S5 MP3 Player - плагин joomla Mp3

እቲ ካብ ኣሥመራ ዝስማዕ ዘሎ ፀረ ቤተ-ክርስቲያን ዝኾነ ዜና

ንሕና ኤርትራውያን ከም ሕዝብን ከም ሃገርን መጠን፣ ካብ ነዊሕ ዓመታት ኣትሒዝና፣ ሰላምን ሠናይን ዝኾነ ጥዑም ዜና ክንሰምዕ፣ ሃንቀው ኣብ ምባል እንርከብ ዘሎና ሕዝቢ ኢና። እቲ ተስፋናን ትጽቢትናን ግና፣ ካብቲ ሕያው ኣምላኽ ገና መልሲ እንጽበየሉ ዘሎና ደኣምበር፣ ኣብ ራህዋን ሰላምን በጺሕና፣ ተመስገን-!! እንብለሉ ሰዓትሲ፣ ገና ርሒቑና` ዝርከብ ዘሎ።

እዚ ምድንጓይ` ግና ናቱ ምኽንያት ክህልዎ ከም ዝኽእል፣ ከም-ርዱእ ክውሰድ ዝኽእል ይመስለና። ከመይሲ ኣብቲ ሕጂ ዘሎ፣ ናይ ሕዝብና ማኅበራዊ-ሕይወት እንተ-ተመልከትና፣ እግዚኣብሔር ክሕጎሰሉ ዝኽእል፣ ሥሩዕ ዝኾነ ሥነ-ምግባር ኣሎና ክንብል ከም-ዘይንኽእል፣ ክንክሕዶ ንኽእል ኣይኮናን። ማኅበራዊ-ሕይወት ሕዝብና ኣዚዩ ተበላሽዩ ከም-ዘሎ፣ እቲ ንሕና ከም ሕዝቢ ንነብሮ ዘሎ ሕይወት ባዕሉ ክምስክሮ ዝኽእል እዩ። ካብ መንገድን ሕግን እግዚኣብሔር ወጺእካ፣ እነብር ኣሎኹ ምባል ድማ፣ ትርጉም ዘለዎ ምንባር ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

ካብቲ እግዚኣብሔር ክንከውን ዝደልየና፣ ሥሩዕ ዝኾነ ሕይወት ወጺእና ክንከይድ ናይ ምድላይና ሳዕቤን ከኣ`ዩ፣ ሕጂ`ውን ኣብቲ መወዳእታ ተሳኢኑዎ ዘሎ፣ ቀጻሊ ኮለል ኣቲና ንርከብ ዘሎና። ከመይሲ እቲ ቅዱስ-ጽሑፍ “-ንኽልተ ጎይቶት ክትግዝኡ፣ ኣይኮነልኩምን እዩ-“ ብምባል` ኣቐሚጡዎ ዘሎ። ከመይሲ ኣብ ሓደ ግዜ፣ ንእግዚኣብሔርን ንዓለምን ክንግዛእ ከም-ዘይንኽእል` ዝንገረና ዘሎ። እቲ ኣብ ባይታ ክኸውን ዝርአ ዘሎ ግና ብኣንጻሩ እዩ። ማለት እቲ ኣብ ኅብረተ-ሰብና ክንጸባረቕ ዝርአ ዘሎ፣ ናይ ሥነ-ምግባር ውድቀት፣ ንሕጊ እግዚኣብሔር ሸለል ብምባል፣  ንዓለም መሲልካ ክትነብር ናይ ምድላይ ኣዝማሚያ፣ ግልጺ ኮይኑ ይርአ ምህላዉ ክንክሕዶ ንኽእል ኣይኮናን። (ማቴ-6/24)

የግዳስ ኣብ ከምዚ ንሕና፣ ከም ሕዝብን ከም ሃገርን ወዲቕናዮ ንርከብ ዘሎና ደረጃ ዝርከብ ሕዝቢ፣ ከምቲ ሓዋርያ ቕዱስ-ጳውሎስ “-እምበኣር ቅድሚ ኩሉ ምህልላን ጸሎትን፣ ምምላድን፣ ምስጋናን፣ ምእንቲ ኩሉ ሕዝቢ ክግበር እምዕድ ኣሎኹ-“ ዝበሎ፣ ብመንገዲ ንስሓ ኣቢልና ደኣ፣ ምሕረት እግዚኣብሔር ንምርካብ፣ ማዕጾ ቤት-ኣምላኽ ክንኩሕኩሕ ምተገበኣና እምበር፣ ኣብዚ ኣብ ሱባኤ ጾም-ኣርባዓ ንርከበሉ ዘሎና እዋን`ዚ፣ ካብቶም ኣብ ኣሥመራ ዝርከቡ ዘለዉ፣ መጋበሪ ፖለቲካ ብምዃን፣ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ምፍራስ ተጸሚዶም ዝርከቡ ዘለዉ መለካውያን-ጳጳሳት፣ ንዕግርግርን ህውከትን ዝዕድም መግለጺ ክወጽእ ኣይተጸበናንዮን። ኣይምተገብአን`ውን። (1ጢሞ-2/1)

ከምቲ ዓደቦና ዝብሉዎ ግናወራዙትን ከም ዓይበት ይቕደዱ፣ ጓል-ማእምንን ጓይላ ተራእዩዋ-“ ከም-ዝበሃል። እቶም ኣብቲ ኩሉ ኣለዉ ዘይበሃሉ ጳጳሳት ድማ ኣርኪቦም፣ “-ምርጫ-ፓትርያርክ ከነካይድ ኢና ክብሉ መግለጺ ከም-ዘውጽኡ፣ ሃገር ብሃገሩ ርእዩዎን ሰሚዑን ኣሎ። እሞ ሰብ` ሓሳብ` እንተ ኮይኖም ደኣ፣ እቶም ፓትርያርክ ዘለስም ዝነበሩ ኣባ-ዲዮስቆሮስ፣ ካብ ዝዓርፉ፣ ሽዱሽተ ዓመት ኮይኑዶ ኣይኮነን-? ሽዱሽተ ዓመት ክጽበዩ ደኣ ንምንታይ ኣድልዩዎም-?

ኣብቲ ኣውጺኦሞ ዘለዉ መግለጺ ተባሂሉ ከምዘሎ “-ሓዋርያዊ ሰንሰለት ብዝዓቀበ ሕጋዊ-ኣገባብን፣ ፕሮቶኮላዊ ስምምዕን ነፃን ልዑላዊትን ቤተ-ክርስቲያን ምዃና ኣረጋጊጻ-"  ዝብል ሓረግ ተጠቒሞም ኣለዉ። እቲ ዝብሉዎ ዘለዉ ቃላት ግና፣ እቲ ንባቡ እምበር እቲ ምስጢሩ ዝተረድኦም ኣይመስሉን`ዮም ዘለዉ። ከመይሲ እቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ኣብ 1998 / (2006) ንፓትርያርክ-እንጦንዮስ ብዓመጽ፣ ካብ ሥልጣኖም ብምውራድ ኣፍሪሶሞ ከብቅዑ፣ ነቲ ባዕላቶም ዘፍረሱዎ ሓዋርያዊ ሰንሰለት፣ ሕጂ ድሕሪ 5-ዓመት ንድሕሪት ተመሊሶም፣ ከም ህልው ጌሮም ክገልጹዎ ምድላዮም፣ እምበርዶ እዞም ሰባት`ዚኣቶም ዘስተውዕል ሰብ ኣለዎም`-? ዘየብል ኣይኮነን። እቲ ምስ ግብጻዊት ቤተክርስቲያን ዝተኸተመ ሓቀኛ ፕሮቶኮላዊ ስምምዕ ንምንባብ ኣብዚ መላግቦዚ ጠውቕ

ኣብቲ እዋን` እቲ ዝፈጸሙዎ ግህሰተ-ሕጊ፣ ምኽኑይ ከም-ዝነበረ ነቶም ናይ መንበረ-ማርቆስ ኣቦታት ጌጋ ሓበሬታ ንምትሕልላፍ፣ እቲ ብውግዘት ገዳማውያን ኣቦታት፣ ካብቲ መንበረ-ፓትርያርክ ተደፊኡ ዝወጸ ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ። ክልተ ጳጳሳት ኣኸቲሉ ካይሮ ከም-ዝኸደ ዝፍለጥ`ዩ። እቶም ናይ መንበረ-ማርቆስ ኣቦታት ግና፣ ብበዓል ዮፍታሔ ክጋገዩ ዝኽእሉ ኣይነበሩን። ስለዚ እቶም ታሪኽ ብኽብሪ ዝዝክሮም ፓትርያርክ ሺኖዳ-3ይ፣ ንውሳኔ`ቶም መለካውያን-ጳጳሳት ምሉእ ብምሉእ`ዮም ዝነጸጉዎ።

እቲ ሽዕኡ ዝተባህለ ድማ “- ፓትርያርክ-እንጦንዮስ፣ ኣብ ክፉት መጋባእያ ቀሪቦም ጉዳዮም ክውሰን ክሳብ ዘይተኻእለ፣ ካብ መንበሮም ከውርዶም ዝኽእል፣ ፈጺሙ ክህሉ ኣይክእልን`ዩ። ስለዚ ንሶም ንዓና ትማሊ ኮነ ሎሚ፣ ንዝመጽእ`ውን ሕጋዊ ፓትርያርክ እዮም-“ ምባል`ዮም ኣቕዋሞም ግልጺ ገይሮም ዘፍለጡ። ስለዚ እቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ዝብል ኣበሃህላ፣ ኣብ ፓትርያርክነት ኣቡነ-እንጦንዮስ ጸኒዑ ከም-ዘሎ፣ ምንም ዘተሓታት ኣይኮነን። እቶም መለካውያን-ጳጳሳት ግና፣ ነቲ ኣብ ካይሮ ዝተነግሮም ኩሉ፣ ከም ሕንፃ-ኢያሪኮ ሃደሽደሽ ኣቢሎም፣ ጥሒሶም ስለ-ዝኸዱ፣ ነቲ ሓዋርያዊ ሰንሰለት`ውን ሽዕኡ ኣፍሪሶሞ እዮም። ስለዚ ሕጂ ነዚ ቃል` ኣብቲ መግለጺኦም ክጠቕሱዎ፣ ዝኾነ ሕጋዊ ባይታ ኣለዎም ዝበሃሉ ኣይኮኑን።

ብዝተረፈ ነዚ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት`ዚ፣ ጥሒሶም ብምኻዶም ምኽንያትዶ ኣይኮነን ውግዘት ስለ-ዘኸተለሎም፣ ካብ ኩሉ ተፈልዮምን፣ ብኹሉ ተነጺሎም ዝርከቡ ዘለዉ። ንምጥቃስ ዝኣክል ኣብ ሥነ-ሥርዓት ቀብሪ ቅዱስ ኣቡነ-ሺኖዳ፣ እተን ኣኅዋት ዝኾና ናይ ምስራቕ-ኦርቶዶክስ፣ ብወግዒ ተዓዲመን ኣብቲ ጸሎተ-ፍትሓት፣ ግቡእ ተሳትፎ ክገብራ ከለዋ፣ እቶም ናይ ኣሥመራ ጉጅለ-መለካውያን ግና፣ ግልጽ ኢሉ ክጥምቶም ዝደሊ`ኳ፣ ክረኽቡ ከም-ዘይከኣሉ ግልጺ ኮይኑ ዝተራእየ ናይ ትማሊ ታሪኽ`ዩ።

ብምቕጻል`ውን ኣብ በዓለ-ሢመት ፓትርያርክ-ቴዎድሮስ፣ እቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ዓቃቤ-መንበርነት ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ዝርከብ፣ ውሉደ-ክህነት ደኣዩ ብኽብሪ ተዓዲሙ ተሳታፊ ኮይኑ ዝተረኽበ እምበር፣ እቶም ናይ ኣሥመራ ጉጅለ-መለካውያን፣ ብማዕዶ ኮይኖም ካብ ምስማዕ ሓሊፎም፣ ክሳተፉ ዝኽእልሉ ዕድል ከም-ዘይነበሮም ግልጺ ዝኾነ ሓቂ`ዩ። እዚ ኩሉ` ነቲ ሓዋርያዊ-ሰንሰለት ግዲ ብዘይ ምግባር፣ ካብ ሕግን ቀኖናን ወጻኢ፣ ፓትርያርክ ክንሸይም ብምባሎም ምኽንያት`ዩ፣ እቲ ውግዘትን ተነጽሎን ኣስዒቡሎም ክርከብ ክኢሉ ዘሎ።

እምበኣርከስ እቲ ሳዕቤኑ ስለ-ዘፍርሆም ይኸውን፣ ንሓሙሽተ-ዓመት መመላእታ ድምፆም ኣጥፊኦም ድሕሪ ምጽንሖም፣ ሕጂ ድማ እንሆ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ሰላም ንከይህቡዋ፣ ኣብ ዕለት 30 መጋቢት 2013 / (08/04/2021) ኣውጺኦሞ ኣብ ዘለዉ መግለጺ፣ ፓትርያርክ ክንመርጽ ኢና ብምባል፣ ኣዋጅ ክብሉ`ዮም ዝስምዑ ዘለዉ። እዚ ጥቓ ዕብዳን ዝበጽሐ ውሳኔ`ዚ፣ ንምንታይ`ዮም ኣብዚ እዋን` ክወስዱዎ መሪጾሞ ዘለዉ እንተ ተባህለ፣ ኣብ ሓሳብ ክመጽእ ዝኽእል ሓደ ነገር ኣሎ። ንሱ ድማ እዚ ከባቢና ሰላም ስኢኑ ይተሃዋወኽ ብምህላዉ ምኽንያት፣ ኣቓልቦ ማኅበረ-ሰብ ዓለም ኣድህቦኡ ናብቲ ጉዳይ` ገይሩ ስለ ዘሎ፣ ነታ ክሳድ ወይ ኣንቀጽ፣ ሕጂ ኢና ጽቕጥ ኢልና ንሓልፋ፣ ተባሂሉ ስለ-ዝተገመተ`ዩ፣ ክኸውን ዝኽእል ዝብል ናይ ብዙሓት ርእይቶ ኣሎ።

ብተወሳኺ ኣብቲ ኣውጺኦሞ ዘለዉ መግለጺ “-ፕሮቶኮላዊ ስምምዕ-“ ዝብል ቃል ጠቒሶምኣለዉ። ከምኡ ምባሎም ከኣ ጽቡቕ`ዩ። ትሕዝቶ` ፕሮቶኮላዊ ስምምዕ  ግና ዝተረድኦም መሲሎም ኣይረኣዩን ዘለዉ። ከመይሲ ኣብቲ ግንቦት 1998 ብክልቲኦም ፓትርያርክታት ዝተኸተመ ፕሮቶኮላዊ ስምምዕ`ቲ፣ ኣብ ዓንቀጽ-11 ከምዚ ዝስዕብ ብምባል` ተቐሚጡ ዘሎ “-ክልቲአን ቤተ-ክርስቲያናት፣ ነቲ ንዕድመ ልክዕ ዝተቀብአ ፓትርያርክ፣ ወይ ጳጳስ ከውርዳ እንተደልየን፣ ብመሥርሕ ሥርዓት ቀኖና ቤተ-ክርስቲያን፣ ዝተደገፈን ብቅዱስ-ሲኖዶስ ዝተወሰነን እንተ-ዘይኮይኑ፣ ከየውርዳ ወይ ከይትክኣ ተሰማሚዐን-“ እዩ ዝብል እቲ ፕሮቶኮላዊ ስምምዕ።

እቲ ንነዊሕ ዓመታት፣ ብኣቶ ዝመርጉ ጭዋ ክምራሕ ዝጸንሐ ሲኖዶስ ግና፣ ዝተባህሎ ዝፍጽምን ዝተጻሕፈሉ ዘንብብን ደኣምበር፣ ዝኾነ ነገር ክብል ብቕዓት ኮነ ትብዓት ዝነበሮ ብዘይ ምዃኑ፣ ኣብ 1998 / (2006) ነቲ ቀኖናዊ-ሥርዓት ቤተ-ክርስቲያን ብምትሕልላፍ፣ ከምኡ`ውን ነቲ ምስ መንበረ-ማርቆስ ዝተገብረ ፕሮቶኮላዊ-ስምምዕ ብምጥሓስ፣ ሕጋዊ-ፓትርያርክ ኣውሪዱ ካልእ ዘይሕጋዊ- ፓትርያርክ ክሸይም ዝወሰዶ ስጉምቲ፣ ውግዘትን ከቢድ ተነጽሎን ከም-ዘስዓበሉ፣ ብሙሉኡ ማኅበረ-ሰብ ዓለም ዝፈልጦ ታሪኽ`ዩ።

ብድሕር` ድማ እቲ መንገዲ ዘየኺዶም ምዃኑ ምስ-ተረድኦም፣ ኣብ 2007 / (2015)  ኣዳናጊርካ ክሕለፍ ዝኸኣል ስለ-ዝመሰሎም፣ ብስም ዕርቂ ሓደ ተዋስኦ ምሂዞም ከም-ዝነበሩ ዝፍለጥ`ዩ። እቶም ኣብ መቑሕ ተታሒዞም፣ ክቡር ናይ መሥዋዕቲ ዋጋ ኣብ ምኽፋል ዝርከቡ ዘለዉ፣ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ስለ-ዝተቓውሙዎ ግና፣ እቲ ብፖለቲካ ዝተላዕጠጠ ድራማ ክሠርሓሎም ከም-ዘይከኣለ ዝፍለጥ`ዩ።

እሞ እዞም መለካውያን ጳጳሳት`ዚኦም ደኣ፣ ኣብዚ ሰዓት` እንታይ ክብሉና`ዮም ዝደልዩ ዘለዉ-? እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበሩዎ ኩሉ፣ ነዛ ሃገር ኣብ ከቢድ መርገም ኣእትዩዋ ይርከብ ከም ዘሎዶ፣ ገና ክርድኦም ኣይከኣለን` ዘሎ-? እታ ሃገር ብዓባያ እንተኾነትሲ፣ እቲ ንሳቶም ዝዘርኡዎ መርገም፣ ኣብ ምዕጻድ ትርከብ ከም ዘላ፣ እዚ`ውን ኣይርድኦምን ድዩ-? ግዳስ ከምቲ “-ፈሊጡ ዝደቀሰ ሓርማዝ ነይንቕንቖ-“ ዝበሃል፣ ነቲ ካብ መንፈሳዊ-ተልእኮ ወጻኢ ዝርከብ፣ ናይ ፖለቲካ ኣጀንዳ ከተግብሩ ክብሉ፣ ኣብ ከቢድ መርገም ከብጽሕ ዝኽኽእል ስጉምቲ ክወስዱ፣ ኣብቲ መወዳእታ ጫፍ በጺሖም ይርከቡ ከም-ዘለዉ`ዮም፣ ኣዋጅ ኢሎም ዝነግሩና ዘለዉ።

ግዳስ ወዮ ሕልና ምስ ሞተ ደኣ፣ ተጸዊዑ`ውን ክሰምዕ ዘይክእል ኮይኑ` እምበር። ሎሚ ከም ሎሚ ሕዝብና ኣብ ትሕቲ ከቢድ ፈተና ወዲቑ፣ ይርከብ ኣብ ዘለወሉ ኣብዚ ሰዓት` “- ጎይታ-! ነዚ መባእ` እንታይ ኢና ክንገብሮ-? ናበይከ ክንወስዶ ኢና-? ቤት-መቕደስካ  ብኣሕዛብ ተረጊጹን ረኺሱን`ዩ። ካህናትካ ድማ ስለ-ዝተዋረዱ ይበኽዩ ኣለዉ-“ ብምባል ደኣ፣ ማዕጾ ቤት-ኣምላኽ ክኹሕኩሕ ብምባል፣ ሕዝብና ንጸሎትን ምህልላን ጻውዒት ክግበረሉ ምተገብአ እምበር፣ ናብ መርገም ኣቢሉ ክወስዶ ናብ ዝኽእል ካልእ መንገዲ ኣቢሎም፣ ንጸድፊ  ክመርሑዎ፣ እዚ ካብ ወገን ጳጳሳት ክመጽእ፣ ትጽቢት ክግበረሉ ዝግባእ ኣይነበረን። (1መቃ-3/50)

ብዝኾነ እቲ ኣብቲ ሓዋርያዊ- ሰንሰለት ጸኒዑ ዝርከብ ዘሎ ውሉደ-ክህነት፣ ነቲ ብተጽዕኖ ፖለቲካ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ክግበር ዝጸንሐ ምትእትታው፣ ካብ 1998 / (2006) ኣበርቲዑ ክቃወሞ ምጽንሑ ዝፍለጥ`ዩ። ኣብቲ ኩሉ ክግበር ዝጸንሐ ተቓውሞ ግና፣ እቲ ማኅበረ-ምእመናን ተሳታፊ ነይሩ ዝበሃል ታሪኽ ከም-ዘየልቦ፣ ግልጺ ጌርካ ክዝረብ ዝከኣል ሓቂ`ዩ። ሕጂ ግና እዚ በቶም መለካውያን-ጳጳሳት ክግበር ዝድለ ዘሎ፣ ጥቓ ዕብዳን ዝበጽሐ ግህሰተ-ሕጊ፣ ንማኅበረ-ሰብ ዓለም ከስምዕ ብዝኽእል ስፍሓት፣ ተቓውሞ ክግበር እንተደኣ ኮይኑ፣ ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶ ጉዳይ ሃይማኖቶም ምዃኑ ብምርዳእ፣ ኣደባባይ ወጺኦም ተቓውሞኦም ከስምዑ ዘለዎም ሓላፍነት ክዝንግዑ ኣይግባእን።

ብዝተረፈ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ብሕይወት ከለዉ፣ ካልእ ፓትርያርክ ክንመርጽ ኢና ምባል፣ እቲ ኣብ ሰሜን-ኣሜሪካ ዘሎ፣ ብብፁዕ ኣቦና ኣቡነ-መቃርዮስ ዓቃቤ-መንበርነት ዝምራሕ መንበር፣ ክቕበሎ ከም-ዘይክእል ድፍን ሕዝቢ ተዋሕዶ`ውን ክቕበሎ ዝኽእል ኣይኮነን። ብዝተረፈ ንሳቶም እቶም መለካውያን-ጳጳሳት፣ ዝደለዩ ክብሉ ይኽእሉ እዮም። ቤተ-ክርስቲያን ተዋህዶ ክትከዶ ዝግብኣ መሥመር፣ ዝሕንጽጽ ኮነ ዝውስን ግና ሕዝቢ ተዋሕዶ እምበር፣ ንሳቶም እቶም መለካውያን ጳጳሳት ኣይኮኑን። እዚ ከኣ ብግልጺ ክፈልጡዎን ክርድኡዎን ዘለዎም ጉዳይ`ዩ።

ስለዚ ሕዝቢ ተዋሕዶ ካብዚ ዝዓቢ ካልእ ውራይ ክህልዎ ስለ-ዘይክእል፣ እቲ ሕጂ በቶም መለካውያን-ጳጳሳት ክፍጸም ዝድለ ዘሎ፣ ዘይቀኖናውን ዘይሕጋውን ተግባር፣ ሃይማኖተይ የፍቅር` ዝብል ኩሉ፣ ንተቓውሞ ኃቢሩ ክለዓል ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ብመልክዕ ኣውያት ትጽውዕ ስለ ዘላ፣ ስለ ቤት ኣምላኽ ኢልና ንሕልና ነፍስ-ወከፍ ኦርቶዶክሳዊ ዝግደፍ ሓላፍነት ምዃኑ ተረዲእና፣ ንዕቤትን ክብርን ቅድስናን ቤተ-ክርስቲያን ኢልና ክንለዓል፣ ጻውዒት` ዝግበረልና ዘሎ` መልስና እንታይ`-?

እምበኣር ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ-ክርስቶስን፣ ፍቕሪ ኣምላኽን፣ ኅብረት መንፈስ-ቅዱስን፣ ምስ ኩላትና ክኸውን ብብምናይ፣ መልእኽተይ ኣብዚ እዛዝሞ ኣሎኹ።

ሊቀ-ካህናት ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

Diocese



 



 


ካብ ውሽጢ ኤርትራ ዝተረኽበ ንቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ንምቁጽጻር ብመንግስቲ ኤርትራ ክካየድ ዝጸንሐን ዘሎን ሽርሒ ዘቃልዕ ቪድዮ 



Support Tewahdo TV

Gofundme


Support Diocese

PayPal


ድኳን መጻሕፍቲ/Book Store


ጋዜጣ ፍኖተ ብርሃን፡ ልሣን

 ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ


ስብከተ ወንጌል


ራድዮ ቃለ ኣዋዲ


መጻሕፍቲ - Books 


ጾምን በዓላትን


Diocese Churches

 

Radio Tewahdo

 Video - Youtube

TV Tewahdo

A Message from H.G. bishop Mekarios

መጸናንዒ ቃል ብብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ብኸመይ

</div