይሲ ቤተ-ክርስቲያንና ነዚ ዝተባህለ ሕቶ ክትምልስ ብዘይ-ምኽኣላ፣ ዝኸሰረቶ መንእሰይ ስፍሪ ቁጽሪ የብሉን።     

ግዳስ ከምቲ ተባሂሉ ዘሎ፣ ምንም እኳ ቤተ-ክርስቲያንና ኣብ ትሕቲ ከቢድ ናይ ፖለቲካ-ተጽዕኖ፣ ተታሒዛ ትርከብ ስለ ዘላ` ዝብል ምኽንያት ክወሃቦ ዝኽእል እንተኾነ`ውን፣ እቲ ኣብ ስደት ፋሕ ኢሉ ዝርከብ ዘሎ ውሉደ-ክህነት ግና፣ ኣገልግሎት ወንጌል ናብ ማኅበረ-ምእመናን ንኸይዝርግሕ፣ ኣብ ቅድሚኡ ዝተቐመጠሉ ከልካሊ ሓጹር ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። ኣብቲ ሓቂ መጺእካ ክዝረብ ከሎ ግና፣ ሕጂ`ውን ሕዝብና ናብ ምሉእ ርድኢት ከብጽሖ ዝኽእል፣ ኣገልግሎት ወንጌል ይረክብ ኣሎ ክበሃል ከም-ዘይከኣል፣ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ባዕሉ ከረጋግጾ ዝኽእል እዩ። ሓዋርያ-ጳውሎስ ግና  “-ወንጌል እንተ ሰበኽኩ ዝምክሓሉ የብለይን። ምኽንያቱ ክሰብኽ ምዙዝ እየ። እንተ-ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ-” ብምባል` ኣጠንቂቑ ዘሎ።(1ቆሮ-9/16)

ስለዚ ኣብዚ እዋን`ዚ፣ ሥልጣነ-ክህነት ሒዝካ ደቂስካ ዝሕደሮ እዋን ኣይኮነን። ከመይሲ ጽምኣት ወንጌል ዘለዎ ማኅበረ-ምእመናን፣ ይጽበየና ከምዘሎ ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ብዝተረፈ ጎይታና ኢየሱስ-ክርስቶስ፣ ናብ ቤተ-መቕደስ ኣብ ዝኣተወሉ ግዜ፣ እታ ቤት-መቕደስ ካብቲ ክትኮኖ ዝግብኣ ቅድስና ወጻኢ፣ ናብ ዕዳጋ ተቐይራ ከምቲ ክትኮኖ ዝግብኣ፣ ናይ ቅድስናን ኣምልኾን ቦታ ኮይና ኣይጸንሓቶን። ስለዚ ከኣ` “-ቤትየሰ ቤተ-ጸሎት ይሰመይ፣ ወኣንቱሙሰ ረሰይክሙዎ በዓተ ሰረቅት ወፈያት-” ብምባል፣ ነቲ ኣብኡ ዝጸንሖ ገፈጥ መፈጥ ጸሪጉ ከውጽኦ ዝኸኣለ። ማለት ቤተይሲ ቤተ-ጸሎት እዩ ዝበሃል። ንስኻትኩም ግና  በዓቲ ሰረቕትን ጎሓላሉን ገበርኩሙዎ ማለት`ዩ። ስለዚ ቤተ-ክርስቲያን ካብቲ ብቅድስና ዝፍለጥ ተልእኮኣ ወጻኢ፣ ኮይና ከይትርከብ ናይቶም ኣብ ኣገልግሎት ዝርከቡ ኩሎም ሓላፍነት ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። (ሉቃ-19/45-46)

ስለዚ  መዓርገ-ክህነት ብግቡእ ክሥረሓሉ እንተ-ዘይክኢሉ፣ ብሓላፍነት ዘጠይቕ ከቢድ ዕዳ ምዃኑ፣ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዝህቦ መጠንቀቕታ ምህላዉ ክፍለጥ ይግባእ። እቲ ጽሑፍ ከም-ዝብሎ “-እቲ ሕያዋይ ጓሳ ሕይወቱ፣ በጃ ኣባጊዑ ኣሕሊፉ ይህብ። እቲ ጓሳ ዘይኮነ በዓል ዓስቢ ግና፣ እተን ኣባጊዕ ዘይጥሪቱ ስለ-ዝኾና፣ ተዂላ ክመጽእ ከሎ ነተን ኣባጊዕ ኃዲጉወን ይሃድም። ተዂላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዝርፈን። ከመይ ንሱ ግዲ`ተን ኣባጊዕ የብሉን-” ብምባል`ዩ፣ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ ዝገልጾ። ይኹን እምበር ቤተ-ክርስቲያንና ግና ኣብዚ እዋን`ዚ፣ እቲ ኣብ ልዕሊኣ እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ናይ ፖለቲካ ጸቕጢ ንባዕሉ፣ ከቢድ ፈተና ኮይኑዋ ይርከብ ስለዘሎ፣ መጓሰኣ ክትኣሊ ኣብ እትኽእለሉ ቁመና ትርከብ ኣላ ክንብል ከም-ዘይንኽእል፣ ርግጸኛታት ኴንና ክንዛረቦ እንኽእል ጉዳይ`ዩ። (ዮሓ-10/11-13)

ይኹን እምበር እቲ ኣብ ስደት ዝርከብ ዘሎ ውሉደ-ክህነት ግና፣ ማኅበረ-ምእመናን ብመንፈስ ክሕነጹሉ ዝኽእሉ፣ ወንጌል-ማእከል ዝገበረ ኣገልግሎት ንኸየተኣታቱ፣ ክዓግቶ ዝኽእል ዝኾነ ምኽንያት ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን። እቲ ዝዓበየ ትዂረት ክግበረሉ ዝግባእ፣ እቶም ሕፃናት ደቅና ኣብ ትሕቲ ጽላል ቤተ-ክርስቲያን ከም-ዝዓብዩ ምግባር` ክኸውን ዝግባእ። ብዝተረፈ እቲ ክትከኣና ዘለዎ መንእሰይ-ወሎዶ፣ ብእምነትን ሥርዓትን ቤተ-ክርስቲያን ተቐሪጹ ከም-ዝዓቢ ኣብ ምግባር፣ ቀዳምነት ሂብና ክንሠርሓሉ ዝግባእ ደኣምበር፣ ቈልዑት ንድሕሪት ገዲፍካ ወይ ኣግሊልካ ክግበር ዝጸንሐ ኣገልግሎት፣ ንቤተ-ክርስቲያንና ብዙሕ ዋጋ ኣኽፊሉዋ`ዩ። ሕጂ ድማ እዚ ከቢድ ስምብራት ዝገደፈልና ድኽመት`ዚ፣ ከምቲ ዘለዎ ክቕጽል ክንገድፎ፣ ቅቡል ዝኾነሉ ምኽንያት ኣሎ ኣይንብልን።

ስለዚ እዚ ሕጂ ዘሎናዮ ግዜ፣ ናይ ውድድር ግዜ ከም-ምዃኑ መጠን፣ እቲ ንሃይማኖት ብዝምልከት ከጋጥም ዝኽእል ፈተና ብዙሕ`ዩ። ስለዚ ነቲ ኣብ ትሕቲ መጓሰና ዘሎ ማኅበረ-ምእመናን፣ ኣብ ምሉእ ኣፍልጦን ርድኢትን ከብጽሖ ዝኽእል ትምህርቲ ወንጌል ኣብ ምሃብ፣ ኣበርቲዕና ክንሠርሕ ግዜ ዘይህበና ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። ብዝተረፈ ሃይማኖት ኣሎኒ ምባል፣ ብዘይ ዝኾነ ኣፍልጦ ትርጉም ክህልዎ ዝኽእል ኣይኮነን። ስለዚ ኣብያተ-ክርስቲያናትና ቅድሚ ዝኾነ ይኹን፣ ስብከተ-ወንጌል ማእከል ዝገበረ ኣገልግሎት፣ ኣብ ምትእትታው ኣበርቲዐን ክሠርሓ፣ ዘለወን ሓላፍነት ክዝንግዓ የብለንን በሃልቲ ኢና።

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div